“ግበኣት መሬት ፋሽስት ደርጊ ዝተፈፀመሉን ህዝብታት ሓራ ዝወፅሉን ታሪኽ 20 ጉንበት እናተኾለዐን እናተዘከረን ናብ ውሉድ ወለዶ ንኽመሓላለፍ ኩሉ ብፅሒቱ ክፍፅም ኣለዎ፤” ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ገሊፆም።
ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ነዚ ዝገለፁ መበል 34 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣመልኪቶም ብፍሉይ ምስ ምስነዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት እዩ። ውፅኢት 20 ግንቦት ዝኾኑ ኣብ መላእ ሃገር ተረጋጊፆም ዝነበሩ ሰላም ዲሞክራሲ፣ ልምዓት ብቐሊሉ ዝመፁ ዘይምዃኖም ዘመላኸቱ ዶ/ር ኣብርሃም፤ ነዚ ረዚን መስዋእቲ ህይወትን መጉዳእቲ ኣካልን ተኸፊልዎ ዝተረኸበ ዓወት ብልክዑን ብትርጉሙን ምፍላጥን ኣብ ተግባር ምውዓልን ከምዘድሊን ነዚ ወርቃዊ ታሪኽ እዚ ናብ ውሉድ ወለዶ ንምትሕልላፍ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ክካተት ሙሁራት፣ ተመራመርቲን ሚድያታትን ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዶም ኣብ 27 ዓመት ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት፣ ዝነበሩ ጉድለታት ክትንትንዎ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ኣብዛ ሃገር ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ንምርግጋፅ ብዙሕ መስዋእቲ ህይወትን መጉዳእቲ ኣካልን ከምዝተኸፈለን ናይዚ ውፅኢት እውን ቅድሚ 1983 ዓ/ም ኢትዮጵያ ብጥምየትን ኵናትን ስማ እትለዓል፣ ፍልፍል ህውከትን ዕግርግርን ዝነበረት ዓዲ ድሕሪ ዓወት 20 ጉንበት ውሑስ ሰላም ከምፅኡ ዝኽእሉ ፖሊሲታት ተቐሪፆም ተግባራዊ ብምዃኖም መሰል ዜጋታት ዝተኸበረላ፣ ህዝብታት ዓርሶም ንዓርሶም ከመሓድሩ፣ ባህሎምን ቋንቋኦምን ከማዕብሉላን ልምዓት ክረጋገፀላን ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጦም።
ኣብ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲ እዛ ሃገር ኣመልኪቶም ድማ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ህውከትን ኩናትን ዝረኣየላ ዝነበረት ኢትዮጵያ ድሕሪ ዓወት 20 ግንቦት ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲ ተቐሪፁ ሓበራዊ ረብሓና ማእኸል ዝገበረ ሰላማዊ ዝምድና ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብምፍጣር ናብ ሰላምን ልምዓትን ከምዝተሰጋገረት ዶ/ር ኣብረሃም ግልፂ ገይሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ግንቦት 1983 ዓ/ም መጠን ድኽነት 60 ሚኢታዊ ከም ዝነበረን ብዝተገበረ ለውጢ ፖሊስን ፃዕርን ኣብ 2008 ዓ/ም እቲ መጠን ድኽነት ናብ 24 ምኢታዊ ከምዝወረደ ዝሓበሩ ዶ/ር ኣብረሃም፤ ልዕሊ 60 ምኢታዊ ዜጋታት እዛ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ጥሜትን ፀገማትን ከምዝነበሩን ሓደሽቲ ፖሊሲታት ልምዓትን ሰላምን ተቐሪፆም ናብ ተግባር ድሕሪ ምእታው ግን ኣብቲ ናይ መጀመርታ 10 ዓመት (ካብ 1984 ክሳብ 1994 ዓ/ም) ኣብ ዘሎ እዋን ቁጠባዊ ዕብየት እዛ ሃገር ብሓሙሽተ ምኢታዊ እናዐበየ መፂኡ ድሕሪ 1996 ዓ/ም ድማ ብፍላይ ድሕሪ ተሃድሶ ብ10 ምኢታዊ ከምዝዓበየ ሓቢሮም።
