“ሓሳብናን ተግባርናን ሰላም ምፍጣር እዩ። ንሰላም ዘጠራጥር ዘስግእ ነገር የብሉን” ኣቦ ወምበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ሕልሙ ንውድብና ህወሓት ኣፍሪሱ፣ ስትራተጂክ ዓቕምታት መኸተና በቲኑ፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣዳኺሙ ኣብ ትሐቲ ፀላእቲ ክወድቅን ክንብርከኽን ምግባር እዩ። ነዚ ድማ ምስ ውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ተላፊኑ ህርፋን ስልጣኑ ንኽብሕት ኩሉ ዓይነት ርብርብ እናገበረ ፀኒሑ። ይኹን እምበር ውድብና ህወሓት ንኹሎም ስትራተጂክ ዓቕምታት መኸተ ብምትሕብባር ውሕሉል ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ወፍሪ እምቢታ ብምክያድ እዚ ጠላም ጉጅለ ካብ ዝሓዞ ስልጣን ክእለ ተገይሩ እዩ። እዚ ጠላም ጉጅለ ህዝቢ እናደናገረሉ ዝፀንሐ ናይ ኣሰላልፋ ባህሪኡ ምስተቓለዐ ናብ ደምብኡ ተፀንቢሩ ኣሎ። ብኣንፃሩ ኣብ ህዝባዊ ዕላምኡ ጠጠው ዝበለ ውድብና ህወሓት ረብሓታትን ባህግታትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘረጋግፀሉ፣ ብሄራዊ ኣጀንዳታቱ ናብ ዝዝትየሉ ኩነታት ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ብመንፅር እዚ ኣብዚ ቐረባ ብብርኪ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ዝተኻየደ ኣኼባ ቀንዲ ትሕዝትኡን መንፈስን እቲ ዝተኻየደ ኣኼባን፣ ቐፀልቲ ኣንፈታትን፣ ህወሓት ምስ “ሻዕብያ ይራኸብ እዩ” ዝብል ዝቐርብ ተደጋጋሚ ክስን መስማዕታን መበገሲኡ እንታይ እዩ? ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታትን ኣመልኪትና ምስ ኣቦመንበር ውድብና ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዘካየድናዮ ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ተዋዲዱ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!
ወይን፡- ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ህወሓት ብብርኪ ማእኸላይ ኮሚቴን ላዕለዋይ ኣመራርሓን ዘካየዶ ኣኼባ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ቀንዲ ትሕዝቶን መንፈስን ናይቲ ዘካየድክምዎ ኣኼባን ቀፀልቲ ኣንፈታትን እንታይ ነይሩ?
ዶ/ር ደብረፅዮን፡- ኣብዚ ቀረባ እዋን ብብርኪ ማእኸላይ ኮሚቴን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ስሩዕ ኣኼባ ነይሩ። ኣብዚ ኣጠቓላሊ ገምጋም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ህልው ኩነታት ዓለምና፣ ኣህጉርና፣ ኢትዮጵያን ብፍላይ ንትግራይ ዝህልዎ ፅልዋ ብዕምቆት ገምጊሙ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ጅቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ ዘለው ዓለማውን ከባቢያውን ፀገማት ትሕዝትኦምን ኣብ ብሄራዊ ረብሓና ዘለዎም ኣሉታዊ ሳዕቤንን ንዓና ብዘለዎም ትርጉም ተዘትዩሎም ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ መድረኽ እውን ክንድቲ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ መድረኽ ግፍሕ ዝብለ ዋላኳ እነተዘይኮነ ነቶም ቀንዲ፣ ቀንዲ ነገራት ዝተርኣየሉን ንዓርስና እውን ክንዳሎ ዝገበረና መድረኽ እዩ ነይሩ። ቀንዲ ትኹረት እቲ ዝተኻየደ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ። ስለዚ ኣብ ጎረቤት ዓዲ ይኹን ክልላት ትኹረት ገይርካ መርኣይ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ ክኸውን እዩ ዘለዎ። ንውሽጥና እውን በዚ መንገዲ እዚ እናረኣና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ትዕበ ትንኣስ ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ይንኪ ስለዘሎ ዓርስና ንምኽኣል ፅዒርካስ፣ ጫኹርካስ፣ ተሓጋጊዝካስ ናይ ዓርሰ ሙርከሳ ስራሕትና ክጠናኽር እዩ ዘለዎ። ስለዚ እቲ ዓለምለኻዊ ኣህጉራዊ ይኹን ሃገራዊ ኣጀንዳ ብጣዕሚ ንዓና እውን ብቐጥታ ዝምልከተና ስለዝኾነ እቲ ዝዓበየ ኣጀንዳና ኣብዚ ጉዳይ እዚ እዩ ነይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ድሕሪ ጉባኤ ዝነበሩ መደባት ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንታይ ከም ዝመስሉ ተራእዮም እዮም። ብመሰረት እዚ ካብ ውድብ ህወሓት ጠሊሙ ዝወፀን ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመን ሓይሊ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ከይወሰደ ቀልጢፉ ክመዓራረ ከምዝነበሮ ተገምጊሙ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሓይሊ እዚ ድሕሪ ጉባኤ ኣካል ህወሓት ስለዘይኮነ ንዓርሱ ኣግሊሉ ንዓርሱ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተቐይሩ ትግራይ ክመልኽ ይንቀሳቐስ ዝነበረ ሓይሊ ስለዝኾነ እዚ ሓይሊ እዚ ንትግራይ ዕዳ ወይ ሸኽሚ ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝሓዞ ሓላፍነት ክለዓል ነይርዎ። ይኹን እምበር ስልጣን መሊኹ ስለዝሓዞ እምብለይ፣ ኣይወርድን እዩ ኢሉ። ነዚ ድማ ሰላማዊ ቃልሲ “ወፍሪ እምቢታ” ወፍሪ እምቢታ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ህዝብና ይኹን ሰራዊት ትግራይ ኣካይዱ እዩ። ዝተኻየደ ወፍሪ እምቢታ ህዝቢ ዝሓዘ ዝዕወት ምዃኑ ደጊምና ዘረጋገፅናሉ እዩ።
ውፅኢት ናይዚ ወፍሪ እምቢታ ማእኸላይ መንግስቲ ንሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ዝኣክል ኣዘንጊዕዎ ግዜ እንተወሰደ እውን ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ምትካእ ስራሕ ተኻይዱ። ከይዱ፣ ከይዱ በታ 50 ክድመሮ ሓደ ብፅሒት ህወሓት መሰረት ናብ ምትዕርራይ ተኣትዩ እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብቲ ዝነበረ ስሓቦ ጉተቶ ወፂኡ ምስ ህወሓት ሓቢሩ ዝስርሓሉ ምትዕርራይ ተገይሩ።
ብምኽንያት እዚ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ ቦትኡ ክምለስ፣ ብፀላእቲ ዝተትሓዘ መሬትና ሓራ ክወፅእ፣ ከም ውድብ ብቕደም ሰዓብ መደባቱ ክፍፅም ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ። ልዕሊ ኹሉ ዝርአ ምኽባር ሉኣላውነት ኮይኑ ኣብ ካልኦት ጉዳይ ፀጥታ፣ ዳግመ ሕውየትን እግሪ ምትካልን ስራሕቲ ንምርግጋፅ ድማ መደባት ወፂኦም ኣለው። ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ኣጀንዳና ምኽባር ልኣላውነት እዩ።
ወይን፡- ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 50 ዓመት ዝገበረን ዓብዪ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘዋህለለን ውድብ ህወሓት ንምስራዝ እንተወሲኑ ስጉምቲ ህወሓት እንታይ ክኸውን እዩ? ብድሕሪኡ ኸ ክልቲኦም ተደራደርቲ ምስ ውዕል ፕሪቶርያ ዘለዎም ርክባት ከመይ ክቅፅል ይኽእል?
ዶ/ር ደብረፅዮን፡- እዚ ምስ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ምስራዝ ህወሓትን ውዕል ፕሪቶርያን ፈሊና ክንሪኦ እዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ውድብ ህወሓት ሓሙሽተ ግንቦት 2017 ዓ/ም ዝስረዝ ኣይኮነን። ህወሓት ዝተሰረዘ ኣብ ልዕሊና ንዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ክንምክት ምስ ኣተና ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ/ም እዩ ተሰሪዙ። ዛጊድ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት የለን። የግዳስ ድሕሪ ምስራዙ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ዓ/ም “ኣሸባሪ” ዝብል ስም እዩ ተለጢፍዎ። ሕዚ ዝለዓል ዘሎ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ዝመፀ ሓድሽ ምዝገባ ሰርቲፊኬት እዩ። ነዚ ድማ “ኣይንቕበልን” ኢልና ኢና። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ በዛ ሓዳሽ ሰርቲፊኬት ህወሓት ዝረኽቦ ኣፍልጦ ይኹን ረብሓ ዘይምህላው እዩ። ከም ውድብ ንሕና ዝሓተትናዮ ኣብ 2013 ዓ/ም ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ውድብ ህወሓት ክትምለስ እዩ ነይሩ። ንሶም ዝሃቡና ምላሽ “ሓዱሽ ምዝገባ ግበሩ” ዝብል እዩ። “ኣይንቕበልን” ኢልና ብዕሊ ነጊርናዮም ብደብዳቤ እውን ኣፍሊጥናዮም ኢና። ምኽንያቱ ሓምሳ ዓመት ዝገበረ ዓብዩ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘለዎ ውድብ ህወሓት “ብናይ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ዝተመዝገቦ ክትካእ ኣይኽእልን።
ስለዚ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቴክኒካል ፀወታ እዩ። ባዕሎም ዝመዝገብዎ ባዕሎም ክስርዝዎ ይኽእሉ እዮም። ክስርዝዋ ዝኽእሉ ነታ ኣይንቕበላን ዝበልናያ ሰርቲፊኬት እያ። በዚ በለ በቲ ኩሉክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ህወሓት ካብ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ተሰሪዙ እዩ ዘሎ። መረፃ ቦርድ ብዝምዝግቦ ይኹን ብስርዞ ፍቓድ ህወሓት ዝረኽቦ ረብሓ ይኹን ዝጎድሎ ነገር የለን። ህወሓት ዓለም ዝፈልጦ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ውድብ እዩ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለና ፖለቲካዊ ኣፍልጦ በታ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጥራሕ እያ። በታ ስምምዕ ጥራሕ ኢና ሓዴና ንሓዴና ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ተዋሃሂብና።
ካብዚ ብተወሳኺ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ/ም ክጣየሽ እንተሎ እውን ህወሓት ምስ ተሰረዘ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይነበረን። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ የለን። ግዝያዊ ምምሕዳር ንሕናን ፌደራል መንግስትን ሓቢርና ኢና ኣጣይሽናዮ። ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ቅድሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥያሹ “እታ ኣሸባሪነት” ትብል ጠቐነ ክትለዓል እዩ ነይርዋ። ይኹን እምበር “ደሓን ይጣየሽ ምስተብሃለ ሰሓቦ ጉተቶ እውን ከይበዝሕ ኢልና ቅድሚ “ኣሸባርነት” ምልዓሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ ተገይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸ እዩ እቲ “ኣሸባርነት” ዝብል ተላዒሉ።
ሐዚ እውን እታ ምስራዝ እትብል ልክዓ ክትፈልጥ ኣለዋ። ምኽንያቱ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ምስ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር የብሉን። ብሰርቲፊኬት መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዝፈረምናዮ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይኹን ዘጣየሽናዮ ግዝያዊ ምምሕዳር የለን። ህወሓት ተሰሪዙ ዝፀንሐ ውድብ እዩ። ምምዝጋብን ዘይምምዝጋብን ኣብ ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ መረፃ እዩ ክመፅእ ዝግበኦ። ሕዚ ኣብ መረፃ የለናን ልኣላውነት ይከበር፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ ቦትኡ ይመለስ፣ ዝተወረረ ህዝብናን መሬትናን ሓራ ይውፃእ ኢና” ንብል ዘለና። ሐዚ እውን እታ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቐፃሊት እያ። ተሰሪዝኩም ስለዘለኹም ኣይንፈልጥን እንተይሎም ግን ብቅሉዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ ማለት እዩ። ካብዚ ንደሓር እቲ ጎንፂ ምስ ህወሓት ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ግዝያዊ ምምሕዳር በቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝመፀ እዩ። ዋላ ህወሓት ይፈርሞ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኩሉ ዝተቓለሰሉ እዩ። ምኽንያቱ ህወሓት እታ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተራኽቦ ገመድ ስምምዕ ፕሪቶርያ እያ። ብወገንና ዝቋረፅ ነገር የለን ኢና” ንብል ሐዚ እውን ሕጋዊ ሰብነትና ክምለሰልና ክንፅዕር ኢና። ንሕና እታ ሰላም ተጠናኺራ ክትቕፅል እዩ ዝለዓለ ባህግና። መሊስካ ሰላም ናብ ምዝራግ ዝኸይድ እንተኾይኑ ግን ነዚኣ ሓላፍነት ዝወሰደላ ኣካል ንሕና ክንከውን ኣይንኽእልን። ካሊእ ኣካል እዩ ክወስድ ዝኽእል።
ወይን፡- ብብርኪ ፌደራል መንግስቲ ከይተረፈ “ጀነራላት ትግራይን ህወሓትን ዕላውን ሕጋውን ብዘይኮነ መንገዲ ምስ ሻዕብያ ይራኸቡ እዮም” ዝብሉ ተደጋገምቲ ክስታት ይስምዑ ኣለው። እዚ ክስን ስምዕታን መበገሲኡ እንታይ እዩ? ሓቅነቱ ኸ?
