ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ልዕሊአን ንዝበፅሐን ውሽጣውን ግዳማውን ወፀዓን ጭቆናን ንምውጋድ ካብ ቀዳማይ ውድባዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ እቶም ዝሓለፉ ናይ ሃለዋትን መንነትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ቃልስን መኸተን ኣካይደን እየን። ካብ ደጀን ክሳብ ቅድመ ግምባር ምስ ደቀንን ሰብኡተንን ተሰሊፈን ክቡር መስዋእትን ከቢድ መጉዳእቲ ኣካልን ከፊለን። በቲ ዝኸፈለኦ መስዋእትን ኣካል መጉዳእትን ድማ ኣብ ምምስራትን ምኽባርን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ ብሄራዊ መንነት፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስያዊ መሰል፣ ፆታዊ ማዕርነትን ካልኦት መሰረታዊ ረብሓታትን መሰረታዊ ለውጢ እዛ ሃገር ኣብ ምርግጋፅ እምነ ኩርናዕ ኣንቢረን እየን።
ካብተን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ግደ ዝነበረን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጋዳሊት ሮማን ገብረስላሰ ሓንቲ እያ። ተጋዳሊት ሮማን ከም ማንም ሰብ ተማሂራ ኣብ ስራሕ ተቆፂራ እኳ እንተነበረት እዋኑ ደርባዊ ስርዓት ዝነገሰሉ፣ ድኽነት፣ ጭቆናን መርሸንትን ህዝቢ ትግራይ ዝዓብለሉን እዋን ብምንባሩ ሽዑ ይኻየዱ ካብ ዝነበሩ ተቃውሞን ሕቡሕ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርስታትን፣ ካብ ስድራቤታን መሓዙታን እትሰምዖም ብዝነበሩ ናይቲ ስርዓት በደላትን ወፀዓን ተላዒላ ኣንፃር እቲ ስርዓት ንምቅላስ ሓምለ 1968 ዓ.ም ምስ ከምኣ ዝበላ ሙሁራት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ገድሊ ትግራይ ተፀምቢራ። ቡምበት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ባድመ ድማ ተዓሊማ።
ተጋዳሊት ሮማን ናብ ታዕሊም ምስ ኣተወት ኣብ ከይዲ ታዕሊም ዝውሰዱ ስልጠናታት ስፖርት፣ ነዊሕ ጉዕዞ፣ ጉያ፣ ፃምእ፣ ጥምየትን ካልኦት ወታደራዊ ታዕሊምን ንምልማዶም ብዙሕ ይከብዳ ከም ዘይነበረ ትዝክር። ብዓርሰ ተበግሶኣ ናብቲ ቃልሲ ስለ ዘንቀደትን ነቲ ቃልሲ ዘለዓዕሉ ወይን፣ ዕጠቕ፣ ዝብሉን ካልኦት ፅሐፋት እናምበበትን ተወሰኽቲ ናይ ተጋደልቲ ምንቕስቓስ እናተዓዘበትን ስለ ዝፀንሐት ነቲ ቃልሲ ድልውቲ ብምንባራ ናይ ታዕሊም ፈተና ብቐሊሉ ከም ዝተዋፀአቶ እውን ተረድእ። ድሕሪ ታዕሊም ናብ ክፍሊ ሕክምና ተመዲባ ንተጋደልቲ እናሓከመት ነይራ። ብተወሳኺ ድማ ተጋደልቲ ናብ ዝነበርሉ ከባብታት እናተንቀሳቐሰት ክፍሊ ህዝቢ ኮይና ምስ ከምኣ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ እንታይነት መበገሲ፣ ዕላማ፣ መቃለሲ ምኽንያትን ገድልን ንህዝቢ ናይ ምርዳእ፣ ግንዛበ ምፍጣር፣ ምልዕዓልን ትሰርሕ ነይራ። ብፍላይ ድማ ንሓረስቶት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ልዕሊአን ተዳዕኒኑ ዝነበረ ፆታዊ ኣድልዎን ወፀዓን ንምግላህ ምስ ህዝበን ኮይነን ተወዲበን ንክቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝእከባሉ በዓልን ኣጋጣምን እናኸዳ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክቃለሳን ነቲ ቃልሲ ክድግፉን የለዓዕላ ነይረን። በዚ ድማ ተጋደልቲ ትግራይ ንፍትሒ፣ ሓርነት፣ ብሄራዊ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ዝቓለሱ ምኻኖም ኣብ ምርዳእ ዓብይ ስራሕ ከም ዝሰርሓ ተዘንቱ። ነዙይ ተረዲአን ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ቃልሲ ምስ ደቀንን ሰብኡተንን ከም ዝተሰለፋን ካብኣተን ሓንቲ ደሃብ ተስፋይ እትበሃል ነባሪት ዓዲ ነብርኢድ ዝነበረት ምስ ስድረአን ካብ ዝተቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ከምዝኾነት ትገልፅ።
