ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ሓደ ጊዜ ከንቲባ ብምእጋድ ካሊእ ጊዜ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ብምዕሻግ ክሕመስ ዝፀንሐ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሩፍታ ረኺቡ ዝዓመሞም መደባት ኣብ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቡ ገምጊሙ ኣሎ። እቲ ውክልና ህዝቢ ዘለዎ ቤት ምኽሪ እውን ንዓርሱ ብሓይለ መልጢ ተኣጊዱ ኣብ ሆቴላት ካብ ዘካይዶ ዝነበረ ኣኼባ ወፂኡ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ኣግኣዚ ህንፃ ከካይድ ክኢሉ እዩ። እቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ትካላትን ሓድነትን ትግራይ ብምብታን ግዝኣታዊ መሬትና ከይረጋገፅ፣ ተመዛበልትና ከይምለሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ሓራ ዝወፀት ትግራይ እውን ብምሕማስ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ከይካየድ ክዕንቅፍ ፀኒሑ እዩ። እንተኾነ ግን ብመድረኽ ቓልሲ እምቢታ ህዝባዊ ቅቡልነት ስኢነ ካብ ምሕደራ ወፂኡ ዝተበትዐ ህዝባዊ ምምሕዳር ብምዕራይ ኣድማዕቲ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝጀመረ ኣብ ራብዓይ ዘመን መበል 36 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ተገሊፁ እዩ።
ፀብፃብ ትሽዓተ ወርሒ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘቕረቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ከምዝገለፅዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ተመዛበልትና ንፀሓይን ቁርን ከምኡ እውን ዝናብን ጭቃን ተቓሊዖም ብጥምየትን ሕማምን ዝሳቐይሉን ንሕልፈት ህይወት ዝቃልዕሉን ኩነታት እዩ ዘሎ። ናይ ምድርዳር ዓቕምና ብምጥንኻር ፅዕንቶ ከይንገብርን ዝዓነወት ትግራይ ከይንሃንፅን፤ እቲ ጠላም ጉጅለ ካብ ውሽጢ ክሳብ ደገ ዘሎ ዓቕሚ ትግራይ ሃደሽደሽ እናበለ መፂኡ እዩ። ናይዚ መርኣዪ ክቡር ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 12 ቢልዮን ብር በጀት ዳግም ህንፀት እታ ከተማ ንምጥንኻር ዝሓዞም መደባት ክሰናኸሉ ከምዝፀንሑ ሓቢሮም እዮም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ እውን ብውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ ዝሰርሖም ስራሕቲ ንዝተወሰኑ ከምዝስዕብ ክነቕርብ። ኣብዚ ዓመት ን21 ሽሕ ወገናት ብግዝያውን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ እንተነበረኳ በቲ ጉጅለ ጥልመት መደባት ተረቢሾም ካብቲ ትልሚ 43 ሚኢታዊ ዝሽፍን ንልዕሊ 9000 ወገናት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም እዩ። ብተመሳሳሊ 375 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ልቓሕ ብምሃብ ኣብ መፍረይቲ ዝንቀሳቐሱ ወገናት ንምጥንኻር ዝተትሓዘ ትልሚ እውን እንተኾነ፤ 43 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ዘለዎ 163 ነጥቢ ሚልዮን ብር ከምዝተውሃበ እቲ ፀብፃብ የረድእ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብቶም ዝዓሞም ዓበይቲ መደባት ሓደ ሕርሻ ከተማ እዩ። ኣብ ሕርሻ ከተማ ክለምዕ ዝኽእል 5,926 ሄክታር መሬት ኮይኑ፤ እዚ ንምልማዕ 5,847 ቶን ዱኹዒ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ብምሉእነት ከምዝለምዐን 124 ሽሕን 313 ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበን ዶ/ር ረዳኢ ይገልፁ። ካብዚ እቲ 721 ብመስኖ ዝለምዐ ከምዝኾነ ነቲ ቤት ምኽሪ ተሓቢርሉ እዩ። ፀጋታት ሃፍቲ እንስሳ እታ ከተማ ንምጥንኻር ን124 ሽሕ ዝተመሓየሸ ዓሌት ደርሁ ንምትእትታው ተሓሲቡ እተን 91 ሽሕን 150 ክኣትዋ ክኢለን እየን። ካብዚ ብተወሳኺ 225 ዝተመሓየሸ ዓሌት ኣላሕም ንምትእትታው ተሓሲቡ እተን 183 ከምዝተኣታተዋ ነቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ ቀሪቡ እዩ።
