ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኩሉ ግዜ ሕርየኦም ሰላም እኳ እንተኾነ ንፃውዒት ሰላም ረጊፁ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ግን ደው ኢሎም ከምዘይሪኡ ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፁ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፀ፤ ብምኽንያት መበል 51 ዓመት በዓል ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣብ ህልው እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንማዕኸናት መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሉ ይሓትት እኳ እንተሃለወ ብኣንፃሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዳግመ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ንኲናት ይዳሎ ከምዘሎ ኣብ መብርሂኡ ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመት ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፤ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ክትግበር ኩሉ ትፅቢት ዝግበረሎም ተግባራት ብምፍፃም እንተተፀመሙ እውን ካብቲ ዝነበረ ብዝበኣሰ መንገዲ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ሕማምን ብሰላሕታ ይፀንት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
መበል 51 ዓመት በዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር እታ ናብ ዝሓሸ ኣንፃራዊ ሰላም ዘምፀአ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጣሒሱ ፌደራል መንግስቲ ናብ ስሩዕ ኩናት ዝኣተወሉ ኩነታት ከምዘሎን ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ብሕማም ብጥምየት ዝረግፈሉ ኩነታት ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊፁ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ እቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ግን ብድሕረትን ከባቢያውነትን ተሸሚሙ ፀገማት ህዝብና ከጋድድ ኣብ ዝገብሩ ተግባራት ተፀሚዱ ከምዝፀንሐን ሕዚ እውን ጠቕሊሉ ናብ ቦትኡ ዝኣተወሉ፤ መጋባርያ ሓይልታት ፅንተት ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቢሩ። ድሕሪ ብሄራዊ ክሕደት ካብ ትግራይ ተፀራሪጉ ምውፅኡ እቲ ስትራተጂያዊ ኣመራርሓ ናብ ሓደ ዝመፀሉ ህወሓት፣ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሰራዊት ትግራይን ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ዝወፍረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣብ ፅቡቕ ቑመና መሪሕነት ከምዝርከብ እውን ኣመላኺቱ።
ሐዚ እውን ቀንዲ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ፣ ውድብ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ምርግጋፅን ተመዛበልትና ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምቅላስን ከምዝኾነ ዝገለፀ ዶ/ር ደብረፅዮን እዚ ንዘይምፍፃም እኳድኣስ ብሓይሊ ንምምብርካኽ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ማእኸላይ መንግስቲ ፈፂሙ ተቐባልነት ኣይህልዎን ኢሉ።
“11 ለካቲት ኣመልኪቱ ድማ 11 ለካቲት ሰዓራይነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋገፀት ዕለት ከምዝኾነትን ሐዚ እውን ለካቲት እንትንዝክር ዘይተመልኡ ዕማማት ከማልኡ፣ ሓደሽቲ ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ክፍፀሙን ዳግም ቃልና እነሐድሰሉ እዋን እዩ፤” ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን፣ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ብኣግባቡ ክንርድኦ፣ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ናይ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ጉዳይ ተኸሲቱ ከምዘሎ ነዚ ድማ ሓድነትና ኣስጢምካ፣ ተወዲብካ ምቅላስ ኣብ ዝጠልብ እዋን ምህላውና ኣገንዚቡ።
መራሒ ሃገርን ዓበይቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ብረት ኣረኪብኩም ኪዱ ተነፀሉ፣ ብቴክኖሎጂ ክነጥፈአኩም ኢና እናበሉ ወግሐ ፀብሐ ይዛረቡ ምህላዎም ኣብ መብርሂኡ ዝገለፀ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ሐዚ እውን ኣፈራሪሕኻን ኣሰኲንካ ብዳግም ዕፀዋን ክባን ንምፅናት ይሰርሑ እኳ እንተሃለው ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ፈፂምና ክንብርከኽ ከምዘይንኽእልን፣ መሰልና፣ ልኣላውነትና ይከበር ኣብ ክሊ ሓፁር ሕገ መንግስቲ ኮይንና ዝሕተቱ ሕቶታት ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።
መሰልና ይከበር ፀገምና ብዘተ ይፈታሕ ዝብል መርገፂና ፌደራል መንግስቲ ብኣፈሙዝ ብሓይሊ ክፈትሕ ዝገብሮ ዘሎ ምህንዳድ ኣካል ዝኾነ ብስርዓት ኣብይ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ፀለምቲ ዝተኸፈተ ኩናት እውን ሐዚ እውን ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ንወራር ይዳለው ከምዘሎ መረጋገፂ ምዃኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ግልፂ ገይሩ ኣሎ።
ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ “ተዳኺሞምን ተበቲኖምን እዮም” ይብሉ እኳ እንተሃለው ኣብ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ዝመፀእ ኣካል ሐዚ እውን ኣይተበተናን፣ ልኣላውነትናን ንምኽባር ዝተሰደተን ዝተመዛበለን ህዝብና ናብ መረበቱ ብውሑስ መንገዲ ክምለስ ኣብ ምግባር ሐዚ እውን ቀንዲ መፍትሒኡ ሰላም ብምዃኑ እቲ ዝረአ ዘሎ ጎንፂ ብሰላም ብዘተ ክውዳእ እምነት ውድብን ህዝብን ምዃኑ፤ ካብዚ ብዝዘለለ ግን ምእንተ ህልውና እቲ ቓልሲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣብ መወዳእታ ፃውዒት ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓን መንግስቲ ኣሜሪካን ብተደጋጋሚ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ንሳቶም እውን ካብ የተሓሳስብናዮ ዝብል ዘረባ ወፂኦም ነዚ ብፌደራል መንግስቲ ዝሳወር ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ብተግባር ጠጠው ከብልው ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
Gazeta Woyen
