ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኲናትን ዝበፅሕዎ ማእለያ ዘይብሎም ኩለ መዳያዊ ጉድኣታትን ከይኣክል ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ነቲ ፅንተት ብኻሊእ መልክዕ ዘቐፅልሉ ተግባራት እናተፈፀሙ መፂኦም እዮም። ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወፃኢ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብታን ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ብሳላ ዝተዋደደ ቃልሲ ኩሎም ስትራተጂካዊ ዓቕምታት ትግራይ እቶም ሽርሕታት ቀስ ብቐስ ክፍሽሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብመንፅር እዚ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ ሰለስተ ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ቐፀልቲ ኣንፈታትን፣ ምስ ውሳነታት መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ተኣሳሲሩ ድሕሪ ወፍሪ እምቢታ ህወሓት ናብ ንቡር ቁመንኡ ንምምላሱ ዝተፈፀሙ ዓበይቲ መደባት ኣፈፃፅመኦምን ኣብ ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪትና ምስ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ምክትል ኣቦ መንበር ውድብና ህወሓትን ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዘካየድናዮ ቃለ መሕተት ምሉእ ትሕዝትኡ ከም ዝስዕብ ተዋዲዱ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።
ወይን፡- ሎምቕነ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ውድባዊ ገምጋምን ቀፃሊ ኣንፈት ምንፃርን ብዝምልከት ኣኼባ ተገይሩ ነይሩ እሞ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ትሕዝቶን ዝተበፅሐ መደምደምታታትን እንተዝግለፅ?
ተጋዳላይ ኣማኑኤል :- ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ኣብ ፈላይ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ እዩ። ኣብዚ ስሩዕ ኣኼብኡ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገምጊሙ። ንቐፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝህልዉ መደባትን ኣንፈታትን እውን ኣነፂሩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝምዕብሉ ዘለዉ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ብመንፅር ንትግራይ ዝህልዎም ፅልዋ ዝምልከትን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ድማ ብዝርዝር ተመያይጡ እዩ።
ማእኸል ስሕበት ናይቶም ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እውን ካብ ወረርቲ ሓራ ዘይወፀ መሬትናን ህዝብናን ሓራ ክወፅእ፣ ዝተማዘበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ቃልሲ ዘጠናኽርን ካልኦት ስራሕቲ ንምስራሕ ዘኽእል ትልሚ ወፂኡ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ናይ ውሽጢ ውድብ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ፣ ልዕልነት ሕግን ፍትሒን ናይ ምርግጋፅ መደባት ኣለው። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ ዞባ ዘምዕብሉ ዘለዉ ጅኦፖለቲካዊ ኩነታት እዚ ዞባ ብመንፅር ትግራይ ክረአ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ እዚ ዞባ እዚ ናይ ብዙሓት ጂኦፖሎቲካዊ ረብሓታት ባህጊ ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ምዕራባውያን፣ ማእኸላይ ምብራቕን ርሑቕ ምብራቕን ዘለዉ ዓድታት ልዑል ትኹረት ዝገብርሉ ዞባ እውን እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ምዕባለታት ኣለዉ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሃገረ ሶማልን ዘሎ ውሽጣዊ ኩነታት ህውከትን ዕግርግርን ኣይተፈለዮን ዘሎ። “ብቐንዱ ኣብ መንጎ ኢትዮጱያን ኤርትራን ዘሎ ምትፍናን ብመንፅር ትግራይ ክህልው ዝኽእሉ ሳዕቤናት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ?” ኣብ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዝርዝር ገምጊሙ እዩ። ነዚ ኩነታት እዚ ብምግምጋም እቶም ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ግደ ትግራይ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመላኽቱ ሰፋሕቲ ምይይጣት ተኻይዶም እዮም። ብመሰረት እዚ ኣብዚ ከባቢ እዚ ዝምዕብሉ ዘለዉ ጉዳያት ናብ ኲናት ከየምርሑ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ብቐንዱ ድማ መንግስታት ኢትዮጵያ ኤርትራን ናብ ኵናት ንዘይምእታው ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ። ምናልባት ናብ ኲናት ዘምርሕ እንተኾይኑ ግን ብመንፅር ናይ ዓርስና ህልውናን ድሕንነትን ክረአ ከምዘለዎ ተቐሚጡ እዩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ልዕሊ ቑስሉ ካሊእ መከራ ከይመፅኦ ጥንቃቐታት ክግበር እዩ ዘለዎ።
ወይን:- ምስ ውሳነታት መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ተኣሳሲሩ ድሕሪ ወፍሪ እምቢታ ውድብና ህወሓት ናብ ንቡር ቁመንኡ ንምምላስ ዝተተለሙ ዓበይቲ መደባትን ኣፈፃፅመኦምን እንታይ ይመስል? እዚ ኣብ ኣባልናን ካድረናን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህዝብና ዝፈጠሮ መንፈስ እንታይ እዩ?
