ኣብዚ ዘለናሉ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ስልጣነን ምዕባለን ኣብ ዝተሰጋገረትሉ፣ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ማዕቢሉን ተቐይሩን ተባሂሉ ኣብ ዝግመተሉ ዘመን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ድማ ንዓለምና ሓዱሽ ክስተት ምዃኑ ንምግማት ኣየፀግምን። ከምቲ ዝፍለጥ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊኡ ብዝተፈፀመሉ ፅንተታዊ ኲናት ኩለመዳያዊ ጉድኣት በፂሕዎ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እንርከበሉ ዘመን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብን ዘይግመትን ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሙ። ዓለም ኣብዚ ዘመን ዘፍረየቶም ዘመናዊ ኣፅዋራት ውግእ ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክዘንቡ ተገይሮም። እዚ ህዝቢ፤ ንዓመታት ዝሃነፆም ትካላት፣ ዘጥረዮ ሃፍትን ንብረትን ተዘሪፉን ክዓንው ተገይሩን። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ንዝንተ ኣለም ዘይርሳዕን ካብ ሕልናኡ ዘይፍሓቕን በሰላ በፂሕዎ።
ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝተፈፀሞ ህዝቢ ትግራይ፤ ህልውንኡን ድሕንነቱን ከረጋግፅ ግድን ኾይንዎ ብረቱ ከልዕል ተገዲዱ። ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ብዝተፈላለዩ ኩርዓናት ትግራይ ንምውራርን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናትን ንዝወፈሩ ወረርቲ ሓይልታት ብዝለዓለ ፅንዓትን ጅግንነትን መኪቱ። መዓዝ ምምካት ጥራሕ ኾይኑ፤ እዚ ህዝቢ ንኩሎም ልፍንታውያን ሓይልታት ብምስዓር ዓለም ዘስደመመ ተኣምራዊ ጅግንነት እውን ፈፂሙ። ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ዘድሓነ ጅግና ሰራዊት ሃኒፁ። በዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ እንተኽኢሎም ካብ ሕልና ከይተረፈ ከጥፍእዎ፤ እዚ እንተዘይተሳኺዕሎም ድማ ከምበርክኽዎ፣ ትግራይ “ነበረ” ንምግባር፣ ንልዕሊ 100 ዓመት “ሓፈት” ንከይትብልን ልምዓት ሓሪምዋ ናብ ምድረ በዳ ክትቕየርን ዓሊሞም ብዝተዋደደን ዝተተለመን መንገዲ ዝወፈሩ ሓይልታት ጥፍኣት ሕልሞም ከምዘይሳኸዐሎም ብተግባር ኣርእይዎም እዩ።
ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብዝገበርዎ ተጋድሎን ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእትን፤ እቶም ንሰላም ተሓሲሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ዝወልዑ ፀረ ሰላም ሓይልታት ከይፈተዉ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፍርሙ ተገዲዶም። ብመሰረት እዚ፤ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ። እቲ ንህልቂት ብዙሓት ወገናት ሰበብ ዝኾነን ዓዲ ከምዓዲ ዘዕነወን ኣዝዩ ከቢድ ኲናት ጠጠው ክብል ብምግባር ናብ ሰላማዊ ዘተ ተሰጋጊርና። እዚ ድማ ውፅኢት ቃልስን መስዋእትን ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ምዃኑ ይትረፍ ትግራዋይ፤ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ናብ ሰላም ከሰጋግር ተስፋን ትፅቢትን ዝተነበረሉ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ፤ ሕዚ እውን መልክዑ ቐይሩ ስቓይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምንዋሕ ኣየድሓነን። የግዳስ መልክዕ እቲ ኲናት ብምቕያር ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽን ንምጥፋእን ብውሽጥን ብደገን ብዝተዋደደ መንገዲ እናተሰርሐ ይርከብ። ካብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝወፀን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስን ብውሽጥን ብደገን ዝተዋደደ ንውድብ ህወሓት ብምጥፋእ ኣቢልኻ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብታን ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ፤ ሕዚ እውን ዝተፈላለዩ ውዲታት ብምፍሓስን ስልትታት ብምቅይያርን ይስርሐሉ ኣሎ።
