ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ልምዓትን ቁጠባዊ ዓቕምን የመዝግበኦ ብዝነበራ ለውጢ ብብርኪ ክልልን ሃገርን መርኣያ ኮይንን እኳ እንተነበራ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጆኖሳይዳል ኵናት ግን ዝነበረን ሃፍተ ገነት ተወሪረን ቁጠባዊ ዓቕመን ናብ ኣዝዩ ዝተሓተ ብርኪ ወሪዱ ኣብ ዝኸፈአ መነባብሮ ይርከባ። ብምዃኑ ኢኮኖምያዊ ዓቕሚ ትግራይ መሊስካ ንምህናፅን ንምዕባይን ቅድሚ ኩሉ ኣብ ነፍሰ ወከፍ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ኢኮኖምያዊ ተጠቓምነት ምንቕቓሕን ምርግጋፅን ይጠልብ። ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን ኢኮኖምያዊ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ መሊሱ ንምሕዋይ ኣብ ነባራትን ሓደሽትን ዘፈር ቁጠባዊ ውዳበታት ኣብ ምትዕርራይን ምምችቻውን ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት እናገበረ ይርከብ።
ብመሰረት እዚ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘመሓድረን ወረዳታት ልዕሊ 22 ሽሕን ሽዱሽተ ምኢትን መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ክውደባ ተገይሩ። እዘን ውዳበታት ንምጥንኻር ኣብ ከተማን ገጠርን ሕርሻ ኣብ ምፍራይ ደርሁ፣ ምርባሕ ጤለ በጊዕ፣ ምልማዕ መስኖን ካልኦት ስራሕቲ ኣግሮፕሪሮሰሲንግ (ስራሕቲ ውፅኢት ሕርሻ) ተዋፊረን ከም ዘለዋ ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ተወካሊ ዳይሬክቶሬት ምምፃእ ኣተሓሳስባ ለውጢ ደቂ ኣንስትዮ ኣይተ ባይሩ ግርማይ የረድኡ።
ነዚ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ልቓሕን ገንዘባዊ ሓገዝን ብምምችቻው ናይ ስነልቦና ሕውየትን ሞያዊ ስልጠናን ረኺበን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ምህላወን ይሕብሩ። ሕብረት ሽርክና ማሕበር ተኪአን ውረታን ኣስኳል ገብረስላሴን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከተማ ሕርሻ ካብ ዝተዋፈራ ነባራት ኢኮኖምያዊ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። እዛ ማሕበር 57 ኣባላት ሓቒፋ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ክልተ ሄክታር መሬት ኣብ ልምዓት መስኖን ምህጣር ከፍትን ተዋፊራ እናሰርሐት ፀኒሓ። እተን ኣባላት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብሓገዝ ካብ ዝረኸበኦም እታዎታት ከም ማንጎ ዘይትሁን፣ ካዝሚር፣ ጌሾ፣ ቡናን ዝበሉ ቀወምቲ ተኽልታትን ካልኦት ኣዝርእቲ ሕምልትን ፍራምረን ሓጋይ ምስ ክረምቲ እናልመዓ ከም ዝነበራ ኣደ ወምበር እታ ማሕበር ወ/ሮ ተኪአን ውረታ ትገልፅ። በዚ እውን እቲ የልምዕዖ ዝነበራ መስኖ ክሰፍሕ፣ ዘፍርይኦ ምህርተን ኮነ ካፒታለን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዓብዩ ስረሐን ንካልኦት ማእኸል ተመኩሮን ብቕዓት መረጋገፅን ኮይነን ምንባረን እውን ወ/ሮ ተኪአን ተረድእ። ብተወሳኺ እውን ካብቲ ዘፍርየኦ ምህርቲ ዝተኣሸገ ጥሑን ምህርቲ ኮመደረ (ሳልሳ) ኣዳልየን ናብ ዕዳጋ ዘቕርባሉ ፋብሪካ እውን ኣታኣታትየን ነይረን። በዚ ድማ ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ዝግመት ሃፍቲ ብልምዓት ምውናን ክኢለን ነይረን።
ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ዝነበረን ሃፍተተ ገነት ዓንዩን በሪሱን እዩ። ስዒቡ ዝተነበረ ክባን ዕፅዋን እውን ነቲ ልምዓት ከቐፅልኦ ኮነ ሃለዋተን ከረጋግፃ ከቢድ ፈተና ዘጋጠመንን ኣብ ጫፍ ምብትታን በፂሐን ካብ ነበራ ውዳበታት እታ ሓንቲ ውዳበ ናታተን ከም ዝኾነት እውን ይገልፃ። ብተወሳኺ እውን ዝበዝሓ ኣባላት እታ ማሕበር መራሕቲ ስድራ፤ ብዕድመ ዕብየት ዘለወን፣ ሙሉእ ጥዕና ዘይብለንን ስድራ ገድሊ እንትኾና ካብኣተን እተን 15 ድማ ስድራ ስውኣትን ብምኻነን ነቲ ልምዓት ብሙሉእ ቀልበን ክቕፅላሉ እውን ፈተና ኮይኑወን ፀኒሑ እዩ።
ኮይኑ ግና በቲ ዘጋጠመን ወራርን ወድዓዊ ፈተናታትን ከይተምበርከኻ ተፀበይቲ ንዘይምኻንን ቁጠባዊ ዓቕመን ንምጥንኻር ብኔትዎርክ ተወዲበን መዓልታዊ ስራሕ ተኸፋፊለን ከም ብሓዱሽ ናብ ልምዓት መስኖ ተዋፊረን ኣለዋ። ካብ መስከረም 2016 ዓ.ም ብዝራእቲ ስርናይን ኣሕምልትን ዝጀመርኦ ኮይነን ኣብ 2017 ዓ.ም እውን ብዝራእቲ ድንች፣ ቀይሕ ሽጉርቲ ፃዕዳ ሽጉርቲ፣ ሓምሊ፣ ቆስጣ፣ ፎሶልያን ካልኦት ኣሕምልትን ብስፍሓት እናልመዓ ይርከባ። “መርሲ ክሮፕ” ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ልዕሊ ኣርባዕተ ምኢቲ ሽሕ ብር ብዝገበረለን ገንዘባዊ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ ብምዕዳግ መፍረያይነት ከም ዝጀመራን ብካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እውን ማሽን መሕረሲ ከም ዝተሓገዛ የረድኣ። ብከምዚ መልክዑ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ከም ዘልምዓን ዝረኸበኦ ትርፊ ድማ እንተይተኻፈላ መሊሰን ናብ መሳርሒ ልምዓት ከም ዘውዕለኦ ኣባል እቲ ማሕበር ዝኾነት ወ/ሮ ሊያ ተኽለሃይማኖት ተረድእ።
ከይዲ ጥንካረን ፃዕርን ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ እቲ ዝተገለፀ ኮይኑ ምስቲ ዘልምዐዖ ዘለዋ መሬተን ተኣሳሲሩ ግን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ከይዲ ዝፀንሐን ሰማዒ ዝሰኣነን ጥርዓን ከም ዘለወን ኣምሪረን ይገልፃ። ኣብ መዋስንቲ ናይ መስኖ መሬተን መዓል ክልተ ፅምዲ ዝኸውን ልዕሊ 150 ቀዋሚ ኣትክልትን ኣሕምልትን ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት ተወሪሩን ኣደዳ ውሕጅን ፍግረ መሬትን ኮይኑ ይርከብ። እዚ ናብ ባዕለን ክምለሰለንን ገዲበን ከልምዕዖን ካብ ክፍለ ከተማ ክሳብ ዞባ ዘለው ዝምልከቶም ኣካላት እኳ ጥርዓን እንተቅረባ ዛጊድ ምላሽ ከም ዘይረኸባ ድማ ኣውጊዐናና። ብተወሳኺ ከልማዓሉ ዝጠለፈኦ ናይ ሩባ ማይ ብኻልኦት ሰባት ኮነ ተባሂሉ እናፈረሰ ብሞተር ከስትያን ንነዳዲ ወፃኢ ከውፅኣን ተገዲደን እየን። ከም ኣገላልፃ እተን ኣባላት “ዋላ እኳ ብፀላእቲ ከምዚ ዝበለ ወራር፣ ዕንወትን ብርሰትን ይብፀሐና በዚ ከይተሰኮንና ተስፋና ኣጠጢዕና ውዳበና ብምስጣም ብቀፃሊ ኣስፊሕና ክነልምዕን ቁጠባና ክነመሓይሽን” ኢና ይብላ።
ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ተፀባይነት ንምድሓንን ኮነ ቁጠባዊ ዓቅመን ንምብራኽ ብባዕለንን ብመንግሰትን ብውልቀን ውዳበን ኣብ ዝተፈላለየ ዘርፍታት ስራሕ ተሰማርየን ኣፍረይቲ ኮይነን ካብ ዝተሓተ ብርኪ መነባብሮ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ተሰጋጊረን ነይረን። ሐዚ እውን ካብቲ ዘጋጠመን ኢኮኖምያዊ ውድቀት ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን መንግስቲ ብፍላይ ድማ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን እናሰርሐ ይርከብ። ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ተጠናኺሩ ስነ ልቦናዊ ሕውየትን ሞያዊ ስልጠና ብምሃብ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ኩነታት እውን እናተመቻቸ ይርከብ። ስለዚ ኣብ ማሕበር ተኪአን ውረታን ኣስዃል ገብረስላሴን ዘሎ ተበግሶ ናብ ኩለን ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንክባፃሕ ብቀፃሊ ምዕማም የድሊ። ብዋናነት ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝግበሩለን ሓገዛት ናብ መዓልኡ ከውዕለኦን ንዓርሰ ሕውየተን ዓርሰን ልዑል ቆላሕታን ተበጉሶን ክገብራሉ ይግባእ።