ተጋዳላይ ኣማኑኤል፡- ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስተጣየሸ ሓሙሽተ ዝኾኑ መሰረታዊ ተልእኾታት ተዋሂቦምዎ እዮም። እቲ ሓደን ቀንድን ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝተፈፀሞ፣ ብዙሕ ናይ ፀጥታ ፍትሒ መሓውራቱ ዝፈራረሶ ህዝቢ እዩ። ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ መስተጋብር ትግራይ ኮነ ኢልካ ምሉእ ንምሉእ ዝፈራረሰሉ ዘዓነወሉ፣ ዝተወረረሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ነዚ ናብ ንቡር ምምላስ ድማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገዲ ክትግበር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብግዝያዊ ምምሕዳር ክምራሕ ኣይግበኦን። ቀልጢፉ ብህዝቢ ናብ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሰጋገር እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ግዝያዊ ምምሕዳር ይትረፍ ናብ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ከሰጋግር ነዞም መሰረታዊ ጉዳያት ንጎድኒ ገዲፉ መጋበርያ ናይ ደገ ሓይልታት ኮይኑ፣ ካብ ተልእኾታቱ ወፂኡ ወይ ድማ ብግልባጡ ነቶም ተልእኾታቱ ዘፍርስ ምንቅስቃስ እናሰርሐ እዩ ነይሩ።
ህዝቢ ትግራይ ንዘይተቐበሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሰላማዊ መንገዲ “ወፍሪ እምቢታ” ምክያድ ግድን ነይሩ። ምኽንያቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣሀጊሩ፣ ሰራዊት ትግራይን ህወሓትን ንምፍራስን ልኣላውነት ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፍካ ንምሃብን ኮታስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘተፈፀመ ጆኖሳይድ ተሓታትነት ብዘይብሉ መንገዲ ኣካያይዳታት ዝፍፀመሉ ኩነታት ስለዝነበረ እዩ። እዚ ከይኣክል ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ከባቢኦም ብምኻድ ዝተፈላለዩ ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ዝፍፅምሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ክብተን፣ ኣብ ከባብያዊ ድሕረት ክቑለፍ ነቲ ኩነታት ብመንፅር ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ብመንፅር ከባብያውን ውልቃውን ጉዳያት እናረኣየ ብድሕረት ክሽመም ዝገብር ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። እዚ ድማ እቲ ህዝቢ “እምቢ ንብተና” ኢሉ ክለዓል ገይርዎ እዩ።
ከምኡ እውን መግለፂ ልኣላውነት ህዝቢ ትግራይ ዝኾና ኣብያተ ምኽሪ ክፈርሳ፣ ሕገ- መንግስቲ ክጠሓስ ክፈርስ እናተገበረ መፂኡ። ካብዚ ብተወሳኺ በቢደረጅኡ ዘለዉ ትካላት መንግስቲ ክፈርሱ፣ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ውድብ ህወሓት ክጠሓሱ ውልቀ ሰባት ኣብ ትግራይ ዝደለይዎ ዝገብርሉ ኩነታት ክፍጠር ብዙሓት ፀረ ህዝቢ ተግባራት እናተፈፀሙ መፂኦም እዮም። ነዚ ድማ ህዝቢ “እምቢ ንምልክነት” ኢሉ ድምፁ ኣስሚዑ።
ይኹን’ምበር እቲ ዝተኻየደ ወፍሪ እምቢታ እቲ ቃልሲ ደረጃ ብደረጃ እናዓበየ ኸይዱ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብያተ ምኽሪ ልኣላውነተን ዝረጋገፀሉ፣ በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ምምሕዳራት ሕገ- መንግስታዊ ስልጣኖም ዘረጋግፅሉ፣ ህዝቢ ብዘየድልዮም ኣምሓደርቲ ከምዘይመሓደር ዘረጋግፀሉ ብርኪ በፂሑ። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዝነበረ ጉጅለ ኣብ መላእ ትግራይ እናተሸምረረ ናብ ሓደ ከባቢ ዝእከበሉ ኩነታት እናተፈጠረ ድሕሪ ምኻዱ ኣብ መወዳእታ ወፍሪ እምቢታ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ደይቡ ናብቲ ሐዚ ዘለናሉ ብርኪ ክበፅሕ ኣክኢሉ እዩ።
ወይን፡- ካብ ድሕሪ ሕዚ ህወሓት ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝህልዎ ርክባት ኣብ ምንታይ ዝተደረኽ ክኸውን እዮ? ነዚ ርክብ ዘዐንቅፉ ተግባራት ኣለውዶ? መፍትሒኦም ከ?
ተጋዳላይ ኣማኑኤል፡- መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሞም እዮም። ክልቲኦም ሕድሕዳዊ ኣፍልጦ ተወሃሂቦም እዮም። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ጉባኣቶም ፈፂሞም ዘላቒ ሰላም ከረጋግፁ እዩ ትፅቢት ዝግበረሎም። ስለዝኾነ ክልቲኦም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተጠርኒፎም ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክኣትው እዮ ዘለዎም። እቲ ዝተፈጠረ ፀገም ናብቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝምለስ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተጠርኒፎም ነቶም ፀገማት ክፈትሑ፣ ብቕኑዕ ልቦና ክፍፅሙ እዩ ትፅቢት ዝግበር። ይኹን እምበር ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝረአ ነገር እንተሃለወ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወፃኢ በይናዊ ዝኾነ ውሳነታት ይውሰን እዩ። ኣብ ክልላት ይኹን ወሰናት ሕቶ ክህልው እንከለው በይናዊ ዘይኮነስ ብመሰረት ሕገ መንግስቲትን ነዚ ስዒቦም ብዝወፁ ሕግታትን ኣዋጃትን እዩ ክፍፀም ዘለዎ። ይኹን እምበር ኣብ ልኣላዊ መሬት ትግራይ ካብ ካልእ ክልል ኣምፂእኻ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ዝሰፍረሉን ንልኣላዊ መሬት ትግራይ ብሪፈረንደም ክትውድእ ምሕሳብን ኣንፃር እቲ ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተፈፀመ ስምምዕነት እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ ሕጋዊ ስውነት ውድብ ህወሓት ዝምልከት እውን እዚ ውድብ እዚ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍለጦ ተዋሂቡዎ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶርያ ኮይኑ ዝመፀ ውድብ እዩ። ኣብ 2013 ዓ/ም ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ “ተሰሪዙ” ዝተብሃለ ውድብ ኣብ 2015 ዓ/ም ናብ ሰላማዊ ማዕቀፍ ተመሊሱ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ተፈራሪሞም እዮም። ይኹን እምበር ሓዱሽ ሕጊ ብምውፃእ ህወሓት ነባር ሕጋዊ ሰውነት ከይረክብ ይግበር ኣሎ። ግዝያዊ ምምሕዳር ዝጣየሸሉ መስርሕ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ኮይኑ ከብቅዕ ኣዋጃት ኢድ ኣእታውነት እናጠቒስካ፣ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ውድብ ህወሓት ተደጋጋሚ በይናዊ መግለፂ ዘውፀእሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብቅኑዕ ልቦና ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም መስዓሪ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ። ገና ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልቲኣዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣየካየዱን። ክጠናኸሩ ክዓብዩ ዝግበኦም ርክባት ኣይዓብዩን ዘለው። እዚ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ናብ ሓደጋ ዘእትው እዩ። ፅቡቕ ኩነታት ኣይኮነን ዝፈጥር ዘሎ። ውሳነታት እንተሊኦም ብስምምዕ ፕሪቶርያ እዮም ክኸዱ ዘለዎም። ካብዚ ወፃኢ ዝኸይድ እንተኾይኑ ግን ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ዝጎድእ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብዚ ሓሊፉ ንመላእ እዛ ሃገር፣ ንቐርኒ ኣፍሪካ ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝጎድእ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃናፂ ብዝኾነ፣ ዘላቒ ሰላም ብዘምፅእ፣ ቅኑዕ ልቦና መሰረት ዝገበረ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ማእኸል ዝገበረ፣ ኣካያይዳ እዩ ክኽተል ዘለዎ።