ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ካብ ኲናት ናብ ኣንፃራዊ ሰላም ዘሰጋገረ፣ ውሑስ ግልጋሎት ክህልው ዘኽኣለ ዋላ እኳ እንተኾነ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ብዘይምውፅኦም ግን ዛጊድ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ኣይከኣለን። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እውን ሓራ ኣይወፀን። ፖለቲካዊ ዘተ ብዘይምጅማሩ እውን ጀኖሳይድ ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ትግራይ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ፍትሒ ኣይረኸበን። ካብዚ ሓሊፉ እውን ፌደራል መንግስቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘይምፍፃሙ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ስምምዕ ዝጥሕሱ ተግባራት እዩ ዝፍፅም ዘሎ። ብመንፅር እዚ ኣብዚ ቐረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ኣብ ፓርላማ ቐሪቡ ዝተዛረቦ “ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተፈራረምና ምስ ጌታቸውን ፃድቃንን” ዝበሎ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስቕታ ዝመረፀሉ ምኽንያትን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ኣመልኪትና ምስ ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዘካየድናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ተዋዲዱ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።
ወይን፡- ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ሰለስተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብዙይ እቲ ስምምዕነት ክፍረም እወንታዊ ግደ ዝነበሮ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዝተፈላላዩ ክ/ኣህጉራዊ ትካላትን ብፍላይ ተኸታቲሉ ከፈፅም ሓላፍነት ዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባቲ ስምምዕ ዝበሎን ዝገበሮን ነገር የለን። እዚ ስቅታ እዙይ ምክንያቱ እንታይ ክብሃል ይኽእል? ኣብዚ ሒደት ማዓልቲታት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ከምዝተዛረቦ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተፈራረምና ምስ ጌታቸውን ፃድቃንን እዩ እንትብል ተሰሚዑ ኣሎ። እዚ ትርጉሙ እንታይ ማለት እዩ?
ዶ/ር ደብረፅዮን፡- ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ሰለስተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። ብርግፅ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ኵናት ናብ ሰላም ዘምፀአ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦን ዝተሳተፈሉን ስምምዕ እዩ። ድሕሪ እቲ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ዘይከሓዱ እወንታዊ ነገራት ነይሮም እዮም። ግዝያዊ ምምሕዳር ብምጥያሽ ይዕበ ይንኣስ በጀት ብምፅዳቕ ናብ ስራሕ ዝተኣተወሉ፣ ግልጋሎት ባንኪ፣ መብራህቲ፣ ቴሌ ምሃብ ዝተጀመረሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ስምምዕ ዝተኻየደሉ መፈለምታ እዋን እቲ ተኲሲ ጠጠው ምስ በለ ቀልጢፍካ ዕጥቂ ምስ ምፍታሕ ብፍላይ ከቢድ ብረት ናይ ምፍታሕ ትልሚ ነይሩ እዩ። “ከመይ ዕጥቂ ይፍታሕ” ዝብል ግን ንበይኑ ዝፍፀም ጉዳይ ኣይኮነን። ፈለማ ወረርቲ ብሓይሊ ጎቢጦም ካብ ዝሓዝዎ ልኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ክወፁ ከምዘለዎም ኣብቲ ስምምዕ ተቐሚጡ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ከይተፈፀመ ሰለስተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ወረርቲ ኣይወፁን፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ድማ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን። ቅድሚ ተመዛበልቲ ይኹን ዝተሰደደ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላሶም ፈለማ ወረርቲ ሓይልታት ብሓይሊ ጎቢጦም ካብ ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ክወፁ እዩ ዘለዎም። ወረርቲ እናሃለው ተመዛበልቲ ወገናትና ክኣትው ምግባር ግን፣ ናብ ኻሊእ ሓደጋ ክኣትው ምፍቃድ እዩ ዝኸውን።
ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ወራር ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘድልዮ እዩ። ተኲሲ ጠጠው ምባል ጥራሕ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድ እናተገበኦ ዛጊድ ዝተገበረ ነገር የለን። እቲ ጀኖሳይድ ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ዛጊድ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀሉን ዘሎ። ካብዚ ብዝዘለለ ካብ ዝሓለፈ ዓመት (2017 ዓ/ም) ጀሚሩ ነቲ ስምምዕነት ዝጥሕሱ ነገራት ይረኣዩ ኣለው። ማእኸላይ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ትግራይ ክሒዶም ዝኸዱ ሓድ ሓደ ከደዓት ህዝቢ ትግራይ ንምውጋእ እናወደበ፣ እናሰልጠነ ይርከብ። እዚ ተግባር እዚ ንዓርሱ ጥሕሰት ስምምዕ ፕሪቶርያ እዩ። ካሊእ ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ድማ ዕጡቓት ሸፋቱ እናወደበካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክዘምቱ ይገብር ኣሎ። ህዝቢ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ መነባብርኡ ከይመርሕ ማሕበራዊ ግልጋሎት መጓዓዝያ፣ ሕክምና፣ ከይረክብ ብሰንኪ ቐረብ ነዳዲ ዘይምህላው ይተኣጓጎል እዩ ዘሎ። ብተመሳሳሊ ሓረስታይና ብጀኔረተራት ተሓጊዙ ብመስኖ ከየልምዕ ብሰንኪ ነዳዲ ዘይምህላው ካብ ንጥፈታት ልምዓቱ ይዕንቀፍ እዩ ዘሎ። ከምኡ እውን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መዕቆቢ ዘለው ተመዛበልቲ ወገናትና “ብዘይምቁርራፅ ተኸታታሊ ሓገዝ ክረኽቡ ኣለዎም” እዩ ዝብል እንተኾነ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ዝተተግበረ ነገር የለን። ኣብ ስራሕቲ ፕሮፖጋንዳ እውን “እቲ ሓደ ኣካል ነቲ ካሊእ ኣካል ወፍሪ ተፃብኦ ክካይደሉ የብሉን” እዩ ዝብል እቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ። ይኹን እምበር መንግስቲ ፌደራል ብቕሉዕ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እዛ ሃገር ጀሚሩ ኣብ ስሩዕ ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ይእውጅ ኣሎ። ስለዚ እቲ ስምምዕ ዘይምፍፃም ጥራሕ ዘይኮነ ጥሕሰት እውን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቶም መንጎኛታት ዝበሃሉ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹኑ ካልኦት ዲፕሎማት ኣሸማገልቲ እዮም። እዚኦም ናይ ምቅርራብ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ። ብወገን ህወሓት ይኹን ብማእኸላይ መንግስቲ ኣጀንዳ ክለዓል እንከሎ ነዚ ኣጀንዳ እዚ ሒዞም መድረኽ ፈጢሮም ኣኼባ ክፅውዑ፣ ክዛተዩን ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት እውን ክከታተሉን ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ሪፖርት ናይ ምግባር፣ ዝረኣይዎ ሓቂ ናይ ምግምጋም ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ብዝዘለለ “ከምዚ ኢልኩም ከምኢ ዘይገበርኩም” ኢሎም ክቕፅዑ ግን ኣይኽእሉን። ምኽርን ማዕዳን ናይ ምሃብ ሓላፍነት ጥራሕ እዩ ዘለዎም። ብመሰረት እዚ ብወገንና ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ንምርኣይ “ንተኣከብ ንገምጋም” ንብል ኣለና። ማእኸላይ መንግስቲ ፍቃደኛ ስለዘይኮነ ግን ዛጊድ ዝተገበረ ነገር የለን። እዞም መንጎኛታት ዝኣበየ ኣካል ናይ ምቕፃዕ ሓላፍነት ዋላ እኳ እንተዘይሃለዎም እንተወሓደ ግን ጥንክር ዝብለ መልእኽቲ ክህቡ፣ መን ከም ዝኣቢ ዘሎ እውን ፈልዮም ክዛረቡ እዩ ዘለዎም። ብመንፅር እዚ ክረአ እንከሎ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ “ማይክ ሃመር” እናሃለወ ዝሓሸ ፀቕጢ ፈጣሪ ስለዝነበረ ኣብቲ ዲፕሎማሲ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ሕብረት ኣፍሪካ ግን ናይ ባዕሉ ውስንነት ዘለዎ ትካል እዩ።