መደባት ልምዓት እቶት ዝምልከት ድማ ን32 ሽሕን 460 ደረጃ ሐ፣ 1,785 ደረጃ ለ፣ ን3,270 ደረጃ ሀን 13 ሽሕን 731 መካረይቲ ገዛን ዝርከብዎም ከፈልቲ ግብሪ ብምድጋፍን ብምፍታሽን 96 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ዘለዎ ሰለስተ ነጥቢ ክልተ ቢልዮን ብር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ እዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ኣታዊታት 10 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ክእከብ ዝተትሓዘ መደብ እውን እቲ 85 ሚኢታዊ ከም ዝተፈፀመ ኣብቲ ገምጋም ቤትምኽሪ ቀሪቡ ተዘትይሉ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ን90 ሽሕ ሃንደበታዊ ገዛ ንገዛ ቁፅፅር ንግዲ ብምክያድ፤ 11 ሽሕን 505 ነጋዶ ንግዲ ፍቓዶም እንተየሐደሱ ክሰርሑ፣ 7987 ነጋዶ ንግዲ ፍቓድ ዘይብሎም እናሰርሑ ከምዝተረኸቡ ኣብቲ ገምጋም ተራእዩ እዩ። ብመሰረት እዚ ን19 ሽሕን 85 ነጋዶ መጠንቀቕታ ን39 ሽሕ ን638 ነጋዶ ምኽርን ሓበሬታን ን2611 ነጋዶ ድማ ክዕሸጉ ከምዝተገበረ ዶ/ር ረዳኢ ኣብሪሆም እዮም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ መንግስቲ ፌደራል ዝኣተዎ ስምምዕነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ክንዲ ዝፍፅም ስልትታት እናቐያየረ ከዳኽመና ፀኒሑ እዩ። ተመዛበልቲ ክምለሱ ዘይምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዘይተመዛበለ ህዝቢ እውን ብቁጠባ ንክዳኸም ነዳዲ ከይኣቱ እናኸልከለ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ እቲ ዝለዓለ በደል ዝኾን፤ እተን ዝመፃ ውሱናት ነዳዲ ዝቀራመቱ ዘይሕጋውያን ኣካላት ምህላዎም እዩ። ስለዝኾነ ነዚኦም ንምቁፅፃር ብዝተገበረ ፃዕሪ 19 ሽሕን 641 ሊትሮ ናፍጣ፣ 20 ሽሕን 562 ሊትሮ ፃዕዳ ላምባ (ቤንዚን) ብድምር 220 በርሚል ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣረዲኦም እዮም።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም 12 ነጥቢ 66 ቢልዮን ብር ንመደበኛን ካፒታል በጀትን ኣፅዲቑ ከተማ መቐለ ንዕድሚኣ ዝምጥን ፅባቐን ግልጋሎትን ዘለዋ ከተማ ንክትኾን ዓሊሙ መደብ ከምዝሓዘ ዝፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግና በቲ ዝነበረ ሕምስምስ ካብ ሊዝ ጨረታ ክእከብ ዝግባእ ገንዘብ ብእዋኑ ብዘይምእካቡ እቲ ዝድለ ልምዓት ክረጋገፅ ኣይከኣለን። እዚ እውን በቲ ጠላም ጉጅለ መደባት ተሓሚሱ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ወርሒ 40 ሚኢታዊ ከምዝተፈፀመን ብምኽንያት እዚ ዝተትሓዙ ፕሮጀክትታት ክጓተቱ ከምዝኸኣሉን ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ እዩ። ንኣብነት፣ ፀገም ማይ ከተማ መቐለ ንምቕራፍ ሸውዓተ ተወሰኽቲ ጐዳጉዲ ንምኹዓት ዝተትሓዘ ትልሚ ሰኣን በጀት ሓንቲ ጉድጓድ ጥራሕ ክትኮዓት ክኢላ እያ። እዚ እውን ኣብዚ ዓመት ኣርባዕተ ጊዜ ጨረታ ሊዝ ክካየደ ተሓሲቡ፤ በቲ ዝነበረ ሕምስምስ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ተኻይዱ። ይኹን እምበር እቲ ዝባኸነ ጊዜ ንምክሕሓስ ኣብተን ዝተረፋ እዋናት ክልተ ጊዜ ጨረታ ሊዝ ብምክያድ መደባት ዳግመ ህንፀት እታ ከተማ ንምጥንኻር ትልሚ ተታሒዙ ይስረሐሉ ከምዘሎ ኣብቲ ገምጋም ቀሪቡ እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ገበንን ስግኣት ገበንን ከምዝዛየደ በቢእዋኑ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ። ህዝቢ “ወፂእና ብሰላም ክንኣቱ ኣይከኣልናን፤ ተረጋጊእና ነናብ ቤት እምነትና ክንከይድ ኣይከኣልናን” እናበለ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከቕርብ ፀኒሑ እዩ። ከተማ መቐለ ኣብ ፀገም ፀጥታ ከምዘላ ዘርኢ ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዋ 865 ብሎካት እተን 113 ብሎካት ጥራሕ ካብ ገበን ሓራ ዝኾና። ብመንፅር ጉጅለ ልምዓት እንትንርኢ ድማ ካብ 3473 ጉጅለ ልምዓት እተን 339 ጉጅለ ልምዓት ገበን ከምዘይተርኣየለን ዝተገለፀ እዚ ዓብዪ ክፍተት ፀጥታ ዝተርኣየ ድማ እቲ ህዝቢ በዓል ዋና ፀጥታ ክኾን ዘይምግባሩን ኣካላት ፀጥታ (ፖሊስ፣ ዓቃቢ ሕግን ቤት ፍርድን) ተናቢብካ ኣብ ምስራሕ ክፍተት ብምንባሩ ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። ስውር ገበን ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 370 ኣብዚ ዓመት ናብ 500 ክዓቢ ከምዝኸኣለ ብኣብነት ተደጊፉ ተገሊፁ እዩ።
ስርዓት ዝጎደሎ መጓዓዝያ ንምዕራይ እውን ኣብ ልዕል 93 ሽሕን 506 ጥሕሰት ዝፈፀሙ ተሸከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ። እዚ ምስዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 32 ሽሕን 26 ቁፅሪ ወሰኽ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ። ብምዃኑ ደምቢ ካብ ዝተሓላለፉ ኣሽከርከርቲ 25 ነጥቢ 7 ሚልዮን ብር ኣታዊ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብታ ከተማ ዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ እንትንርኢ 222 ኮይኑ፤ ን45 ሰባት ሕልፈት ህይወት፣ 88 ሰባት ከቢድ ጉድኣት፣ ሰለስተ ሰባት ቀሊል ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ እዩ። ኣብዚ ዝዓነወ ንብረት እንትረአ 13 ነጥቢ ትሽዓተ ሚልዮን ብር ዝግመት ከምዝኾነ ዶ/ር ረዳኢ ሓቢሮም እዮም።
ዝተዋደደ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዝምልከት ኣብ ቀዳማይ ዙር ፕሮጀክት ኣስፋልት ምስ መንገዲ እግረኛ ሓዊሱ 21 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትር ህንፀቱ ተወጊኑ ኣብ ምጥቕላል ይርከብ። ኣብ ካልኣይ ዙር ኣስፋልት ክስራሕ ተሓሲቡ ካብ ዝነበረ 18 ኪሎ ሜትር እቲ 12 ኪሎ ሜትር ከምዝተሰርሐ ቀሪቡ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ኣርባዕተ ነጥቢ ክልተ ኪሎ ሜትር ኣስፋልት መንገዲ ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ፤ ብልዕሊ ክልተ ቢልዮን ብር ሓሙሽተ ነጥቢ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ዝኣረገ ኣስፋልት ንምሕዳስ ምስሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ውዕሊ ተኣሲሩ ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ 167 ኪሎሜትር መንገዲ ፀፀር ንምስራሕ ዝተሓሰበ ኮይኑ፤ በቲ ዘጋጠመ ሕምስምስ ፖለቲካ እቲ 97 ኪሎ ሜትር ክስራሕ ከምዝኸኣለ ዶ/ር ረዳኢ ይገልፁ። ካብዚ ብተወሳኺ ብ142 ሚልዮን ብር ኣብ 23 ከባብታት እታ ከተማ 10 ኪሎ ሜትር ምንፃፍ እምኒ ንምስራሕ ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ከይዲ ዝርከብ ኮይኑ፤ 40 ኪሎ ሜትር ዝተበላሸወ ምንፃፍ እምኒ ተፀጊኑ ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ።
