ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ብኣባ ገብረመድህን በርሀን ኣባ ሳሙኤል ኣስገዶምን ዝተብሃሉ ግዱሳት መንፈሳውያን ፈለስቲ ተጋሩ ኣብ ሚያዝያ 2010 ዓ/ም ተጣይሹ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ሰለስተ፣ ዓዲ ግራት ክልተ ብድምር ሓሙሽተ ማእኸል ብምጥያሽ ልዕሊ 250 ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ስነ ኣእምሮን ጠዋሪ ዘይብሎም ህፃናትን ኣዕቑቡ ኣብ ምሕብሓብ ይርከብ። ህዝባዊ ዕላማን ራእይን ሰኒቑ “ህዝብን ትካላትን ክድግፉና እዮም” ዝብል ተስፋ ሒዙ ዝተመስረተ ትካል ብምዃኑ ህዝባዊ ደገፍ ዘይተፈለዮ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ተደራራቢ ፀገም ንዝተፈላለዩ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ተቓሊዑ ይርከብ።
ከምዝፍለጥ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናትን ሐዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ኣብ ስነ ኣእምሮ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ሃሰያ የበፅሕ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ንኣብነት፣ ኣብቲ ትካል ተዓቒቦም ካብ ዘለዉ ወገናት ልዕሊ 180 ሕሙማት ስነ ኣእምሮ እዮም። ኣብ ሓደ ገዛ ክልተ ሰለስተ ሕሙማት ስነ ኣእምሮ ዝረአይሉ፣ እንተነኣሰ ሓደ ዘይኣተዎ ገዛ ዳርጋ የለን ክብሃል ይከኣል። ናይዚ ዋና መርኣያ በቢመዓልቱ ናብቲ ትካል ዝመፁ ዘለዉ በዝሒ ሕሙማት መግለፂ ናይቲ ኩነታት ምዃኖም ጭቡጥ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 3,000 ወገናት ናብቲ ትካል ደብዳቤ ኣእትዮም ሪጋ ዝፅበዩ ኣለዉ። እተን ማእኸላት ስለዝመልኣ በቢመዓልቱ ንዝመፁን ንኽኣትዉ ሪጋ ሒዞም ይፅበዩ ንዘለዉን ወገናት ምቕባል ኣይተኽኣለን። ስለዚ ናይዚ ቀንዲ መፍትሒ ንመስፋሕፍሒ እቲ ትካል ተባሂሉ ዝተውሃቦም መሬት ብምህናፅ ናብ ተግባር ምእታው ከምዝኾነ መስራትን መካየዲ ስራሕን ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ኣባ ገ/መድህን በርሀ የረድኡ።
ኣብቲ ትካል ዘሎ ፀገም ብጣዕሚ ሰፊሕ እኳ እንተኾነ ብዘለዎም ሓቦን ኒሕን ዝለዓለ ውፅኢት ዘለዎ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ንኣብነት፣ 40 ኣብ ጎደና ተደርብዮም ዝተረኸቡ ወለዲ ዘይብሎም ህፃናት ብዝለዓለ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይሕብሕብዎም ኣለዉ። ከምኡ እውን 30 ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ካብ ዝወደቕዎ ብምልዓል ሰላማዊ ዕረፍቲ ዝረኽብሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ 180 ዝኾኑ ሕሙማት ስነ ኣእምሮ ደቂ ተባልትዮን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ ብምዕቛብን እኹል ክትትል ብምግባርን ክሓውዩን ዳግማይ ህይወት ክሰርዑን ይገብር ኣሎ።
ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍረምናጦስ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ውልቀ ገበርቲ ሰናይን ብምውዳድ ብውሱን መልክዑ ደገፍ ዝረኽበሉ ኩነታት እናፈጠረ ፀኒሑ እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ሓደ ኮይኑ ኣብ ትሕቲኡ ብዝተጣየሸ ብቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ኣቢሉ ደገፍ እናገበረ ዝመፀ፣ ቦኽርን መርኣያን ዝኾነ ትካል እዩ። እቲ ማእኸል ገና እግሪ ካብ ምትካል ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብዘለዎ ዓቕሚ ደገፍ እናገበረ ዝመፀ እዩ፣ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ከምኒ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፣ ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍንን ትራንስ ኢትዮጵያን ዝበሉ ትካላት ትእምት እውን ካብ ዘፍርይዎ ዓይነትን ብዘለዎም ዓቕምን እናሓገዙ ከምዝመፁ ኣባ ገ/መድህን ይገልፁ።
