- ቁልፊ ትኹረት ብሄራዊ መኸተና እንታይ እዩ❓
ቁልፊ ትኹረት ብሄራዊ መኸተና ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ ቃልሱ ዘረጋገፆ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ቦትኡ ምምላስ፣ ሉእላዊ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ብቅልጡፍ ምርግጋፅ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ብቅልጡፍ ሓራ ምዉፃእ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝብና ምስ ዉሑስ ድሕንነቱን ሕጋዊ ምሕደርኡን ናብ መረበቱ ምምላስ፣ ስራሕቲ ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ክጅመር ብምግባር ኣቢልካ ዉሑስ ህልዉና፣ ድሕንነት፣ ዓርሰ-ዉሳነን ትንሳኤን ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምርግጋፅ እዩ ዝኸዉን። መኸተና ነዕዉት ክበሃል ከሎ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ግዘ ዘይህቡ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ምዕዋት ማለት እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ብሓቂ ብህልዉናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ይጭነቕ እየ ዝብል ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ካብዚ ወፃኢ ኣጀንዳ ክህልዎ ኣይኽእልን ኣይግባእን እዉን። ከም ህዝቢ ህልዉናናን ድሕንነትና ኣረጋጊፅና ትግራይ ትብሃል ዓዲ ወኒንና ክንነብር እንተኾይና ህዝባዊ መኸተና ምዕዋት ምርጫ እንተይኾነስ ናይ ሕድሕድ ዜጋ ግዴታ ገይርና ኢና ኣብ ሓደ ክንዓስል ዝግብኣና። እዞም ቁልፊ ትኹረት ህዝባዊ መኸተና ግዘ ዘይህቡ ህፁፃት ናይ ኩላትና ብሄራዊ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ተረዲእና ዝጀመርናዮም ፅቡቓት ስራሕቲ ብምብራኽ ብግዘ የለን መንፈስ ኣጠናኺርና ክንደፍኣሎም ይግባእ።

2. መኸተ ንምዕዋት ክንረባረበሎም ዝግብኡና ቁልፊ ዓዉድታት መኸተና እንታይ እዮም❓
መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብቕልጡፍ ክነዕዉት እንተኾይና ዝተማልአ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ብሄራዊ ድሕንነት ትግራይ ክንዉንን ኣብ ዘኽእሉና ቁልፊ ዓዉድታት መኸተ ብግዘ የለን መንፈስ ክንረባረብ ይግባእ። መኸተ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ብቕልጡፍ ርብርብ ክንገብረሎም ዝግብኡና ቁልፊ ዓዉድታት መኸተ ወተሃደራዊ ቁመናና፣ ፖለቲካዊ ብቕዓትና፣ ቁጠባዊ ዓቕምና፣ ዲፕሎማሲያዊ ፅልዋ ፈጣራይነትና ክኾኑ ከምዘለዎም ብዉነ ተረዲእና ኩለመዳይ ርብርብ ክንገብር ይግባእ። ሕድሕድ ናይ ርብርብ ዓዉድታት ሞተር መኸተ ህዝቢ ትግራይ እዮም። ኣብዞም ዓዉድታት ዝህልወና ዓቕምን ድልዉነትን ጥራሕ እዩ ዝደለናዮ ጉዳይ ኣብ ዝሓሰብናዮ እዋን ክነዕዉት ዘኽእለና ዝብል እምነት ሒዝና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ትግሃትን ዝዓዘዘ ተወፋይነትን ከም ህዝቢ ክንዓምም ይግባእ። እዞም ቁልፊ ዓዉድታት መኸተ ተነፃፂሎም ዘይርኣዩን ነንባዕሎም ተደጋጊፎም ዝፍፀሙን መሰረታውያን ጉዳያት እዮም። እቶም ካልኦት ዓዉድታት ብጀካ እቲ ካሊእ ዓዉዲ ክዕወቱ ከምዘይኽእሉ ተረዲእና ኣብ ኩሎም ዝተዋደደን ቅልጡፍን ስትራተጂክ መሪሕነት ብምዕራፍ ኣብ ሕድሕድ ዓዉዲ ቅልጡፍን ዝምዘንን ምዕባለ ምርኣይ የድሊ። ወተሃደራዊ ቁመናና፣ ፖለቲካዊ ብቕዓትና፣ ቁጠባዊ ዓቕምና፣ ዲፕሎማሲያዊ ፅልዋ ፈጣራይነትና ብቕልጡፍ ምብራኽ ፍልፍል ብሄራዊ ህላወና፣ ድሕንነትና፣ ርእሰ ዉሳነን ትግራይ እዮም ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዝና መኸተ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ብሓደ ህርመት ልቢ ክንስለፍ ትፅቢት ይግበረልና። ኣብዞም ዘፈራት ዘለዉና/ዝተጀመሩ ብሉፃት ስራሕቲ ብምጥንኻር፣ ኣብቶም ዝጎድሉና ስራሕቲ ድማ ዓቕምና ፀንቂቕና ብምስራሕ ከምቲ ዝተለመደ ተወሳኺ ታሪኽ ክንሰርሕ ይግባእ።
3. መኸተ ንምዕዋት ዘድሊ ብሄራዊ ዓቕሚ

መኸተ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ቁልፊ ዓቕምታትና ብሄራዊ ናይ መኸተ ዉዳበታትና እዮም። ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፣ መኸተ ዝመርሕ ዘሎ ዉድብ ህወሓት፣ ጅግና ሰራዊት ትግራይ (TDF) ከምኡ እዉን ምዕዋት መኸተ ትግራይ ከም ብሄራዊ ኣጀንድኦም ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ብሄራዊ ኣወዳድባታት መኸተና ብዓወት ንምዝዛም ዘኽእሉና ብሄራዊ ዓቕምታትና እዮም። ብሄራዊ ዓቕምታትና እንኮ ዉሓስ ህልዉናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዮም። ብሄራዊ ዓቕምታትና ብሌን ዓይኒ ትግራይ እዮም። ብሄራዊ ዓቕምታትና ድልዱላት ዓንድታት ብሄራዊ ህልዉናና እዮም። ብመሰረት እዚ ኣብዚ ብሄራዊ ሕብረት ዝጠልበሉ ወሳኒ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ኮይና ብሄራዊ ሓድነትና እነጠናኽረሉ ብሄራዊ ቃል-ኪዳን ብምእሳር መኸተ ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ኣብ ጎኒ ብሄራዊ ዓቕምታትና ብሓደ-ልቢ ዓሲልና ክንረባረብ ይግባእ። ኩሎም ብሄራዊ ዓቕምታትና ኣብ ሓደ ፅላል ኣዋዲድና፣ ድልዱል ምትእስሳር ደጀንን ግንባርን ክህሉ ብምግባር ምዕዋት ህዝባዊ መኸተና ንፅባሕ ዘይበሃል ብሄራዊ ዉራይ ኩላትና እዩ።
4. ትፅቢት ካብ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ

ሳላ ተወዲብና ብፅንዓት ዝተቓለስና ከም ህዝቢ ገጢሞምና ዝነበሩ ደጋዉን ዉሽጣዉን ማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት በጣጢስና ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ መሊስና ልዓት ህዝባዊ መንግስቲ ምዕታርና ገዚፍ ብሄራዊ ዓወት ተገይሩ ዝዉሰድ ኣካል ህዝባዊ መኸተና እዩ። ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይና ናብ ቦትኡ ዝመለስናዮ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ መኸተ-ትግራይ መሪሑ ከዕዉት ህዝባዊ ሓላፍነት ተረኪቡ ኣሎ። ሕጋዉነትን ቅቡልነትን ዘለዎ መንግስቲ ትግራይ ብዝተወደበ ቃልስና ኣረጋጊፅና ኣለና።
ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይን ንሱ ዘጣይሾ ካብኔ መንግስቲ ትግራይን ንኹሎም ዓቕምታት መኸተ ብምዉዳድ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምዕዋት ዝለዓለ ህዝባውን ታሪኻውን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ። ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ስትራተጂካዊ ኣብ ዝበሃሉ ብሄራዊ ናይ መኸተ ኣጀንዳታትን ኣንፈታትን ብፍልጠትን ክእለትን እናቐረፀን እናገምገመን ነቲ መኸተ ብብቕዓት ንምምራሕ ዘኽእሎ ቁመና ክሕዝ ይግባእ። እዚ ሐዚ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ዘሎ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዝነበረ መኸተ ዝመርሐ ስለዝኾነ ዝህልዎ ልምድን ተሞክሮን ከም ዕድል ብምዉሳድ ንዝሓሸን ዝበረኸን ኣፈፃፅማ ክዳሎ ይግባእ።
