ኣብዚ ሐዚ እዋን “ሓቛፋይ” ዝብሃል ቃል ፓለቲከኛታት ዘዘውትርዎ ቃል ኮይኑ ኣሎ። ካልኦት ከም ሪፎርም (reform)፣ ልዝብ (dialogue )፣ ስምምዕ (deal)ን ናይ ሓባር ስምምዕን (consensus) ዝብሉ ቃላት እውን ክልዓሉ ይስምዑ ኣለዉ። እዞም ፅቡቛት ሓሳባት፥ ንሕግን ስርዓትን፣ ንውሳነ ህዝብን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓን ረጋጊፆም ብጎኒ ንድልየት ውሑዳት ክጠሓሕሱ ፃዕሪ ክካየድ እውን ንርኢ ኣለና። እቲ ፀገም ናይቶም ቃላት ዘይኮነስ ናይቶም ወሳንነት ህዝቢ ዘይኣምኑ “ንሕና ኢና ንውሰነሉ፤ ገባር እንታይ ይፈልጥ፤ ድኻ እንታይ ይፈልጥ” ዝብሉ ኣጠቃቕማ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ። ሐዚ ኣብዚ ትሕዝቶ ንኹሎም ዘይኮነስ ኣብታ ኣርእስቲ ዘላ ሓንቲ ቃል ኣድሂብና ሓሳብ ንምሃብ እዩ።
ብመሰረት እዚ ሓቛፋይ (inclusive) ኣብ ዲክሽነሪ “Including and accomidating people who have historically been excluded (as because of their race,gender,sexuality, or ability) ,diverse and inclusive” ዝብል ትርጉም ሒዙ ንረኽቦ። ንዝተገለሉ ክፋላት ዝሓቁፍ፣ ዝጥቅልል፣ ዝሓውስ፣ ዝፅብርን ዘካትትን ዝብል ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ።
እዙይ ኮይኑ ዝሕቆፍ ብመሰረቱ ንክሑቁፍ ዘኽሎ ተፈጥራዊ ባህሪ ዘለዎ እንትኾን እዩ። ዝሓቑፍ እውን ተፈጥርኡ ስለዝፈቕደሉ እዩ። ድሙን ኣንጭዋን ክተሓቛቘፋ ተፈጥሮ ኣይፈቅድን። ቡኻርያን በጊዕን ብሓባር ተፀምቢረን ንሰዓታት ይትረፍ ንሓንቲ ደቒቓ ክተሓቛቘፋ ኣይኽእላን። በጊዕን ጤልን ግና ብሓባር ተሓቛቒፈን ይነብራን ይወፍራን።
ደርግን ህዝብን ክተሓቛቘፉ ኣይኽእሉን። ገዛኢን ተገዛእን ክትሓቛቘፉ ተፈጥራዊ ባህሪኦም ኣይፈቕደሎምን። ስርዓት ብልፅግና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ክተሓቛቘፍ ከምዘይኽእል ናይ ቀረባ መረአያ እዩ። መፅነትን ፀናትን ክተሓቛቘፉ ኣይንፅበን። ሌባ፣ ጉሒላን መጠፋፍእን ምስ ቅኑዕ ህዝብን ሰብን ዘተሓቑፍ ነገር የብሎምን።
ብኻሊእ ገፅ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ብባህሪኦም ዘተሓቛቘፉ ተፈጥሮ ኣለዎም። ኣፈላላይ እንተሃለዎም እውን ኣብ ዘመሳስሎም ባህርን ጥቅምን ተመስሪቶም ክተሓቛቖፉን ክፅምብሩን ይኽእሉ። ፖለቲካ ፓርቲታት ኣብ ውሽጠን ይኹን ምስ ካልኦት ምስ ፓለቲካዊ ዕላመአን ኣታኣሳሲረን ሓቘፍቲ ክኾና ይግደዳ። ስለዝጠቕመን ከም ሓደ መትከላዊ ኣሰራርሓ ይወስድኦ። ፆታ ኣፈላላይ ከይገበራ ኣባላተን ይምልምላ። ኣብ ኩሉ ፀፍሒ ማዕረ ዕድል ሂበን በብደረጅኡ የሳትፋ። ምስ ዕላመአን ኣዋዲደን ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ክፍሊ ይፅምብራ( ገባር፣ ከተመታይ፣ ሙሁር፣ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ሃይማኖትን ኩሉ ዓይነት ዕድመን ዘለዎ ይሓቑፋ) ።
ኣብቲ እተን ፓርቲ ዝንቀሳቐሳሉ ዓዲ ወይ ብሄር ዘለው ዝተፈላለዩ ብሄር ወይ ብሄረሰባት ክሓቑፋ ግድን እዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣካሎም ዝጎደለ እውን ከየግለላ ክሕቘፉ ይገብራ። ማዕረ መሰልን ጉቡኡን ክረጋገፅ ይሰርሓ።
ሓቛፋይነት ጥቅሙ እንታይ እዩ ?
