ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ንኽጣየሽ ውሳነ ዝረኸበ ኣብ 2012 ዓ/ም ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዩ። እዚ ኮሚሽን ዝተጣየሸሉ ቀንዲ ዕላማ ድማ ኣብዝሓለፈ ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመትን ኣብ ፀረ ወራር ሻዕብያን ዝተሳተፈ ተጋዳላይ ታሪኹ ንምስናድ፣ ክብሩን ረብሓታቱን ንምርግጋፅ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ፅንተታዊ ወራር ንሰለስተ ዓመት ስርሑ ተቋሪፁ ፀኒሑ እዩ። ዳግም ኣብ 2015 ዓ/ም ዕማማትን ተልእኾታትን ብምውሳኽ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ብዝለዓለ ጅግንነትን ውፍይነትን እናተዃሽሑ ዝመፁ ጉድኣት ኩናት፣ ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ረብሐኦም ንምሕላዉ ብዕሊ ተጣይሹ ስርሑ ጀሚሩ። ብመንፅር እዚ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ዝተጣየሸሉ ዕላማ፣ ሃርበኛታት ተጋደልትና ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ፣ ተጠቃምነት ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪትና ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር ዘካየድናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ተዋዲዱ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!
ወይን፡- ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ዝተጣየሸሉ ዕላማ እንታይ እዩ? እቲ ኮሚሽን ዛጊድ ዝሰርሖም ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?
ተጋዳላይ ናስር፡- ኮሚሽን ሃርበኛታት ዝተጣየሸሉ ዕላማ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ መሓውሩ ብምዝርጋሕ ነቲ ጠቅላላ ዕማማት ክፍፅም ዝኽእል መስርሕ ተዘርጊሑ ናብ ስሩዕ ስራሕ ተኣትዩ። ኣብዚ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ምሉእ መሓውር ዘጣይሽን ኣብ ክልል ዓቕሚ ክሳብ ዝፍጠር ምፅባይ ዘየድልዮም ተኳሳሕቲ ጠለባት ነይሮም። ጠለባት ሃርበኛታት ምምላስ ግድን ስለዝነበረ ዝተማለአ መሓውር ከየድለየ ብቐጥታ በቲ ዝሓዞ ውሱን ሓይሊ ሰብን ናውትን እዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ። ኣብ 2015 ዓ/ም መወዳእታ ስፊሕ ናይ ደረጃ ሓደ ወይ ድማ ጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ዘድልዮም ጀጋኑ ጉድኣትና ንምሕብሓብ ዘኽእል ሓደ ማእኸል ተሃኒፁ። ኣብዚ ዝበዝሐ ስራሕ ክበሃል ዝኽእል ቀደም ሰዓብ ጠለባት ብምንፃር ቀዳምነት ክረኽቡ ዘለዎም ጉዱኣት ኣካል ተጋደልቲ፣ ስድራ ስውኣትን ተጋደልትን እዮም። ስድራ ስውእ ኩሉ ነገር ዝገበረ ስለዝኾነ ኩለ መዳያዊ ድጋፍ ምግባር ዘድሊ እኳ እንተኾነ እቲ ናይ ጉድኣት ኩናት ግን ግዜ ዝህብ ኣይነበረን።
ብመሰረት እዚ ቀዳምነት ሂብካ ዝስራሕ ዘሎ ጉዳይ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ሕክምና ክረኽቡ፣ ኣካላዊ ሕውየት ከረጋግፁ፣ ስነ ልበነኦም ብምምሕያሽ ናብ ንቡር ክምለሱ፣ እግሪ ክተኽሉ ናይ ምግባር ስራሕ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ግልጋሎት ሕክምና ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ከም መርኣዪ በቲ ስሩዕ ዝኾነ ናይ ሪፈር ስርዓት ክሳብ ወፃኢ ከይዶም ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ካብ ህዝቢ፣ ግዝያዊ ምምሕዳርን ውልቀ ሰብ ሃፍቲ በጀት ብምሓዝ ከቢድ ጉድኣት ዘለዎም ናይ ምሕካም ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ልዕሊ 2500 ካብ ማእኸላይ ክሳብ ዝዓበየ ወይ ዝተሓላለኸ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ጀጋኑና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ክኢሎም እዮም።
ከምኡ እውን ምስ ምንጋጋን ገፅን ዝተፈላለየ ዓይነት መጉዳእቲ ዝበፅሖምን ደገ ከይዶም ንኽሕከሙ ሪፈር ዝተብሃሉ፣ ኣብ ሓፂር ግዜ ግልጋሎት ሕክምና እንተዘይረኺቦም ጉድኣት ክበፅሖም ዝኽእሉ 70 ጀጋኑና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተገይሩ። እዚኦም ኣብ ሃገራት ህንዲ፣ ኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ቱርኪ፣ ታይላንድ ኮታስ ፅቡቕ ሕክምና ኣለወን ኣብዝበሃላ ሃገራት ከይዶም ክሕከሙ ብምግባር ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ተሰሪሑ። ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሪፈር ዝተብሃሉ ውጉኣት ተጋደልቲ ክራይ መኪና፣ ሰብ ሞያን መጓዓዝያን ብምምዳብ ከምኡ ድማ መዕረፊ ገዛ ብምክራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ክሕከሙ ተገይሩ። ከምኡ እውን ን192 ተጋደልቲ ውግኣት ዓይኒ ክልተ ህንፃታት ብምክራይ ናይ ምግቢ ፣ መደቀሲ ግልጋሎትን ኽትትልን ብምግባርን ክልተ ሰለስተ ግዜ ብኣየር እናተጓዓዙ ክሕከሙ ተገይሩ እዩ።
ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ስራሕቲ ተሰሪሑ ንምባል ዝከኣል ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪካ እውን ተገይሩ ዘይፈልጥ ክበሃል ዝኽእል ንልዕሊ 210 ኣብ ጎሎን ብርክን ከቢድ መጉዳእቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ ብኣርቴፊሻል ናይ ምቅያር ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። ከም ውፅኢቱ ድማ ዱቁሳት ዝነበሩ ብሓደ ክራንች ተጠቒሞም ዓርሶም ኽኢሎም ብክራንች ዝኸድሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ነዚ ድማ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰብ ሃፍቲ ዲያስፖራን ብዝተረኸበ ልዕሊ 220 ሚልዮን እቶት እዩ ክሕከሙ ተገይሩ።
ወይን፡- ንስድራ ስውኣት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ተጋደልቲ፣ ብሓፈሻ ንሃርበኛታትና ጉዳይ ምሃብ ኣፍልጦን ምርግጋፅ ተጠቃምነትን ብዝምልከት እንታይ ይመስል? ንቐፃሊ ዝተትሓዘ መደብ ከ እንታይ ኣሎ?
ተጋዳላይ ናስር፡- እቲ ኮሚሽን ፈለማ ጠለባት ጉድኣት ኩናት ኣነፂሩ ዘላቒ ዝኾነ ኣካላዊ ስንክልና ብዘወግድ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ምግባር እዩ እቲ ቐዳማይ ሕርይኡ። ምኽንያቱ ግልጋሎት ሕክምና እንተረኺቡ ምስ ስድርኡ፣ ሕብረተሰቡ ክሕወስ ይኽእል። ቐፂሉ ዘሎ ዕማም ውጉኣት ስነ ልቦናዊ ሕውየት ዘረጋግፅሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ጉድኣትና ከምድላዮም ከይኾኑ ዝገብር ስነ ልቦናዊ መጉዳእቲ ኣለዎም። ስለዚ እዚኦም እቲ መጉዳእቲ እንተደኣ ተሓኪሞሞ እቲ ስነ-ልቦናዊ መጉዳእቲ ሓቢሩ ስለ ዝሕከም እዩ።
እቲ ጉድእ ኣካል መሰረታዊ ዝበሃል ሕክምና እንተረኺቡ ዓርሱ ኽኢሉ ክንቀሳቐስ፣ ክሰምዕ፣ ክርኢ እንተኾይኑ ዊልቸር፣ ክራንች፣ መዳመፂ፣ ሓጋዚ መነፅር ዓይኒ፣ መራሒ መንገዲ በትሪ /ኬን/ ኮታስ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ዘፍረዮም መሳርሕታት ናይ ምምላእ ስራሕቲ እዩ ክስራሕ ዘለዎ። ድሕሪ እዚ ስልጠናን ኣካዳማዊ ትምህርትን ሂብካ ድማ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ። ዓርሶም ክኢሎም ክኸዱ ዘይኽእሉ ዕብይ ዝበለ ጉድኣት ዘለዎም ድማ ክሳብ ኣካላዊን ስነ ልቦናዊን ሕውየት ዘረጋግፁ እናሓብሐብካ ምኻድ የድሊ።
ኣብዚ ብዝተፈላለየ ገበርቲ ሰናይ ዝኾኑ ትካላት ውልቀ ሰባት ዝወሃብ ሞተር ሳይክል ዝግበር ሓገዝ ኣሎ። እዚ ብቐሊሉ ምንቅስቓስ ንዘይኽእሉ ጀጋኑና ሓጋዚ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሕክምና ሓሊፎም ሞተር፣ ዝፅበዩ ዝነበሩ ጉድኣት ኣካል ኣድላይ ስለዝኾነ። ይኹን እምበር ተሓኪሞም ናብ ሞተር ዘይበፅሑ ኣካል ጉድኣት ተጋደልቲ ኣለው። ቐዳምነት እዚኦም ክሕከሙ ኣለዎም። ኣብቲ ዝግበር ደገፍ ቅደም ሰዓብ ምትሓዝ የድሊ። ምኽንያቱ ሞተር፣ ዝሕሰብ ድሕሪ ሕክምና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ብውልቀ ይኹን ከምትካል ድጋፍ ክህብ ዝደሊ ኣካል ኣብ ጠለብ ናይቲ ኮሚሽን ዝተመስረተ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንጉድኣት ኣካል ብጉልበት፣ ብናውቲ፣ ብሞያ፣ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ፣ እቶት ክረክብሉ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ብምቅራፅ ብገንዘብ፣ ስድራ ስውኣት ብምሕብሓብ ሓገዝ ክገብር ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ፍትሓውነት፣ ተጠቃምነት ዘረጋግፅ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓዞም ቅደም ሰዓብ ሓገዝ እንትህሉ እዩ።
ዛጊድ ክብርን ስርዓትን ብዘለዎ መንገዲ ህዝብና ንስድራ ስውኣቱ ብዘለዎ ክብርን ሞጎስን ንምግላፅ ብዝተፈላለየ መንገዲ ደገፍ እናገበረ እዩ። እቲ ኮሚሽን ዛጊድ ካብ 600 ዘይበልፁ ስድራ ስውኣት ኣብ ምርባሕ ጤለ በጊዕ ተዋፊሮም ንምስራሕ ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ብር ንምሕጋዝ ፈቲኑ እዩ። እዚኦም ኣብዝኸፍአ ፀገም ስለ ዝርከቡ ውሱን ደገፍ ገይርካ ናብ ስራሕ ክኣትው ንዝኽእሉ ዝተገበረ ንኡሽተይ ደገፍ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ 2017 ዓ/ም ድማ ን326 ስድራ ስውኣት ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘዉፅእዎ 13 ሚልዮን ብር ነብሰ ወከፎም 40 ሽሕ ብር ሓገዝ ተገይሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ተጋሩ እውን ንደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ናይ ባኒ ማሽን ዓዲጎም ዝሃብሉ ኩነታት ኣሎ።
እቲ ሳልሳይ ትኹረት ዝግበረሉ ተመላሳይ ሰራዊት እዩ። እዚ ናብ ገዝኡ ዝምለስ ዘሎ ብዕድመ፣ ብመጉዳእቲ ወይ ብሕማም እዩ። ዝምለሰሉ ዘሎ ከባቢ ድማ ኣዝዩ ዝተጎድአ ካብ ፅንተት ዝተረፈ፣ ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝተበተነ፣ ቁጠባዊ ዓቕሙ ኣዝዩ ዝደኸመ፣ ከቢድ ስነ ልቦናውን ኣካላዉን ቅልውላው ናብ ዘለዎ፣ ትብላዕ ትለሓስ ናብ ዘይብሉ ስድራ ንማሕበረሰብን እዩ ዝምለስ ዘሎ። እቲ ስድራ ካብቲ ተመላሳይ ሰራዊት ዝፅበ እምበር ነቲ ተመላሳይ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከተማታት ዘለወን ሃፍተ ገነት ኣብ ግምት ብምእታው ንምሕጋዝ ምንቅስቓስ እናገበራ እየን። ከም ከተማታት መቐለ፣ ውቕሮ፣ እንትጮ፣ ኣኹሱምን ሽረን ዝኣመሰላ ንብዙሕ ተመላሳይ ተጋዳላይ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ስራሕ ዕድል ክፈጥሩ ኣብ ዘኽእሉ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ /ኮብልስቶን/፣ ኣብ ስራሕቲ ደኣንት ክዋፈር ንምግባር ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ይኹን እምበር ብኽብሪ ዝተመለሱ ተጋደልቲ ብቑፅሮም ብዙሓት ስለዝኾኑ ከም ኮሚሽን በቲ ዝድለ መንገዲ ሓጊዝና ኢና ንምባል ኣይከኣልን። ብምኽንያት ዲዲኣር ሒዝዎ ዝወፅእ ውሱን ገንዘብ ተጠቒሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ፣ ናብርኡ ከመሓይሽ ኣብ ምግባር እዉን ከም ኮሚሽን ክፍተት ኣሎ። እዚ ፀገም እዚ ናይ ኪሚሽን ሃርበኛታት ፀገም ጥራሕ ኣይኮነን። ከም ህዝቢ ከም ግዝያዊ ምምሕዳርን ካልኦት ኣካላት ደገፍ ዘድልዮ ውራይ እዩ። ብዝተወደበ ነቲ ፀገም ብዝፈትሕ፣ ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዘሎ ሃፍተ ገነት ተጠቒምካ ናብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ምሉእ ድጋፍ፣ ትኹረት ኣብ ምግባር ዘሎ ሕፅረት ቐሊል ኣይኮነን። ዋላእኳ በቢከባቢኡ ንተመለስቲ ሰራዊት ንምሕጋዝ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እንተሃለው ሐዚ እውን ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን።
ወይን፡- ፕሮግራም ምፍታሕ ዕጥቂ፣ ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን እግሪ ምትካልን “(DDR)” ብኸመይ መንገዲ ይካየድ ኣሎ? ኣድላይነቱን ፍትሓውነቱን እንታይ ይመስል? ምስ ምምላስ ሉኣላዊ ግዝኣትናን ተመዛበልትናን ተኣሳሲሩ ኣብ ምኻድ ዘለው ምዝንጋዓት ከመይ ይርአ?
ተጋዳላይ ናስር፡- ብመሰረቱ ምስ ዲዲኣር ተኣሳሲሩ ዘሎ ዕማምን ኣብኡ ዘሎ ስትረራተጂክ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ናይ ኮሚሽን፣ ሃርበኛታትን ሓላፍነት ኣይኮነን። ይኹን እምበር ዝበዝሕ እቲ ብመስርሕ ዲዲኣር ዝሓልፍ ዘሎ እቲ ውጉእ ተጋዳላይ፣ ብኽብሪ ዝተሰናበተ ተጋዳላይ እዩ። ኣብዚ እንተወሓደ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ረብሕኡ ነቲ ተጋዳላይ ስለዝኾነ ብጥብቂ እንከታተሎ ስራሕ እዩ። ስለዝኾነ ጉዳይ ዲዲኣር ስራሕና ኣይኮነን ኢልና ንጎድኒ እንተገዲፍናዮ ኣብዚ ክፍጠር ዝኽእል ፀገም ቀጥተኛ ተጎዳኢ ዝኸውን እቲ ሃርበኛና እዩ። ስለዚ እንተደኣ ተኻኢሉ ዝእመን ኣእሚና፣ ክንድግፎ እንኽእል ድማ ደጊፍና ናይቲ ብምኽንያት ዲዲኣር ዝምለስ ዘሎ ትግራዋይ ተጋዳላይ ረብሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ ንስራሕ ኢልና ከም ኮሚሽን ኣቲናዮ። ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ምስ ዕጥቂ ምፍታሕ ተኣሳሲሩ ክልቲኦም ውዕሊ ሰምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈፀሙ ኣካላት ዘተግብርዎ እዩ ዝኸውን።
ይኹን እምበር እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ዲዲኣር ህዝቢ ትግራይ ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ንሰላም ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ዝገልፀሉ እዩ። እዚ መስርሕ ዲዲኣር ኣብ ዝተማለአ ምትእምማን ወይ ቅድመ ኩነታት ኮይንካ ዝካየድ ዘሎ ኣይኮነን። ልኣላዊ ግዝኣት መሬት ትግራይ ኣብ ዘይተኸበረሉ፣ ተመዛባላይ ህዝብና ናብ መረበቱ ኣብዘይተመለሰሉ ኮይንካ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ዲዲኣር ዘለው ዕድላት ብገንዘብ ዝርከብ ረብሓ ጥራሕ ገይርካ ክረአ የብሉን። ብትክክል እንተደኣ ተፈፂሙ ዘላቂ ሰላም ሒዙ ናይ ምምፃእ ዕድል እውን ኣለዎ። ይኹን እምበር ሐዚ ዝወሃባ ዘለዋ ዉሑዳት ገንዘብ እቲ ተጋዳላይ ናብ ሕ/ሰብ ይምለስ ስለዘሎ ናይ ዳግመ ፅምባረ ዝወሃቦ ዘሎ ገንዘብ እዩ። እዚ ውራይ እዚ ንፌደራል መንግስቲ፣ ንለገስቲ ሃገራት ጥራሕ ዝወሃብ ዕማም ኣይኮነን። እግሪ ምትካል ዝበሃል ኣብ ጠቅላላ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ኣቲኻ እዩ ዝካየድ። ንበይኑ ተነፂሉ እግሪ ዝተኽለሉ መንገዲ የለን።
ኣብዚ ኩሉ ክግንዘቦ ዝግባእ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ መስርሕ ዲዲኣር በቲ ዝተትሓዘሉ ኣንፈት ንኽፍፀም ዝከኣሎ ዘበለ ኩሉ ዝገብር ዘሎ ትካል እዩ። ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ በብደረጅኡ እናወረድካ ክትከይድ እንከለኻ ዝረኣዩ ቀንጠብጠባት ክህልው ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር ነቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ጠልቆምቆማት ፈሊኻ ምቅላስ ድኣ እምበር ነቲ ብዙሕ ዕማም ተሸኪሙ ዝሰርሕ ዘሎ ትካል ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ፤ ካብ ህዝቢ ብዝፈሊ መንገዲ ፀለመታት ምክያድ ካብ ረብሕኡ ሓደግኡ እዩ ዝዛይድ። እዚ ኮሚሽን እዚ ናይ ሃርበኛታት ትግራይ ትካል እዩ። ምስ ህዝቡ ሓቢሩ ክሰርሕ ንዝደሊ ትካል እምነት ካብ ዘስእኑ ቤላቤሎ ወረታት ተቖጢብና ኣብ ዕብየት እቲ ትካል ክንሰርሕ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ።
Gazeta Woyen
