ብሕድሩ በርሀ (ወዲ ስላዋ)
ኩናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንፃር ኢራንን ምዕባለታቱን ንኩናት ኣመሪካን ኢራንን ጽልዋታቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ቀፂሉ ዝቐርብ ሓበሬታን ትንተናን ካብ ምጅማር እቲ ኩናት ካብ 28 የካቲት 2026 ዝሽፍን ትሕዝቶ ኣብቲ ዝሓለፈ ፅሑፍ ቀሪቡ ነይሩ፡፡ እዚ ፅሑፍ እዚ ድማ ካብ 19 – 26 ሚያዝያ 2026 ዝነበረ ምዕባለታት ብውስን ደረጃ ዝድህስስ እዩ።
1. ኣመሪካ
ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ እስራኤል ብምዃን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኩናት ካብ ዝጅምሩ ክሳብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2026 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ። ብደብዳብ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኢራን ብመጋቢት 1/2026 ኢራናውያን ንሞት ላዕለዋይ መራሒኦም ኣያቶላህ ካመኒ፡ ህልቂት ስድራቤቱን ሞት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናትን ብዕሊ ኣፍሊጦም። መጋቢት 9, 2026, ጉባኤ ኢራን ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣያቶላህ ሞሽቶባ ክሃማኒ (Ayatollah Mojtaba Khamenei) መሪጻ ብወግዒ ኣዊጃ። ዕለት 12 መጋቢት 3 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ህዝቢ ኢራን ብሰንኪ እዚ ኩናት ምፍንቓሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መጋቢት 22, 2026 ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ሆርሙዝ እንተዘይከፊትኩም ምንጪ ሓይሊ ኤለከትሪክ ኢራን ክንድምስሶ ኢና ዝብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ብ23 መጋቢት 2026, ትራምፕ እቲ ጊዘ ገደብ 48 ሰዓት ምስ ኣኸለ እንደገና ን5 መዓልታት ከምዘናወሖ ገሊጹ።
ኣብ ሞንጎ እዚ ፓኪስታን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘተ ክግበር ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ተራእዩ። ቀ/ሚ ፓኪስታን ንክልቲአን ሃገራት ብቢወገኖም ምርካብ ምጅማራ ኣፍሊጣ። ብ27 መጋቢት ፕረዚዳንት ትራምፕ ንመጥቃዕቲ ጸረ ኢራን ክሳብ ዕለት 6 ሚያዝያ 2026, ከምዝገትኦ ኣፍሊጡ።
ብ29 መጋቢት መራሒ ፓኪስታን ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ኢስላማባድ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ክዘራረቡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ነዚ ርክባት ዘመዓራረየትን ትእንግድን ብቐንዱ ፓኪስታን ዋላ እንተኾነት ኣብ ምቕልጣፉን ፍሬም ዎርክ ኣብ ምድላውን ተራ ዝነበረን ከም በዓል ሱዕዲ ዓረብ፡ቱርኪን ግብጽን ምንባረን ይፍለጥ። ብሚያዝያ 2 ፕረዚዳንት ትራምፕ ን19 ደቓይቕ ኣብ ዝሃቦ ገለጻ ብተደጋጋሚ ንኢራን ዘቆናጽብ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ትርጉም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ኣውሪድናዮ ዓቕሙ ኣዳኺምናዮ ዝኣመሰሉ ንሓይሊ ሚዛን ኢራን ዘታሕት ቃላት ፈንዩ። ነዚ ስዒቡ ብ4 ሚያዝያ ብሚኒስተር ወጻእ ጉዳያት ኢራን ኣቢሉ ዝወጸ ግብረ-መልሲ ኣብ ሚድያታት ኣመሪካ ተፈነወ፡፡ እዚ ድማ መርገጺ ኢራን ብግጉይ መንገዲ ዝገለፀ ነይሩ። ብ7 ሚያዝያ ፕረዚዳንት ትራምፕ ቴህራን ንእማመ ‘ተኹሲ ደው ምባል’ እንተነጺጋ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ምሉእ ብምሉእ ከጽንታ እየ፤ ስልጣነ ኢራን ምልእ ብምሉእ ከዕንዎ እየ “ምሉእ ስልጣነ ክመውት እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።
8 ሚያዝያ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ኢስላማባድ ንዕለት 10 ሚያዝያ 2026, ከምዝራኸቡን ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን ቶኹሲ ደው ምባል Cease-fire ከምዝተሰማሙዑ ፓኪስታን ንዓለም ኣፍሊጣ። ሚያዝያ 10/11 2026 ን21 ሰዓታት ዝኣክል ድርድር ተኻይዱ ብዘይ ውጺኢት ተበቲኑ። እዚ ዜና እዚ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም መደንገጺ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እዚ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ዝብል እንተይፈረሰ ዋላ ዝቐጸለ እንተኾነ ናይ ቃላት ምውርዋርን ሰፋሕቲ ናይ ኩናት ፕሮፖጋንዳ ምንዛሕን ግን ብኽልቲኡ ገጽ ተጠናኺሩ ቀጺሉ። ኣመሪካ ብፍላይ ፕረዚዳንት ትራምፕ ንመራሕቲ ኢራን ዘተኮረ ንምብትታን ዓሊሙ ስነ- ኣእምራዊ ኩናት ኣብ ምክያድ ዝተጸመደሉ ኩነታት እዩ ተራእዩ። ናይ ኢራን ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላ ሃሞኒ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ሚስጢራዊ ሓበሬታት ይፍነው ነይሮም። ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣብ ምንታይ ኩነታት ብዛዕባ ምህላው። ኣያቶላ ዓሊ ካሚኒ ብ28 የካቲት 2026 ብኣመሪካን ስራኤልን ብጥምር ስርሒት ድሕሪ ምቕንጻሉ ስልጣን ኣቡኡ ዝተረከበ ሃሞኒ ክሳብ ቀረባ እወን ኣብ ኣደባባያት ኣይተረኣየን።
ኣብ ዙርያ እዚ መራሒ ዘሎ ናይ ድሕነት ሓለዋ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈክጥ ደረጃ ኣዚዩ ጥብቂ ምዃኑ ጋዜጠኛታት ከምዝገለጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ ስራኤል ሰለይቲ ንምንቅስቓሳቱ ተኸታቲሎም ናይ ቅትለት መጥቃዕቲ ክፍጽምሉ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ዝብገስ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝኾነ፣ ካልእ ይትረፍ ናይ ኢራን ሳውራዊ ሓለዋ ሓለፍትን ናይ ኢራን መንግስቲ ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ምርኻብ ክቑጠቡ ተጌሩ ምህላው፣ ኣመሪካን እስራኤልን ካብ ዝጥቀምሉ ናይ ክትትልን መጸናጸንን ቴክኖሎጂ ንምምላጥ ክበሃል ምስዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢራን ዝግበር ዝኾነ ርክብ ምቁራጽ፤ ብኣዚዩ ጥቡቕ ዝኾነ ድሕነቱ ብዝተሓለወ መገዲ ብወረቕት ብሳይክል ሞቶርሳይክልን መኪናን ብዝእመኑን ብዝተፈላልየ ቦታታት ዝመላለሱን ሰባት ይፍጸም። እዚ መራሒ ካብዘለዎ ስውር በዓቲ ብተመሳሳሊ ምስ መራሕቲ ዝራኸበሉ ኣግባብ በቶም ድብዳቤ ዘመላልሱ ሰባት ምዃኑ ይገልጹ። እዚ መራሒ በቲ መጥቃዕቲ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝወርዶ ዋላ እንተኾነ ኣእምራዊ ኩነታቱ ግን ከምዝነበሮ ከምዘሎ ብናይ ኣመሪካ ሚዲያ ተፈንዩ። መውጋእቱ ኣብ ሓደ እግሩ 3 ግዜ ሰርጀሪ ተገይርሉ ባምቡላ እግሪ ይጽበ ምህላው፡ ናይ ኢዱ መውጋእቲ ግን ኣብ ምምሕያሽ ከምዝርከብ ይግለፅ፡፡ ኣብ ገጹ ኣብ ከንፈሩን ኣፉን ዘጋጠሞ መውጋእቲ ንምዝራብ ከምዘሽግሮ እንዳተመላለሱ ዝሕክምዎ ክልተ ሰባት ኣለው። እቲ ሓደ ብናይ ልቢ ኦፕረሽን ስፔሻሊስት ሞያ ዘለዎ ሕጂ ናይቲ ሃገር ፕረዚዳንት ዝኾነ መሰዑድ ፔዚሽክያንን ናይቲ ሃገር ሚኒስትሪ ጥዕናን ምኻኖም በቶም ናይ ምዕራባውያን ሚዲያታት ተገሊጹ። ፕረዚዳንት ትራምፕ ብወገኑ መራሕቲ ኢራን ተኸፋፊሎም፣ ሓለፍቶም ወዲእናዮም ኢና፤ እቶም ሓለፍቲ ገሊኦም ኣኽረርቲ እዮም ገሊኦም ለዘብተኛትት እዮም ኢሉ ገሊፁ።
ካሊእ እዋን ድማ ወዲእናዮም ምስ መን ኢና ንዘራረብ ከምዘለና ኣይንፈልጥን ይብል። ብተወሳኺ ኣብ ኣመሪካ ዝምንባሩ ጸረ ኢራን ዝኾነ ኢራናዊ ሓይሊ ‘ኢራን ኢንንተርናሽናል’ ብዝሰየሞ ሚዳያኡ ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኢራን ምክፍፋል ምፍጣሩ ዘመልክት ሓበሬታ ብቕርበት ከምዝረኸበ፤ ንኣያቶላ ሞሽታካሜን ብሰለስተ ገጽ ተጻሒፉ ዝተልኣኸ ደብዳቤ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ድርድር ዝተሳተፉ ኢራናውያን ተደራደርትን እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢራን ዓብይ ምስቅልቅል ከምዝተፈጠረ ‘ኒኩሌር’ ዝምልከት ፍጹም ኣብ ናይ ድርድር ፍሬም ዎርክ ከይተእትው ዝብል ትእዛዝ ቀይሕ መስመር ጥሒስኩም ከምዝበሎም …ወዘተ ከፋፈልቲ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ጸላእቲ ኢራን ተሰሊፉ ንሃገሩ ዝኸሓደ ሚዲያ እዮም ዝብሉዎ።