ልዕሊ ኩሉ እቲ ፓርቲ ሓቛፋይ እንተኾይኑ ኣብቲ ዝነጥፈሉ ከባቢ ናይ ዘሎ ህዝቢ ትርግታ ልቢ ከንብብ ድምፂ ህዝቢ ኣብቲ ውሽጢ ፓርቲ ክስማዕን ኣጀንድኡ ህዝባውን ኣብ ጭቡጥ ባይታ ዘሎን ክኸውንን ከይንሳፈፍ ይሕግዞ። ናይ ውሓዳት (Minority) ሓሳባት ከይተረፈ ኣብ ውሽጢ ፓርቲ ክስምዑን መፍትሒ ክረኽቡን ዕድል ይፈቅድ።
ጉዳኣቱ?
ሓቛፋይነት ብቐጥታ ባዕሉ ጉድኣት የብሉን። ኣብ ምትርጓምን ምትግባሩን ብህዝበኝነት ዋዒ ፓርቲታት ኣንፃር ዕላመኦም ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ኮይኖም ሓቛፋይ ክብሃሉ ምእንታን ኣብ ውሽጦም ይኹን ኣብ ዝምስርትዎ መንግስታዊ ምምሕዳር ክሕቆፉ ዘይግበኦም ከሳትፉ እንተለው ሓደጋ ይፍጠር። ኮይኑ ግን ንስልጣን ዝግበር መረፃ ነፃ ፍትሓዊ ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ኣራኣእያታት ንኽውከል ብሕጊ ክድንገግ ኣለዎ። ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብ ግን ብመረፃ ካርድኡ ዝመሰሎ ድምፂ ሂቡ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን እቲ መራፂ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ መረፃ “ሓቓፋይ ክኸውን እባ፤ ክስቶባ ኾርዩ” ኢልካ ዝግበር ምንቅስቓስ ፀረ ዲሞክራስን ልዕልነት ህዝቢ ዘይምቅባልን እዩ። እዙይ እቲ ዝጎድእ ኣካይዳ እዩ።
ኣብ ትግራይ ሓቛፋይ ዝብል ቃል ድሕሪ ህንፀት ዲሞክራሲ ዝጀማመረ ቃል እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብ መድረኻት፣ ኣብ ሚድያታት ዝዝውተር ቃል ኾይኑ ኣሎ። ሓዱሽ ዘይነበረ ቃል ትሕዝቶ ከምዘለዎ ተገይሩ ክዝረብ እውን ንሰምዕ።
ብህወሓት ዝምራሕ ፓለቲካ ትግራይ “ሓቛፋይ እዩ፤ ኣይኮነን” ዝብል ዝፀንሐ ክትዕ ሊህቅን ወፃእተኛታት ፀሓፍትን ከይተረፈ ዝሳተፍሉ ኣጀንዳ እዩ።
ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ህወሓት ብሓቛፋይነት ብስሩ ይሕመ ዶ? ቃሉ ይጥቀመሉ ዶ ኣይጥቀመሉን ነይሩ? ታሪኽ ህወሓት ንረአ። ኣብ በረኻ ደደቢት ይኹን ደሓር ብዕሸሉ ብዕድመ፣ ብከባቢ፣ ብትምህርቲ፣ ብሃይማኖትን ብፆታን ብናይ ሽዑ ቋንቋ ኩሉ ዘሳትፍ ብናይ ሎሚ ድማ ሓቛፋይ ከምዝነበረ ንምርግጋፅ ቀሊል እዩ። ፅንሕ ኢሉ ኣብ ሰብዓታት ድማ ሽዑ ብሄረሰባት ትግራይ ንብለን ዝነበርና ኢሮብ፣ ኩናማ፣ ዓፋርን ኣገውን ውልቀሰባት እንተኾኑ እውን ኣምሓሩ ዘሳተፈ፣ ዝሓቖፈ ውድብ ነይሩ። ብተወሳኺ ሽዑ ዝምስረታ ዝነበራ ምሕደራ ወረዳታት መራሕቲ ባይቶ ብፆታን ብሃይማኖትን ነቲ ሕብረተሰብ እታ ወረዳ ዘንፀባርቕ ተሳትፎ ወይ ሓቖፋይነት ከምዝነበረ ህያው ምስክር ዝኾኑ በብወረድኡ ኸይድካ ምሕታትን ምርግጋፅን ይከኣል። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ መንግስቲ ብመረፃታት ዝቖመ እዩ። ብመሰረቱ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝተፀምበረ ኣብ ሓቛፋይነቱ ሕቶ ዝኣትው ኣይኮነን።
