ኣብዚ ቐረባ እዋን ብመንግስቲ ፌደራል ዝተገበረ ምቕፃል ሽመት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንዓርሱ ንምልታም ኮነ ኢልካ ዝተገበረ፣ ሕጊ ዝጠሓሰን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ፀረ ወሳንነት ህዝቢ ኣካያይዳ ከምዝኾነ ተንታኒ ፖለቲካ ተጋዳላይ ተስፋይ ታደሰን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ተጋዳላይ ፈናን ኣብርሃን ገሊፆም።
እዞም ኣብ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ ኣመልኪቶም ንምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ከምዝገለፅዎ፤ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ውድብ ህወሓትን ዝተኸተመ ከምዝኾነ ፌደራል መንግስቲ ግና እቲ ውዕል ብምፍራስ በይናዊ ዝኾነ ሹመት ግዝያዊ ምምሕዳር ምክያዱ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ሕጊ ዝጠሓሰን ኣካያይዳ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ተጋዳላይ ተስፋይ ከምዝሓበሮ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት መዛዘሚኡ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንክኸውን ብሃበ ተረኽበ ዝመፀ ዘይኮነስ ብመስዋእቲ ህይወትን መጉዳእቲ ኣካልን ረዚን ዋጋ ዝተኸፈሎ ከምዝኾነ፤ ይኹን እምበር ልኡኽ ህዝቢ ትግራይ ሒዞም ንድርድር ናብ ፕሪቶርያ ካብ ዝተልኣኹ ኣካላት ህዝቢ ክሒዶም ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ፣ ቤት ምኽሪ ትግራይን ዋሕስ ህዝ ቢ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይን ኣፍሪሶም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድርዳር ዓቕሙ ማይ ንማይ ክተርፍ ከምዝገበሩ ገሊፁ።
ናይዚ ውፅኢት ኣመልኪቱ ተጋዳላይ ተስፋይ እንተረድእ፣ ዓሸራ ጄኖሳይድ ዝተፈፀመሎም ከባብታት ትግራይ ክጠፍኡ፣ መስካሕክሒ ገበን ዝፈፀሙ ምሩዃት ወታደራት ፀላእቲ ክፍትሑ ብምግባር ኣብ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ሕፅቦ ጄኖሳይዳዊ ትግራይ ከምዘካየዱ ሓቢሩ። ነባር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዕራብ ትግራይ ከምመትሐዚ ክውሰድ ተመዛበልቲ ወገናትና ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ “ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዘመሓደረ የመሓድሮ” ብዝብል ፀረ ህዝቢ ቅዋም ብምሓዝ ውሕስና ብዘይብሉ መንገዲ ክምለሱን ግዳይ ፅንተት ስርዓት ብልፅግና ክኾኑን እናሰርሐ ምምፅኡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ስርዓት ብልፅግና “ውዕል ፕሪቶርያ ብዕላዊ መንገዲ ከምዘፍረሶ ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈሪሱ እዩ ረሲዕዎ” እናበለ ብረብሓ ዝተዓሰቡ ትግርኛ ተዛረብቲ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ መማኸርቲ ኮይኖም “ኵናት ወሊዕና ኣብ ሓፂር ግዜ ክንውድኦ ኢና” እናበሉ ኣብ ዝፍክርሉ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ውላድ ፕሪቶርያ ምዃኑ እናፈለጡ ኮነ ኢሎም ብልፅግና ኣብ ዝጠሓሰ ውዕሊ ኮይኑ ሰብ ክሸውም ከምዘይኽእል ተጋዳላይ ተስፋይ ግልፂ ገይሩ።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ዝፈርሰሉ እዋን ኮይንካ ሹመት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል ከምዘየለ ዝገለፀ ተጋዳላይ ተስፋይ ብልዕሊ ክልተ ነጥቢ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽርን መንግስትን ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ምውሳኑ ግቡእ ውሳነ ምዃኑ ሓቢሩ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዓርስና ብዓርስና ንኽባልዑ ይፈጥርዎ ብዘለው ኣጀንዳ ከይተፀመድና መኸተ መሪሑ ዘዐወተ ውድብ ህወሓት ዝመርሖ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ንኽምለስ ጥበብ ብዝተመልአ መንገዲ ንኽፍፀም ናይ ኩሉ ደላዪ ሰላምን ልምዓትን ፃዕሪ ከምዝሓትት እውን ኣተሓሳሲቡ።
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ተጋዳላይ ፈናን ኣብርሃ ብወገኑ፤ ብበይናዊ ውሳነ መንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ ሹመት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓርስና ብዓርስና ንምብላዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተፍሓሰ ሽርሒ ከምዝኾነ፣ እዚ ድማ ሕጊ ዝጠሓሰን ፀረ ህዝብን ምዃኑ ገሊፁ። ብመንፅር እዚ ውድብ ህወሓት እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ ሹመት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ወፃኢ ምዃኑን ከምዘይቕበሎን ምግላፁ ትክክለኛን እዋናውን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣድላይነት ሰላም ካብ ዝኾነ ኣካል ብላዕሊ ይርደኦም እዩ”፤ ዝበለ ተጋዳላይ ፈናን፣ ሰላም ዘይደሊ ሓይሊ መን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ብቐሊሉ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣፍሪሱ ሹመት ግዝያዊ ምምሕዳር በይናዊ ዝኾነ ውሳነ ዘመሓላለፈ ስርዓት ብልፅግና ከምዝኾነ ማንም ከምዘይስሕቶ ኣፍሊጡ። ብኣንፃሩ ኣንፃር ወፅዓን መፅቀጥትን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ “ሰጥ ለበጥ ኢልካ ተገዛእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ገፅ መሬት ክትጠፍእ ኣለካ” ይበሃል ከምዘሎን፤ እዚ ድማ ፈፂሙ ዘይኸውን ሐዚ እውን ብህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽርን መንግስትን ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ካልእ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዘይተርኣየን ዘይተነገረሉን ልምዓት ከምዘሎ፣ ኣብ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ስራሕቲ ልምዓት ከምዘየለ ኣምሲሉ ዘቕረቦ ዜና ፃዕዳ ሓሶት ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ንዕቀትን ፅላኣትን ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ከምዝኾነ ተጋዳላይ ፈናን ይገልፅ። ሐዚ ብጭቡጥ ኣብ ትግራይ ባንኪ፣ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ፣ ነዳዲ ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ተዓፅዮም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዘሎን እዚ ድማ መደራደርቲ ኣካላት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጥዋን ኣብ ልዕሊ እዚ ጭካነ ዝተመልኦ ስርዓት ብልፅግና ፅዕንትኦም ከዕርፉን ይግባእ ኢሉ።
Gazeta Woyen