2. ኢራን
ብወገን ኢራናውያን ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ብናይ AI (artificial Intellegence) ቴክኒካል ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካውያን ዝዝርግሕዎ ጸረ ትራምፕ ንጥፈታት የጸዕቑ ከምዝነበሩ እንትግለጽ ብመንግስቲ ደረጃ ግን ነቲ በቢሰዓቱን መዓልቱን ብትራምፕ ዝልቀቕን ዝዝረብን ጸረ-ኢራን ዝኾነት ንእሽቶ ነጥቢ ፍጹም ኣይትሓልፎምን ቀጥታ ብተሪር ግብረ-መልሲ እዮም ዝምክቱዋ ነይሮምን ዘለውን። ብደረጃ መንግስቲ ግን ብዛዕባ ትራምፕን መንግስቲ ኣመሪካን ዘለፋታት ብዙሕ ኣይረኣናን።
እንተ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ነቲ ህዝቦም ብፍላይ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ሃገራዊ ዓበይቲ ትካላት ድልድላት ክነዕኑ ኢና ዝብሉ ካብ ኣመሪካን እስራኤልን ምስተሰመዐ ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ደረጃ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ናብ ኣደባባያት ወጺኡ ምስትካላትና ደሪብኩም ቅተሉና ኢሉ ናብተን ትካላት ባንዴራ ሃገሩ ሒዙ ከይዱ ከቢብወን ደው ከም ዝበለ ብምስሊ ናብ ዓለም ምሉእ እዩ ተጋዊሑ። ብዝተፈላለየ መዓኽናት ሚዲያ ከም በዓል ኒውዮርክ ታይምስ ናይ ጸላእትና መሳርሒት ኮይና ጸረ ኢራን ተገልግል ዘላ ‘ኢራን ኢንተርናሽናል’ን ብቐንዱ ከኣ ብባዕሉ ብፕረዚዳንት ትራምፕ ዝዝርጋሕ ወረታትን ዜና ሓሶትን ኣካል እቲ ንብሄራዊ ድሕነትን ሓድነት ኢራናውያንን ንምድኻም ኮነ ተባሂሉ ብደረጃ ዘመቻ ዝተጀመረ ምዃኑ፤ ሓለፍቲ ኢራን ከምዝተበታተኑ ዝፍኖ ዘሎ ፈጠራዊ ወረታት እቲ ካልእ ናይ ጸላእትና ናይ ኩናት ስልቲ ምኻኑ ኣንዳዕዲዕና እንፈልጦ እዩ ወዘተ ክብሉ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ብተመሳሳሊ ሓሳባት ኣብ ናይ ሕድሕዶም ናይ ኤክስ ገፅ ሒሳባቶም (X account) እንዳገለጹ ነይሮም።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኢራን ብ 25 ሚያዝያ 2026, ኣቆፃፅራ ፈረንጂ መግለጺ ኣውጺኣ ትሕዝቶኡ ድሕሪ ሕዚ ንዝኽፈተልና ናይ ኣመሪካን እስራኤልን ውግእ ዓጸፋዊ ምላሽ ንምሃብ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ድልዋት ኢና ብምባል ኣዊጃ። ዲፕሎማምሲያዊ ጻዕርታት ዋላ ሕዚ እውን ይቕጽል ምህላው ይግለጽ ኣሎ። ቱርክ ኣመሪካን ኢራንን እንተተሰማሚዕም ኣብ ምጽራግ ፈንጂ ባሕሪ ክሳተፍ እየ ብምባል ብወግዒ ገሊጻ ኣላ። ሲዊዘርላንድ እውን ብወገና ብዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኢምባሲኣ ኣብ ቴሂራን ክትከፍት ወሲና ኣላ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ኣመሪካውያን ተደራደርቲ ምስ ኢራን ንካልኣይ ግዜ ወግዓዊ ድርድር ንምክያድ ዕለት 25 ሚያዝያ 2026, ለይቲ ኢስላማባድ ፓኪስታን ክኣትው ትጽቢት ይግበር ዋላ እንተነበረ ኣመሪካውያን ተደራደርቲ ን18 ሰዓታት ተጓዒዞም ንኢስላመባድ ከምዘይኸዱን ነቲ ጉዕዞ ፕረዚዳንት ትራምፕ ከምዝሰረዞን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ተገሊጹ ነይሩ።
2ይ ርክብ ስምምዕነት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላመባድ ፓኪስታን ከይተጀመረ እዩ ተበቲኑ። እቶም ናይ ኢራን ተደራደርቲ ገሊኦም ካብ ፓኪስታን ናብ ዓዶም ከምተመልሱ ገሊጾም። ኣመሪካን ኢራንን ብቃላት ኣብ ጉዳይ ቀጻሊ ኩናትን ሰላምን ዘተኮረ ኣብ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ምልልሳት እየን ዝርክርባ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ምቁራጽ ተኹሲ ስምምዕነት ግዜ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም ሰላም ክወርድ ኣብ መላእ ዓለም ገጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ነውጺ ክሃድእ ዝነበሮ ትጽቢት ብምምካኑ ከምዝሓዘነ ብመንግስታቱን ካልኦት ወኪላት ህዝብን ይግለጽ ኣሎ። ካብ 27 ሚያዝያ 2026 ንደሓር ዘሎ ምዕባለታት ቀፂልና ክንርኢ።
3. ምኽፋት ኢምባሲ እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ
እስራኤል ታሕሳስ 26, 2025 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ንሶማሊ ላንድ ከም ሃገር ዕላዊ ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ይዝከር። በዚ ምኽንያት ሃገረ ሱማሊያ ብትሪ ነዚ ለኣላዊነት ሃገረ ሶማል ዝጥሕስ ውሳነ እስራኤል ክቕልበስ ጻውዒት ኣቕሪባ። ነዚ ስዒቡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ንውሳነ እስራኤል ዝኹንን ናይ ተቓውሞ መግለጺታት ኣውጺአን።እንተኾነ ግን እስራኤል ልክዕ ድሕሪ 4 ወርሒ ቆጺራ 26 ሚያዝያ 2026, ኣብ ሶማሊላንድ ኢምባሲ ከምትኸፍት ብዕሊ ገሊጻ። ቀዳማይ ኣምባሳዶራ መዲባ። እቲ ብሚስተር ወጻኢጉዳያት እስራኤል ዝተመደበ ኣምባሳደር ‘ሚኪኤል ሎተም’ ከምዝበሃል እውን ኣፍሊጦም። (Foreign minister Gideon Sa’ar appoints Michael Lotem as Israel’s first ambassador to Somaliland.) ምኽፋት ኢምባሲ እስራኤል ኣብ ሶማሊ ላንድ ኣብዚ እዋን ንምንታይ? ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ተንተንቲ ከምዝብሉዎ እንተኾይኑ ኣብዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዘሎ ጅኦፖለቲካል ረብሓታትን ድሕነትን ንምርግጋጽ ንምውሓስን ምስ ዘሎ ተበግሶታት ዝተኣሳሰር እዩ። ሃፍታማት ሃገራት ዓረብ ናይ መን ሰዓረ ንሕንሕ ዘካይዳሉ ነናተን ወኪላት ኣብቲ ዞባ ፈጢረን ብውክልና ዝዋጋኣሉ (proxy war) ብምዃኑ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሜዳ ዓውደ ኩናት ገይረንኦ ኣለዋ። ጅኦፖለቲካዊ ጽልዋታተን፣ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ረብሓታተን ንምርግጋጽ ክብላ ነዚ ዞባ ኣራግጽ ወዲአንኦ። ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ኣህዛብ ነንባዕሎም ክዋድኡ ምስቲ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምትፍናናት ተኣሳሲሩ ነናይ ባዕለን ኣሰላልፋ ፈጢረን እየን። ብሓደ ገጽ ብሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝምራሕ ረድፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ (ፒፒ)፡ ብጀነራል ሒመቲ ዝምራሕ ናይ ሱዳን ዓማጺ ሓይሊ RSF (Rapid Support Force)፡ ሊብያን ቻድን፡ ሶማሊ ላንድን ዘለውዎ ሰልፊ እዩ፡፡ በቲ ካልእ ድማ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኣሰላልፋ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን SAF (Sudanese Armed Force)፡ ብፕረዚዳንት ኣሕመድ ሽኽ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማሊያ መቃደሾ፡…. እዮም። ከም በዓል ቱርኪ፣ ግብጽን እስራኤልን እውን ሰለስቲአን ተነሓናሕትን ተጻረርትን ሃገራት ነናይ ባዕለን ረብሓታት ማእኸል ዝገበረ ኣብዚ ዞባ ኣእዳወን ኣእቲየን ኣለዋ። ነናይ ባዕለን ደገፍቲ ወኪላት እውን ኣሰሊፈን ኣለዋ። እስራኤል ኣብዚ ዞባ ቀዳምነት ዝሓዘቶ ሓይሊ ናይ ኢማራት ዓረብ ኮይኑ በዚ መገዲ እዚ ድማ ኢትዮጵያን ሶማሊ ላንድን ኣብ ጎኒ እስራኤል ክስለፋ ገይሩወን እዩ። ስለዚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ተሰላፊ ወኪል እዩ። ምስቲ ናይ ኢማራት ዓረብ ኣሰላልፋ ዳርጋ ዝተሓዋወሰ (merge) ዝገበረ እዩ ዝመስል።