እቲ ማእኸል ምስተጣየሸ ትእምት ብዝመደቦ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ሓንቲ ዓባይ ኣውቶብስን ዓባይ ጀኔሬተርን ብምዕዳግ ኣብ ግልጋሎት መጓዓዝያን ቀረብ ሓይሊ መብራህትን ዝነበረ ፀገም ተፈቲሑ እዩ። ንካልኣይ ግዜ ካብ ትእምት ብዝተረኸበ ናይ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ሓገዝ ድማ ሸሞንተ ፀባ ላሕምን ቀለበንን ብምዕዳግ ቀፃልነት ዘለዎ ቀረብ ፀባ ተሓብሐብቲ ንምፍታሕ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እተን ኣላሕም 23 ከምዝበፅሓን ዝህብኦ ፍርያት ፀባ ድማ ነቲ ማእኸል ኪኢሉ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ተወሳኺ እቶት ዝርከበሉ ብርኪ ከምዝበፅሑ ተዓዚብና ኢና። ይኹን እምበር እተን ዘለዋ ኣላሕም ኣብ ፀቢብ ቦታ ተፀቓቒጠን ይነብራ ብምህላወን በዝሒ ዘለወን ኣላሕም ክውሱኹን እቶቶም ከደንፍዑን ኣይከኣሉን። ስለዚ ዝምልከቶ ኣካል ነቲ ፀገም ብዝግባእ ሪኡ ክፈትሐሎም ነዘኻኽር።
ከምዝፍለጥ እቲ ማእኸል ኣብዚ እዋን ዝፍፅሞም ዘሎ ሰብኣዊ ተግባራትን ዝህቦም ዘሎ ረብሓታትን ቀለልቲ ኣይኮኑን። ንኣብነት፣ ሓደ ሕሙም ስነ ኣእምሮ ኣብ ሓደ ገዛ እንትነብር ክንደይ ቤተሰብ ከምዝርብሽን ነቲ ሕሙም ንምሕብሓብ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ወርቃዊ ግዚኡ ዘባኽንን ሰብ ብምብዛሕን ምውሓድን ዝግመት ኣይኮነን። እቲ ሸኸም ዓብዪ እዩ። ስለዚ እቲ ማእኸል 180 ሕሙማን ስነ ኣእምሮ ተቐቢሉ ኣሎ ማለት ክንደይ ቤተሰብ ዕረፍቲ ረኺቡ ከምዝሎ ምርዳእ ይከኣል። ሕሙም ስነ ኣእምሮ ንባዕሉ ተጎዲኡ፣ ንቤተሰቡ ኣሸጊሩ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንናይ ከባቢኡ ማሕበረሰብ ዝርብሽ እዩ። ብምዃኑ እውን ከምዚኦም ኣብ ዝኣመሰሉ ሕሙማት ኣብ ምሕብሓብ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕን ዝለዓለ ለውጢ ዘምፅእን ዘሎ ትካል ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።
ይኹን እምበር ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ዘሎ ፀገም ብጣዕሚ ዓብዪ እዩ። ብዋናነት ንመስፋሕፍሒ እቲ ትካል ዝተውሃቦም 43 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምህናፅ ናብ ተግባር ብዘይምውዓሉ ብርክት ዝበሉ ሕሙማት ኣእምሮ፣ ኣረጋውያንን ህፃናትን ክቕበል ኣይከኣለን። እዚ እንተተሰሪሑ ግን ሪጋ ኣብ ምፅባይ ዘለዉ ይኹን በቢመዓልቱ ከዕቆቡ ዝመፁ ወገናት ብምሉእነት ምቕባልን ምሕብሓብን ይከኣል እዩ። እዚ ተፈቲሑ ማለት ድማ ዓብዪ ሸከም ናይቲ ሕብረተሰብ ምቅላል እዩ። ስለዚ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ትእምት፣ ኣብ ትሕቲ ትእምት ዘለዋ ትካላትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ኣብ ምህናፅ እቲ ማእኸል ልዑል ግደ ክፃወታ ኣባ ገብረመድህን ይፅውዑ።
ዕላማን ራእይን እቲ ትካል ኣብቲ ማእኸል ሕውየት ስነ ኣእምሮ ዘረጋገፃ ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ስራሕ ዝረኽባሉን እቶት እቲ ትካል ዝዓብየሉን ኩነታት ክፈጥር ተስፋ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት ሓንፂፁ ናብ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣእትዩ ኣሎ። እቲ ፕሮጀክት ብዋናነት ኣብ ምትእትታው ስራሕቲ ስፌት ዓለባን ስራሕቲ ሹራብን (ጋርመንት) እንትኸውን ኩለመዳያዊ ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ። ሓደ ኣብቲ ማእኸል ንዘለዉ ተሓብሐብቲ ዝኸውን ክዳውንቲ ብምድላው ዓርሶም ብዓርሶም ምኽኣል እዩ። ካልኣይ ድማ ነቶም ዝሓውዩ ዘለዉ ወገናት ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ቀዋሚ ፍልፍል እቶት ዝርከበሉ ኩነታትን ምምዕርራይ ካብ ዓበይቲ ዕማማት ናይቲ ትካል ሓደ እዩ። ብመሰረት እዚ እውን እቲ ፕሮጅክት ናብ ተግባር ክኣቱ ምስ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ተቐራሪቦም ይሰርሑ ከምዘለዉ ይገልፁ።
ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ዝረኸብናዮም ኣይተ ወላይ ሃይሉ ወዲ 80 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ እንትኾኑ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ጎንደር ፅቡቕ ናብራ ይነብሩ ከምዝነበሩ ይገልፁ። ይኹን እምበር ኣብ 2018 ዓ/ም ብዝተፈፀመ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ተመዛቢሎም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝመፁ የረድኡ። ጠዋሪ ስለዘይብሎም ድማ ኣብ ማእኸል ፍረምናጦስ ተዓቚቦም፣ ሰለማዊ ህይወት ይነብሩ ኣለዉ። ትእምት ነቲ ትካል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምምስጋን ድማ እቲ ንሶም ረኺቦምዎ ዘሎ ዕድል ካልኦት ብዕድመ ዝደፍኡ፤ ኣብ መንገዲ ተደርብዮምን ኣብ ገዝኦም ጠዋሪ ዘይብሎምን ኣረጋውያን ናብ መዕቖቢ ክኣትዉ ብምግባር ህዝባዊ ትካል ትእምት ጀሚርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ የተሓሳስቡ።
ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ፍሬምናጦስ ዝርከቡ ወገናት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብዚኦም ከዓ መንእሰይ ሃፍታይ ኣብርሃ እዩ። መንእሰይ ሃፍታይ ብዘጋጠሞ ናይ ስነ ኣእምሮ ፀገም ኣብ 2012 ዓ/ም ናብቲ ማእኸል ከምዝኣተወ ይገልፅ። ኣብቲ ዝኣተወሉ እዋን ዓርሱ ከምዘይፈልጥ፣ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ከምዝመፀ የረድእ። ኣብቲ ማእኸል ብዝተገበረሉ ክንክንን ክትትል ሕክምናን ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኩነታት ጥዕንኡ ብምምሕያሹ ኣብቲ ትካል ንዘለዉ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕሙማት ወገናት ይሕብሕብ ኣሎ።
ንእስቲ ሰላም ግደይ ካብተን ፀገም ስነ ኣእምሮ ኣጋጢምወን ኣብቲ ማእኸል ዝኣተዋን ሓውየን ካልኣይ ህይወት ዝሰርዓን ወገናት ሓንቲ እያ። ናብርኣ ንድሕሪት ምልስ ኢላ እንትትዝክሮ ከቢድ ህይወት ትመርሕ ከምዝነበረት ትገልፅ። ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ሕማም ስነ ኣእምሮ ሰለዝነበራ ኣእዳዋን ኣእጋራን ተኣሲራ ትነበር ነይራ። “ኣቦይ ናተይ እሱር ኮይኑ ይነብር ነይሩ። ዝነበረና ገዛ ሸጥና ፈቖዶ ፀበል ከርተት ኢልና። ናብዚ ማእኸል ምስ ኣተኹ ግና ልዑል ክንክን ተገይሩለይ ሓውየ ኣብቲ ትካል ተቖፂረ ኣብ ምድላው ምግቢ ይሰርሕ ኣለኹ። ሳላ ፍረምናጦስ ካልኣይ ተፈጢረ ሕጉስቲ ኮይነ ይነብር ኣለኹ” ትብል። ከምኣ ዝበላ ፀገም ጥዕና ዘለወን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ በቢመዓልቱ ይመፃ እየን። ይኹን እምበር እቲ ቦታ ፀቢብ ስለዝኾነ ክኣትዋ ከምዘይከኣላ ተረድእ። “ቦታ የብልናን ተመለሳ” እንትበሃላ ብጣዕሚ ከምዘሕማ ትገልፅ። ስለዚ እታ መንግስቲ ዝሃቦም ቦታ ኢደይ ኢድካ ኢልካ ክትህነፅን ንሳ ዘረኸበቶ ዳግማይ ህይወት ካልኦት ወገናት እውን ዕድል ንክረኽባን እያ ትምሕፀን።
ብድምር ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍረሚናጦስ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ብፍላይ ድማ ብሕማም ኣእምሮ ዝጥቅዑ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ምሕብሓብን ምድሓንን ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ልዑልን ከም ዳግማይ ምፍጣርን እዩ። ይኹን እምበር እቲ ትካል ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ በጀት ከምኡ እውን ዝሕግዞ ቀዋሚ ትካል ብዘይምህላዉ ኣብ ዓብዪ ፀገም ይርከብ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እናተገለፀ ዝመፀ ሰኣን እቲ ትካል ምስፍሕፋሕን ደረጅኡ ዝተመሓየሸ ህንፃ ሃኒፅካ ናብ ተግባር ምእታውን ክሕገዙ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ወገናት ኣብ ጎደና ተደርብዮም ኣለዉ። ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ነቶም ፀገማት ንምቅላል በቢዓመቱ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ እቲ ፀገም ዓብዪ ብምዃኑ መሊኡ ዝፈትሕ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ማእኸል ኣብ ከይዲ ስራሕቱ ማሕንቖ ዝኾንዎ ጉዳያት ንምፍታሕ ኩሉ ኣካል ክሳተፍን ኢደይ ኢድካ ኢሉ ፀገም ህዝቢ ክፈትሕን ይግባእ ንብል።