ኣብዚ ጉዳይ ብዙሓት መግለፅታትን መርኣይታትን ምቕማጥ ይከኣል እዩ። እቲ ብቐዳምነት ክጥቀስ ዝኽእል ግና፤ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዝተፈጠረ ፅግዕተኛ ሓይሊ እዩ። እዚ ሓይሊ ኣብ ውሽጥን ደገን ምስዘለዉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኾይኑ ውድብና ንምጥፋእ ኩሉ ዓይነት እከይ ተግባር ክፍፅም ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና ብሳላ ዝተዋደደ ቃልሲ ኩሎም ስትራቴጅካዊ ዓቕምታት ትግራይ እቶም ሽርሕታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ክፍሽሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ህዝብና እውን ኣብዚ ጉዳይ ዝሐሸ ግንዛበን ርድኢትን ሒዙ ነዚ ሃዋህው ብዝግባእ ተረዲኡ ቃልሱ የጠናኽር ኣሎ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ብመሰረት ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ፀጥታን ትግራይ ብዝኣመንሉ መንገዲ ምስመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርድዳእ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምትዕርራይ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ክኢሉ እዩ። ብጭቡጥ ዝተጀመሩን እናማዕበሉ ዝኸዱ ዘለዉን ስራሕቲ እውን ኣለዉ።
ከምቲ ዝፍለጥ ካብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ኣትሒዙ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመዓራረ ከምዘለዎ ተነፂሩ እዩ። ኣብቶም ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ስዒቦም ዝተኻየዱ ህዝባዊ መድረኻት እውን ብተደጋጋሚ ይለዓል ነይሩ። ንኣብነት፣ “ግዝያዊ ምምሕዳር ንምንታይ ዘይመዓራረ? ንምንታይ ኢና ሱቕ ኢልና ንፅበ ዘለና? ህዝብን ውድብን እኮ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ እዮም ጥሒሎም ዘለዉ። ንምንታይ ህፁፅ ዕልባት ዘይግበረሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ዳርጋ ኣብ ኩሎም ህዝባዊ መድረኻት ይለዓሉ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፉ “እምቢ ንምልኪ፣ ጭቆናን ብተናን!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ወፍሪ እምቢታ ነይሩ። ከምዚኦም ዝበሉ ውዑይ ህዝባዊ ቃልስታት ብምክያዶም ድማ እነሆ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመዓራረየሉን ተልእኾታቱ ብኣግባቡ ዝፍፅመሉን ጥጡሕ ባይታ ይፍጠር ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ዓብይ ለውጢ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እዚ ኮይኑ፤ እቲ ሳላ ቓልስና ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ምርካቡ ሓደ ነገር ኮይኑ ግዘ ከይሃብኻን ቀትርን ለይትን ብምስራሕን ናብ ፀጋ ክቕየር ኣለዎ። ነዚ ሕዚ ረኺብናዮ ዘለና ዕድል ናብ ዝሰፍሐ ፀጋ ብምቕያር ድማ ውድብና ናብ ምሉእ ቁመናኡን ህዝባዊ መትከሉን ንክምለስ ብዕቱብ ዝስርሐሉ ሕዚ እዩ።
ብመሰረት እዚ፤ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝባኸነ ግዘ ብምክሕሓስ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ክስራሕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኾይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ንምውሓስ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ድሕንነቱ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ንምምላስ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፅትን ትግራይ ንምርግጋፅ፣ ሰላም፣ ፀጥታን ሰናይ ምምሕዳርን ንምንጋስ ዝሐሸ ባይታ ይፍጠር ምህላዉ መላእ ኣባልናን ህዝብናን ክግንዘብ ይግባእ። ነዞም መሰረታዊ ሕቶታት ንምምላስ ውድብና ህወሓት መላእ ኣመራርሕኡ፣ ኣባላቱን ህዝብን ኣለዓዒሉን ወዲቡን ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕዋት ዘኽእልዎ ግቡኣት ንምፍፃም እናተረባረበ ይርከብ። ብመሰረቱ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ናብ ሕቶ ዘይኣቱ ኾይኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብማዕረ ዘተኣናግድ ህዝቢ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ፤ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ትግራይ ወፂእኻ ምኻድ ይኹን ካብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ወፃእ ካሊእ መንገዲ ምንዳይ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ምዃኑ ብምርዳእ ህወሓት ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ምስኩሎም ኣካላት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቅሩብ ምዃኑ እናረጋገፀ ዝመፀን ዘሎን ውድብ እዩ። ሕዚ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተንጠባጠቡ ዓቕምታት ብምትእኽኻብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ይገልፅ ኣሎ። እዚ ዕድል እዚ ምፍጣሩ ድማ ምዕሩይን ምክእኣል ዝተመልኦን ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝፈጥር እዩ።
ከምቲ ዝፍለጥ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ እንተሎ ክፍፅሞም ዝግብኦም ተልእኾታት ብንፁር ተቐሚጦም እዮም። ንኣብነት፤ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ምምላስን ውሑስ ምግባርን፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፁ ምስራሕ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ፅንተት ንዝፈፀሙ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቐሪቦም ክሕተቱ ምግባር፣ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ውሑስ ንክኸውን ምስራሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልኦትን ክኣትዉን ናብ ዝተፀገመ ህዝቢ ክበፅሑን ምግባር፣ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዝለዓለ ቆላሕታ ሂብኻ ምስራሕ፣ ናብ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ምስግጋር ዝብሉ ካብቶም ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ተጠቀስቲ እዮም። ይኹን እምበር፤ እዞም ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ብግቡእ ክፍፅም ብዘይምኽኣሉ ህዝብና ንተወሳኺ ስቓይን ሓሳረ መከራን ዘሳጠሐ፣ ዝተወዘፉ ስራሕቲ ንክህልዉ ቀንዲ ሰበብ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ብስሩ እውን ኣብ ፃንሒት ክልተ ዓመት ውፅኢት ኣልቦ ከምዝኾነ ባይታና ዝምስክሮ ህያው ሓቂ እዩ። ህዝቢ ብኣንደበቱ እናገለፆ ዝመፀ እውን ነዚ ሓቂ ዘራጉድ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ነቶም ተልእኾታት ሒዙ ዝሰርሕ ኣብዘይጭበጡ ኣጀንዳታት ጥሒሉ ፖለቲካ ትግራይ ናብ ህውከትን ዕግርግርን ክኣትውን ስቓይ ህዝብና ክናዋሕን ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ ኾይኑ። ነዚ እውን እዩ ድሕሪ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትዕርራይ ከምኣንፈት ተነፂሩ ብዕቱብ እናተሰርሐሉ ዝመፀ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ፤ ድሕሪ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ምክያድ ሕዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትዕርራይ ጥጡሕ ባይታ ይፍጠር ኣሎ። ብተግባር ተጀሚሩ ከምዘሎ እውን ምርዳእ የድሊ። ምትዕርራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብትርጉሙ እንትውሰድ ድማ ምትግባር ውዕሊ ፕሪቶርያን ምርግጋፅ ሕውየት ህዝብናን ማለት እዩ።
ካብ ሕዚ ንደሓር ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ጥጡሕ ባይታ ናብ ዘላቒ ዕድልን ምሉእ ቁመናን ንምስግጋር ብጥብቂ ክስራሕ እዩ። ብመሰረት እዚ፤ ስቓይ ህዝብና ንክሓፅር ኣብ ዘሎ ውሱን ግዘ ብምርብራብ ሕሉፍ ድኽመታት ብዘከሓሕስ መልክዑ መደባት ምዕማም ግድን ይኸውን። ነዚ ረዚን ውራይ ንምዕዋት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተማልአ ቁመና ሃልይዎ ሓላፍነቱ ብግቡእ ንክዋፃእን ዕማማቱ ንክፍፅምን ብዘኽእል መንገዲ ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝከኣሎ ኹሉ ክገብር ዝለዓለ ትፅቢት ይግበረሉ። ውድብና ህወሓት እውን ዝተማልአ ምትእምማንን ሰላምን ተረጋጊፁ ናብ ናይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ስራሕቲ ምስግጋር ዝከኣል መስርሕ ሰላም ፕሪቶርያ ብዝግባእ እንትትግበር ምዃኑ ብፅኑዕ ይኣምን። ልዕል ክብል ከምዝተቐመጠ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስረና ብሕታዊ ገመድ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ስምምዕ ንምትግባር ተቐራሪብካን ተኣማሚንካን ምስራሕ ከምዘድሊ ውድብና ይኣምን። ብፍላይ ህወሓት ከምመጠን ፈራምን ተደራዳርን፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ካብኡ ዝድለ ኹሉ ንምፍፃም ሕዚ እውን ድልው እዩ። እቲ ውዕሊ ንክትግበር ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ርሕቐትን ዘለዎ ድልውነትን እውን ናይዚ እኹል መርኣይ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ውዕሊ ዘይሰፈሩን ካብቲ ውዕሊ ወፃእ ዝኾኑን በይናዊ ተግባራት እንትፍፀሙ ይርአ ኣሎ። ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያ እናጠሓሰን ፖለቲካዊ ዘተ ከይካየድ እናሰናኸለን መፂኡ እዩ። ብዝተፈላለየ መንገዲ ንህዝቢ ትግራይ እናጓነየ ኣብ ልዕሊኡ ተፈፀምቲ ዝኾኑ ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሕታትን በይኑ ዝውስነሉ ኩነታት ብስፍሓት ይርአ ኣሎ። እዚ ኣከያይዳ ተመሓይሹን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተኸቢሩን ክልቲኦም ፈረምቲ ኣካላት ብፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ተሓባቢርኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ህወሓት ምሉእ እምነት፣ ቅሩብነትን መርገፅን ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ህዝብናን ሉኡላውነትናን ሓራ ንምውፃእን ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንክፍፀም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግቡኦም ንክዋፅኡ ህወሓት ተደጋጋሚ ፃውዒት እናገበረ መፂኡ እዩ፤ ሕዚ እውን ኣብዚ ጉዳይ ፅኑዕ መርገፂ ብምሓዝ ብዕቱብ ይሰርሐሉ ኣሎ።
ብመሰረቱ፤ ውዕሊ ፕሪቶርያ ውሽጣዊ ሰላምና ንምውሓስ ዘለዎ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኾይኑ፤ ንሃገር ንዞባዊ (ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ) ሰላምን ምርግጋዕን እውን ዓብይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኩሉ ዝርድኦ ሓቂ እዩ። ብስሩ እውን ትግራይ፤ ማእኸል ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ምዃና ክዝንጋዕ ዘይብሉ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ኣምር ተበጊስኻ ክርአ አንተሎ፤ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዘብፀሖ በሰላ ገና ኣብ ዘይሓወየሉን እቲ ቅልውላው መልክዑ ቀይሩ እናቐፀለ ኣብዘለሉን እዋን፤ እዞም ንከባቢና ዝህውኹን ሰላምና ዝዘርጉን ምንቅስቓሳት ሳዕቤኖም ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ብጥንቃቐ ክረኣዩን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘድሊ ፃዕሪ ክግበርን ግድን ይኸውን። ከምህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሰላምን ምርግጋዕን እዚ ዞባ (ቀርኒ ኣፍሪካ) ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ከምዝዋፅኡ ብተደጋጋሚ እናተገለፀን እናተረጋገፀን መፂኡ እዩ፤ እዚ ንቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ መግለፅታት ቅዋሙ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ብመንፅር እዚ እንትርአ፤ ሕዚ ተመዓራርዩ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር፤ ህዝቢ ትግራይ ትፅቢት ዝገብሮም ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ቀልጢፍካ ምዕዋት እዩ። እዞም ተልእኾታት ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብን ሉኡላውነትን ሓራ ንክወፅእ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ናብ መረበቱ ንክምለስ ከምኡ እውን ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብምስላጥ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝተመረፀ ስሩዕ መንግስቲ ዝኣትወሉ ኩነታት ንምምችቻው ህወሓት ኩሉ ዝከኣሎ ንምግባር ድልው እዩ። እቶም ብተግባር ዝገብሮም ዘሎ ምንቅስቓሳት እውን ናይዚ ህያው ምስክራት እዮም። ውድብና ህወሓት ከምኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላዊ ነፃነቱ ሓልዩ ግቡኡ ብምፍፃም ናብቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብህጎ ምኽባር ሉኣላውነትና ቀልጢፍና ከምንኣቱ ይተኣማመን። ካብ ሕሉፍ ድኽመታት ብምምሃር ንቐፃሊ ጉዕዞ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ተቐሚጡ ኣሎ። ከምቲ ዝፍለጥ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ንሓደ ዓመት ተናዊሑ እዩ። ብመሰረት እዚ፤ ኣብ ዝቕፅል ናይ ሓደ ዓመት ሓፂር ፃንሒቱ በብርብዒ ዓመት ዝፍፀሙ መደባት ብምሓዝ ቀዳምነት ንዝወሃቦም ጉዳያት ቀዳምነት ብምሃብ ክስራሕ ምዃኑ ተነፂሩ ኣሎ። ብፍላይ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዝወለዶ ዓብዪ ጠለብ ህዝቢ ንምምላስ ብዝለዓለ ቆላሕታ ከምዝስርሐሉ ህወሓት ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ዝግንዘብዎ ሓቂ እዩ። ኣብዚ፤ ውድብና ህወሓት ነቶም መደባት ንምዕዋት ንፁር ኣንፈት ኣቐሚጡ ብዕቱብ ክሰርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኮይኑ ብዋናነት ድማ መሓውራት መንግስትን ውድብን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣባልን ኣመራርሓን መሪሕ ተራኦም ክዋፅኡ ዝለዓለ ትፅቢት ይግበረሎም። ጥቕልል ኣቢልኻ እንትርአ፤ ሕዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ፅልምትምት ዝበለን ኣዝዩ ዝኸፍአን ኩነታት ብምውፃእ ንምትዕርራይ ዕድል ዝሃበ ጥጡሕ ባይታ ይፍጠር ኣሎ። ኮይኑ ግና እቲ ዕድል እዩ ተረኺቡ እምበር እቲ ዘለናሉ መድረኽ ሕዚ እውን ኣዝዩ ከቢድን ፈታንን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቶም ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽን ውድብና ህወሓት ንምጥፋእን ዓሊሞም ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ኣብ ቦትኦም እዮም ዘለዉ። ምኽንያቱ ነዚ ህዝቢ ከየሰኮኑ፣ ንውድብና ከየጥፍኡ ኣይድቅሱን። ነዚ ንምስኻዕ ዝሓንፀፅዎ ፕላንን ዝኸድዎ ዘለዉ ርሕቐትን ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ሳላ ህዝባዊ ቃልስና ንግዚኡ ኣግሊሱ ዘሎ ፅግዕተኛ ሓይሊ እውን ኩሉ ዝከኣሎ ንምግባር ንድሕሪት ኣይብልን። እቶም “ኣለዉኒ” ዝብሎም ኩሎም ኣማራፅታት ሒዙ ኣንፃርና ምልዓሉ ኣይተርፍን። ብተግባር ዘርእዮን ዝገብሮን ዘሎ ምንቅስቓስ እውን ነዚ ሓቂ ዘራጉድ እዩ። ካብዞም ወድዓዊ ሓቅታት ተበጊስኻ ክርአ እንተሎ፤ እቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ግዘ ከይሃብና እንተዘይተጠቒምናሉ ስዒቡ ካብቲ ዝሓለፈ ዝኸፍአ ሓደጋ ከጋጥመና ከምዝኽእል ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ጥጡሕ ባይታ ናብ ዕድል ብምቕያርን ንግዝያዊ ምምሕዳር ግቡእ ደገፍ ብምግባርን ውድብና መሊኡ ክድሕንን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ክወፅእን ብዝለዓለ ፅንዓት ክንሰርሕ ይግብአና።