ቱርኪ ኣብዚ ዞባ ጀኦፖለቲካዊ ረብሓታታ ጽልዋታቱን ተጠቃማይነታን ናይ ምዕባይን መደብ ሒዛ ናብዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣትያ ኣላ። ቱርኪ ናብ ሶማሊያ ዝኣተወትሉ ግዜ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ነሓሰ 2011 እዩ። ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ናይ ሶማሊያውያን ጥሜት ንምዕዛብ ብዝብል ሰበብ ብቀ/ሚኒስተር ጤይብ ኢርጋዳን ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ መቃደሾ ዑደት ኣካይዱ። ድሕሪ ዑደቱ ከኣ ኣብ መቃደሾ ኢምባሲ ከፊቶም። ኣብ 2017 ወተሃደራዊ ማእከል መስልጠኒ ገዚፍ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊያ ሃኒጾም። ቀንዲ ዕላምኦም ጅኦፖለቲካል ጽልዋታቶም ንምዕባይ ምዃኑ ይግለጽ። ስለዚ ሶማሊያ ምስ ቱርኪ ምሕዝነቱ ልዑል እዩ። ኣብ ቀረባ ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ተርኪ ናብ ሶማሊይ ከምዝኣተው እውን ይግለጽ። መንግስቲ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝንቀሳቐሳ ምስ መንግስቲ ስዑዲን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶማሊ ላንድ ዘሎ ናይ እስራኤል ምትእትታው ብምቅዋም ተመሳሳሊ መርገጺ ኣለዎም።
ናይ መን ሰዓረ ንሕንሕ መራሕቲ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ (ሃገራት ኣዕራብ) ስዒቡ ኣብዚ ዞባ ምስ ዝተረአየ ናይ መንግስታትን ጉጅለታትን ኣሰላልፋ ኣብ መወዳእታ እንታይ እዩ ከስዕብ? ዝብል ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እስራኤል ኣብ ሶማሊ ላንድ ኣትኩራ ትሰርሓሉ ዘላ ምኽንያት እንታይ ክኾውን ይኽእል፣ ዝተፈላለዩ ናይዚ ዞባ ጅኦፖለቲካል ተንተንቲ ዝህብዎ ሓሳብ ኣሎ፡፡ ንሱ እውን ብኢራን ዝሕገዙ ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ንምጥቃዕን ኣብ ሶማሊ መቃደሾ ወታዳራዊ መዓስከራት ቱርክን ግብጽን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ዘካይዶኦ ልምምዳትን ካልእን ንምክትታልን ንምቁፅፃርን ክኾውን ይኽእል ዝብል እዩ።
መንግስቲ ሶማሊያ ንምኽፋት ኢምባሲ እስራኤል አብ ሶማሊ ላንድ ስዒቡ ምጥሓስ ንውዕላት ምቋም ሃገራትን ብፍላይ ሉኣላዊነት ሃገረ ሶማል ብግልጺ ዝጥሕስን እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ እዩ። ቀጺሉ መራሒ መንግስቲ ሶማሊያ ፕረዚዳንት ኣሕመድ ሸኽ ብ 16 ሚያዝያ ናብ ቱርኪ ብምኻድ ምስ ቀ/ሚኒስተር ጠይብ ኦርዶጋን ተራኺቡ። እንተኾነ ንቃወሞ ካብ ዝብል ዝሓልፍ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሕጊ ዓለም ዝገበሮ የለን።
4. ርክብ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን
ካብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኣብ ሞንጎ ናይቲ ሃገራዊ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊትን ብዕጡቕ ቐልጡፍ ሓገዝ RSF ዝበሃል ብጀነራል ሓመቲ ዝምራሕ ሓይልን ክካየድ ዝጽንሐን ዝቕጽል ዘሎን ሕድሕድ ኩናት ሱዳን ኣብ ወሽጢ እታ ሃገር ከቢድ ስብአዊ፣ ንዋታዊ ዕንወት ኣብጺሑ እዩ። ሕድሕድ ኩናት ሱዳን ገዚፍ ኢድ ኣእታውነት ኢማራት ዓረብ ብRSF ኣቢሉ ኣብታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ፈጢሩ እዩ። እንተኾነ ብኸቢድ ቃልሲ ህዝብን መንግስትን ሱዳን እቲ ሓይሊ ሚዛን እቲ ኩናት ቀይሩ ኩነታት ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ ናብ ወሳኒ ደረጅኡ ከምዝበጽሐ ይፍለጥ። ብፍላይ ምስ ምጅማር ኩናት ኣመሪካን ኢራንን ስዒቡ በቲ ኩናት ብዝለዓለ ደረጃ ዝተጠቐዐት ኢማራት ዓረብ ንቃልሲ ህዝቢ ሱዳን ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩ እዩ።
ብመሰረት እዚ፤ ኩነታት ብጀነራል አልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ቅልጡፍን ዕውትን ወተሃደራዊ ስሪሒታት ብምድርን ሰማይን የካይድ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ምፍራስ ሰራዊት ዳዕመት ሰሪዕ ዝገልጽ ናይ ሓደ ጀነራል ምስላም ኣመልኪተ ሓቢረ ነይረ ሎሚ ድማ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ን72 ሰዓታት ብዝተኻይደ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ቡሉናይል ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዳዕመት ሳሪዕን ዕሱባቱን ተኻታታሊ መጥቃዕትታት ምክያዱ ገሊጹ ኣሎ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባ ቡሉናይል ከተማ መገጃ ኣንጻር ሰራዊት ሓመቲ ብዘካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ 4 ዱሩዓት መካይን ኣቃጺሉ፡ ኣብ ምዕራብ ኮርዳፋን እውን 10 ታንክታትን 18 ናይ ውግእ መካይንን ኣቃጺሉ፡፡ ሰራዊት ሓመቲ ተበታቲኑ፡፡ እዚ ስርሒት እዚ ብሓገዝ ሓይሊ ኣየር ሱዳን ምፍጻሙ ይግለጽ። ሓይሊ ኣየር ሱዳን ቅድሚ ሕዚ እቲ ኣብ መደኒ ዝነበረ መደበር ሓይሊ ኣየር ሱዳን ብዳዕመት ሳሪዕ ተደብዲቡ ካብ ስራሕ ወጻእ ኮይኑ እተን ነፈርቲ ንፖርት ሱዳን ግዒዘን። እንተኾነ ብጀነራል ሓመቲ ዝምራሕ ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ ሰራዊት ብናይ ኢማራት ድሮናትን ነፈርትን ተጠቒሙ ናብ ፖርት ሱዳን ስዒቡ ደብዲቡዎ። ነፈርቲ ውግእ መንግስቲ ሱዳን ንግዚኡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት (ኤርትራ) ክዕቆባ ጌሩወን ምጽንሑ ይዝክር።
ሕዚ ግን ብምኽንያት ምቅይያር ሓይሊ ሚዛን ሓይልታት ሱዳንን ምድኻም ኢማራት ዓረብን ኩነታት ተቐያይሩ ነፈርቲ ውግእ ሱዳን ከምድሌተን ተገላቢጠን ንመዋፈሪታት፡ ሎጂስታካል ዲፖታት፡ መካናይዝድ ኣሃዱታት ጀነራል ሓሚቲ የዕንዋ ምህላወን ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከብ ቀንዲ ናይ ሓመቲ ናይ ወርቂ መውጽኢን መጻረዬን ቦታታት ከምዘዕነውዎ ገሊጾም እዮም። ካልእ ጀነራል ሓመቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ አዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ዱባይ ምጉዓዙ ስለያዊ ምንጭታት ሓቢሮም። ጀነራል ሓመቲ ዝበዝሕ ግዜ ዝነበረሉ ኣብ ዱባይን ኣዲስ ኣበባን ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ንጸረ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ዝኾነ ሓይሊ ወይ እዚ ማእለያ ዘይብሉ ዕጥቂ ተዓጢቑ ዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓመቲ ወኪላት ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ዞባ ኮይኖም ዝሰርሑ ንሰንሳቶም ተደጋጊፎም ልኡኾም ክፍጽሙ ብሓባርን ብተናጸልን ዝእዘዙ መራሕቲ እዮም። ከምዝፍለጥ መራሒ ፒፒ ኣብይ ኣሕመድ ንረብሓን ድሌትን ንጉስ መሓምድ ቢን ዛይድ ከፈጽም ንሉአላዊነት ኢትዮጵያ ብዝግህስ መንገዲ ኣብ መሬት ክልል ቤንሻንጉል ንሰራዊት RSFን ካልእ ጸረ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ዝኾኑ ዕጡቓት ዝዕለምሉ፣ ዝውደብሉ፣ ዝዓጥቅሉን ዝዋፈርሉን ወተሃደራዊ ቤዝ ፈቒዱ እዩ። ናብዚ ዝኣቱ ኣፅዋር፣ ተተኳሲ፣ ዘመናውያን ዱሩዓት መካይይንን ኩሉ ሎጂስትካል ቀረባትን ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ምድርን ሰማይን መጋዓዝያታት ከቕርብ እውን ተራእዩ እዩ። ኩነታት እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ወተሃደራዊ ቤዝ ዝምልከት ብናይ ዓለም-ለኽ ሚዲያታት ብሳትላይትን ካልእ ዘመን ዘፍረዮ ቴከኖሎጂታትን ተጸኒዑ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ምቅልዑ ይዝከር። እዚ መዓስከር ኣብ ቀረባ ግዜ ብሰማይን ብምደሪን ብሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ተፈንይዎ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ምግባሩ ይዝከር።