እቲ ካሊእ ኣብቲ ገምጋም ዝቐረበ መብራህቲ ዝምልከት እዩ። እዚ እውን 15 ኪሎ ሜትር ጎደና መብራህቲ፣ 19 መንደራት ነጋዲትን ዳግያትን ተዘርጊሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብ395 ሚልዮን ብር ኣብ 14 ከባቢታት ጎደና መብራህቲ ንምዝርጋሕ ውዕሊ ተኣሲሩ ኣብ ከይዲ ኣሎ። መደባት ኣጠቓቕማ መሬትን ምሕደራን ዝምልከት ዝቐረበ እንትንርኢ ድማ፤ 196 ሄክታር መሬት ንሊዝ ዝተዳለወ ኮይኑ ካብዚ ኣብ 323 ቦታታት ዝርከብ ልዕሊ 92 ሽሕ ካሬ ሜትር 744 ነጥቢ 7 ሚልዮን እቶት ንምርካብ ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ። ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላስ ድማ ን1026 ኣባላት ጉድኣት ኲናት ትግራይ 14 ነጥቢ 3 ሄክታር ዝተዓደለ ኮይኑ ን4334 ስድራ ስውኣት ድማ 426 ነጥቢ ሄክታር መሬት ንምዕዳል ኣብ ከይዲ ከምዘሎ እቶም ምክትል ከንቲባ ገሊፆም እዮም። ከምኡ እውን ን356 መምህራን ኣርባዕተ ነጥቢ ትሽዓተ ሄክታር መሬት ከምዝተዓደለ ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ተዘትይሉ እዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ በቲ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ኣተሓባባርነት 70 ሄክታር መሬት ከምዝተወረረን ካብዚ እቲ 11 ሄክታር መሬት ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ን79 ሰልፈኛታት ኣብ ጎደና ዝተዓደለ ከምዝተረኸበ ተረጋጊፁ እዩ።
ካብቲ 24 ገፅ ዘለዎ ዝቐረበ ፀብፃብ ብውስኑ እንትረአ ነዚ ይመስል። ነቲ ዝቐረበ ፀብፃብን ቀወምቲ ኮሚቴ መሰረተ ልምዓት፣ ኢኮኖሚ፣ በጀትን ኦዲትን፣ ሕግን ምምሕዳርን በብዝከታተልዎም ኣብያተ ዕዮ መሰረት ገይሮም ብምድህሳስ ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ነገራት ብዝርዝር ኣቕሪቦም እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ነቶም ክፍተታት ክእርሙን ንዝነበሩ ባዕላዊ ክፍተታት ተሓታትነት ክረጋገፀሎም ውሳነ ኣሕሊፎም እዮም። ካብቶም ዘልዓልዎም ዓበይቲ ነጥብታት ዝስዕቡ ይርከብዎም። ሕገ መንግስቲ ሓንቲ ከተማ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ማስተር ፕላን ጥሒሶም ንሓምለዋይ ልምዓት ዝተገድፉ ክፍቲ ቦታታት ንውልቀ ሰባት ዝዓደሉ ኣካላት ክሕተቱ ኣለዎም ዝብል እዩ። እዚ ጉዳይ ዓብዪ ገበን ብምዃኑ ክሳብ 20 ዓመት ከምዘቕፅዕ እናፈለጡ ዝዓደሉ ሰባት ይተሓተቱ ዝብል እዩ። ካሊእ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ኣትዮም ግን ልዕሊ 15 ዓመት ኣይገፀር ኣይከተማ ዝኾኑ ከባቢታት ከባብያዊ ፕላን ተሰሪሕሎም ማይ፣ መብራህቲ፣ ፅርግያ ወዘተ ዝረኽብሉ ኩነታት ብቅልጡፍ ይመዓራረ ዝብል እዩ። ብፍላይ እቶም መሰረተ ልምዓታት ክረምቲ እንተይኣተወ ብቅልጡፍ ዝሰርሕሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ካሊእ ትኹረት ገይሮም ዘልዓልዎ ምምሕዳር መሬት ዝምልከት እዩ። መሬት ኣመሓዳሪኡ ዘይፍለጥ ካብ ስርዓት ወፃኢ ዘይምልከቶ ኣካል (ቤት መዘጋጃ፣ ደኣንት፣ ሓይሊ ዕማምን ኮሚሽን ሓርበኛን) ዝዕድለሉ ስርዓት ኣልቦነት ከምዝነበረን ቅልጡፍ ምምዕርራይ ክግበረሉ ከምዘለዎን ተሓቢሩ እዩ። ብድምሩ ቀወምቲ ኮሚቴ ኣብ ኣብያተ ዕዮ ዝተርኣዩ ክፍተታት ብዝርዝር ቀሪቦም ምርድዳእ ስለዝተገበረ በቲ ዝተዛተይሉ ቅልጡፍ ምትዕርራይ ክገብር ዝሓበርዎ ክትግበር ይግባእ ንብል። ብፍላይ እቶም በብጊዜኡ ዝለዓሉ ክፍተታት ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሖም ንክመፁ ዘተሓሳሰብዎ ኩሉ መሪሕነትን በዓል ሞያን ብውነ ተረዲኡ ተመዓራርዩ ክመፅእ ይግባእ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘሎ ቅጥዑ ዝጠፍኦ ኣሰራርሓ ብቕልጡፍ ብምእራም ህዝብና ስሩዕ ግልጋሎት ዝረኽበሉ ኩነታት ንክፍጠር ዘተሓሳሰብዎ ወዓል ሕደር ዘይበሃሎ ውራይ ምዃኑ ክነዘኻኽር ንፎቱ።