ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ልዕሊ ሰላም ዝሪእዎ ነገር ስለዘየለ ምስኤርትራ ይኹን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን ሰላም ምፍጣር ናብ ስግኣትን ጥርጥርን ዘእትው ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ከምዘየለ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፀ፤ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባዊን ኹነታት፣ ኣፈፃፅማ መደባት ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ቐፀልቲ ኣንፈታትን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታትን ዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ምስ ሚድያ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ።
ብብርኪ ፌደራል መንግስቲ ከይተረፈ “ህወሓትን ጀነራላት ትግራይን ዕላውን ሕጋውን ብዘይኮነ መንገዲ ምስ ሻዕብያ ይራኸቡ እዮም” ዝብሉ ተደጋጋሚ ዝለዓሉ ክስታትን ስምዒታትን መበገሲኦም እንታይ እዩ?” ብምባል ንዘቕረብናሉ ሕቶ ዶ/ር ደብረፅዮን እንትምልስ፤ “ምስ ኩሎም ጎረባብትና ሰላም ኢና ንደሊ” እንተይልና ምስ ኤርትራ ሰላም ምድላይና ነውሪ ከምዘይብሉን እዚ ድማ ክድገፍን ብእወንታ ክርአን ዘለዎ እምበር ዝኾነ ዓይነት ዘጠራጥርን ዘስግእን ምኽንያት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ክኽበር፣ ዳግመ ሕውየት ህዝብና ክረጋገፅ ክንሰርሕ ኣንፈት ከምዝተነፀረ ዝገለፀ ኣቦመንበር ህወሓት፤ ዶ/ር ደብረፅዮን እዚ ንክኸውን ድማ ንኤርትራ ሓዊሱ ዋላእኳ ከም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይንፈራረም ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን ሰላም ክህሉ ይግባእ ኢሉ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ናይ ክልቲኦም ሃገራት ጉዳይ ጥራሕ ገይርካ ክውሰድ ከምዘይብሉን ብፍላይ ድማ ንትግራይ ዝለዓለ ፅዕንቶ ዝፈጥር ስለዝኾነ ናብ መስርሕ ሰላም ንኽኣትው ፀገማት እንተሃልዮም እውን ብምዝርራብን ብዲፕሎማሲን ክፍታሕ ከምዘለዎ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣገንዚቡ።
ኣብ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ጎረባብትና ሰላም ምፍጣር ንኩሉ ዝረብሕ እምበር ዘጠራጥር ወይ ዘስግእ ነገር ከምዘይብሉ ህወሓት ብተደጋጋሚ ቅዋሙ እናፍለጠ ምምፅኡ ዘዘኻኸረ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ባህግና እታ ዝተጀመረት መስርሕ ሰላም ተጠናኺራ ክትቕፅል ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ነጥብታት ተግባራዊ ክኾኑ ምግባር ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፤ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰኖ ምስራዝ ህወሓትን ክልቲኦም ተደራደርቲ ኣካላት ምስ ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ዝህልዎም ርክባት ኣመልኪቱ ከምዝገለፆ ውድብ ህወሓት ሓሙሽተ ጉንበት 2017 ዓ/ም ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንምምካት ኣብ ዝኣተውናሉ እዋን ኣብ ወርሒ 2013 ዓ/ም ብዕሊ ከምዝተሰረዘ ኣዘኻኺሩ። ነዚ ድማ ውድብ ህወሓት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ/ም ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ክምለሰሉ ከምዝሓተተን ብኣንፃሩ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ/ም “ከም ብሓዱሽ ተመዝገቡ” ኢሉ ዝሃቦ ሓዱሽ ሰርቲፊኬት ውድብ ህወሓት ከምዘይቕበሎ ብዕላዊ ደብዳቤ ብእዋኑ ከምዘፍለጠ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓቢሩ።
ከምኣገላልፃ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ሓምሳ ዓመት ዝገበረ ዓብዪን ውህሉልን ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘለዎ ውድብ ህወሓት ብናይ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ምዝገባ ክትካእ ከምዘይኽእልን ህወሓት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዝመዝገቦ ይኹን ብዝሰረዞ ዝረኽቦ ይኹን ዝጎድሎ ነገር ከምዘየለ ኣገንዚቡ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ብተወሳኺ፤ ህወሓት ምስ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ምትእስሳር ቴክኒካል ፀዋታ ከምዝኾነን ብውፅኢት ኣንፃር እንትረአ ድማ ቦርድ መረፃ ምስ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝኾኑ ዓይነት ምትእስሳር ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ህወሓት ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ እንተዘይተመዝጊቡ ምስ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክህሉ ዝኽእል ቐፃሊ ርክብ ኣመልኪቱ ድማ ብኣፍልጦ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይኹን ዝተጣየሻ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘየለን ሐዚ እውን ውድብ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ዝተውሃሃብዎ ሕድሕዳዊ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ በታ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጥራሕ ከምዝኾነት ኣረዲኡ።
ህወሓት ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሉኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ክኽበር ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ፣ እታ ዝተጀመረት መስርሕ ሰላም ተጠናኺራ ክትቕፅል፣ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ክምለስን ሰላም ተጠናኺራ ክትቕፅልን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
“ብኣንፃሩ ኣይተመዝገብኩምን ብዝብል ሰበብ መሊሱ ሰላም ዝዘርግ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጎድእ ኣካል እንተሃልዩ ነዚ ሓላፍነት ዝወስድ ህወሓት ዘይኮነስ ካልእ ኣካል እዩ፤” ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን ናይዚ ምኽንያት እንትገልፅ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣፍለጦ ብስምምዕ ፕሪቶርያ እምበር ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ምምዝጋብን ዘይምምዝጋብን ዝኾነ ዓይነት ዘራኽቦ ነገር ከምዘየለ ውፅኢቱ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ጠንቂ ምዃኑ ግልፂ ገይሩ። ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ 50 ዓመት ዝገበረን ዓብዩ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘዋህለለን ውድብ ህወሓት ሽዱሽተ ግንበት 2017 ዓ/ም ሕጋውን ምኽንያታውን ብዘይኮነ መንገዲ ከምዝሰረዞ ዝፍለጥ እዩ።