ብዛዕባ እዚ ስርሒት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝፈጸሞ ስርሒት ዛጊድ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርበ የለን። መራሒ ሱዳን ኣል-ቡርሃን ምስ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ጅዳ ብዕለት 20/04/2026 ተራኺቦም። ልዕል ኦሉ ከምዝተገልጸ ብ MBZ ወይ ድማ መሐመድ ቢን ሱልማን ዝድገፍ ጀነራል ሓሚቲ ብኣንጻሩ ንጀነራል ኣልቡርሃን ዝድፍ ድማ MBS እዩ። እዞም ክልተ መሓመዳት (ንጉሳን ኢማራትን ስዑድን) ከካብ ናይ ባዕሎም ድሌታት ነዚ ዞባ ንሰንሳቱ እንዳዋግኡ ከምዝጸንሑን ሕዚ እውን መጠኑ ብዘየግድስ ኣብ ምሕጋዝ ከምዝርከቡን ዘምልክት ተርእዮታት ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ንወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል ሓመቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ካብ ኬንያ ንዱባይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምምልላሱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ከኣ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ናብ ሱዕዲ ጌሹ ቀንዩ። ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ሱዳንን ዝተገብረ ናይ $1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ናይ ኣጽዋር ዕደጋ ስምምዕ ንምዕጋት ስጉምቲ ወሲዳ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን እዩ ምስቲ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንምርኻብን ንምዝታይን ዝኸደ።
ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ “ድሕነትን ምርግጋእን ሱዳን ምርግጋጽ” ከምኡ’ውን “ልኡላውነታ፡ ሓድነታን ግዝኣታዊ ጽንዓታን ምሕላው” ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘስመሩሉ፣ ተገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብቲ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ተመያይጦም እዮም። ወኪል ዜና ሱዳን (SUNA) ከም ዝሓበሮ፣ ኣልቡርሃንን ልዑል መሓመድን ንክልተኣዊ ዝምድናታት ምሕያልን “ኣብ ዓውድታት ሓባራዊ ምትሕብባር ንቕድሚት ምስጓምን” ብዝምልከት ተዘራሪቦም ኣለዉ። እዚ ርክብ እዚ ዝካየድ ዘሎ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወርሒ ሰነ መድረኽ ወፍሪ ሱዳንን ስዑዲን ንምእንጋድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋንን ጀርመን ንሱዳን ዝኸውን ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ቃል ዝተኣተወሉ ዋዕላ ካብ እተአንግድ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምዃኑ እዩ።
እቲ ናይ ሰነ መድረኽ፡ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ላዕለዎት ፖለቲካውን ቁጠባውን መራሕቲ ክእክብ ትጽቢት ይግበር። ዕላማኡ ድማ ንወፍሪ ዝዓግቱ ቀንዲ ዕንቅፋታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ባንኪ ዘለዉ ፈተናታት ንምፍታሕ እዩ። እቲ ኣብ ጀርመን በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ግና ንክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት—ሰራዊት ሱዳን (SAF)ን ዕጡቃት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን—ካብቲ ዋዕላ ወጻኢ ብምግባሩ ካብ መንግስቲ ሱዳን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። ኣገዳስነቱ: ኣገባብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘለዋ ውድድር ዝተጸለወ እዩ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዘሎ ምስሕሓብ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ክልቲኤን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ወደባት መስመራት ንግድን ፖለቲካዊ ጽልዋን ንምቁጽጻር ይቃለሳ ኣለዋ።
ብተወሳኺ፤ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ፓኪስታን ንሱዳን ኣጽዋርን ነፈርቲ ውግእን ንምቕራብ ዝነበራ ስምምዕ ክእገድ ከም ዝሓተተት ገሊፁ እዩ። ስዑዲ ዓረብ ምስ ፓኪስታን ድልዱል ርክብ ዘለዋ ኮይና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2025 ናይ ሓባር ምክልኻል ስምምዕ ምፍራመን ይዝከር። ስዑዲ ዓረብ ንሰራዊት ሱዳን (SAF) ፖለቲካዊ ደገፍ እኳ እንተሃበት፡ ብወግዒ ግና ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ኢድ ከም ዘይብላን ኣብ ዲፕሎማሲያዊን ሰብኣዊን ንጥፈታት ጥራይ ከምዘተኮረን እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
5. መደብ ምሕዳስ፡- ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን፤ ሎምቕነ ገለገለ ናይ ኣመሪካ ሚዲያታት ምምሕዳር ትራምፕ ምስታ ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቦታ ትውንን፣ ንዓመታት ተነጺላ ዝጸንሐትን ሃገር (ኤርትራ) ዝምድና ንምሕዳስ ዝከኣለሉ መንገድታት ሃሰስ ይብል ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘለዋ ውጥረት ነቲ ካልኣይ ወሳኒ መስመር ንግዲ ባሕሪ ንምዕጻው ኣብ እትፈራርሓሉ ዘላ እዋን እዩ። ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ማሳዓድ ቡሎስ (Massad Boulos) ንናይ ወጻኢ መዘነታቱ ከም ዝገለጾ፤ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ልዕሊ 700 ማይልስ ገምገም ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ምልዓል ንምጅማር ትሓስብ ኣላ። እዚ ጻዕሪ እዚ ክፋል ናይቲ ምምሕዳር ትራምፕ ንመጀመሪያ ግዜ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ እዩ።
ምኽንያት እቲ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ዝመጽእ ዘሎ ብኢራን ዝድገፉ ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ክዓጽዉ ምፍርራሕ ድሕሪ ምጅማሮም እዩ። እዚ ድማ ቴህራን ካብ እዋን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ጀሚራ ነቲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ንግዲ ንምቁራጽ ምስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዝተተሓሓዘ እዩ።
እቲ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምሕዳስ ዝተትሓዘ መደብ ቅድሚ ኩናት ምስ ኢራን ተጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር፤ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምዕጻው እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ነቲ ገለ ካብቶም ቀንዲ ሰደድቲ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ንወሽመጥ ፋርስ ንምግዳፍ ዝጥቀሙሉ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣመሪካ ንእትኽተሎ ፖሊሲ ዝያዳ ኣገዳስነት ሂብዎ ኣሎ።
ልኡኽ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝዀነ ቡሎስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ኣብ ካይሮ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሕታዊ ርክብ ከም ዝገበረ እቲ ርክብ ዝፈልጡ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም። ዕላማ እቲ ርክብ ድማ ብዛዕባ ምቅላል ማዕቀብ ኣመሪካ ንምዝርራብን ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ናይ ዘተ መድረኽ ንምጅማርን እዩ። ሰኑይ (ዕለት 20.04.2026 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ምዃኑ እዩ) ቡሎስ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ እዩ። ግብጺ ኣብ መንጎ ኣመሪካን መራሒ ኤርትራን ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣብ ምምዕርራይ ትሕግዝ ከም ዘላ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ይገልጹ።
ኣብቲ ርክብ ቡሎስ ንመራሒ ግብጺ ኣል ሲሲ ከም ዝሓበሮ፤ ኣመሪካ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ምልዓል ንምጅማር መደብ ሒዛ ምህላዋ ዝሕብር እዩ። ቡሎስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ጎና ጎኒ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ከም ዝተራኸበ እውን እቲ ጸብጻብ የረድእ። ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፤ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ንምጥንኻር ብሃንቀውታ ይጽበ። እቲ ወሃቢ ቃል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ንምቅላል ዝቐረቡ ዝርዝር ሕቶታት ግና መልሲ ኣይሃበሉን።
እቲ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምሕዳስ ዝተታሕዘ ውሳነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓደ ግዜ ክስጉም ሓደ ግዜ ድማ ክሰናኸል ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ሰበ-ስልጣን እቲ ምምሕዳር ብኻልኦት ዓበይቲ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ (ከም ኲናት ጋዛን ኢራንን) ተፀሚዶም ቀዳምነት ሂቦም ይጥምቱ ብምንባሮም እዩ። ኤርትራ ብማዕድናዊ ሃብቲ ዝሃብተመት እያ፤ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ ድማ ፊት ንፊት ስዑዲ ዓረብን የመንን ይርከብ። ጎረቤት ሃገር ጅቡቲ ናይ ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ጃፓንን ኢጣልያን ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ወታሃደራዊ መዓስከራት ዝርከቡላ ሃገር እያ። እዚ ድማ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ንዓበይቲ ሓይልታት ኣገዳስነቱ ዘጉልህ እዩ። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ኤርትራ ተነጺላን ኣብ ትሕቲ ማዕቀብን እትጸንሓሉ ኩነታት ተማሓይሽ ኣይተማሓይሽ ብዘየግደስ በዚ ናይ እዚ እዋን ህውኽ ኩነታት’ዚ ንኣመሪካ ለውጢ ኣየምጽእን። ማዕቀብ ንምልዓል ተስፋ ብምሃብ ዘተ ምጅማር ንኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ረብሓ ከምዘምጽኣላ እዮም ዝኣምኑን ዘገድሶምን። እዞም ሰበ-ስልጣን እዚኦም ኤርትራ ዘለዋ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ብዘየገድስ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንኣመሪካ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ብምዃኑ ዝምድና ንምጅማር ክጽዓር ከምዘለዎ ይዛረቡ።
እዚ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዝምድና ናይ ምሕዳስ ጉዳይ ነቶም ብኲናት ዝተጎድኡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ግጭታትን ንሕንሓትን ክፈጥር ይኽእል እዩ። ሰበ- ስልጣን ኣመሪካ ኢትዮጵያ “ታሪኻዊ መሰል ገምገም ባሕሪ ኤርትራ ኣለኒ” ብምባል ኲናት ክትጅምር ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ብውስን ደርጃ ይገልጹ እዮም። ነዚ ርክብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝወጸ ዓንቀጽ ስዒቡ ካብ ገለ ገለ ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ናይ ባዕሎም ጽልዋታት ዘለዎም ኣመሪካውያንን ኣብ ቲዊተርን ኢኒስታጋራምን ዘውጽእዎ ዘለው ሪእይቶታት (ተቓዉሞታት) ኣሎ። ንኣብነት Robbie Gramer ዝተብሃለ ኣብ ናይ ዲፕሎማሲን ብሄራዊን ሰኩሪቲን ሪፖርተር ኮይኑ ዝሰርሕ ሰብ ዝተዛረቦ፤ ተቓውሞይ ንምልዓል ማዕቀብ ኤርትራ ብባዕሉ ኣይኮነን። እቲ ስጉምቲ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መርትዖ ኣለዎ ብምባል ይገልፅ።
ኢሳይያስ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ፡ ኣገዳስን ጽልዋ ዘለዎን ተዋሳኢ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። እንተኾነ ስግኣተይ ግን እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ውሳነታት ዝውሰዱሉ ዘለዉ ኣገባብ እዩ። እወ፡ ጽቡቕ ጎንታት ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ይኹን እምበር፣ ብዙሕ ክመጹ ዝኽእሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዉዎ። ማዕቀብ ናይ ምስራዝ ውሳነ ከምቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ካብ ካልእ ተነጺሉ ጥራይ ክርአ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ክልቲኣዊ ርክብ ጥራይ ኣይኮነን።
ካብኡ ሓሊፉ፤ ኣብቲ ምምሕዳር ዘለዎ መርትዖ እውን ሕቶ ኣለኒ። ስትራቴጂ ዘይብሉ ዝርርብ (ምቅርራብ) ንባዕሉ ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንጹርን ብቑዕን ስትራቴጂ ዘለና ኣይመስለንን ይብል። ብተወሳኺ ድማ፣ እቲ ናይ ትራምፕ ዲፕሎማሲ ኣብ ረብሓታት ዝተሰረተ (transactional) እንተኾይኑ፡ ነዚ ማዕቀብ እዚ ብምልዓልና እንታይ ረብሓ ኢና ክንረክብ? ኢሳይያስን ሲሲን እንታይ ከም ዝረኽቡ ርዱእ እዩ። ንሕና ዩናይትድ ስቴትስ ግን እንታይ ከም እንረክብ ንጹር ኣይኮነን። ኢሳይያስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጽገና ክገብር ዝኽእል ኣይኮነን፡ ንኣመሪካ እውን ወተሃደራዊ መዓስከር ክህብ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል ኢዩ። ዋላ ቃል እንተኣተወ እውን ከመይ ጌርካ ይእመን። ንሱ (ኢሳይያስ) ኪዳናት ብምፍጣርን ብምጥላምን እዩ ክሳብ ሕዚ ፀኒሑ ኣብዚ እዋብን ኸ ስለምንታይ እዩ ፍሉይ ክኸውን? ርእይቶይ ኣብዞም ኩሎም ሕቶታት ህዝባዊ ክትዓት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ክትዓትን ዘተን ዝሓሸ ፖሊሲን ንኹሉ ዝጠቅም ውጽኢትን ከም ዝርከብ ስለ ዝገብሩ። እቲ ምስጢራዊ ዝርርባት ግን ዩናይትድ ስቴትስን ቡሎስን ህዝባዊ ክትዓት ክግበር ድሌት ከም ዘይብሎም እዩ ዘመልክት።
“ካብዚ ዝሓሸ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና።” ዝብል ካልእ ሪእይቶ ዘቕረብ ናይ መንግስቲ በዓል ስልጣን ዝነበረ፣ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝከታትል፣ ሕጂ ድማ CSIS (Center for Strategical and International Stadies) ዝሰርሕ Cameron Hudson ዝበሃል ኣመሪካዊ ዝበሎ፡- ኤርትራ ከም ቀደማ ጨካንን ጨቋኒትን ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ሰሜን ኮርያ ትነጻጸር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጨፍጫፍ ዘካየደት ሃገር እያ። ትራምፕ ግን ነዚ ኩሉ ዕሽሽ ብምባል፣ ብሰንኪ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምኽንያታት ጥራይ ነቲ ማዕቀብ ክልዕሎ ይጽዕር ኣሎ። ኣምባሳደር ቲቦር ናⶵ ኣብ ምምሕያሽ ርክባት ኣመሪካን ኤረትራን ኣመልኪቱ ዝበሎ ጉዳይ እውን ኣሎ። ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ተርም ናይ ኣመሪካ ኣምባሳዶር ኮይኑ ዘገልገለ ዲሒሩ እውን ኣብ ኣፍሪካ ምክትል ጉዳይት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሐን ኣብ 2018 ኣስመራ ከይዱ ምስ ኢሳይያስ ዝተራኸበን ሰብ እዩ።
ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ፤ ብሚያዝያ 24/2026 ምስ ሓደ ሚዲያ ዝተዛረቦ ኩሎም ምምሕዳርራ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኖርማላይዘሽን ንምፍጣር ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ትራምፕ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ተርሙ ኣነ ናይ ኣፍሪቃ ወኪል ኣመሪካ ስለዝነበርኩ ንአስመራ ከይደ ምስ ሰበስልጣናት ኤርትራ ተዘራሪበ ነይረ፤ ዝርርብና ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ጽቡቕ ዝምድና ምስ ኤርትራ እውን ክህልወና ኢና ንደሊ ዝብል ነጊረዮም፣ እንተኾነ ስለዘይደለይዎ ኣይሰዓብዎን ኣይተኸታተልዎን ይብል።
ኣስዒቡ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝነበርኩሉን ግዜ ምስ መለስ ደጋጊመ ይራኸብን የዕልልን ነይረ፡፡ ምስ ኢሳይያስ ኣንጻር ደርግ ብሓባር ተቓሊሶም ምስ ተዓወቱ ናይታ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ብሓባር ክመርሑ ስለዘይኽእሉ ተፈላሊዮም። እቲ ህዝቢ ጻዕራም ለዋህ እዩ፡፡ እታ ሃገር እውን ንምንባር ምችውቲ እያ፣ እንተኾነ ብኹሉ መዳይ ንድሕሪት ዝተረፈት ኢንተርኔት እኳ ዘይብላ ብዙሕ ነገር ዝጎደላ ሃገር ዝመርሕ ኢሳይያስ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ምስ ኣመሪካ ክገብር ዝኽእል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ድሕሪ እዚ ርክብ ምስ ኣመሪካ ኣብ ብዙሕ ነገራት ኢደይ ከእቱ ክብል ይኽእል እዩ።
ኣብ መወዳእታ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ምስ ኤርትራ ትኹረቱ ምስ ሶማሊ ላንድ እንተዝገብሮ ከምዝሓይሽ ቲቦር ናዥ ይዛረብ። ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ርክባት ኤርትራን ኣመሪካን ቅድሚ 4 ወርሒ እንታይ ኢሉ ነይሩ? ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2026 ንሓድሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሃገራዊ ሚዲያ ቲቪ ኤረ ኣብ ዘካየዶ ቃልመሕተት ጉዳይ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ንዝጸንሐን ገለ ዝጅመር ዲፖሎማሲያዊ ርክባትን ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ነገር ነይሩ።
ኣመሪካ ድሐሪ ዙሑል ኩናት ዓለም ንኣስታት 80 ዓመታት ጸረ ኤርትራ ፖሊሲ ተኸቲሉ ምጽንሑ ኤርትራ ብሰንኪ ፖሊሲኡ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ናጽነታ ኣምጺኣ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ምስ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ናይ ግብረ-ሽበራዊ ምንቅስቓስ ተኣሳሲሩ ምስና ርክባት ጀሚራ ምንባራ ኣዘኻኺሩ። ይኹን እምበር ነዊሕ ከይጸንሐ ርክባትና ኣሕርፊፉ ንኤርትራ ምጉናይን ዝተፈላለዩ እገዳታቱን ቀጺሉ ይብል።
ኢሳያስ ከምዝብሎ፤ ኣብ 2016 ፕረዚዳንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ድሕሪ ሓደ ክልተ ዓመታት ጻኒሒቱ ብወገን ኤርትራ ንዝቐረብሉ ስፊሕ ናይ ዲፖሎማሲ ኢንጌጅመንት ተቐቢልዎ ብመስርሕ ገለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበሩ እገዳታት ብኸፊል ምልዓሉ፤ እንተኾነ ብዙሕ እንተይሰራሕና ናይ ዕድመ ስልጣኑ ኣኺሉ ኣምሊጡና እዩ። ትራምፕ ቀዳማይ ተርሙ ወዲኡ ፐረዚዳንት ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትና ደስኪሉ። ድሕሪ ባይደን ፕረዚዳንት ትራምፕ ዳግም ተመሪጹ ን2ይ ተርም ምስ መጸ ን4 ዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ርክባትና ዳግም ክበራበር ጀሚሩ። ብወገንና ነቲ ዝነበረ ርክባትና ንምሕዳስ ጠለባት ኣቕሪብና። ርክባት ተጀሚሩ። ኤርትራ ብወገና ዘለውዋ ኩሎም ሓሳባት ሒዛ ናብቲ ርክባት ክትቀርብ ብወገን ኣመሪካ እውን ብተመሳሳሊ ጠላባታ ኩሉ ሒዛ ክትቀርብ ስምምዕነት ተበጺሑ።
ቀንዲ ሓሳባት ኤርትራ (እቲ ምስ ኣመሪካ ክንገበሮ እንሓስቦ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ) በይናዊ ርክባት ዘይኮነ ኣብዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘላቒ ዘተኣማምን ሰላምን ርግአትን ዝፈጥር ርክባት ክህልወና ስለ እንደሊ ኣመሪካ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተው ፖሊሲ ክተመዓራሪ (ክትክተል) ዝብል እዩ። ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን….ወዘተ ዝብል ናይዚ ዲፕሎማሲ ሮድማፕ ኣዳሊና ኣለና ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኤርትራ By lateral (በይናዊ) ዝኾነ ርክባት ምክያድ መፍትሒ ጸገም ከኾውን ከምዘይኽእል ኢና ንአምን ይብል ፕረዚደንት ኢሳያስ።
6. እዋናዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፤ ድሕሪ እዚ ኩነታት ኢራን ምስ ምዕጻው ወሽመጥ ሖርሙዝ ኣተኣሳሲሩ ገዲፍዎ ዝጸንሐ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ እንደገና ኣልዒሉ ምስ ስቴት ሚዲያኡ ተዛሪቡ። ጉዳይ ወሽመጥ ሖርምዝ ንዓለም ዘዛርብ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘይዝረበሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ። ሕቶና እንተዘይተመሊሱ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብትናን ተረጋጊኡ ክነብር እዩ ማለት ዘበት እዩ ክብል መዲሩ። ነዛ ነጥቢ እዚኣ ቀዲሙ ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ምስዘይምለስ ኣብዚ ከባቢ ሰላም ኣይህሉን ኢሉ ዝተዛረበ ጀነራል ጻድቃን እዩ ነይሩ። ናይ ክልቲኦም ቃና ሓደ ዓይነት ስለዝነበረ ብመደብ ዝተዘርበ ጉዳይ ምንባሩ የመልክት።
እዚ ቅድሚ ብዛዕባ ምሕዳስ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን ዝምልከት ወረ ምዝርግሑ ዝተዛረብዎ እዩ ነይሩ። ቅድሚ እዚ ናይ ኣመሪካ ምንጽብራቕ ድሌት ርክብ ምስ ኤርትራ፣ በቲ ብወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጰያ ዝዳሎ Horn Review ብዝብል መርበብ ሓበሬታ ካብ ምንጭታት ስለላ ብምባል ኤርትራን ሱዳንን ብሓባር ካብ ኢራን ናብ ዕጡቓት ሑቲ ብሕቡእ ዕጥቂ የመሓላልፋ ከምዘለዋ ዝኸስስ ዓንቀጽ ዘርጊሖም ነይሮም። ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ወኪል ኢራን እያ ምስ ኢራን ደሚርኩም ረኣይዋ ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ ንኣመሪካ ዘሕልፍ እዩ ዝመስል ነይሩ። ነዚ ሓበሬታ ከምዘለዎ ወሲዱ ዝዘርገሐ ካልእ ወገን እስራኤል ዝኾነ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል መደበሩ ኣብ ማእከላይ ምብራቐ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ፣ ምንጩ ሆርን ሪቪው ምኻኑ ገሊጹ ነዚ ዝተገልጸ ኣብ መርበቡ ዘርጊሕዎ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ እንደገና ሆርን ሪቪው ዝበሃል ናይ ፒፒ መርበብ ነቲ ናቶም ሓበሬታ ብካልእ ኣካል ከምተረኸበ ኣምሲሎም ኣውጺኦምዎ ቀኒዮም። ምስዚ ናይ እስራኤል ደጋፊ እስራኤላዊ ሰላሊ ከምዝነበረ ዝገልጽዎ ወናኒ እዚ መርበብ ብምርድዳእ ዝገበርዎ እዩ ዝመስል ዝብል ግምታቶም ዝገለጹ ምንጭታት እውን ኣለው። ኣመሪካ ግን ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ጸወታ እዝኒ ዘይሃበቶ ዲያ ወይስ ካልእ ዝተፈልጠ ዘየለ ኮይኑ? ዝብል ሕቶ ወሲድካ፣ በንጻሩ ርክባታ ምስ ኤርትራ ዳግም ንምሕዳስ ከምዝወሰነት እያ ኣንጸባሪቓ። ኣመሪካ ኣብ ኩናት ትግራይ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘብጽሕዎ ገበን ኩናት ግፍዕታትን ዘርኣዊ ምልዕዓላትን መሰረት ዝገበረ ዝወሰደቶ ናይ ማዕቀብ ስጉምታት ናይ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክናዋሕ ፕረዚዳንት ትራምፕ እንትእዝዝ ናይ ኤርትራ ማዕቀብ ግን ክፈትሖ ይሓስብ ምህላዉ ኣንጸባሪቑ ኣሎ።