ኣብዚ ዝለዓል ኣብ ትግራይ ዝተጣየሹ ተቓወምቲ ንበሎም ካብ ህወሓት ዝተፈለየ መርገፂ ዘለዎም ፓርቲታት ፓለቲካ ትግራይ ሓቛፋይ ዶ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ወይ ነቐፌታ እዩ። ኣብዚ ህወሓት ድዩ ተሓታቲ ? ወይስ እቲ ናይ መረፃ ስርዓትና እዩ? ዝብል ምፍታሹ ፅቡቕ ይመስለኒ።
ህወሓት ዝተኸሎ ስርዓት መድበለ ፓርቲ ስርዓት ምዃኑ ክትሪኢ እንተለኻ ግን ኣብ ሓቛፋይነት ብመትከል ብርኪ ክሙገስ እንተዘይኮይኑ ዘንቅፍ ነገር የብሉን። በዚ መትከል ኣብ ትግራይ ፓርትታት ይውደባን ቢሮ ኸፊተን ይንቀሳቐሳ እየን። መረፃ እውን ይሳተፋ፤ ዝመሰለን ምንቅስቓስ ይገብራ። ከምቲ ዝደልይዎ እንተዘይኮነ እውን ሚድያ ክጥቀማ ፀኒሐን እየን። ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ እተን ፓርቲታት ዕጉባት ከምዘይኮና ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ይገልፃ እየን። ዝተመጠጠ ወይ ዘቕረብዎ ጠቐነ ገዲፍና ዕጉባት ዘይምዃኖም ተቀቢልና፣ ብኣና ብኣራኣእያ ብኣፈፃፅማ ንናቶም ተሳትፎ ወይ ንዐኦም ሓቛፋይ ኮይንካ ኣብ ምኻድ ዝነበሩና ምስ መትከላዊ መርገፂና ዝፃረሩ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ፈቲሽና ምእራም ይግባእ። ቅድሚ ኹሉ ፈቲሽካ ምእራም ንባዕልና ዝረብሕ እምበር ንሶም ንክሕጎሱ ኣይኮነን።
ምስኦም ተሓቛቝፍካ ምኻድ ንዓና ኮነ ንዐኦም ብዓብይኡ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ስልጡን ፓለቲካዊ ባህሊ ንምህናፅ ይጠቅም። ኣብ ናቶም ጉድለታት ተጠልጢልና ናይ ባዕልና ሽግር ክንሸፋፍን ኣይግባእን።
ኣብዚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ መድበለ ፓርቲ ንኣምን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ስለዝኾና እምበር ንኻልኦት ክነሕጉስ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለየ ሓሳባት ቀሪበምሉ ብኽትዕ፣ ብዕሙቆት ዝተዘተየሉ ውሳነታት ክውሰን ምእንታ እዩ። ብርግፅ ንህዝቢ ዘይጠቕሙ ኣጀንዳታት፣ መድረኻትና ሚድያታትና ይመልእዎ እዮም። ነዚኦም ዝግበኦም ጊዜ ሂብካ ዝበዝሕ ግዘን ኣጀንዳን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ክኸውን ከም ፓርቲ ክንቃለሰሉ ይግባእ።
ሓቛፋይነት ካብ ህዝቢ ኮነ ካብ ተቃወምቲ ካብ ቅንዕና ይለዓል እዩ። ነዚ ከም ሓደ ተሞክሮ ዘለዎ ገና ክፍጠር ጀሚሩ ብሓቛፋይነት ዝፍለጥ ውድብ ነቲ ፀገም ተረዲኡ መንቀሊኡ ፈቲሹ መፍትሒ ከናዲ ግድን እዩ። ኩሉ ሓቛፋይነት ኣጀንዳ ዘልዕል ግን ቅኑዕ መበገሲ ዘለዎ ኣይኮነን። ብሹም ሓቛፋይነት ብህዝቢ ዝተመስረተ መንግስቲ ንምፍራስ ብህዝቢ ተቀባልነት ዘለዎ ውድብ ንምፅላምን ንምፍራስን ዝዓለመን እዩ። “ተገሊልና” ኢናሞ ንዓኻ እውን ክነግልለካ ዝብሉ ኣካላት እዮም።