ኣብዚ ቁጠባዊ ዕብየት ምርግጋፅ ጥራሕ ዘይኮኑስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ህዝቢ ዝተርኣየሉ ኣብ ስራሕቲ ትሕተ ቅርፂ፣ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መንገዲ፣ ማይ፣ ቴሌ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወዘተ ብገፊሑ ንህዝቢ ዝቀረበሉ መነባብሮ ህዝቢ ብርኡይ ዝተመሓየሸሉ ቁጠባዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተመሓየሸሉ እዋን ከም ዝነበረ ኣረዲኦም። ብዘይካ እዚ ዜጋታት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመኦም ብማእኸላይ መዐቀኒ ትሕቲ 40 ዓመት ዝነበረ ናብ 65 ዓመት ክብ ዝብለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ምንባሩ ወሲኾም ዘብርሁ ዶ/ር ኣብርሃም፤ በዓል ሃፍቲ ምዃን ወንጀል ገይርካ ዝረኣየሉ ዝነበረት ሃገር ህወሓት ኢህወዴግ በትረ ስልጣን ምስሓዘ በዝሒ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ፣ ኢንቨስተራት ዝፈረየላ ሃገር ኮይና ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም።
ዶ/ር ኣብረሃም “ፀረ ሰላምን ልምዓትን ሓይልታት ፍርያትን 20 ጉንበት ዝኾኑ ንምህሳስ 27 ዓመት ዘመነ ኢህወዴግ፤ እዋን ፀልማት ከምዝነበረ ዝገልፀሉ ምኽንያትን እቲ ኣብ ባይታ ዝንበረ ሓቂን ኣነፃፂሮም ክገልፁልና ንዘቕረብናሎም ሕቶ እንትምልሱ ፍርያታት 20 ጉንበት ክትሓብኦም ኢልካ እውን ዝሕብኡ ከምዘይኮኑን እዛ ሃገር ብፍላይ ቅድሚ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት በፂሓቶ ዝነበረት ደረጃ ምርኣይ ጥራሕ እኹል ከምዝኾነ ግልፂ ገይሮም።
ድሕሪ ዓወት 20 ግንቦት አብ 2008 ዓ/ም 24 ምኢታዊ ዝነበረ መጠን ድኽነት ኣብ 2013 ዓ/ም ብዝተፈጠረ ኩነታት ናብ 33 ምኢታዊ ከምዝዛየደን ስዒቡ እውን ሰፊሕ ስእነት ስራሕ፣ ምኽባር ናብራ ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ዶ/ር ኣብርሃም ሓቢሮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተሃኒፆም ዝበሃሉ ፕሮጀክትታት ልምዓት ንህዝቢ እዚ ዝበሃል ረብሓ ዘይብሎም ህንፀት ቤተ መንግስቲ፣ ሎጃትን መናፈሻታትን ኮይኖም ከምዘለው ኣፍሊጦም።
ኣብ ጉዳይ ሰላም ፀጥታን ኣመልኪቶም ድማ ዜጋታት እዛ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዘይዝኾነ ይኹን ስግኣት ተንቀሳቒሶም፣ ሰሪሖም ንዓርሶምን ንህዝቦምን ኣብ ዝረብሕ ስራሕ ዝዋፈሩላ ዝነበረት፣ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ትጥር ዝነበረት ዓዲ ሐዚ ይትረፍ ብነፃነት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተንቀሳቂስካ ክትሰርሕን መነባብሮኻ ክተመሓይሽን ብህይወት ንምንባር እውን ጋዶ ዝኾነሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣረዲኦም።
በቢዓመቱ ግምቱ ልዕሊ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝፈስሰላ ዝነበረት፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሃወፅቲ፣ ወፃእተኛታት ከምልቦም ዝመላለሱላ ዝነበረት ሃገር ኣብዚ ሐዚ ይትረፍ ናይ ደገ ዜጋ ዜጋታት እውን ከም ልቦም ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ዘይምለሱላ ኣብ ብዙሓት ክልላት እዛ ሃገር፣ ጎንፂ፣ ውግእ ዝካየደላ ዓዲ ኮይና ከምዘላ፣ ናይዚ ምኽንያት እውን እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ሓይሊ ንክብርታት 20 ግንቦት ሃደሽደሽ ብምባሉ ከምዝኾነ ዶ/ር ኣብረሃም ሓቢሮም።
ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተጀመረ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ምጥንኻር ንመሰል ህዝብታትናን ብሄር ብሄረሰባትን ሃደሽደሽ ኣቢሉ ክልላት ብተግባር ዓርሰን ዘየመሓድራሉ፣ ዘይውስናሉ ኩነታት ከምዘሎን ማእኸላይ መንግስቲ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዓርሱ ዝሸመሉን ዘውረደሉን ኩነታት ከምዘሎ እዚ ብዘይምቕባል ድማ ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ዘረጋገፆ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ከኽብር ኣብ ህዝባዊ መኸተ ምፅንሑን ሕዚ እውን ሰላማዊ ቓልሱ ከጠናኽር ከምዘለዎ ሓቢሮም።