ዶ/ር ደብረፅዮን፡- እዚ ነገር እዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተደጋጊሙ ይለዓል እዩ። ንሕና ምስ ኩሉ ሰላም ከም እንደሊ ግልፂ ገይርና ኢና። ከም ዝፍለጥ ምስ ፌደራል መንግስቲ ስምምዕ ገይርና ኣለና። እታ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውግእ ጠጠው ኣቢላ ናብ ዝተሟለአ መንገዲ ሰላም ክተስግረና ተስማዕሚዕና ኢና። እቲ ዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ምስ ሓደ ኣካል ጥራሕ ኣይነበረን። ምስ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዋላ እንተነበረ፣ እዞም ዓድታት ምሳና ብቐጥታ ዘራኽብ ጉዳይ የብሎምን። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም እዮም መፂኦም። ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራ ናብቲ ውግእ ብቐጥታ ኣትዮም እዮም። ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ይኹኑ ክልላት ሰላም ኢና ንደሊ እንተይልና ምስ ኤርትራ እውን ሰላም ኢና ንደሊ። ዝሓለፈ ጎንፂ ነይሩ እዚ ብኣግባቡ፣ ብስርዓት ይተኣለ። ሐዚ ናብ ጎንፂ እንከይኣተና ሰላም ኢና ንደሊ ምባልና ነውሪ የብሉን። ባህግና እግሪ ክንተክል፣ ክንሓዊ ኢና ንደሊ። ልዕሊ ኩሉ ህዝብና ናብ መበረቱ ኣይተመለሰን፣ ልኣላዊ መሬት ትግራይ ኣይተኸበረን። ይትረፍ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይንካ ምስ ምሉእ ዓቕምኻ እውን ኩናት ኣየድልን። ሐዚ እንብሎ ዘለና ዋላኳ ከም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይንፈራረም ምስ ኩሉ ሰላም ኢና ንደሊ። እዚ ምስ ኤርትራ እውን ሓዊስካ ማለት እዩ። እዚኣ ካሊእ ተንኮል እንተዘይሃልዩ ብዝኾነ መዐቀኒ ናብ ስግኣት እትቕየረሉ ምኽንያት የለን። ካልኦት እውን ሕርየኦም ሰላም እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ልዕሊ ኩሉ ንሕና ከም ትግራይ ግን ሰላም ንፍጠር ንሰላም ይስራሕ ኢና ንብል ዘለና። ፌደራል መንግስቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ስለዘለዎ ንሰላም ሓቢሩ ምሳና እናሰርሐ እዩ መፂኡ። ሎሚ ይኹን ፅባሕ ጎንፂ ኣይንድግፍን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ሰላም ክህሉ እዩ ዝግበኦ። ፀገም እንተሃልዩ ብምዝርራብ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ኢና ንደሊ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ምትፍናን ናይ ብሕቶም ጉዳይ ኣይኮነን። ንዓና እውን ዝልክም ስለዝኾነ ሰላም እዩ ሕርያና። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሕና ንውስኖ ኣይኮነን፣ ናይ ዓርሶም መራሕቲ መንግስቲ ዘለውዎም ሃገራት እዮም። ዘለና ፅልዋ ንእሽተይ እዩ ይኹን እምበር ሓሳብናን ተግባርናን ግን ሰላም ምፍጣር እዩ። ስለዚ እታ ናትና ሰላም ምድላይ ብኻልእ ክትርጎም የብላን። ኣብዚ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ሰላም ልምዓት፣ ዝሪኦ ነገር የብሉን።
ኣብዚ ምስ ኤርትራ፣ ፋኖ ሰላም ኢና ንደሊ ስለዝበልና “ዝኾነ ነገር ኣለኩም” ክበሃል የብሉን። ምስ ኤርትራ ይኹን ምስ ካልእ ሰላም ምፍጣር ናብ ስግኣትን ጥርጥርን ዘእትው ኣይኮነን። ካብ ፌደረል መንግስቲ እንፅበዮ እውን ካልእ ኣይኮነን። እታ ዝተጀመረት መስርሕ ሰላም ተጠናኺራ ክትቕፅል ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክትግበር ኢና ንደሊ። ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ጉዳይ ዲዲኣር፣ ስራሕቲ እግሪ ምትካልን ካልኦት ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ጉዳያትን ክትግበሩ እዩ ባህግና። እታ ሰላም ንኹሉ እያ ትረብሕ። ትግራይ ብሕልፊ ስለዝተጎዳእና ኣመና ንደልያ። ኤርትራውያን እውን ጎንፂ ኣይንደልን ዝተረጋገአ ከባቢ ክህልወና ኢና ንደሊ ሰላም እዩ ባህግና እንተይሎም ኩሉ ግዜ ሰላም ምድላይ ንዝኾነ ኣካል ዝጎዳእ ኣይኮነን ኩሎም ባህግታትና ዝፍፀሙ ሰላም ሒዝካ እዩ። ስለዚ ንሰላም ምስራሕ ዘጠራጥር፣ ዘስግእ ነገር የብሉን።