እቲ ካልእ ቀዳማይ ሚኒተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሙ ኣካላት ኣመልኪቱ ኣብ ፓርላማ ዝተዛረቦ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ኣብዚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምፍራም ጥራሕ ዘይከነስ እቲ ኸይዲ እውን እዩ ክረአ ዘለዎ። ቅድሚ ናብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምእታውና ኣብቲ መጀመርያ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ብደብዳቤ ናብ መንግስቲ ትግራይ ፅሒፉ ነይሩ እዩ። “ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ክነዘራርበኩም ፍቃደኛታት ምዃንኩምን ወከልትኹምን ኣፍልጡና” ኢሉ ደብዳቤ ፅሒፉልና ነይሩ እዩ። ንሰላም ብዘለና ቕርቡነት ድማ ከምእንደሊ ኣፍሊጥና ወከልትና እውን እቶም ሐዚ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀሙ በዓል ጌታቸው ረዳን ፃድቃንን ልኢኽና። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ክልተ ውልቀ ሰባት ምኻድን ዘይምኻድን ዘይኮነ ክልቲኦም ውድባት ማለት እውን ውድብ ህወሓትን ብልፅግናን እዮም ተፈራሪሞም ኢና ንብል ዘለና። እቲ ፊርማ እውን “ስለ” ህወሓትን “ስለ” ፌደራል መንግስትን” ኢሎም ተወኪሎም እዮም ፈሪሞም። ብሓፈሻ ንትካል ወኪሎም እምበር ብውልቀ ናይ ጌቻተው ናይ ሬድዋን ተባሂሉ ዝተፈረመ ነገር የለን።
ተደራደርቲ ኣካላት ንምልኣኽ እውን ትካላዊ መልክዕ ንምትሓዝ ብወገና ብህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ ስለዝነበረና ጉዳይ ትግራይ እውን ስለዝኾነ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ተመሪፆም እዮም ተላኢኹም። ህወሓት ጥራሕ ውክልና ዝሃቦም እውን ኣይኮኑን። እቶም ዝተፀሓሓፍናዮም ደብዳቤታት እውን ብህወሓት ትካላዊ መስርሕ ዝተኸተሉ እዮም ነይሮም። ስለዚ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልተ ትካላት ማእኸላይ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕ እዩ። ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት “ምስ ውልቀ ሰባት እየ ተፈራሪመ” ዝብለሉ ምኽንያት መልእኽቱ ነቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዝራግ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ከምቲ ዝበሎ እንተዳኣ ምስ ውልቀ ሰባት ምስ “ጌታቸውን ፃድቃንን እየ ተፈራሪመ” ዝብል ኮይኑ ኣብዩ እውን ምስ ህወሓት ዘዘራርብ ጉዳይ የብሉን ማለት እዩ። ከም ትካል ስለዝተፈራረምና ኢና ምስ ፌደራል መንግስቲ ንዘራረብ ንብል ዘለና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ንውልቀ ሰባት እምበር ንህወሓት ኣይፈልጥን እዩ ዝብል ዘሎ። ንህወሓት ኣይፈልጥን ማለት ድማ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ኣየኽብርን ከም ድላየይ፣ ዝመስለኒ ክኸውን እየ ማለቱ እዩ። እዚ ድማ ናብ መንገዲ ጥፍኣት እምበር ናብ መስርሕ ሰላም ዝወስድ ኣይኮነን። እታ እትድለ ሰላም ክትመፅእ እንተኾይና ስምምዕ ፕሪቶርያ ተኸቢራ እቶም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ነጥብታት ክትግብሩ እንከለው እዩ።
ወይን፡- ኣብዚ እዋን ብሓደ ወገን ተመዛበልትን ስደተኛታትን ከይምለሱ ህወሓት የተዓናቕፍ ኣሎ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሰፊሑ ይንዛሕ ኣሎ። በቲ ካሊእ ወካሊ መንግስቲ ብልፅግና ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ብዘይምምሕድዳሩን ሓይልታት ፀጥትኡን ንምምላስ ፃዕርታት ይግበሩ ኣለው። እዚ ምንቅስቓስ ብሓፈሻ ብወገን ትግራይን ብህወሓትን ከመይ ይረኣይ?