ሓቛፋይ ክብሉ እንተለው ዕላምኡ ህወሓት ዝመረፀ ህዝቢ “ዘይንቁሕን ብጥቅሚ ተዓሽዩን እዩ፤ ኣፈራሪሖምዎ እዩ ዝመረፆም እሞ ንሱ ፈሪሱ ንሕና ንቑሓት፣ ዝተምሃርና፣ ቅርሺ ዘለና፣ ምስ ወፃእተኛታት ፍልጦ ዘለና፣ ዝተሳተፍናሉ (ክሳብ ሐዚ ፅኑዕ መሰረት ዘለዎ ኮይኑ ዝተሃነፀ ናይ ትግራይ ፓለቲካ ኮሚኒቲ ፈሪሱ) ንሕና ብንብሎ ስርዓት ክህነፅ ኣለዎ” ብዝብል ዕላማ ዝተላዕሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን እዮም።
እዚኦም ብሽም ሓቛፋይነት ብሓቛፋይነቱ ዘይሕመ ፓለቲካ ኮሚኒቲ ትግራይ ዘሪግኻ፣ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ዝተበታተነ ክኾን ይሰረሑ። ብሓባር ንልምዓት ንዲሞክራሲ፣ ንላኣላውነቱ ጠጠው ዘይብል ክኸውን ንግዚኡ ኣብ ባይታ ዘይብሎም ኣጀንዳታት ናይ ውሕዳት ሊህቅ ሒዙ ሸለውላጋ ብምባል ዝጠፍእ ማሕበረሰብ ክኸውን ምግባር ዝዕላምኡ ሓደገኛ ኣራእያን ምንቅስቓስን የካይዱ።
ስለዚ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽን ብመሪሕነት ህወሓት ምእንተ ሓቛፋይነት ተባሂሉ ዝተሓቖፉ፣ ምስተሓቖፉ ዝነበሮም ምንቅስቓስን ንጥፈትን ንፈትሽ። ቅድሚኡ ግን ነዘን ሕቶታት ንረአ።
ፓለቲካ ትግራይ ሓቋፋይ ድዩ?
መልሱ “እወ ሓቛፋይ ፓለቲካ ኣብ ትግራይ ኣሎ።”
ጉድለታት ዶ ኣለዎ እንተይልና “እወ ኣለዎ።” እቶም ጉድለታት ካብ ኩሉ ነጠፍቲ ዝረአዩ እዮም። ገሊኦም ነጠፍቲ ካብ ገሊኦም ነጠፍቲ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ውጥጥ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ግን ከምኡ ኾይኑ ሓቛፋይ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣሎ።
ብ2012 ኣብ ትግራይ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝብታት ዝመረፆ መንግስታዊ ምምሕዳር ሓቛፋይ ዶ ነይሩ?
ብመሰረቱ ሓቛፋይ መስርሕ ዝነበሮ መረፃ ነይሩ። ውፅኢቱ እውን ሓቛፋይ ነይሩ። ሓቛፋይ ስርዓት ክኸውን ዝተወሰነ ፈተነ ተገይሩ። ኣብዚ “ተቃወምቲ ብበዝሒ ናብ ቤት ምኽሪ ኣይኣተውን” ዝብል ነቐፌታ ይቐርብ እዩ። ኣብዚ መረፃ ህዝቢ ዝውስኖ እዩ ኢልካ ምቕባል ብወሳንነት ህዝቢ ብዲሞክራሲ ምእማን ይሓትት። ኮይኑ ግን እከለ ጥፍኣተኛ ኢልና ተሓታቲ ክንገብር ኣይንኽእልን። ምእንቲ ተቓወምቲ ወይ እኹል ድምፂ ዘይረኸቡ፣ ዘየስዕር ኣገዳሲ ድምፂ ዝረኸቡ ዝሳተፍሉ ስርዓት ቅድሚ መረፃ ከመይ ነስተኻኽል ኢልካ ምሕሳብ ዝሓሸ ፍታሕ ዘምፅእ እዩ።
መኸተ ምስ ተጀመረ ዝተጣየሸ መኸተ ዝመርሕ ዝነበረ ኮማንድ ፓስት ሓቋፋይ ዶ ነይሩ?
