ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ወሰኽ ወርሓዊ ክፍሊት ተምሃሮ ንዝገብራ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ፡፡
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ፤ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ወርሓዊ ክፍሊት ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመልኪቶም ንማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብዝሃብዎ መግለፂ፤ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንስራሕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብዝጥዕም መንገዲ ደረጃ ከምዝወፀለንን ንተምሃሮ ዘኽፍለአ ወርሓዊ ክፍሊት ትምህርቲ ብመሰረት ዝተውሃበን ደረጃ “ዝለዓለን ዝተሓተን” ብዝብል ተነፂሩ ዕላዊ ክሳብ ዝግበር ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብዝነበረ ክፍሊት ጥራሕ ክቕፅል ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም፡፡
ካብ ክፍሊት ክውሰኽ ዘይከኣል መምርሕን ኣሰራርሓን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ወፃኢ ብስልጣነን ወሰኽ ክፍሊት ተምሃሮ ዝውስኻ፣ በዚ ምኽንያት ተምሃራይ ዘባርራን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘተዓናቕፋን ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ፍቓደን ካብ ምምንጣል ጀሚሩ ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ዘየላጢ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደለን ዶ/ር ኪሮስ ኣፍሊጦም፡፡
ብምሸታውን ብርሕቐትን ንዘምህራ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ እውን በቲ ዝፀንሐ ክፍሊት ተምሃሮ ክቕበላን እቲ ውሳነ ተግባራዊ ክገብራን ከምዘለወን ዝሓበሩ ዶ/ር ኪሮስ፤ “ኢንተርናሽናል ኣብያተ ትምህርቲ ኢና” ብዝብል ኣብ ወሰኽ ክፍሊት ተምