“ማእኸል ስሕበት ቀፃሊ ቃልስና ብሄራዊ ረብሓ፣ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ”
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ቀፃሊ እዋናት ቀንዲ ትኹረቱ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላው፣ ሃለዋትን ድሕንነትን ምርግጋፅ ምዃኑን ነዚኦም ማእኸል ስሕበት ገይሩ ክሰርሕ ከምዝጀመረን ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓትን ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፁ።
ተጋዳላይ ኣማኑኤል ነዚ ዝገለፀ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ 29 መጋቢት ክሳብ ሰለስተ ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ኣፈፃፅማ መደባት ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ቐፀልቲ ኣንፈታትን፤ ውድብ ህወሓት ናብ ንቡር ቁመንኡ ንምምላስ ዝነበሩ ዓበይቲ መደባትን ኣፈፃፅመኦምን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ምስ ሚድያ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ።
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስትራተጂክ ዓቕምታቱ ወዲቡ ቃልሲ ኣንፃር ፅግዕተኛ ኣተሓሳስባ እናካየደ ከምዝፀንሐን ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዘሃገረ ክሕደትን ጥልመትን ዝፈፀመ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሰግሲጉ ዝነበረ ሓይሊ ከም ሓዱሽ ናይ ምትዕርራይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ተጋዳላይ ኣማኑኤል ግልፂ ገይሩ።
ከም ኣገላልፃ ተጋዳላይ ኣማኑኤል፤ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ውፅእ ብዝበለ ድማ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዝምዕብሉ ዘለው ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ብመንፅር ንህዝቢ ትግራይ ዝህልዎም ፅልዋታትን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ብዕምቆት ከምዝተመያየጠን ሓበራዊ ኣረዳድኣን መደምደምታን ከምዝተበፅሐን ሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብፍላይ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝተወሰኑ መሰረታዊ ጉዳያት ንህወሓት ወኪሎም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመዲቦም ዝነበሩ ሰባት ህወሓት ከምውድብ ንምፍራስን ንምብታንን ዝተንቀሳቐሱ፣ ብቀንዲ ድማ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዝሓንሸሹ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ከይፍፀም ዕንቅፋት እናፈጠሩ ዝመፁ ኣካላት ብምዃኖም ምትዕርራይ ንኽግበር ኣብ ጉባኤ ብዝተወሰነ መሰረት ንተግባራውነቱ ሰፋሕቲ ቃልስታት እናተኻየደ ከምዝመፀ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣፍሊጡ።
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓምሳ ክድመሮ ሓደ ወንበር ዝነበሮ ውድብ ህወሓት ዝወከሎም ካብ ፕረዚዳንት ጀሚሩ ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ኣባላት ካብኔ ብሄራዊ ክሕደት ብምፍፃምን ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝሓንሸሹን ብኻልኦት ንኽትክኡ ከምዝወሰነን እዚ ድማ ህወሓት በይኑ ክውስኖ ስለዘይኽእል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራብ ኣብ መወዳእታ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህወሓት ብዝወከሎ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ክትካእ ከምዝተገበረ ሓቢሩ።
ድሕሪ ምትዕርራይ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት ከምዘወፁን ማእኸል ስሕበት ናይቶም ዝቕፅሉ መደባት ድማ ሓራ ዘይወፁ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ውሑስ ምግባር፣ ካብ መረበቱ ዝተማዛበለን፣ ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ምምላስ፣ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ፣ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ከምዝኾኑ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ዞባና እናማዕበሉ ዝመፁ ዘለው ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ኣዝዩ ተኣናፊ ምስሕሓባት ይረኣየሉ ከምዘሎ ዝሓበረ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምትፍናን ብመንፅር ትግራይ ዝህልዎ ሳዕቤን ብትኹረት ክረአ ከምዘለዎን ክግበር ኣብዘለዎ ጥንቃቐታትን ኣመልኪቱ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ብዝርዝር ከምዝገምገመን ግልፂ ገይሩ።
ምትፍናን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ኩናት ንኸየምርሕ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ደለይቲ ሰላም ሓይልታትን ዓገብ ክብሉን ኣድላይ ጥንቃቐ ክገብርን ከምዘለዎ ዝሓበረ ተጋዳላይ ኣማኑኤል፤ እዚ ምትፍናን ዘይተርፍ ኮይኑ ናብ ኲናት እንተምሪሑ ግን ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ብዘየውድቕ፣ ብመንፅር ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክረአ ከምዘለዎ ገሊፁ።
ምክትል ኣቦወንበር ህወሓት ተጋዳላይ ኣማኑኤል ነዚ ከምመፍትሒ ሓሳብ ኢሉ ዘቐመጦ፤ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀልጢፉ ተመዓራርዩ ናብ ስራሕ ክኣትውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕን ምኽኣል ከም ህዝቢ፣ ከም ውድብን ከምሰራዊት ትግራይን ድማ ነዚ ኩነታት እዚ ብጥንቃቐ ክሪእዎ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።
“ድሕሪ ወፍሪ እምቢታ ውድብና ህወሓት ናብ ንቡር ቁመንኡ ንምምላስ ዝነበሩ ዓበይቲ መደባትን ኣፈፃፅመኦምን እንታይ ይመስሉ” ብምባል ንዘቐረብናሉ ሕቶ ተጋዳላይ ኣማኑኤል እንትምልስ፤ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዝሓንሸሸ ፅግዕተኛ ሓይሊ ህወሓት ንምፍራስ ዝሓዞ ኣጀንዳ ንምፍሻል ጉባኤ ምክያድ ወሳኒ ከምዝነበረን ድሕሪ ጉባኤ ምክያዱ ድማ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝተወሰኑ ውሳነታትን ደምዳም ሓሳባትን ብምሓዝ ኣብ ህዝቢ፣ ኣባልን ኣመራርሓን ንፅረት ንምፍጣር ዝተፈላለዩ መድረኻት ከምዝተኻየዱ ውፅኢቶም እውን ዓብይ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብቲ ህዝቢ ግልፅነት ምስተፈጠረ እውን ኣብቲ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሒዱ ድምፂ ህዝቢ ክሰምዕ ስለዘይከአለ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ህወሓት ዝሓዞ ኣንፈት ቀልጢፉ ስለዘይተቐበሎ በቲ ዝተደለየ መንገዲ ክመዓራረ ከምዘይከኣለ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ኹነታት እናኸፈአ ምስከደ እቲ ቃልሲ በፂሕዎ ካብ ዝነበረ ብርኪ ብሓደ ደረጃ ሓፍ ክብል ብምግባር ብሰላማዊ መንገዲ “ወፍሪ እምቢታ ንብሄራዊ ክሕደት ብተናን ምልክን” ብዝብል ህዝቢ ትግራይ እምቢትኡ ዝገለፀሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ይገልፅ።
ውፅኢት ናይዚ ወፍሪ እምቢታ ዝገለፀ ተጋዳላይ ኣማኑኤል፣ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ትግራይ ዝተዓፈኑ ወረዳታት ዋላ እኳ እንተሃለው እቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ግን ድምፁ ዘስመዓሉ እቲ ቃልሲ ደረጃ ብደረጃ እናዓበየ ዝኸደሉ፣ ኣብያተ ምኽሪ ህላወአን ዘረጋገፀሉ፣ ኣብ ዞባ፣ ወረዳን ጣብያን ዘለው ምምሕዳራት እውን ሕገ-መንግስታዊ ስልጣኖም ዘረጋገፅሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ክብል ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይዚ ህዝባዊ ቃልሲ ውፅኢት እቲ ብሄራዊ ክሕደት፣ ዝፈፀመ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሰግሰገ ጉጅለ ኣብ መላእ ትግራይ እናተሸምረረ ከይዱ እቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ደይቡ ናብቲ ሐዚ ዘለናሉ ተነፃፃሪ ዝሓሸ ሃዋህው ከምዝበፅሐን እቲ ዝተኻየደ ወፍሪ እምቢታ ቃልሲ እውን ዕውት ከምዝኾነን ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣዘኻኺሩ።
Gazeta Woyen