መሪሕነት ህወሓት ካብ ፓርቲ ወፃኢ ዝኾነ ኣብታ ፀባብ ንእሽተይ ቁፅሪ ዝነበራ ግን መሰረታዊ ውሳነ ትህብ ኮሚቴ ክልተ ጀነራላት ኣሳቲፋ። ከም ኩሉ ኣባል ድምፂ ሒዞም ውሳነ እንዳወሰኑ መፅኦም። ክልቲኦም ሓቛፋይነት ከም መዝሙር ንጉሆ ኮነ ምሽት ዝዝምሩ እዮም። እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዝተብሃለ ይኹን እቲ ካልኣይ ጀነራል፥ ህወሓት ኣብቲ ሰራዊት ትግራይ ኢዳ ከይተእትው ኣበርቲዖም ይንቀሳቐሱ ነይሮም። ናብ ህወሓት መፂኦም ግን ንሶም ብሓቛፋይነት ጭርሖ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጉዳያት ዘይሓወስኩምና ይብሉ። ነቲ ኲናት እውን ፓለቲካዊ ዕላምኡ ብህወሓት ካብ ዝተቐመጦ ወፃኢ ንዐኦም ዝጥዕም ክገብሩ ፈቲኖም።
በብደረጅኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ነቲ ውልቀ ረብሓ ናይዞም ጀነራላት መበገሲ ዝገበረ ዕላማ ተረዲኦም ነፂጎምዎ። ብሹም ሓቛፋይነት ዝተፀምበሩ ቡኻርያታት ክበልዑዃ ኩሉ ዕድል ይፅበዩን ረኺብናካ ክብሉ ንሕስያ ብዘይብሉ ይፍትኑ። ፈቲኖም ድማ እዮም። ኣብ መፃብብ እዋን መኸተ ናይ በዓል ኣባይ ፀሃየ፣ ኣባይ ነብሶን ስዩም መስፍን መስዋእቲ ኣብ ክንዲ ድንግፅ ዘብሎም ስልጣን ተቆፃፂሮም ነቲ መኸተ ከበርዕንዎ ወጢኖም። መሪሕነት ህወሓት ነቲ ኣቦ መንበርነት ትግራይ ገዲፉ ሱዳን ኸይዱ፣ ስዱድ መንግስቲ ኣጣይሹ፣ ብደገ ክትሕግዝ ብዝብል ምኽንያት መኸተ ራሕሪሖም ክኸዱ ወትዊም። ምስ ቦስተን ኣሜሪካ ኾይኖም ነቲ መኸተ ዝመርሑ ዝነበሩ ዝመስሎም መሳርሕቶም ተማኺሮም ውዲታዊ ሽርሒ ዝተመልኦ ትልሚ ኣቕሪቦም እዮም። ካብዚ ሓሊፎም ድሕሪ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ካብ ትግራይ ምውፃእ ድማ ውድብ ዘግለለ ንባዕሎም መሪሕነት መኸተ ኢሎም ሸይሞም እዮም። ኣቦ መንበር ህወሓት ምስነፀጎም ግና ንባዕሎም ሱዳን ናይ ምኻድ ምሒር ድልየት ተነበሮም እውን ፀላኢ ኸረው ኣቢሉ ዓፃፅዩን ካብ ክባ ናብ ካሊእ ክባ ንሰጋገር ስለዝነበረ ኩነታት ኣይጣዓመን ኣብ ስትረቸር ተጋዳላይ እንዳሃገሮም እታ ፀባብ ግዘ ኣሕሊፎምዋ። ድሕሪ ሰነ 21 ኣያታትና ዝብል ሹም ምስ ረኸቡ ሕማሞም ደጊሱ ሓቛፋይ ክብሉ ጎረሮኦም ክሳብ ዝነቅዕ ዘእውዩ ምእንተ ውልቀ ስልጣኖም እዩ።
ድሕሪ ኲናት ፕሪቶርያ ንድርድር ዝተሰደዱ ተደራደርቲ ሓቛፋይ ዶ ነይሩ?
