ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኵናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ቁጠባው ኢኮኖምያዊ ማህሰይትን ዕንወትን ከም ዝተፈፀመ ፀሓይ ዝወቐዖ ሓቂ እዩ። ነዚ ንምሕዋይን ዳግማይ ንምህናፅን ድማ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ፀጋታትን ምንጭታት ኢኮኖምን ብዝግባእ ብምርኣይ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ናብ ንቡር ንምምላስን ኣብ መብዛሕትአን ከተማታትን ገጠር ወረዳታትን ትግራይ ለይትን ቀትርን እናተሰርሐሉ ይርከብ። ካብተን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውር ዘርጊሐን ኣብ ስራሕቲ ቁጠባዊ ሕውየት ተዋፊረን ጭቡጥ ምንቅስቓስ ጀሚረን ዘለዋ ከተማታት ከተማ መቐለ ሓንቲ እያ።
ብመሰረት እዚ ካብ 2016 ዓ.ም ክሳብ መጀመርታ 2017 ዓ.ም ኣብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብ ንምንቕቓሕን ንምጥንኻርን ዘሎ ሃፍተ ገነትን ዕድላትን ብቤት ፅሕፈት ደኣንትን ማኑፋክቸሪንግን ዞባ መቐለ ብስሩዕ ተፀኒዑ ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ተሰጋጊሩ እዩ። በቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ ከም ከተማ ንልዕሊ 22 ሽሕ ወገናት ብዝተፈላለየ መልክዕ ብስራሕ ተረባሕቲ ዝገብር ሃፍተገነት ከም ዘሎ ዝተፀንዐ ምኻኑ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ደኣንትን ማኑፋክቸሪንግ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ልእልቲ ፍሰሃ ይገልፃ። ብመሰረት እዚ ነቲ ዝተፀንዐ ሃፍተ ገነት ናብ ረብሓ ንምውዓል ብትልሚ ዝተመርሐ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ። ዛጊድ 17,502 ወገናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣብ መንግሰታዊ፣ ዘይመንግስታውን ካልኦት ዘርፍታት ስራሕን ብቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም እዩ።
ከም ከተማ መቐለ ኣብዚ ክልተ ዓመት ብዝተገበረ መፅናዕቲ በዝሒ ስራሕ ዘየብለን ደቂ ኣንስትዮ ከባቢ 17 ሽሕ ከም ዝኾና ዝተረኸቡ መረዳእታታት የመላኽቱ። ብምዃኑ ኣብዘን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ፀገም ንምፍታሕን ንምድጋፍን ዘኽእሉ፣ ቁጠባዊ መሰረት ክኾኑን ከሰጋግሩን ዝኽእሉ ዕድላት ብምንፃር ናብ ተግባር ምእታዉ ተኻኢሉ እዩ። በዚ እውን ኣስታት ሽድሽተ ሽሕን 30ን ዝኾና በቲ ዝነበረ ፅንተታዊ ኵናትን ካልእን ምኽንያት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኢኮምያዊ ፀገም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብውልቀን ውዳበን ናብ ስራሕ ዝተኣሳሰራሉ ዕድል ተፈጢሩለን እዩ። ብፍላይ ድማ ተመለስቲ ተጋደልቲ፣ ስድራ ስውኣት፣ ጉድኣት ኣካል ከምኡ እውን ብፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፆታውን ኣካላውን ጥቕዓት ዝተፈፀመለን ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂቡወን ናብ ስራሕ ክተኣሳሰራ ተገይሩ እዩ።
እተን ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረለን ደቂ ኣንስትዮ ብዋናነት አብ ስራሕቲ ምርባሕ እንስሳ፣ ምንፃፍ ፅርበት እምኒ፣ ስራሕቲ ፀፀር መንገዲ፣ ቤት መዘጋጃ፣ ምኽባር ደምቢ፣ ግሪነር(ሓምለዋይ ልምዓት)፣ ምስንካትን ምቅራብን ደረቕ እንጀራ፣ ባኒ፣ ኬክን ካልኦት ሓደሽትን ነባራትን ኢንተርፕራይዝን ዝተዋፈራ እየን። እቲ ቤት ፅሐፈት ነተን ሓደሽቲ ደኣንትን መፍረይትን ክንዲ ዝከኣል ንምድጋፍን ንምጥንኻርን ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እናተረዳድአ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ መስርሕን መሸጥን ቦታ እናዳለወ ሰሪሑ እናሃበን ፀኒሐ እዩ። ንኣብነት “ሳንራይዝ” ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ምስንካትን ምቕራብን ደረቕ እንጀራ ዝተዋፈራ 70 ደቂ ኣንስትዮ ምሉእ ናይ መሰንከቲ መሳርሕታትን ቆፃሪ መብራህትን ሓገዝ ገይሩለን ስራሕ ጀሚረን ይርከባ። ብተመሳሳሊ “ዩኤንዲፒ” ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ድማ ኣብ 2016 ዓ.ም ብልዕሊ 12 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሰርሑ ኣርባዕተ መስርሒ (ሼዳት) ኣብ ከተማ መቐለ ሰሪሑ ንግልጋሎት ከም ዘብቀዐ ወ/ሮ ልእልቲ የረድኣ። ካብቶም ዝተሰርሑ ሸዳት ሓደ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ን 115 ተመለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ንስራሕቲ ምስንካት ባኒ ዝተወሃበን እዩ። እዚ ሸድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ነተን መፍረይቲ ደቂ ኣንስትዮ ንሓሙሽተ ዓመት ክሰርሓሉ ብውዕል ዝተወሃበን እንትኸውን ብሓገዝ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከተማ ኦሪገን ዝነብሩ ዲያስፖራ ተጋሩ ብልዕሊ ሽዱሽተ ሚልየን ብር ዝተገዝኡ ዝተፈላለዩ ናይ ባኒ፣ ኬክን ኮኲስን መሰንከቲ ማሽናት ተወሳኺ ሓገዝ ዝተገበረለን እየን።
ተመለስቲ ተጋደልቲ ተኽሊት ተስፋይን ሰናይት በሪሁን ካብተን ኣብቲ ሸድ ኮይነን ባኒ ሰንኪተን ናብ ዕዳጋ ከቕርባ ተወዲበን ዕድል ስራሕ ካብ ዝተፈጠረለን ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዘን ተጋደልቲ ቅድሚ ስራሕ ምጅማረን ብምትሕብባር ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ብዝግባእ ስነልቦናዊ ሕውየትን ሞያዊ ስልጠናን ተዋሂቡወን እዩ። ሐዚ እውን ነቲ ኣደላልዋን ኣሰናኽታን ብቀረባ ዝከታተለን በዓል ሞያ ተመዲቡለን ከም ዘሎ የረድኣ። እዚ ድማ ንቀፃሊ ብዝግባእ ንክሰርሕኦን ዓርሰን ክኸእላን ይሕግዘን። ብተወሳኺ ድማ ብበዝሕን ብፅሬትን ናብ ዕዳጋን ትካላትን ንኸቕርባን ተወዳደርቲ ክኾናን ዘኽእል ዓቕሚ ይፈጥረለን ምህላዉ እውን ይገልፃ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ መብራህቲ ስለ ዝጠፍእ ንስራሕ ዕውትነት ፅልዋ ይፈጥር ምህላዉ ይገልፃ። ስለዝኾነ ነዚ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ንቀፃሊ መፍትሒ ክግበረሉ ከም ዝግባእ እየን ዝሕብራ።
ብካሊእ መዳይ ኣብ ከይዲ ስራሕ ምትእስሳር ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓስን ቤት ፅሕፈት ደኣንትን ማኒፋክቸሪንግን ከተማ መቐለ ክንዲ ዝድለ ዕውት ኮይኑ ንከይቅፅልን ከይሰፍሕን ዓበይትን ብቀሊሉ ዘይፍትሑን ማሕንቆታት ኣለውዎ። ልዕሊ ኩሉ ምስቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ በዝሒ ተመዛባልን በቢ ዓመቱ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣቱ ህዝብን ኣብዚ ሐዚ እዋን በዝሒ ስራሕ ስእነት ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ ይርከብ። ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ እቲ ዝነበረ ፅንተታዊ ኵናት በቢ ዓመቱ ብመልክዕ ድጎማ ካብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ዓበይቲ ትካላትን ይወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ብምቁራፁ ሕፅረት መንቀሳቀሲ ባጀት ኣጋጢሙ ይርከብ። ከምኡ እውን ልቓሕ፣ መስርሒ ቦታን ዕዳጋ ዘይምትእስሳር ከምኡ እውን መብዛሕትአን ስራሕ ዝተፈጠረለን ደቂ ኣንስትዮ ግዝያዊ ብምዃኑ፣ ናብ ቀዋሚ ንምስግጋር እናዓቆራ ዘይምፅንሐን፣ ሓገዝ መዳርግቲ ኣካላት ውሑድ ብምኻኑን ይፅገማ እየን። ደሚርካ እንትርኣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ቁጠባዊ ዓቕመን ንምብርትታዕን ንምሕዋይን መንግስቲ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝገበሮም መማረፅታትን ዕድላት ስራሕን ብኣንፃር ዝነበረን ዘሎን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ዝነኣድን ንቐፃሊ ከም ፅቡቕ ተበግሶ ዝውሰድ እዩ። እንተኾነ ግን እቶም ክሳብ ሐዚ ተጀሚሮም ዘለዉ ዕድላት ስራሕ ኣብ ፍሉያትን ህፁፅ ምላሽ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮን ጥራሕ ዘተኮረ እዩ። እዚ ምስ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ዘድልየን ኮነ ምስ ቅልጡፍ ሕውየት ዝጠልባ በዝሒ ደቂ ኣንስትዮ እንትነፃፀር ግን ዘይመጣጠን ብምዃኑ ነዚ ከም ጅማሮ ሓደ ስዳሮ ወሲድና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መሊአን ንክሓውያ ሐዚ እውን ፍሉይ ቆላሕታ፣ ስሉጥ ዓርሰ ምትሕግጋዝን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ዝጠልብ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ።