ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ቀንድን ዓበይትን ኣጀንዳታት ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ብቐዳምነት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ። እዚ ኲናት፤ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝኸፈትኦ ወራር ዝተወልዐ እዩ። ኣብዚ፤ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ንምንታይ ወራር ፈፂመን? እቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብመንፅር ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ብመንፅር ትግራይ እንትርአ፤ እንታይ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል? ዝህልዎ ዕድል ኸ እንታይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልኻ ምትንታን ኣገዳሲ ኾይኑ ስለዝረኸብኹዎ ናብ ኣንበብቲ ከብሎ።
ብመሰረቱ፤ ስትራቴጂክ ድልየት ኣሜሪካ ጎብለል ናይዚ ዓለም ኾይንኻ ንምቕፃል፣ ኣብ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ዝርከብ ሃፍቲ ንምብሓትን ብናይ ኣሜሪካ ዶላር ጥራይ ልውውጥ ዕዳጋ ከካይዳ ንምግባርን እዩ። እዛ ሃገር፤ ነዚ ናይ ምግባት ባህጊ ፍቓደኛ ኣብ ልዕሊ ዘይኮና ሃገራት ብሓይሊ ንምምብርካኽ ወራር ተካይድ ፀኒሓን ኣላን። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ሕዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣዕናዊ ኲናት ተካይድ ኣላ። እዚ ማለት ብስትራቴጂ ንመነሓንሕቲ ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት ብፍላይ ቻይናን ሩስያን ብሓፈሻ ድማ ንኣሜሪካ ዝወዳደር ናይ BRICS (ብሪክስ) ውዳበ ንምድኻምን ንምምካንን ዓሊማ ትሰርሕ ኣላ።
ካብተን ኣሜሪካ ትኹረት እትገብረለን ሃገራት፤ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዕቑር ሃፍቲ ነዳዲ ንዘለዋ ቬንዥዋላ፣ ስዒባ ድማ ከምኒስዑዲ ዓረብ፣ ኢራንን ዓረብ ኢሚሬትስን ምዃነን ብዙሓት ተንተንቲ ይገልፁ። ኣሜሪካ ንመነሓንሕታ ሃገራት ብፍላይ ንቻይናን ሩስያን ነዚ ሃፍቲ ማእኸላይ ምብራቕ ንከይጥቀማ ዓሊማ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ሓደ ሓደ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት ኣብ ጉዳይ ኢራን ዘለዎም መርገፂ ዝተፈለየ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ። ብፍላይ ኣባላት ሰኔትን ዲሞክራትን ኣንፃር ውሳነታት ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ሓያል ቁጠዐን ተቓውሞን እንተስምዑ ይረኣዩ እዮም። እዚ ከምዘሎ ኾይኑ፤ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኣንፃር ኢራን ምስኣሜሪካ ውግንነኦም ኣይገለፁን። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊኣ ንዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምድላዋታ ዋላ እንተገለፀት ምስኣሜሪካ ከምዘይትስለፍ ኣፍሊጣ ነይራ። ደሓር ግን ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ “Diego Garcia” (ደይጎ ጋርስያ) ደሴት ዝርከብ ናይ እንግሊዝ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ክትጥቀመሉ ምስምዕማዓ ገሊፃ። ድሕሪ እዚ ስምምዕ፤ ኢራን ክልተ ባላስቲክ ሚሳይላት ናብቲ ደሴት ምስተኮሰት ልዕሊ 2,600 ማይልስ (4,200 ኪ/ሜ) ናይ ኣየር ርሕቐት ዘለዎ ደሴት ብምዃኑ ኢራን ናብዚ ዝበፅሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣፍለጠት።
ከምዚ እንተኾይኑ “ካብ ኢራን ናብ ለንደን ብዘሎ ናይ ኣስታት 4,400 ኪ/ሜ እውን ውሕስና የብሉን” ዝብል መዘራረቢ ኾይኑ ኣሎ። ከምቲ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ትራምፕ ኲናት ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ንምግባር ብመንገዲ ጣልያን ዝፈተኖ ብኢራናውያን ተነፂጉ እዩ። ኢራናውያን “ድሕሪ ሕዚ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ክንኣምን ኣይንኽእልን። ክኸውን እንተኾይኑ እውን ምስእነቕርቦ ቅድመ ኩነት ኣብ ጠረጴዛ ክንዘራረብ፣ ከምኒ ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብቀጥታ ዝሳተፋሉ ድርድር ካብ ምዃን ወፃእ ኣይንቕበሎን” ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቕሪቦም። ኣብ ክሊ እዚ ብደብዳባት ንምድኻም ናብ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ንምስግጋር ብወገን ኣሜሪካ 10 ሽሕ ሰራዊት ከምዝስደዱ ተገሊፁ ነይሩ። ዕላማ እቲ ናይ መሬት ውግእ ወሽመጥ ሆርሙዝ ነፃ ንምውፃእን ሃፍቲ ነዳዲ ኢራን ንምቁፅፃርን ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።
ምስዚ ጎድና ጎድኒ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት “ሆርሙዝ ክፈትዎ፣ እንተዘይኾይኑ ናይ ኢነርጂ ትካላትኩም ክነዕንዎም ኢና” ዝብል መጠንቀቕታ ንኢራን ተዋሂቡ። እቲ ገደብ ግዘ ምስሓለፈ ድማ “ውዕሊ ስምምዕ ጀሚርና፤ ፅቡቕ ተረዳዲእና ኣለና፤ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ኣቢልና ኢና፤ ብመንጎኝነት ቱርክን ኣፍጋኒስታንን ክንረኽቦም ኢና” ይብል። ይኹን እምበር “ኩሎም ወዲእናዮም ኢና፤ ምስመን ከምእንራኸብ ኣይንፈልጥን” ዝብል ሓሳብ መሊሱ ይቐርብ። እንደገና “15 ነጥብታት ዝሓዘ መደራደሪ እማመ ኣቕሪብና ኣለና“ ይብሉ። ነዚ ንምፍፃም ናይ ሓደ ወርሒ ውግእ ደው ንምባል ንስማዕማዕ ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ ብወገን ኢራን ከምዘይቕበሉዎን ግዜ መዕደጊ ከምዝኾነን ሓሳብ ቀሪቡ። ብካልእ ገፅ፤ ፕረዚዳንት ትራምፕ ንሃገራት ዓረብ “ልዕሊ ሓሙሽተ ትሪሊዮን ዶላር ክትከፍሉኒ ኣለኩም፤ ብጉልበትን ገንዘብን ዘይትሕጉዙና እንተኾይንኩም ድማ ኣብ ሃገርኹም ዘሎ መዓስከርና ዓፂና ክንወፅእ ኢና” ኢልዎም። ፕሮፊሰር ጃን ዝተበሃለ ተመራማሪ ፖለቲካል ሳይንስ ብዛዕባ ጌም ቴዮሪ ኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዓረብ ኢሚሬትስ፣ ቱርኪን ቀጠርን ተዋሳእቲ እዚ ኲናት ከምዝኾና የቐምጥ። እዚ ማለት እዘን ሃገራት ኣብ ኩሉ ይስማዕምዓ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት፣ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢሚሬትስን ካብዚ ወፃኢ ኣብ ዘሎ ኣጀንዳታተን ኣንጭዋን ድሙን እየን። ኣብ ጉዳይ ኢራን ግን ማዕረ ቅዋም ኣለወን። ስዑድ ዓረብን ቀጠርን እውን ከምኡ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ኣብ ምጅማር ንኣሜሪካ ብፍላይ ንፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣደፋፊኣ ብዝብል እትሕመ ዘላ ሃገር እያ። ኢራን ንእስራኤል “ካብ ካርታ ዓለም ክትፈሓቕ ኣለዋ” ክትብል እንተላ፤ እስራኤል ብወገና ኣብ ኢራን ዝርከብ እስላማዊ መንግስቲ ደምሲስካ ብኣንፃሩ ዴሞክራት ዝኾነ ነቲ ናይ ቀደም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፐርሽያን ዝነበረ ርክባት ዳግም ዝፈጥር፣ ህልውና እስራኤል ዝኣምንን ዝመሓዞን፣ ብእስራኤል ዝድገፍን ካብ ድልየት እስራኤል ዘይወፅእን ዴሞክራት መንግስቲ ምትካል እዩ ዕላማኣ። ነዚ “ግሬት እስራኤል” ዝብል ጭርሖ ንምትግባር “Lion Rise” ብዘውፅአሉ ስርሒት ዝጀመርዎ ኲናት ንመላእ ዓቕሚ ኣሜሪካ ሒዝካ ንምፍፃም “ኣማራፂ ዘይብላ ግዜ ሎሚ ኣብ ግዜ ፕረዚዳንት ትራምፕ እያ” ብምባል ከምዝጀመርዎ ብዙሓት ተንተንቲ ይገልፁ። ተንተንቲ ፖለቲካ ኣሜሪካ ከይተረፉ እዚ ኲናት ንመሰረታዊ ረብሓ ኣሜሪካ ዘንቀደ ዘይኮነስ ኣብ ድልየትን ረብሓን እስራኤል ዘትኮረ ከምዝኾነ ይገልፁ ኣለዉ።
ቀንዲ ዕላማ እስራኤል ስትራቴጂክ መሪሕነት ኢራን ናይ ምድምሳስ ስርሒት ቀዳምነት ሂባ ብምርብራብ ብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቐቲላ እያ። እቲ ለውጢ ገዛእቲ ተተግቢሩ ዶ ኣይተተግበረን፣ ስትራቴጂክ መሪሕነት ብምቕታል ኣብታ ሃገር መሰረታዊ ለውጢ ተፈጢሩ ዶ ኣይተፈጥረን? ገዲፍካ ክሳብ ሕዚ ዝወሰድዎ ስርሒት ዕውት ምንባሩ ግን ጋህዲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቶም ናይ ፈለማ ናይ መጥቃዕቲ መዓልትታት ልዕሊ 50 ዝኾኑ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮም መራሕቲ ኢራን ኣወጊዶም እዮም። እዚ ድማ ስርሒቶም ዒላማ ተኮር ምንባሩ የረድእ። ድሕሪኡ እውን “ንዝቐረይዎም ክትክኡ ይኽእሉ እዮም” ንዝበልዎም ናይታ ሃገር ሓለፍቲ ኢንተሊጀንስ ቀንፂሎም እዮም። እስራኤል ብኢራንን ሂዝቡላህን ይካየደላ ብዘሎ ዘየቋርፅ ደብዳብ ዝበፅሓ ዘሎ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ኣሜሪካ ዝተዓጠቐተን ረቀቕትን ዘመናውያንን ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ከምዘዕነወትላ ኢራን ትገልፅ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ነዳዲ ዲፖ ከምዝዓነወ፣ ህዝባ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ቁጠባዊ ቅልውላውን ይኣቱ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ።
ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ብጥምረት ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝተወልዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ዝተፈፀመ መጥቃዕትን ዝበፅሐ ዕንወትን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈፀመ መጥቃዕትን ዝበፅሐ ዕንወትን መላእ ዜጋታት እታ ሃገር ክሕርኑን ናብ ሓደ ክመፁን እዩ ገይርዎም። እዚ ድማ ዘይተገመተ ዓቕሚ ከምዘርኣዩን ብቐሊሉ ክሰዓሩ ከምዘይኽእሉ ዘመስከርሉን ኩነት እዩ ፈጢሩ። ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ኣደባባይ ከተማ ቴህራን ኣንፃር መንግስቲ እታ ሃገር ገዚፍ ዓመፅን ሰልፍን ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ኢራን ሎሚ ናብ ሓደ ተጠሚሩ ንመንግስቱ እናደገፈ ይርከብ። ካልእ ኢራን ናብ ዓለም ንዝቐርብ ነዳድን ጋዝን ካብ ግምት ወረርታ ወፃእ ብዝኾነ ኣብ መሓንቕ ሆርሙዝ ምዕፃዋ፤ ፀረ ረቀቕቲ ቴክኖሎጂ ውግእ ብልዑል ዋጋን ነዊሕ ግዜን ዝተሰርሓ ነፈርቲ (F-35) ዝኣመሰላ ምውቃዕን ንኣስታት 4‚000 ኪ/ሜ ተወንጪፉ ዝወቅዕ ኣፅዋር ምዕጣቓን ንፀላእታ ዘደንፀወ ኩነት ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ካልእ ኢራን ዝተኽተለቶ ስትራተጂ ኣብ ሃገራ ምስዘሎ ጅኦግራፊያዊ ናይ መሬት ኩነታት ንፀላእታ ናብ ዝተናውሐ ኲናት ኣእትያ ብቑጠባ፣ ብወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ኣብ ውሽጦም ጎንፂ ክፍጠር ዝገብር ኣንፈት ብምኽታል ምስዓር ዝብል እዩ። ነዚ እውን እቲ ኲናት ዞባውን ዓለማውን መልክዕ ክሕዝ ገይራቶ። ብፍላይ እቲ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ መሬቶም ሓጊዙዎምን ብዝግባእ ተጠቒሞምሉን ሆርሙዝ ዓፂኻ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ቅልውላው ብምፍጣር ቀልቢ ዓለም ምስሓብ ዝብል ኣንፈት ብምኽታል ሰሪሓትሉ እያ። ኢራን 90 ምኢታዊ ተኸተልቲ እምነት ሸዓ ዝርከቡላ ሃገር እያ። ብካልኣይ ደረጃ ኣመንቲ ሸዓ ዝርከቡላ ደቡባዊ ሸንኽ ዒራቕ ንምዕራባዊ ሸነኽ የመን ድማ ናይ ሽዓ ተኸተልቲ ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይዚ እምነት ተኸተልቲ ብምህላዎም ንኢራን ዘለዎ ትርጉም ዓብይ እዩ። ሃገራት ኳታር፡ ዓረብ ኢሚሬትስን ስዑዲ ዓረብን ኣብ መንጎኦም ዓብይ ንሕንሕ ዋላ እንተሃለዎም ኣብ ጉዳይ ኢራን ግን በዚ ናይ ሸዓ እምነት ምኽንያት ኣንፃር ኢራን ሓደ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ። ቻይና ብወገና ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብዘን ሃገራት ዓረብ ዘሎ ጎንፂ ንምርግጋእ ኣብ መንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ንምትዕራቕን ዝፀንሐ ምትሕርፋፍ ንምዝሕሓልን ፈቲና ምንባራ ይዝከር።
ካልእ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ እንትለዓል ብቀጥታን ብተዘዋዋርን እትለዓል ሕቡራት መንግስታት ኢሚሬትስ እያ። ኢራን፤ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ኢሚሬትስ ኣዝዩ ፅዑቕ ደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ተካይድ ኣላ። ይኹን እምበር ዓረብ ኢሚሬትስ ነዚ ፃዕቒ ዘለዎ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍኖ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ምክልኻል ሓሊፋ ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ኣይሃበትን። ኢራን ብሚሳይላትን ድሮናትን ትድብድበን ካብ ዘላ 11 ሃገራት ዓረብ ክንዲ ንዓረብ ኢሚሬትስ ዝደብደበታ ሃገር የላን። 1‚700 ዝኾኑ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ናብ ዓረብ ኢሚሬትስ ተፈንዮም እዮም። እዚ ድማ ኢራን ናብ ፀላእታ ካብ ዝፈነወቶም ሚሳይላትን ድሮናትን 68 ምኢታዊ ይሕዝ። ሓይሊ ምክልኻል ዓረብ ኢሚሬትስ ከምዝገለፆ፤ ክሳብ 13 መጋቢት 2026 ዓ.ም. ፈረንጂ ናብ ኢሚሬትስ ካብ ዝተሰደዱ 298 ባላስቲክ ሚሳይላት፣ 15 ኩሩዝ ሚሳይላት 1‚606 ድሮናትን ብናይ ምክልኻል ዓቕሞም መኺኖም እዮም።
በቲ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ኢሚሬትስ ዝተገበረ መጥቃዕቲ ንነዊሕ እዋን ዝተሃንፀን ኢሚሬትስ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም በሊፃ እትረኣየሉን ነፃ ማእኸል ንግዲ፣ ናይ ሰለማዊ መነባብሮ ቦታ፣ ንቱሪዝም ተመራፂ ምዃኑ፣ ቢልየነራት ሰብ ሃፍቲ ዓለምና ዝውሕዝሉ ከቢድ ዕንወት በፂሑዎ እዩ። ናይዘን ክልተ ሃገራት (ኢሚሬትስን ኢራንን) ሓፂር ድሕረ ባይታ እንትርአ፤ ጉዕዞ እዘን ክልተ ሃገራት ሓንኮልኮል ዝበዝሖ ታሪኽ ዘለወን እየን። ኢራን ጥንታዊት ዓባይ ሃገር እንትትኸውን፤ ኢሚሬትስ ግና 58 ዓመት ዘቑፀረት ዕሸል ሃገር እያ። እዘን ሃገራት፤ ብሓደ ገፅ ሓያል ንግዳዊ ርክባት ዝነበረንን ኣብ ናይ ዘመናዊ ስልጣነ ዕብየት ስትራቴጅካዊ ንሕንሕ ዝፀንሓን እየን። ናይ 100 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት እውን እየን። እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ርሕቐት ኣፈላላይ ጎልጎል ወይ ጎቦታት ዘይኮነስ ናይ ባሕሪ እዩ። ብ1970 ዓ.ም. ፈረንጂ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ካብ ዓረብ ኢሚሬትስ ለቒቑ ምስወፀ ኢራን ሰለስተ ደሴታት ብምሓዝ ብድሕሪኡ ኢሚሬትስ ናይዘን ደሴታት ሕቶ ዋንነት ኣልዒላ ናብ ጎነፅ ተቐይሩ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ኣሎ።
እቲ ካልእ ዘፈሓፍሐን ጉዳይ ሃይማኖት ዝምልከት ኾይኑ፤ ህዝብታት እዘን ክልተ ሃገራት ኣመንቲ እስልምና እንትኾኑ እቲ ኣፈላላዮም ድማ ናይ ሸዓን ሱኒን ዝበሃል እዩ። እቶም 90 ሚኢታዊ ኣመንቲ ሸዓ ዝኾኑ ኢራናውያን፤ ኢራን እምነታ ንምስፍሕፋሕ ተካይዶ ቃልሲ ኩሉ ግዘ ናይ ኢሚሬትስ ስግኣት ምዃና እዩ ዝንገር። በዚ ኣብ ስግኣት እትነብር ዓረብ ኢሚሬትስ ዓርሳ ንምክልኻል ዝወሰደቶ ኣማራፂ ምስጎቦ ምፅጋዕ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ምስምዕራባውያን ብፍላይ ምስኣሜሪካ ተፀጊዓ። ናይ ኢራን እስላማዊ ኣብዮታዊ ዘብዒ ከምዝገለፆ፤ ናይ መጥቃዕቲ ዓቕሙ 60 ምኢታዊ ኣብ ጎረባብታ ናብ ዝርከባ ናይ ኣሜሪካ ስትራቴጅካውን መሰረታውን ትካላት ንምዕናው ዝዓለመ እዩ። እቲ 40 ምኢታዊ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ ኢሚሬትስ ናይ ኣሜሪካ ቁልፊ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተደኮናን ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ዘመናዊ ምዕባለ መርአያን ብምዃና፤ ብናይ ኣብርሃም ኣኮርድ ዝበሃል ስምምዕነት ምስእስራኤል ብምስምዕማዓ፣ ምስብኣርባዕተ መኣዝናት ኢራን ዝርከቡ ፀላእታ ብምውጋና፣ ኣብ ኢሚሬትስ ካብ ዝተደኮነ (ዝነቆጠ) ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተፈነዉ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝነበራ ልዕሊ 160 ኢራናውያን ብጅምላ ብምቕታላ ወዘተ እያ ኢራን ንኢሚሬትስ ብተደጋጋሚ ተጥቅዕ ዘላ።
ብሓፈሻ ኢሚሬትስ ዝያዳ ተጠቃዒት ካብ ዝገበራ ምኽንያት እቲ ዝፀንሐ ንሕንሕ ስልጣነ ከምዘለዎ ኾይኑ፤ እቲ ቀንዲ ግና ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝለዓለ ዓቕሙ ኣብ ኢሚሬትስ ብምድኳኑ እዩ። ዓረብ ኢሚሬትስ ብዝለዓለ ኣብ ምክልኻል ዘድሀበትሉን ናብ ግብረ መልሲ ዘይኣተወትሉን ምኽንያት እንታይ እዩ? እንተተባሂሉ ናብዚ ደረጃ እንተተሰጋጊራ ኣብ ኣጠቓላሊ ምዕባለኣን ዕብየታን ዘስዕቦ ጉድኣት ስለዘስግኣ ብምዃኑ ብዲፕሎማሲ ክትፈትሖ እዩ ቀዳማይ ምርጫኣ። እቲ ናይ ምክልኻል ምድንፋዕ ድማ ብናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ሃገራ ንዘሎ ኢንቨስትመንት ክተውሕሶ ዓቕሚ ከምዘለዋ ንዓለም ንምርኣይ እውን ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።
እቲ ካልእ ምስኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳይ ሱዳን እዩ። ብርግፅ ሱዳን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ እትርከብ ሃገር እያ። ኮይኑ ግና ምስቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኲናት ዘተኣሳስር ጉዳያት ስለዘለዋ ኣብዚ ትሕዝቶ ብምክታት ብዛዕባ ሱዳን ዝተወሰነ ሓሳብ ከቕርብ። ሰራዊት ሱዳን ነቲ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ኩነታት ተጠቒሙ ነቲ ኣንፃሮም ዝኾነ “ዳዕመት ሰሪዕ” ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን የጥቅዕዎ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቻድ ናብ ዳዕመት ሰሪዕ ዝኣቱን ኣትዩ ኣብቲ መስመር ተኸዚኑ ዝነበረን ዕጥቂ፣ ነዳድን ካልእ ሎጂስትክስን ብድሮን ኣዕንየምዎ እዮም። ብተወሳኺ ብናይ መሬት መጥቃዕቲ ፀላኢኦም መሊኦም ንምድምሳስ ኣብ ዝለዓለ ምርብራብ ይርከቡ። ንዳዕመት ሰሪዕ ብኹለ መዳይ ዝሕግዛ ዝነበራ ከምኒዓረብ ኢሚሬትስን ካልኦትን ኣብናይ ባዕለን ኲናት ስለዝኣተዋ እቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ሞራላዊ፣ ማተርያላዊ፣ ዲፕሎማስያውን ንዋታውን ሓገዝ ኣብ ዘይረኽበሉ ኩነታት በፂሑ ኣሎ።
ጆሴፍ ቱካ ናይ ፀረ መንግስቲ ሱዳን ዓማፂ ሓይሊ ናይ SPLA (Sudan People’s Liberation Army) ሰሜናዊ ክንፊ ግንባር ናይ RSF (ኣር ኤስ ኤፍ) ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ባምቡ ሆቴል ብቐዋሚ ዝነብር እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከብ ናይ ተቓወምቲ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ብቐጥታ ዝእዝዝ ምዃኑ ንወተሃደራዊ ስርሒት ምፍፃም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ሱዳን ናብ ዓረብ ኢሚሬትስ ዝመሓላለፍ ወርቂ እውን ዝመርሕ እዩ። ጆዴፍ ቱካ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ ክፍለ ሰራዊት ዝመርሕ ኣዛዚ ኮይኑ ኣብዚ ናይ ዓረብ ኢሚሬትስ መስመር ብመንገዲ ሒሚቲ ካብ ዝፅምበር ኣስታት ክልተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ምስኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ግና ነዊሕ ከምዝገበረ እዩ ዝዝረብ። ኣብ እዋን ጆኖሳይዳል ኲናት ትግራይ ምስብልፅግና ተሓባቢሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ እውን ይዝረበሉ። ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብዝፈፀሞ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራዊ መኮነናት ዳዕመት ሰሪዕ ከምዝደምሰሰ ሱዳን ቱሪቡን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ምድኻምን ናብ ኲናት ምእታውን ዓረብ ኢሚሬትስ ብኣልቡርሃን ንዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ምችው ኩነታት ፈጢርሉ ኣብ ዳርፉር ኣንፃር ዳዕመት ሰሪዕ መጥቃዕቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። RSF ካብ ኢሚሬትስ ክረኽቦ ዝፀንሐ ምሉእ ደገፍ ዘይምርካቡ፣ ኣብ ዓለም ብግብረ ራዕዲ ንምፍራጅ ኣብ ቀልቀል ምህላዉን ኣብ መራሕቱ ብዝተገበረ ማዕቀብን ከምኡ እውን ናይ ሰራዊት ሱዳን ዝተጠናኸረ መጥቃዕቲ ይቕጽል ብምህላዉ ይዳኸም ከምዘሎ እዮም መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ዝገልፁ ዘለዉ።
ብኣጠቓላሊ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝኸፈትኦ ኲናት፤ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ከቢድ ወጥሪ ከምዘስዓበ፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ስግኣት ዓለም ኾይኑ ከምዘሎ ብዙሓት ተንተንቲ ይገልፁ ኣለዉ። ብፍላይ ምስምዕፃው ወሽመጥ ሆርሙዝ ተተሓሒዙ ዓለም ብስእነት ነዳዲ ትሕመስ ከምዘላ፣ እዚ ዝፈጠሮ ድማ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓለም ኣዝዩ ክናጋዕ ኽኢሉ እዩ። ንምዃኑ እቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኲናት ንትግራይ እንታይ ሓደጋ ክህልዎ ይኽእል? እዚ፤ እንታይ ዕድል ኸ ከምፀአልና ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ምስህልዊ ኩነታት ፖለቲካ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣተኣሳሲረ ኣብ ኻልኣይ ክፋል እዚ ትሕዝቶ ብሰፊሑ ክድህስሶ እየ። ሰናይ ቕንያት!
ሕድሩ በርሀ (ወዲ ስለዋ)
Gazeta Woyen