በቲ ትኽክለኛ ትርጉም ሓቛፋይ እኳ እንተዘይኮነ ብጣዕሚ ሓቛፋይ ነይሩ። ካብ ህወሓት ኣባላት ወፃኢ ካልኦት ዝሓወሰ ነይሩ። ቡኻርያታት እውን ከይተረፈ ዝሓቖፈ ነይሩ። ውፅኢት እቲ ስምምዕነት ድማ ብልዕልነት ቡኻርያታት ተዛዚሙ። ኣብ መንቀርቀር ኣእትዩና።
ድሕሪ ፕሪቶርያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምጥያሽ ዝተጣየሸ ኮንፍረንስ ሓቋፋይ ዶ ነይሩ?
ብ2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀ ምምሕዳር ፈሪሱ ቤት ምኽሪ ክድስክል ተገይሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጣየሽ ዝተሰማምዐ ቡኻርያታት ዘፀንበረ ተደራደርቲ ጉጅለ እዩ። ኣብ ምምስራት ግዝያዊ ምምሐዳር እቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ምፍራሱ ዝተሓጎሰን ካብኡ ዝሓለፈ ህወሓትን መኸተ ሓይሊን ዘግለለ ሓቛፋይ መንግስቲ ብልፅግና እውን ክሳተፍ ኢና ተሰማሚዕና እንዳበለ ብዘይሕፍረት ብኹርዓት ይዛረብ ነይሩ። ህወሓት ይኣኽሎ፣ መናእሰይ ሓዱሽ ትኩስ ሓይሊ ይሳተፍ ብዝብል ብህዝበኝነት መንፈስ ኣብ ኣደባባይ ክሳብ ኣፎም ምራቕ መሊኡ ዝዓፍሩ ተዛሪቦም። ህወሓት ግና እቲ ኮንፍረንስ ይኹን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር በቲ ንሱ ዝኣምነሉ ሓቛፋይ ክኸውን ተቃሊሱ ሓቛፋይ ክኸውን ገይሩ። ቡኻርያ ግን ከግልል ኣይኸኣለን። መልሓሶም ነዊሕ፣ ቅርሾም ደገፍ ደገ ዘለዎ ዓብይ ኾይኑ ተሟጊቶም “ተሓቑፎም”። ኣብቲ ኮንፍረስ ክልተ ኣሰላልፋ ነይሩ። ህዝባውን ቅሉዕ ፀረ ህዝብን። ኮይኑ ግና ህዝባዊ ሲዒሩ ኮንፍረንስ ተዛዚሙ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንባዕሉ ሓቛፋይ ዶ ነይሩ?
ምምሕዳር ኣብ ምጥያሽ መንእሰይ ዘይተሓቖፈ ዝብሉ ዝነበሩ ረሲዖምዎ ባዕሎም ዕድመኦም 70 ዝሰገሩ ጭህሞም ላፃፅዮም ወላህላህ ኢሎም “ፕረዝደንት ኣነ ዘይኮንኩ ኣነ እባ ሰራዊት ወኪለ ክኣትው” ናብ ዝብል ውጥጥ ኣትዮም። ሕቖፉና እምበር ክንሓቑፈኩም ከምዘይፈልጡ ብተግባር ኣርእዮም።
ኣብቲ ምምሕዳር ክሳተፍ ዝግቦኦ ተሳቲፉ ዝተመደበ እንተኾነ እውን ኣብ ጭቡጥ ንጥፈት ዝግለልን ዝሑቐፍን ነይሩ። ክልቲኦም ጀነራላት ብህወሓት ዝተመደበ ፕረዝደንት ድኽመታት ተበሊፆም ብስም ሓቛፋይነት ነቲ መኸተ ዋጋ ከምዘይህልዎ ገይርምዎ። ካብ ህወሓት ዝመፅእ ኣንፈት ከይቕበል ብኣነነት ክጫድር ብብልፅግናን ብኦኦምን ተኸቢቡ ባይታ ተመቻችውሉ።
ሓቛፋይነት ምስ ኣሰላልፋን ህዝባውነትን እንተዘይኸይዱ ሳዕቤኑ ብመስዋእቲ ዝመፀ ረብሓ ናብ ምንዋሕ ፀገምን ምንዋሕ ፀበባን ጆኖሳይድን ምዃኑ ብተግባር ሪእናዮ።
“ህወሓት ሓቋፋይ ኣይኮነን” ዝብሉ፣ ዝሰብኩ ንባዕሎም ሓቖፍቲ ከምዘይኮኑ ካብ ጭቡጥ መረዳእታ ምርግጋፅ ተኻኢሉ። ብሹም ሓቛፋይነት ኣትዮም ንሶም ዝቖፃፀርዎ ስልጣን ምርግጋፅ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊፆምልና።
እዙይ ስለዝገጠመና ድማ ኩሉ ሓቛፋይነት ክህሉ ዝሓትት ከይዲ “ከምኡ እዩ ኣይኮነን” ንብል ዘለና። ንህወሓት ሓቛፋይ ኣይኮነን ዝብል ግን ንባዕሉ ሓቛፋይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይፈትሽ።
እዞም ብዛዕባ ሓቛፋይነት ዝዝምሩ ዝነበሩ ንህወሓት ዝነቕፉ ዝነበሩ ሐዚ ህወሓት ክትጠፍእ ኣለዋ ኢሎም ምስ ከጥፍእዋ ጆኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ካልኦት ፓለቲካ ውድባት ዝኣወጁ ተሰሊፎም ኲናት ኣዊጆም ኣለው። መድበለ ፓርቲ ኣይቕበሉን ኣይኣምኑን። ህወሓት ክጠፍእ እዮም ዝደልዩ። ሐዚ እውን ኣብዚ ምሳና ዘለው ተንጣቢጦም መስርዕ ቆሪፆም ዝተረፉ እውን ሓቛፋይነት ዝብሉ ንናይ ባዕሎም ብሕታዊ ስልጣኖም እዩ። ናይ ባንዳታት ኣጀንዳ ገይሮም ነቲ ቅዱስ ሓሳብ በኪሎምዎ ድማ ኣለዉ። ነቲ ብኽለት ኣፂሪና ምጥቃም ነቶም ብሓቂ ክተሓቛቘፉ ዝግብኦም ሓላፍነት ምሃብ የድሊ።
ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ሓቛፋይነት መሊኡ ብተግባር ዘተኣታተወ ውድብ ህወሓት እዩ። ንህወሓት ሓቛፋይነት ዘይትቅበል ውድብ ገይርካ ምውንጃል ባዕሉ ወንጀል እዩ። ሓቛፋይነታ ተቐቢልካ ዘጉደሎቶ ዘይሸፈነቶ ነገራት ብዘይምሕረት ምንቃፍን ምሕባርን ግቡእን ንህወሓት እውን ዝጠቅምን ስለዝኾነ ህወሓት እውን ብፀጋ ክቕበሎ ይግባእ። ክሑቐፍ ዝደሊ ክሓቑፍ እውን ድልው ክኾን ኣለዎ።
ካልእ ፕሪቶርያ ኣብይ ኣህመድ ካብ ዝጥሕሶ ዓመታት ተቑፀረ ኮይኑ እናሃለወ ብዕሊ ኣብዚ ዓመት ከምዝፈረሰ ከምዘየለ ብኣደባባይ ተዛሪቡ። ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ የብሉን ኢሉ ብምስለኔ ትግራይ ክትመሓዳደር ገይሩ ፀኒሑ። ሐዚ ድማ በይናዊ ውሳነ ወሲኑ ብዕሊ ዕድመ ግምትን ፕረዝደንትን ንዓመት ክፀንሕ ምዃኑ ወሲኑ። እዙይ ከመይ ንቐፅል? ዝብል ኣጀንዳ ንትግራይ ፈጢሩ ኣሎ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይቐፅል ፣ ስግግር መንግስቲ ይመስረት፣ ብ2 ነጥቢ 7 ዝተመረፀ ምምሕዳር ትግራይ ይመለስ ዝብል ሰለስተ መማረፅታት ኣብ ሚድያታት ትግራይን ኢሊት ትግራይን ክካትዑ ፅሑፍ ክብትኑ ቀንዮም እዮም። ኩሎም ሓቛፋይነት ትብል ቃል ይጥቀምላ።
