ቁመናን ብርኪ ዕብየትን ሓደ ሕብተረሰብ ወይ ሃገር ዝውሰን ብስራሕ እዩ። “ሳባውያን ወኣግኣዝያን ቅፅ ሓደ” ዝተብሃለ መፅሓፍ ኣብ ገፅ 357-358 ዝተፈላለዩ መወከሲታት ተጠቒሙ ብዛዕባ ስራሕ ዝስዕብ ሓሳብ ኣቐሚጡ ኣሎ። “ዓለም ከምሓንቲ ቁሸት ንክትኸውን ዝገበራ ቴክኖሎጂ፤ ውፅኢት ስራሕ እዩ። እቲ ሕግታትን ሚስጢራትን እዛ ዓለም ከብራህርህ ዝኸኣለ ሳይንስ ንዓርሱ፤ ውፅኢት ስራሕ እዩ። ብሓፂሩ ሰብ ካብ ባህሪ እንስሳት ዓለም ኣውፂኡ ሰብኣዊ ፍጡር (ዝሓስብን ዝመራመርን) ዝገበሮ፤ ስራሕ እዩ። ስለዚ ምንጪ ኩሎም ነገራት እዛ ዓለም ዝኾነ ስራሕ፤ ብውነ ተረዲእኻ ክኽበር ኣለዎ” እናበለ ይገልፅ። እወ፤ ተጋሩ ኣብ ምዕባለ ኣክሱም ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ምዕባለ ዝበፃሕና ብስራሕ እዩ። ካብቲ ዝነበርናዮ ጠርዚ ምዕባለ ቁልቁል ተወርዊርና ኣብ ድኽነት ዝጠሓልና እውን ተወሰኽቲ ምኽንያታት ዋላ እውን እንተሃለውዎ፤ ብቀንዱ ግን ኣብ ስራሕ ብዝተፈጠረ ክፍተት እዩ።
ኣብ ከባቢ 18 ክፍለ ዘመን ተጋሩ ንስራሕ ዝለዓለ ክብሪ ሂብና ብዝተፈላለየ ሞያ ዓቕምና እናዕበና እንትንዓምም ዝረኣዩና ኣውሮጳውያን ሓወፅቲ ዓዲ፤ “ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ግጉይ ምስሊ ሒዝና ነይርና” እናበሉ ዓርሶም ዝእርምሉ ኩነታት ነይሩ። ንኣብነት፣ ጂያኦም ጂቫኒ ናሬቲ ዝተብሃለ ሓዋፂ፣ ንማሕበረሰብ ኣውሮጳ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣሕሊፍሎም ነይሩ። “ንሕና ኣውሮጳውያን ንህዝቢ ትግራይ ዘይሰልጠነን ዘይተማሃረን ህዝቢ ገይርና እንሓስቦ ጌጋ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣውሮጳውያን ዘይድሕር ንቑሕ ህዝቢ እዩ” ክብል እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ መፅሓፍ ሰኒድዎ ኣሎ።
ነዚ ሓሳብ ዘልዓልናዮ፤ ነቲ እንተፈፂምካዮ ዘኽብር እንተዘይፈፂምካዮ ድማ ኣብ መቑሕ ድኽነት ንክትነብር ዘገድድ ጉዳይ ስራሕ ንምድህሳስ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢኻ እናፅረኻን እናልማዕኻን ንዓርስኻ እውን ምንጪ እቶት እተዕብየሉ ፍሉይ መደብ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ተኣታትዩ ኣሎ። መደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ሰለስተ ዓበይቲ ረብሓታት ሒዙ እዩ ከምከተማ መቐለ ዝትግበር ዘሎ። ንሳቶም እውን ሓደ፣ ፅርየት ከባቢ ምሕላው እዩ። ካልኣይ ንብርክት ዝበሉ ወገናት ዕድል ስራሕ እናፈጠረ እቶም ወገናት ብዘላቕነት ካብ ፀገም ንክወፁ ዝሕግዝ እዩ። እቲ ሳልሳይ ዕላማ ድማ ሸኽሚ መንግስቲ ብምቅላል እቲ ኣብ ፅርየት ከባቢ ክውዕል ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ካልኦት ልምዓታዊ ስራሕቲ ዘውዕል ከምዝኾነ መተሓባበሪ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ከተማ መቐለ ኣይተ ተሻለ ብርሃነ ይገልፁ።
ሕድሕዶም ፍርኽ ኣቢልካ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ። እቲ ቀዳማይ ዕላማ ልምዓታዊ ሴፍትኔት እንትንርኢ፤ ኣብ ፅርየት ከባቢ ዘድህብ እዩ። እዚ እውን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንክድሕን ከባቢኡ ባዕሉ ከፅሪ ዋላ እንተነበሮ፤ ዝተወሰኑ ወገናት ከባቢኦም ንከፅርዩ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ ዘተባብዕ እዩ። እዚ ድማ “ንውራይካስ ክሕግዘካ” ዝዓይነቱ ተግባር እዩ። ኣብዚ “ሕብረተሰብና ጥዕናኡን ጥዕና ቤተሰቡን ንምሕላው ኢሉ ከባቢኡ ባዕሉ ከፅሪ እናተገበኦ ብመተባብዒ ይፀሪ ኣሎ” እንትንብል፤ ብካሊእ ገፅ ኣብ ትርፊ ሰዓቱ ዕድል ስራሕ ምፍጣር እውን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስራሕ ሴፍትኔት ዝንቀሳቐሳ ደቂ ኣንስትዮ፤ ንሓደ ሰብ ኣብ ሰሙን ብሓደ ሰዓት ሒሳብ ከምበዝሒ ስድራአን ንጉሆ ክሰርሓ እዩ ዝገብር። ንኣብነት፣ ሓንቲ በዓልቲ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ዝኾነት ወገን፤ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ሰዓት ክትሰርሕ ዝግበር ኮይኑ እዚ ኣብ ወርሒ 16 ሰዓት እናሰርሐት ፀገማ እትቐርፈሉ መስርሕ እዩ። እዚ እውን ቅድም ኢሉ ንሓደ ሰብ ብሒሳብ 150 ብር ብድምር 600 ብር ዝኽፈሎ ዝነበረ፤ ሕዚ ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ናብ 181 ብር ብምዕባይ በዓልቲ ኣርባዕተ ስድራ ዝኾነት ወገን 724 ብር ከምትኽፈል ኣይተ ተሻለ የረድኡ።
እዚ መጠን ገንዘብ ነቲ ብዕፅዋን ክባን ዝሳቐ ዝነበረ ኣብ ትሑት ቁጠባ ዝነብር ሕብረተሰብ፤ ዓብዪ ዕድል ከምዝኾነ ተጠቃሚት ካልኣይ ዙር ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝኾና ነባሪት ክፍለ ከተማ ሓድነት ጣብያ መትከል ወ/ሮ ነብያት ተኽላይ ይገልፃ። ወ/ሮ ነብያት ልምዓታዊ ሰፍትኔት ብዝበፅሐና ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝሳቐ ዝነበረ ሕብረተሰብ ህይወቱ ንክቕፅል፤ ብውልቁ ኣብ ዝሰርሖ ተወሳኺ መደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ምምፅኡ ፅቡቕ ከምዝኾነ እየን ዘረድኣ። ነባሪት ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሓየሎም ወ/ሮ ልዋም ተመስገን ብወገነን፤ እዚ ስራሕ እስትንፋስ ንምቕናይ ካብ ዘበርክቶ ብተወሳኺ፤ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ዝነብር ሕብረተሰብ ንሕድሕድ ሰብ ልዕሊ 74 ሽሕ ብር (600 ዶላር) ድጎማ ረኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ብምውፋር ካብ ድኽነት መሊኡ ክወፅእ ከምዝሕግዝ ይገልፃ።
ብዛዕባ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ክንደይ ዝኾን ክፋል ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ተጠቃሚ ከምዝኾነ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ። እዚ እውን ብ670 ሚልዮን ብር በጀት ባንኪ ዓለም ኣብ ክልተ ዙር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተጠቃሚ እናገበረ ከምዝመፀ መካየዲ ስራሕ ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ወረስ ገ/ፃድቃን ኣብ ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ፀብፃብ ኣቕሪቦም እዮም። ከምከተማ 6662 መራሕቲ ስድራ (19 ሽሕን 677 ዕያል) ብምግቢ ንስራሕ፣ 4,279 ውልቀ ሰባት ብቀጥታ ተሓገዝቲ፣ 2000 መናእሰይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ 640 ጎደና ሓደርትን 68 ሽሕን 855 ተመዛበልትን ኣብ ስራሕ ኣእትዩ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ የረድኡ። ካብዚኦም ኣብ ቀዳማይ ዙር ተጠቀምቲ ዝኾኑ 3215 መራሕቲ ስድራ (9942 ውልቀ ሰብ) ኮይኖም ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ 3279 መራሕቲ ስድራ (9836 ውልቀ ሰብ) ኣብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ እቶም መካየዲ ስራሕ ይገልፁ።
እዘን ወገናት ኣብ 66 ዝተነፀራ ከባብታት ኣብ ምልዓል ደረቕ ጐሓፍ፣ ሓምለዋይ ልምዓትን ተፋሰስን ኣድሂበን ዝነጥፋ እየን። እተን ኣብ ቀዳማይ ዙር ናይ ሰለስተ ዓመት ስራሕ ኣብ ክልተ ዓመት እናዓፀፋ ብምስርሐን ንሓደ ሰብ ብሒሳብ 150 ብር ወርሓዊ ክፍሊት በዓል ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ እንተኾይኑ 600 ብር ተኸፊሉ እዩ። ስለዝኾነ ናይ ሰለስተ ዓመት (36 ኣዋርሕ) ሒሳብ በዓል ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ 21 ሽሕን 600 ብር ይኽፈለን ማለት እዩ። ሕድሕድ ስድራ ካብተን ዝኽፈለን መጠን ገንዘብ 20 ሚኢታዊ ዝሽፈን 4320 ብር ዓቚረን እንትምረቓ 600 ዶላር (ልዕሊ 74 ሽሕ ብር) ተዋሂብወን ብዝደልይኦ ዓይነት ስራሕ ተዋፊረን ዘላቒ ለውጢ ንከምፅኣ ይስራሕ ኣሎ። ዛጊድ እውን ተጠቀምቲ ቀዳማይ ዙር ዝኾና ወገናት ወርሓዊ ክፍሊት ምስተኸፈለን ካብቲ 600 ዶላር እቲ 480 ኣቐዲሙ ተለቒቑ እቲ ዝተረፈ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ከምዝልቀቕ ኣይተ ተሻለ የረድኡ።
ኣብዚ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዘለዋ ወገናት ካብ መስመር ድኽነት ንክወፃ ካብቲ ወርሓዊ ክፍሊት ብተወሳኺ 600 ዶላር መትከሊ እግሪ እንትህብ፤ ዝስዕብ ትልሚ ስለዘለዎ እዩ። እተን ካብ ሴፍትኔት ዝምረቓ ወገናት ብመምህራን ኢንዳስትርያል ኤክስተንሽን ድጋፍን ስልጠናን እናተወሃበን ብምፅናሕ ኣብ ዝደልይኦ ዓውደ ስራሕ ንክኣትዋ ትልሚ ስራሕ (ቢዝነስ ፕላን) ከዳልዋ እዩ ዝግበር። ንኣብነት፤ ብከተማ ሕርሻ፣ ሸቐጥን ግልጋሎትን ክዋፈርኦ ኣብ ዝደልይኦ ዓውደ ስራሕ ምስመረፃ፤ ከመይ ውፅኢታውያን ከምዝኾና ትልመን ዘፅፍፋሉን ስልጠና ዝወሃባሉን ከይዲ እዩ። ብከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ካብ መስመር ድኽነት ንክወፃ ዕላማ ሒዙ እዩ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ዝሳለጥ ዘሎ።
ብመንፅር እዚ ካልኣይ ዙር ተጠቀምቲ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ዕላዊ እንትግበር፤ 3,279 መራሕቲ ስድራ (9836 ውልቀ ሰብ) ተጠቀምቲ ንምግባር ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ዙር ተጠቀምቲ ዝኾና ወገናት ምስ ምውሳኽ ዋጋ ዶላር ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብ ወርሓዊ ክፍሊት ብሒሳብ 181 ብር እዩ ዝኽፈል። ስለዚ በዓል ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ዝኾነት ተጠቃሚት፤ ኣብ ወርሒ ንእተወፍዮ 16 ሰዓት 724 ብር ይኽፈላ ኣሎ ማለት እዩ። እዚኣ ኣብ ሰለስተ ዓመት (36 ኣዋርሕ) 26 ሽሕን 64 ብር እያ ትኾን። ካብዚአን 20 ሚኢታዊ ክትዓቁር ስለዝግበኣ 5,212 ነጥቢ 80 ብር ምስዓቖረት፤ ዝወሃባ 600 ዶላር መትከሊ እግሪ ሓዊሱ ልዕሊ 80 ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ብምሓዝ ዝምጥና ዓውደ ስራሕ ነፂራ ለውጢ መነባብሮ ንክተምፅእ ዝገብር እዩ።
ልምዓታዊ ሴፍትኔት ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ፀፍሒ ድኽነት ንክወፁ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅርየት ሓንቲ ከተማ ክሕሎ ብምሕጋዝ ሸኽሚ መንግስትን ነባርን እውን ዘቃልል እዩ። እዘን ኣብ ትሑት ፀፍሒ ድኽነት ዝርከባ ወገናት፤ ማሕበራዊ ህይወተን ንምቕፃል ኣብ ዝገብርኦ ቃልሲ ሓጋዚ ስራሕ ምፍጣሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ መንግስቲ ከተማ ንምፅራይ ክምድቦ ዝነበረ 670 ሚልዮን ብር እውን ካብ ወፃኢ ዘድሓነ እዩ። እዚ መጠን ገንዘብ ድሒኑ ኣሎ ማለት፤ ኣብ ካልኦት ልምዓታት ንክውዕል ሓጊዙ ኣሎ ማለት ከምዝኾነ ኣይተ ተሻለ የረድኡ። ንኣብነት፣ እቲ ንፅርየት ከባቢ፤ መንግስቲ ክምድቦ ዝነበረ 670 ሚልዮን ብር ኣብ ምንፃፍ እምኒ እንተውዒሉ፤ እታ ከተማ ብዝበለፀ ንክትፅብቕን ልምዓታ ክቀላጠፍን ዝገብር እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ምንፃፍ እምኒ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ እውን ዝፈጥር እዩ።
ነዚ እውን እዩ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ፤ ኣብ ምጅማር ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ተረኺቦም ዝስዕብ መልእኽቲ ዘሕለፉ። “እዚ መደብ ኣብቶም ተጠቀምቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሸኽሚ መንግስቲ እውን ዘቃልል ዓብዪ መደብ እዩ። ስለዝኾነ ጠንኪርካ ክስራሕ ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ዕላማታት ልምዓታዊ ሴፍትኔት ብውነ ተረዲኡ ንተግባራውነቱ ክነጥፍ እቲ በብብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን በዓል ሞያን መሪሕ ተርኡ ክዋፃእ ከምዘለዎ መልእኽተይ የሕልፍ” ክብሉ ዝገለፁ። እዚ መልእኽቲ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ቀፃልነት ንክህልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ርኡይ ስራሕ እንተተሰሪሑ ተወሳኺ ረብሓ እውን ኣለዎ። ንሱ እውን ባንኪ ዓለም ምስ ሚኒስተር ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን እናተዋደደ ዝሰርሖ ዘሎ ፕሮጀክት ስለዝኾነ፤ ንዕውትነት እቲ ፕሮጀክት መሰረት ብምግባር ሽፋኑ ክሰፍሕ ከምዝኽእል ኣይተ ተሻለ የረድኡ። ጥቕልል ኣቢልኻ እንትርአ፤ እዚ ስራሕ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ንግዝያዊ ጥቕሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ባህሊ ስራሕና ብምጉልባት መንነት እውን ዝቕረፀሉ ብምዃኑ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ሓደ ሕብረተሰብ ፃዕራም ሰራሕተኛ ድዩ ሃካይ፣ ንፉዕ ድዩ ሰነፍ፣ ቅኑዕ ድዩ ቀይናን፣ ርሕሩሕ ድዩ ጨካን ወዘተ ዝፍለ ብተግባራዊ ስራሕ እዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ዝተፈላለየ ብርኪታት መነባብሮ ውፅኢት ስራሕ ካብ ኮነ፤ ኩሉ ኣካል ንስራሕ ከኽብር ግድን ይኸውን። ስለዚ እዚ መደብ ባህሊ ስራሕና እነዕብየሉ ስለዝኾነ፤ ብፍላይ እቲ ኣብ ልምዓት ዝዋሳእ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብን ድጋፍ ዝህብ መሪሕነትን በዓል ሞያን ብውነ ተረዲኡ ክሰርሕ ይግባእ።