ቤት ምኽሪ ከም ሕጊ መውፅኢ ኣካል በቲ ኣቲናዮ ዝነበርና ውዕሊ ፕሪቶሪያን ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝነበረን ሕመቕ ምኽንያት ዝተፈጠሩ ግጉያት ሕግታት ተፈቲሾም ኣብ ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ብዘረጋግፅ መንገዲ ብቕልጡፍ ክስተኻኸሉ፤ ንመኸተናን ሰላምን ሓድነትን ህዝብና ክነዕውት ዝሕግዙ ኣድለይቲ ሕግታት ክወፁ ክገብር ትፅቢት ይግበር። ቤት ምኽሪ ንሕጊ ተርጓሚን ሕጊ ፈፃሚን ኣካላት መንግስቲ ብጥብቂ ከዋፍር፣ ክከታተል፣ ክቆፃፀርን ክግምግምን ዘኽእሎ ዝተጠናኸረ መስርሕ ብቕልጡፍ ብምትእትታዉ ኩለመዳይ ቁመና ዝተላበሰ ናይ መኸተ መንግስቲ ክህሉ ብዘይዉዓል ሕደር ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር። ብሓፈሻ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ከም ህዝቢ ፀቒጡ ከፅንተና ብፍጥነት እናተንከባለለ ዝመፀና ዘሎ መደራጉሕ ብልዑል ናህሪ ንምምላጥ ዘኽእለና ስትራተጂካዊ መሪሕነት ንምሃብ ዘኽእሎ ኩለመዳይ ቁመና ቀልጢፉ ክዉንን ይግባእ።
ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ዝተዉሃቦ ህዝባዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ መኸተ ትግራይ ብብቕዓት መሪሑ ከዕዉት ዝኽእል ብናይ ሓፋሽ ኩለመዳይ ድጋፍን ተሳትፎን ስለዝኾነ ኩላትና ኣብ ጎኒ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ዓሲልና ብሄራዊ ዉራይና ክነሳልጥ ይግባእ።
5. ካብኔ መንግስቲ ትግራይ

ብቕዓትን ድልዉነትን ስትራተጂክ መሪሕነት ኣብ ዝጠልበሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዘለና ይፍለጥ። ህዝባዊ መኸተ መሪሑ ዘዕዉት ሕጋዉነትን ቅቡልነትን ዘለዎ ሓቛፋይ ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ብዘይዉዓል ሕደር ብፅሬት ተጣይሹ ናብ ስርሑ ክዋፈር ይግባእ። ምጥያሽ ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ግዘ ዘይህብ ህፁፅ ተግባር ከምዝኾነ ብምርዳእ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ኩነታት ብብቕዓት ንምምራሕ ዘኽእሎ እኹል ቁመና ዝዓጠቐ ካብኔ ቀልጢፍና ክነጣይሽ ይግባእ። እቲ ዝጣየሽ ካቢኔ መንግስቲ ኣብ ምምዕርራይ፣ ምውፋርን ምጥንኻርን ብሄራዊ ዓቕምታት ትግራይ መሪሕ ግድ ክፃወት ዘኽእሎ ቁመና ተላቢሱ ክጣየሽ ከምዘለዎ ብምእማን ብዝለዓለ ጥንቃቐ ክስርሐሉ ይግባእ።
እቲ ዝጣየሽ ካብኔ መንግስቲ ዓቕምታት መኸተ ብዘሳትፍ መልክዑ ሓቛፋይ ኮይኑ ንክጣየሽ ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ተግባራዊ ክኸዉን ኣለዎ። ኣብዚ ክሰሓት ዘይግብኦን ዘይስገርን ግሁድ ሓቂ ግን ኣሎ። ኣብ መረፃ ኣባላት ካብኔ ዝለዓለ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። ኣባላት ካብኔ ኮይኖም ዝምረፁ ኣካላት በዓል ዋና ስልጣን ህዝቢ ሙዃኑ ካብ ልቢ ኣሚኖም ዘተግብሩ ህዝባዊ ባህሪ ዝወነኑ፣ ፅንዓትን መትከላዉነትን ዝተላበሱ፣ ፍቕሪ ዓድን ረብሓ ህዝብን ልዕሊ ዉልቃዊ ረብሓ ገይሮም ዝሰርዑን በዚ ዘይደራደሩን፣ ብትግራዋይ ብሄርተኝነት ዝሕበኑን ብመንነቶም ዘይደራደሩን፣ ብልዕልነት ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝኣምኑን ዝግዝኡን ዘተግብሩን፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን እዋንን ህዝቦም ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ደርብዮም ዘይጠልሙ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሚስጥር ኣሕሊፎም ዘይህቡን ምስ ፀላኢ ዘይተሓባበሩን ሙዃኖም ዝተረጋገፀሎም፣ ብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምብራኽን ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታት ኣብ ምቅላስን ርኡይ ግደ ዝፃወቱ፣ ብቕዓት መሪሕነትን ናይ ትምህርቲ ድልዉነትን ዘለዎም፣ ነቲ በብእዋኑ ዝለዋወጥን ዝተዓፃፀፍን ዉሽጣዊ፣ ከባቢያዊ፣ ዓለምለኻዊ ህልዊ ኩነታት ብብቕዓት ናይ ምትንታንን መፍትሒታት ናይ ምቕማጥን ዓቕምን ድልዉነትን ዘለዎም፣ ዓቕምታት ወዲቦም ህዝባዊ መኸተ ህዝቢ ትግራይ መሪሖም ንምዕዋት ዉፉያትን ድሉዋትን ኮይኖም ኣብ ቅድሚት ዝስለፉ ክኾኑ ይግባእ። ኣብ መረፃ ኣባላት ካብኔ ቅድሚ ሐዚ ዝተፈፀሙ ስሕተታት ደጊሞም ክፍፀሙ ኣይግባእን። ሐዚ ዝጣየሽ ካብኔ መንግስቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ስትራተጂክ መሪሕነት ዝነበሩ ድኽመታትን ሓጓፋትን ብዝመልእ መልክዑ ከምኡ እዉን ነቲ ናብ ቅድሚት ዝፅበየና ዘሎ ናይ መሪሕነት ብቕዓት ዝሓትት ዝተሓላለኸ ኩነታት ብዝምጥን ተመዓራርዩ ክስየም ግድን ይኸዉን።
ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ብቕልጡፍ ንምጥያሽ ብዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ርብርብን ምሽብሻብን ብምድናቕ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ብዝተዓፃፀፈ ልዑል ናህርን ፅሬትን ተግባራዊ ክግበር ይግባእ።
6. ድልዱል ብሄራዊ ቁመና ንምዕዋት መኸተና ❗
ዘይሕለል ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ሒዝና፣ ዘላቕን መሰረታዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ዝሑሉ ፅሩይ መስመር ህወሓት ዓቲርና፣ ብሄራዊ ልእኽቶ ህዝቢ ትግራይ ተሓንጊጡ ልእኽትኡ ዘዕዉት ብርኪ ሊሎ ሰራዊት ትግራይ ሒዝና፣ ኣብ ሕሉፋት ናይ ቃልሲ ምዕራፋት ዘጥረናዮም ልምድታትን ተሞክሮታትን ቀሚርና ዘይንሰግሮ ፈተና፣ ዘይንበጣጥሶም ናይ ዉሽጥን ደገን ሽርሕታት፣ ዘይነዕዉቶ ህዝባዊ መኸተ ፍፁም ክህሉ ኣይኽእልን።
ብድልዱል ምትእስሳር ደጀንን ግንባርን፣ ብስሙር ምንባብ ናይ ዉሽጥን ናይ ደገን ህዝብና፣ ብዝተወደበ ብሄራዊ ሓድነትን ብዝለዓለ መንፈስ ሰዓራይነትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብብቕዓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምነዕዉቶ ሕሉፍ ታሪክናን እዋናዊ ድልዉነትናን ምስክራት እዮም። ሓድነት ህዝቢ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት፣ እዋናዊ ቁመና ሰራዊት ትግራይ ሒዝና መኸተና ነዕዉት። መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ ዓቕምታት መኸተ ክዕወት እዩ። ኣብ ፅላል ህዝባዊ ብሄራዊ መኸተና ረቢብና ንዘይተርፍ ዓወት ንቃለስ።
ትግራይ ትስዕር!
ብፃድቕ ኪ/ማርያም (ዶ/ር)
04 ግንቦት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Gazeta Woyen