እዚ ነቲ ብኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ትርጉም ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ። ልክዕ እዩ ናይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዘመናት ዘቑጸረ እዩ። ኣመሪካ ብመንጽር ረብሕኣ ንዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኢትዮጵያ ንጎኒ ኣወንዚፋ ደጊም ንኤርትራ ክትጥምት ኢልካ ንምድምዳም ዝከኣል ኣይመስለንን። እንተኾነ ግዳ ኤርትራ ሕጂ ንናይ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ግዳይ ከምዘትኸውን ግን ምላሽ ንኽረክብ ኣጀንዳ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ። ድሕሪ እዚ ናይ ኣመሪካን ኤርትራን ጉዳይ ምዝርግሑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕሊ ዝተብሃለ እንተዘይሃለወ እኳ ብሚኒስተር ጌታቸው ረዳ ግን እዚ ርክብ ምስ ኤርትራ ከምዘይሳኻዕ ዝሳኸዓሉ መገዲ ብሓባር ውሕጅ ዘሳግር ክኾን እንተኾይኑ ኢሳያስ ምስ ኣብይ ምስዝዕረቕ እዩ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ለጢፉ ኣሎ።
እቲ ካሊእ ጉዳይ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንብልጽግና ዘናግዐ ሓድሽ ክስተት ብ ‘ቲዲ ኣፍሮ’ ዝወጸ ኣልበም እዩ። እዚ ኣልበም ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብፍላይ “ዳስ ጣል” ትብል ደርፊ ብንጽል ኣብ 10 መዓልታት ልዕሊ 18 ሚሊዮን ህዝቢ ሰሚዕዋ ኣሎ። ንጠቕላል ን18 ደርፍታት ዝሓዘ ኣልቦሙ ብድምር ንኹሉ ዝረኣየ ብዝሒ ተመልካቲ 105 ሚሊዮን ኣብ 10 መዓልቲ እዩ። ብልጽግና እዚ ደርፊታት ምስተዘርገሐ ተናጊዑ እዩ፡፡ ዳርጋ ዝበዝሑ ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ እዚ ተዛሪቦም እዮም። ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ዝወጸትላ ለይቲ ወጋሕታ ሄሊኮፕተር ኣልዒሉ ናብ ኦሮሚያ ገጽ ንናይ ንፋስ ሓይሊ (ፀዓት) ምረቓ ከይዱ “ጉቶዎች እንነቅላቸዋለን” ንስኹም ቁራ ንሕና ኣሞራ (ንስር) ኢና፣ ብደም ዝመጸ ብልጽግናዊ ዕበየትና ብቑራታት (ብዃኻት) ኣይቕልበስን” ወዘተ ዝብሉ ናይ \ናሺናል ጀኦግራፊ\ ኪኢላ መጽንዒ እንስሳታት ክመስል ብሚሒር ሕርቃኑ ከም ልማዱ ክጻረፍ ተሰሚዑ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ ባዕሉ ን800 ዓመታት ዘይተፈትሐ ጸገም ኢትዮጵያ ኣብ 8 ዓመታት ዝፈትሐ ተኣምረኛ ብልጽግና ከመይ በዚ ደረጃ ይግለጽ ክብል ኣብ ባህርዳር ኣብቲ ንምርጫ ዝምረጸሉ ከይዱ ተዛሪቡ ። ኣዳነች እበቤ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ተመስገን መደረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪባ። ድሕሪ እዚ ናይ ቴዲ ኣፍሮ ደርፊ ዝሰምዑ፣ ኣብ ሚዲዮኦም ዘድረፉ፣ ዝደገፉ፣ መሳርሕቲን ኣዕርኽትን እቲ ደራፊ ዝኾኑ ተታሒዞም ናይ ኣልሸባብ ኣባላት ተባሂሎም ተኸሲሶም። ስዒቡ ስቲዲዮ ቲዲ ኣፍሮ ወሪሮምዎ፡ ናብ መንበሪኡ ከይዶም ላፕቶፕ ሞባይል ኤሌክትሮኒክስ ወዘተ ወሲዶም። እዚ ኹሉ በቢግዜኡ ዘካይድዎ ኮይኑ ንባዕሉ ከይሕዝዎ ዘስዕቦ ናዕቢ ከይህሉ ስለዝሰግኡ ተቐላጢፎም ኣይደፈሩን፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዘሎ ስጉምታት ብምውሳድ ዝኸድዎ ዘለው ተግባር ንፈተነ እዩ፡፡ ነዚ ክሳብ ሕጂ ዝነበሮም ጉዕዞን ዝተረኣየ ምልክታትን ገምጊሞም ብድሕሪኡ ንባዕሉ ክኣስሩን ምናልባት እውን ከወግድዎ ክሓስቡን ይኽእሉ እዮም። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ብ 19 ሚያዝያ 2026፡ ኣብ ቃጫ ዝበሃል ወርቂ ዝወጸሉ ቦታ ነቲ ወርቂ ክሕልው ዝተመደቡ 30 ኣባላት ሪፓብሊካን ጋርድ ፒፒ ብዘይተገልጸ ዕጡቕ ሓይሊ ተደምሲሶም ምሉእ ዕጥቆም ስናይፐሮምን ድሽኮኦምን በቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተወሲድ ዝብል ዜና ምውፅኡ ካሊእ ረስኒ ኮይኑ እዩ።
ጀነራል መሰለ ዝበሃል ምክትል ወተሃደራዊ መራጃ ምክልኻል ብልጽግና ሓላፊ እቲ ንናይ ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ቤንሻንጉል ንሰራዊት RSF መሰልጠኒ፡ መወደቢን መዋፈሪን መዓስከር እሙን መልእኽተኛ ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዝመርሕ ዝነበረ፤ 24 ኪሎግራም ወርቂ ሒዙ ክሓልፍ ኣብ ኤርፖርት ተታሒዙ እዩ፡፡ ይኹን እምበር በቲ ናይቲ ክልል ቤንሻንጉል ፕረዚዳንት ሽልማት ከምተውሃቦ ገሊጹ። እንተኾነ እዚ ናብ ፖሊስን ጉምሩኽን በጺሑ እቲ ጉዳይ ናብ ምክልኻል ክምለስ ይግበር ኣሎ።
እዚ ጀነራል ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ኩናት ኣንጻር ትግራይ ግዜ 7 ሚሊዮን ብር ኣብ ኣካውንቱ ከምተረኸበ ይፍለጥ። መግለጺ ጸጥታዊ ህውከት ዝኾነ ዜጋታት ምዕፋን ምጥቃዕን ኣብ ኢትዮጳያ ገኒኑ ዝቕጽል ዘሎ ክስተት ኮይኑ እንተኾነ ግዳ ኣብ ተራ ዜጋታት ዝተሓጽረ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ለዕሊ ሰበ-ስልጣናት እቲ ስርዓት እውን ይፍጸም ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ኢዩ። ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 66 ሰበስልጣናት ብልጽግና ጭውያ ፣ቅንጸላን ናይ ገንዘብ ድርድርን ከምዝበጽሐ ናይ ዓለም ኣጽናዒ ትካል ገሊጹ። ኤውሮጳ ሕብረት ብምኽንያት ኩናት ኣንጻር ትግራይ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት በጀት ድጋፍ ኣጊዳቶ ጸኒሓ ሎሚ እቲ እገዳ ተላዒሉ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ወሳነ ምሕላፋ ተግሊጹ ኣሎ።
7. ብገለ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተንተንቲ ኢና ዝብሉ ኣብዚ ቅንያት ብዛዕባ ትግራይ ኣመልኪቶም ዝገለጽዎ ትንተናታት እንትንርኢ፤ ዕፅዋ ትግራይ መድሕን የብሉን ኤርትራ ንባዕላ ዘይኮነት ንትግራይ ኣይትኾንን እያ ንዝብሉ ተጋሩን ኤርትራውያንን ብዓብይኡ ከኣ ብልጽግና ዝፍንውዎ ፕሪፖጋንዳ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቶም ዝገልጽዎ ግብረ-መልሲ ኣንቱም ንባዕላ ዘይኮነት ኤርትራ ንትግራይ ኣይትኾንን ትብሉ ወገናት ናብ ትግራይ ናብ ባይታ ወሪድኩም ዋጋ ነዳዲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ ኣወዳዲርኩም ክንደይ ኣሎ ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ዝብል ፍረዱ ይብሉ።
ካልእ ትግራይ ኣብዚ እዋን ነቲ ሕጋዊ መንግስታ ናይ ምምላስ ውሳነኣ ሓደ ዓብይ ዝላ እዩ። ህወሓት ሕጋዊ መንግስቲ ክምለስ ወሲና መላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ ተቐቢልዎ ኣሎ። እዚ ሕጊ ተርጋሚ፡ ሕጊ መውጽኢን ሕጊ ፈጻሚን ዘለዎ መንግስቲ እንተቖይሙ ንኤርትራ እውን ንርክባት ኣጸጊሙ ዝጸንሐ ጉዳያት ዝፈትሕ እዩ። እቲ ቀንዲ ድማ ኤርትራ ዘይትድግፎ ውዕል ፕሪቶሪያ ተጸንቂቑ ወዲቑ ኣሎ። ትግራይ ዲፋክቶ ስቴት ትኾነሉ ዕድል ሰፊሑ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን፤ HUMA RIHGT WATCHS ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ዝገልጽ ጸብጻባት ኣውጺኡ ብሚዲያታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብጻዕቒ ዝሸራሸር ዘሎ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዘሎ ወራሪ ሓይሊ ዝተወደበ ‘ተከዘ ዘብ’ ምስ ስሩዕ ሰራዊት ብልጽግና ተታዅሶም 17 ናይ ‘ተከዘ ዘብ’ ኣባላት ተወጊኦም 8 ካብ ምዱብ ሰራዊት ፒፒ ሞይቶም ዝብል ወረ ኮይኑ እቲ ምኽንያት ሓዲኦም ናይ ቴዲ ኣፍሮ ደርፊ ይሰምዑ ኔሮም ኣጥፍእዎ ኣይነጥፍእን ዘበገሶ ግጭት ምኻኑ ይገልጹ።
ኣምባሳደር ቲቦር ናዢ ብዛዕባ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝበሎን ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብዛዕባ ተካይዶ ሃገራዊ ምርጫን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፤ ንህወሓት ከም ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ መጠን ንውድባዊ ህልውንኡ ዝፍሑቕ ውሳነ ብወገነይ ዓብይ ጌጋ እዩ፡ ህወሓት ኣብቲ ምርጫ ከይሳተፍ ምግባር፣ ትግራይ ዘይትሳተፈሉ ምርጫ ኢትዮጵያ ጎደሎ ምርጫ ኢዩ፡ ህወሓት ማለት ኣብ ናይ ህዝቢ ትግራይ DNA (ደም ሱር ህዝቢ ትግራይ) ዝርከብ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ። ትግራይ ዘይትመርጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኢሉ፡፡ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንሓደ ዓመት ዕደመ ስልጣኑ ተናዊሑሉ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ምላሹ ትግራይ ሐጂ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ምኽንያቱ ሕቶታት ህዝቢ ኣይተመለስን፣ ህወሓት እውን ከምዘይወዳደር ጌሮምዎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ኣብ ትግራይ ኣይከኣልን። እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብውሳነ ሓደ ወገን ‘ምበር ህወሓት ኣይተቐበሎን ስለዚ ትርጉም የብሉን ክብል እዩ ገሊፁ።
ኣስዒቡ፣ ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ባዓዝ ዝበሃል ናይ በዓል ሳዳም ሑሴን ፓርቲ ሕጋዊ ህልውንኡ ኣፍሪስና ካልእ ደጋፊና ፓርቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ ተጌሩ፤ እንተኾነ እቲ ህዝቢ ዒራቕ ኣይተቐበሎን ኣይደገፎን ኣብ መወዳእትኡ እታ ሃገር ተሓሚሳ ትርከብ። ነዚ ምስ ናይ ህወሓት ኣተኣሳሲሩ እንትድምድም ናይ ዒራቕ ኩሉ ክመሃረሉ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮይኑ ክልተ ተርም ዝሰርሓላ ዝፈትዋ ሃገር እያ ብዙሕ ምዕባለታት ዝንበራ ሃገር እያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ደጋጊሙ ይራኽብ ምንባሩ እንተኾነ ሎሚ ክልተ ኢትዮጵያ እያ ዘላ ኣብ ደገ ኮይንካ ብወረ ትፈልጣ ዝማዕበለት ዝተለወጠት ኢትዮጵያ ብዝቐርብ ዜና ዝበልጸገት ኢትዮጵያ ተሳኢላ እያ ትቐርብ።
እታ ካልኣይቲ ኢትዮጵያ እታ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ኣብ ባይታ ትረኽባ ካልእ መልክዕ ዘለዋ ብጸጥታ ትህወኽ፣ ብሕድሕድ ኩናት ትባላዕ፣ እቲ ኣብ ደገ ኮይንካ ትሰምዖ ዳህሲስካ ዘይትረኽበላ፣ ብጥሜትን ብቑጠባዊ፣ ማሕበራዊ ቅልውላው ዜጋታታ ዝተቓወሱላ ኢትዮጵያ እያ ዘላ ይብል ቲቦር ናዥ። ካብዚ ሚዲያ ወጻኢ ኣብ ናይ ባዕሉ ኤክስ ኣካውንት ነቲ ብኪነ ጥበብ ኣቢሉ ንህላወ ህዝቡን ኢትዮጵያ ብትኽክል ዘንጸባረቐ ኣርቲስት ቴዲ ኣፍሮ “ጅግና” ክብል እዩ ገሊጽዎ። ቲቦር ቅድም እንትብል ንብልጽግና ዝድግፍ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ምስ ምንባሩ እዚ ሎሚ ዝገለጾ ዘሎ ሓሳባት መበገሲኡ ሓደ ኣብቲ ናይ ብልጽግና መሪሕነት እምነት ምስኣን ክኾውን ከምዝኽእል ይግመት። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ውልቃዊ ዲዩ ወይስ ናይቲ መንግስቲ ቁዋም ናይ ምዃን ተኽእሎ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ብቕጻሊ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
8. መጠቓለሊ
ኣብ ዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ምስ ኩነታት ማእኸላይ ምብራቕ ተኣሳሲሩ እነትረእ ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ ሓያል ኣብ ልዕሊ ድኹማት፣ ሃፍታማት ኣብ ልዕሊ ድኻታት ጎበጣ፡ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ጨፍጫፍ፣ ዕንወት ጸጋታትን ትካላትን ህዝብን ሃገራትን፣ ጥሕሰት ለኣላውነት ሃገራትን ህዝብን እንዳተፈጸመ ገላጋሊ ዘይብሉ ባዶ ዝኾነት፣ ተስፋ ውጽዓት ዘይኮነት ዓለም ትኸውን ኣላ። ንሃገራት ዓለም ብዝውክልና ንከመሓድረን ሕግታትን ቻርተራትን ዓለም ብሚዛን ከማእዝን፣ ክመርሕን ከፈጽምን ሓላፍነት ዝተውሃቦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢደ እግሪ ዘይብሉ ካብ ተዋጋኢት ላሕሚ ዘየድሕን ፋይዳ ኣልቦ ትካል ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።
ሎሚ ናይ ዝሓየለ እምበር ስርዓትን ሓቅን ናይ ዝኣምንን ብሕጊ ክዳነ ናይ ዝጽበን ዓለም ኣይኮነትን ትኾውን ዘላ፡ ዝኸኣልካ ውጻእ ዘይከኣልካ ተሽኸል እዩ ዝመስል። ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝተወለዐ ኩናት ምኽንያት ክንድይ ንጹሃን ቀዚፉ፡ ክንደይ ልምዓታት ኣዕንዩ፡ ክንደይ ሃፍቲ በሊዑ፡፡ ክንደይ ፓብሊክ ኣገልግሎታት ተቋሪፁ፡፡ ክንደይ ዕዮታት ተሰናኺሉ…. ንቕድሚት ዛዕባ እዚ ሪሰርቸርስ ወይ ድማ ሞያተኛታት ኣጽናዕቲ ክምልስዎ ይኾኑ እዮም።
ብሰንኪ እዚ ኩናት ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣበተን ዘይማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ዘብጽሖ ዘሎ ጉድኣት ከቢድ እዩ። እቲ ብደሆ ናብ ነፍሰወከፍ ሰባት ተሸሪፉ ልዕሊ ዓቕሚ ሰባት ኮይኑ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ንኣብነት፤ ናይ ሉፍታንዛ መንገዲ ኣየር ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ኣብ ሰሙን ክሳብ 2000 በረራታታ ሰሪዙ። ኣብ ነብሰወከፍ በረራ ክንደይ ዝተፈላለየ ዋኒን ዘለዎ ካብ ምንቅስቓስ ተገዱቡ ኣሎ ምግማት ይከኣል። እዚ ብስድራቤት፣ ንናይ ከባቢ ማሕበረ ሰብ፣ ንሃገር ኢሉ እውን ንመላእ ዓለም ዝህልዎ ጽልዋ ገዚፍ እዩ። እተን ብሰማይ ዝበራን ብመሬት ዝጎዓዛን መጓዓዝያታት ዘለወን ናይ ጉዕዞ ታሪፍ ወሰኽ ብ20 ክሳብ 30 ሚእታዊ ወሲኹ ኣሎ።
ካብ ጁቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ 250 ነዳዲ ዝጽዕና ቦጣት ይኣትዋ ነይረን፡፡ ድሕሪ ኹናት ግን ኣብ መዓልቲ ናብ 50 ወሪደን። ካብ ጅቡቲ ነዳዲ ዘመላልስ ሓደ መራሕ መኪና ከምዘውገዓኒ ንሱን ኣዚዮም ብዙሓት ከምኡ ዝበሉን ከም ልማዶም ነዳዲ ክጽዕኑ ከይዶም ዝጸዓን ነዳዲ የለን ተጸበዩ ተባሂሎም ንክልተ ወርሒ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ። መሬቱ ብዘመናዊ ድኹዒ ደኪዑ እቶቱ ኣሰሲኑ ንስድራቤቱን ንከተማ ነባርን ዝዕንግል ሓረስታይ ሎሚ ድኹዒ ኣቕርቦት ብምስኣን ወይ ብምሒር ምኽባር ድኹዒ እንተዘይተጠቒሙ ፅባሕ ኣብ ምህርቲ ዘጋጥም እንታይ ከምዝኾን ርዱእ እዩ።
እዚ ብጭቡጥ ኣባና ሓደግኡ ከመይ እዩ ዝግለጽ? ብፍላይ ን5 ዓመታት ዝወረደና ዓሚቕ ፅንተታዊ ግፍዕታትን ዕንወትን ሐዚ’ውን ብኹናት ከጥፉኡና ከቢቦምና ኣብ ዘለወሉ ኩነታትን ሓዊስካ ክብደቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝኸውን መዘራረቢ ጉዳይ እዩ። ኩነታት ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ወሽመጥ ሖርሙዝ ሓሊፉ ናባና ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክዘልቕ ተኽእሎታት ኣለዎ። ጉዳይ ኣመሪካን ኢራንን ብሰላም እንተዘይዓሪፉ ኢራን ትሕነዮ ንዘላ ጉዳይ መዕጻው ባቢኤል መንድብ ብዕጡቓት ሑቲ ክስዕብ እዩ። ኣመሪካ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ገጻ ንኤርትራ ትጥምተሉ ዓይኒ በዘይምኽንያት ኣይኮነን። እስራኤል ርክባታ ኣብ ሶማሊላንድ ተጠናኽረሉ እውን ርዱእ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ናይ ኢማራት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ናይ ግብጺን ቱርክን ኣራግጽ ምብዛሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ምስዚ ጅኦፖለቲካል ኩነታት እዚ ዞባ ደሪብካ ዝረአ ጉዳይ እዩ።
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ንእትገብሮ ርክባትን ቆላሕታን ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ድኹም መንግስቲ ከዳኽሞ ዲዩ ካልእ ዝሓሸ ዕድል ክፈጥረሉ ዝብል ሕቶ ኣዛራራቢ ጉዳይ ይመስለኒ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ንሕና ከም ተጋሩ መወጻጽኦና እንኽተሎ ስትራተጂ እንታይ እዩ ክኸውን? ምሕዳስ ርክባት ኤርትራን ኣመሪካን ንጽምዶና ምስ ኤርትራ ብአሉታ ይኹን ብእውንታ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ያኽእል? ምኽንያቱ ምትእትታው ኣመሪካ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ከይትድፈር እንተገይሩዋ ወይ ኣመሪካ ንናይ ክልቴአን ዲፕሎማሲኣ ንዘይምብልሻው ክተታዓርቐን እንተኺኢላ ዝብሉ እንተታት ምፍታሽ የድሊ እዩ።
Gazeta Woyen