ዶ/ር ደብረፅዮን፡- ሐዚ እውን ተመዛበልትና ይኹኑ ስደተኛታትና ናብ መረበቶም ዝምለሱ በታ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ መሰረት እዮም። ኣብ ትሐቲ ወረረቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዝወፅእ እውን በታ ስምምዕ መሰረት እዩ። ወረርቲ ኣካላት ካብ ለኣላዊ መሬት ትግራይ ክወፁ ምግባር ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት እዩ። እቶም ጭፍጭፍቲ እናሃለው ተመዛበልቲ እተው ማለት ግና እናረኣኹም ናብ ጨፍጫፊኹም እተው ማለት ስለዝኾነ በዚ ሐዚ ዘለሉ ኩነታት ተመዛበልትና ይኹኑ ስደተኛታትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይኽእሉን። ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ክትትልን ቁፅፅርን ዝገብር ድማ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። በይኑ ከምዘይኽእሎ እንተፍለጠ እውን ምስ ካልኦት ትካላት ኮይኑ ክሰርሖ ተነጊርዎ እዩ። ብመንፅር እዚ ሐዚ እውን ወረርቲ እንተይወፁ ተመዛበልቲና ውሕስና ፀጥታ ብዘይብሉ መንገዲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይኽእሉን። ካብ ዝሞቐ ገዝኦም ዝወፅሉ ምኽንያት እቲ ሓደን ቀንድን ብፀላእቲ ስለዝተጨፍጨፉ እዮም። ሐዚ እውን ውሕስና ፀጥታ ብዘይብሉ መንገዲ ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ምምላስ ማለት ሓደግኡ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ተራእዩ እዩ። “መከላኸሊ ወታደር ኢትዮጵያ ውሕስና ክህብ እዩ” ተባሂሉ ተመዛባላይና ናብ መረበቱ” ኣትዩ ፀላእቲ ምስ ምልሻ እቲ ከባቢ ኮይኖም ጉድኣት ኣብፂሖምሉ እዮም። “ካብ ሎሚ ፅባሕ ክሓይሽ ይኽእል እዩ” ብዝብል ጥራሕ እቶም ዛጊድ ፀኒሖም ዘለው። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ እውን ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታትን ከተማን ዝተርኣየ ነገር እዚ እዩ። እቲ ህዝቢ “መሰልና ኣይተኸበረን ግልጋሎት መንግስቲ ኣይረኸብናን” እዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ ገዝኡ ኣትዩ እምበር ዝረኸቦ ግልጋሎት የለን። ስራሕቲ ንግዱ ይኹኑ ንጥፈታት ልምዓቱ የለውን። እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ እዩ ዘሎ። ይትረፍ ወረርቲ እናሃለው ስራዊት መከላኸሊ ሃገር እናሃለወ እውን ሓደጋ እዩ ዘሎ። ውሑስ ፀጥታ ዝህልው ብናይ ባዕሉ ምልሻ፣ ፖሊስን ሰራዊት ትግራይን ክኸውን እንከሎ እዩ። ስለዚ ዛጊድ ተመዛበልቲ ዘይተመለስሉ ምኽንያት እቲ ክግበር ዝግበኦ ቅድመ ኩነት ብዘይምትግባሩ እዩ።
ኣብዚ ከም መፍትሒ ዝውሰድ ኣብ ዓርሰ ምርኮሳና እዩ። ንማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምፅባይ ጥራሕ ግቡእ ኣይኮነን። ዓርስና ብናይ ውሽጢ ዓቕምና ዝተጠናኸረ ስራሕ ክንሰርሕ ክንኽእል ኣለና። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕትና ጠንኪርና ክንሰርሕ ኣለና። ኣብዚ ሐዚ እዋን ማእኸላይ መንግስቲ ተመዛባላይ ኣብ ምምላስ ዘይኮነ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ፣ ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ንምብታን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። “ኣበይ ከይበፅሑ እዮም” እናበለ ብዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ሕዚ እውን ልኣላውነት ህዝቢ ትግራይ ኣይኽበርን ተመዛባላይ ህዝብና እውን ኣይምለስን። ናብ ካሊእ ዝኸፍአ ሓደጋ እዩ ዝኣትው ዘሎ። ስለዚ ከም ውድብ ከም ህዝብን ሰራዊትን ሓድነትና ነፅንዕ።
Gazeta Woyen