ኣብዙይ ክንርድኦ ዘለና ብሹም ሓቛፋይነት ካብ ቅንዕናን ኮነ ኢልካን ግን ናይ ህዝቢ ድምፂ ዝረግፅ ሓደገኛ ዝንባለ ይረአ። እቲ ብ2 ነጥቢ 7 ዝተመረፀ መንግስቲ ተመሊሱ ይምፃእ ይብሉ። ነቲ ፈፃሚ ኣካል ግን ካብ ህወሓት ወፃኢ ንግበሮ ዝብል ሓሳብ የሸራሽሩ። ምእንተ ምንታይ ሓቛፋይ ክንኸውን ምእንታ (ዋላ ካብ መረፃ ወፃኢ) ናብ ፕረዝደንት ካብ ካሊእ ብቑዕ ምምፃእ ኣብ ህወሓት ዘሎ ናይ ዓቅሚ ፀገምና ይፈትሕን ዝብል ድስኩል ሓሳብ የፀባርቑ። እቶም ካሊእ መማረፂ ስግግር ዝብሉ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይቐፅል ዝብሉ ዘቕርብዎ “ኾርዮም ገዲፎምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኸዱ” ዝብል ምኽንያት ብምሃብ ሓሳባትን ሪእይቶን የቕርቡ።
ህዝቢ ግን ፓሊሲ እዩ ዝመረፀ። ነቲ ፓሊሲ ዝውክሉ እዮም ዝተመረፁ ቤት ምኽሪ ዘጣይሹ። እቲ ዝመረፆ ፓርቲ ነቲ ፓሊሲኡ ዝትግብር ባዕሉ ነቲ ፓለሲ ዝሓንፀፀ ፓርቲ ኣባል እዩ። ስለዚ ኣብ ኣፈፃፅማ ዝፍጠሩ ናይ ዓቕሚ ፀገማት ሰብ ሙያ፣ ሙሁራት፣ መማኽርትን መሰልጠንትን ኮይኖም ሓቛፋይነት ክረጋገፅ ይኽእል እዩ።
ብኻልእ ገፅ ግድን ወሰንቲ ኮይኖም ፕረዝደንት ወይ ቢሮ ሓለፍቲ እንተዘይኮይኖም ሓቛፋይነት ኣይትቕበሉን ዝብል ነቀፌታ ይለዓል። እዚ ማይ ዝዓቑር ክትዕ ኣይኮነን። እቶም ዓቕሚ ኣለዎም ዝብሃሉ ፓርቲ ኣጣይሾም ወይ ናብተን ፓርቲት ትግራይ ተፀንቢሮም ነቲ ፓለቲካ መሪሕነት ከጠናኽሩ ይኽእሉ እምበር ሙያዊ ዓቕሚ በይኑ ነቲ ፓሊሲ ክትጣበቕ ኣይገብርን። ናይ ዓቕሚ ሽግር ብኢኒስትቱሽን ምጥንኻር እምበር ብውልቀ ሰባት ምቅይያር ኣይፍታሕን።
እቲ ከይኸዱና ዝብል ስክፍታ መበገሲኡ ቅንዕና እንተኾነ እውን ንባንዳነት ዘፈልፍሎ ሓቛፋይነት ዘይምህላው ገይርካ ምቕራብ ጌጋ እዩ። ከምኒ ጠዓመ ሒዛ ዝነበረት ውድብ ዘይኸዱ፤ ሐዚ እውን ዘለው ጠዓመታት ምኻድ ጉድለት ዓቕሚ ድዩ ወሰኽ ዓቕሚ? ወሰኽ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ብውሽጣዊ ቃልሲ ድኽመትካ ምፅራይ እዩ። ናይ ጠዓመ ፀገም ናይ ፓለቲካ ስብዕና ዘይምህላው ፀገም እዩ። ምኻዱ ንትግራይ ወሰኽ ፅርየት እዩ። በሃላይ እየ።
እንተ ንሕና ግን በዚ ሰበብ ሓቛፋይነት ክንፀልኦ ክንፈርሖ ፈፂሙ የብልናን። ንእሽተይ ትመስል ክንተሓቛቘፍ ዝገብረና ዕላማ እንተሃልያ ተሓቛቒፍና ንህዝብና ዝጠቕም ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ምሕቛፍ ዝረአዩ ፀገም በብግዚኡ ክንፈትሖ ይግባእ። ንምንታይ ሕማቓት ክንሓቑፍ ፀኒሕና ኢልና ክንፍትሽ ኣለና እምበር ሓቛፋይ ምዃና ዝፈጠሮ ፀገም ገይርና ክንወስዶ የብልናን። ንህዝቢ ትግራይ ወሰኽ ዝፈጥር ዓቕሚ ምስ ዝተፈላለየ ኣራኣእያ ዘለዎም ከይተረፈ ክንተሓቛቐፍ ኣለና። እዚ ኣብ ምጥባርን ምድርራዝን ከይተመስረተ ህገ መንግስቲ ትግራይ ከይጣሓስና ስርዓት ከይጣሓስና ጥራይ ንግበሮ።
ህዝቢ ትግራይ ይስዕር!!
ተጋዳላይ ዳንቡሽ ሃይለየሱስ ውልቀ ሪእይቶ
ሚያዝያ 2018 ዓ/ም
Gazeta Woyen