ትግራይ ምስኢትዮጵያ ዘተኣሳስርዋ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ከምዝተዓፀውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ፍልይ ዝበለ መፍትሒ ኣብ ተናድየሉ ብርኪ በፂሓ ከምዘላን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ውድብ ህወሓት ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ገሊፆም።
ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ህልውንኡን ምኽባር ሉኣላውነቱን ክስርሖም ኣብ ዝግብኡ ጉዳያት፤ ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ ብወታደራውን ቁጠባውን ዓቕሚ ንምስኳን ዘገብር ዘሎ ዙርያ ምላሽ ምንቅስቓስ ስዒርካ ንምውፃእ ክህልው ኣብ ዝግበኦ ድልውነትን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምስወይን ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት እዩ።
ትግራይ ካብ ፖለቲካ መንግስቲ ፌደራል ካብ እተወፅእ ብዙሕ ፀኒሓ ከምዘላን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝውከለሉ፣ ድምፁ ዘስመዐሉ ኮነ መሰላቱ ዘኽብረሉ ዝኾነ ዓይነት ዕድል ከምዘየለ ዶ/ር ኣብርሃም ገሊፆም። ብውሱን መንገዲ ኣብ ኢኮኖምያዊ መዳይ ዝነበረ ምትእስሳር እውን እንተኾነ ምሉእ ንምሉእ ተዓፅዩ ከምዘሎን ምንቅስቓሰ ባንኪ፣ ንግዲ፣ ዓመታዊ በጀት ሰራሕተኛ መንግስቲ፣ ነዳዲ ወዘተ ጠጠው ከምዝበለን ሓቢሮም።
እዚ ዕፅዋን ክባን እዚ ከምመተግበሪ ፖሊሲ ኮነ ተባሂሉ ዝፍፀም ዘሎ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶ/ር ኣብርሃም፤ ብዋናነት ቀረብ ነዳዲ እንተዘይሃልዩ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና፣ ማይ፣ መንገዲ፣ ትምህርቲ ኮታስ ኩሎም ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓሳትን ግልጋሎታት ልምዓትን ክቋረፁ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።
“እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ፤” ይብሉ ዶክተር ኣብርሃም፣ ናይ ስቪል ማሕበረሰብ ዝኾና ፋብሪካታት ጥራሕ ዝጥቀማሉ ብልሙድ “ፀሊም ናፍጣ” እናተብሃለ ዝፍለጥ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ከምዝተኸልከለ ኣረዲኦም። እዚ ብምኽልካሉ ድማ ካብቲ ቐዳማይ ፅንተታዊ ኲናት ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፉ ፋብሪካታት ውልቀ ስኣን ፀሊም ናፍጣ ይዕፀዋ ከምዘለዋ ወሲኾም ሓቢሮም።
ትግራይ ምስማእኸል ሃገር ዘራኽብዎ ዝነበሩ ኢኮኖምያዊ ጉዳያት ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ብምዕፃዎም ከምዚ ኢልካ ምቕፃል ከምዘይከኣል፤ ዛጊድ ከም ህዝቢ ይኹን ከምውድብ ህወሓት ነዞም ዓበይቲ ፀገማት ተሸኪምካ ዝኽየድ ዘሎ ጉዳይ እውን ብምርድዳእ ይፍታሕ ዶ ይኸውን ብዝብል ርድኢት ከምዝነበረን እዚ ኣማራፂ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ግና ትግራይ ቁርፅ ዝበለ ኣማራፂ መፍትሒ እትወስደሉ ደረጃ በፂሓ ከምዘላን ዶክተር ኣብርሃም ገሊፆም።
“ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ቑፅሪ ሓደ ፀላኢ ገይሮም ዝሪኡዎም ሓይልታት፤ ብሄራዊ ሓድነቱ ንምፍራስ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ዝፍሕሰሉ፣ ፈታኒ ኩነታት ኣለና፤” ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፣ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ሓድነቱ፤ ውዳበታቱን ትካላቱን ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ቅድሚቱ ንዘሎ ሓደጋ መኪቱ ስዒሩ ንምውፃእ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብወታደራውን ቁጠባውን ዓቕሚ ንምስኳን ዙርያ ምላሽ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ ዶ/ር ኣብርሃም፤ ነዚ ንምፍሻልን ስዒርካ ንምውፃእን ፈለማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክዕሪ ብምግባር ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋ ዓይነቱን መንቀሊኡን ከመይ ከምዝምከት ምሉእ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዘድሊ ሓቢሮም። ህዝቢ ትግራይ እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋ ንሓደ ወገን ወይ ንሓደ ውድብ ዝመፀ ከምዘይኮነ ግልፂ ርድኢት ከምዘሎ፤ ከምህዝቢ ከጥፈአና ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ድማ ነዚ ንምምካት ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ውድብ ህወሓትን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ውድባትን ኣብ ምጥንኻር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና ኢሎም።
ዶክተር ኣብርሃም ኣብ ጉዳይ ጥሕሰት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ክህሊ ዝኽእል ዕድል ሰላም ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ድማ፤ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዕድል ሰላም መሊኡ ከምዝጠሓሶ የብርሁ። ነዚ ንምርኣይ ነቶም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ውዕላት ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ሉኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ምኽባርን መስርሕ ተሓታትነት ምርግጋፅን ካልኦትን ምሉእ ንምሉእ ጥሒሱ ዳግም ወራር ፅንተት ንምፍፃም ወታደራዊ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሶም።
ዶክተር ኣብርሃም ብዘይካ እዚ፤ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንእሽተይ ዕድል ሰላም እንተሃልያ ነዚኣ ፀንቂቕካ ንምጥቃም ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሑ ከምዘለውን ሰላም መማረፂ ክንጥቀም ኢና ብዝብል ጥራሕ ግን ናይ ሰላም ዕድል ከምዘይትግበርን ኣብ ውሽጥና ክንሰርሖ እንኽእል ስራሕ ክንሰርሕ እንትኽእል ጥራሕ ዘላቒ ሰላም ክመፅእ ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ውዕሊ ፕሪቶርያ ተጣሒሱ ኣብ ዘለወሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃንሒት ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ምግባሩ መከራን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕ ከምዝኾነ ነዚ ድማ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ተቓውመኦም እናስምዑ ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ።
Gazeta Woyen