ኩነታት እቲ ቃልሲ ከምኡ እናበለ ድሕሪ ምፅንሑ ድሕሪ 1973 ዓ.ም ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ እናጠንከረ ብምምፅኡ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ናብ ሜዳ እናተሰለፋ ዝመፃሉ ኩነታት ብርኪ በፂሑ እዩ። ድሕሪኡ ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ግድመ ግምባራት ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል እናኾነ መፂኡ። ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ከባብታት ዛናን ወልቓይትን ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ “ማርች አይት” ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ቃልሲ ብዝግባእ ኣሚነናሉ ድሌተንን ተሳትፎአን ዝያዳ እናሓየለን መፀኡ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ሕድሕድ ዝተካየዱ ዓውደ ግምባራት ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ተዋጊአን ኣዋጊአንን ተሰዊአንን እየን። ካብቶም መስዋእቲ ዝኸፈላሎም ዓበይቲ ዓውደ ግምባራት ኣብነት ኣብ ከተማ ሸራሮ ምስ ኢድዩ ኣብ ዝተገበረ ውግእ፣ ኣብ ደደቢት ዝተኻየደ “ኵናት ፆመ ኣርባዓ” እናተብሃለ ዝፍለጥ ራብዓይ ወራር፣ ኣብ ገደል ኣመንቲላ ፀዲፈን ዝተሰወኣን ኣብ ክልል ዓፋር ብከቢድ ማይ ፅምኢ ዝተፈተናን መስዋእቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ብፍሉይ መልክዑ ይዝከር ዝኸፍላን። ኣብቲ ናይ ቀረባ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኵናት እውን ኣሰር ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ብዘወራርስ መልክዑ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ምስ ሽሾ ፀላእቲ ገጢመን መስተንክራዊ ዓወት ሓፊሰንን መስዋእቲ ከፊለንን እየን። ደሚርካ እንትርአ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብዛ ሃገር ንዝነበረ ደርባዊ ስርዓት ኣብ ምውጋድ ኮነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘጋጥሙ ተደጋገምቲ ወራራት ንምምካት ምስ ስድረኣን ተወዲበን ተቓሊሰን እየን። ክፍሊ ህዝቢ ኮይነን ህዝቢ ኣነቓቒሐን፣ ኣባል ስርዒት ኮይነን ቃልሲ ኣቀፃፂለንን፣ ኣታኣሳሲረን ካብኡ ሓሊፈን እውን ካብ ቡኽሪ ክሳብ ሕሳስ ደቀን ባዕለን ናብ ቃልሲ ብምስላፍ ኣብ ግምባር ገጢመን ተሰዊአንን እየን። ውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ መንነቱ ከኽብር፣ ከም ሃገር ድማ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ሰለማውን ለውጥታት ኣብ ምርግጋፅ ግደ ኣምበሳ ተፃዊተን። ምስ መሰል፣ ኣወዳድባ ረብሓን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ምምስራትን ሃገራዊ ፖሊሲ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ካልኦት ኩለመዳያ ተሳትፎነን ተረባሕነትን ልዑል ተሳትፎአን ኣረጋጊፀን እየን። ስለዝኾነ ሐዚ እውን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከም ትማሊ ኣብ ጎኒ ዝኣመናሉ ዕላማን ውዳበን ተሰሊፈን ንብሄራዊ ክብረን፣ ዴሞክራስያዊ መሰለንን ማዕርነታዊ ረብሐአንን ክቓለሳን ክውደባን ይግባእ ዝብል መልእኽትና እዩ።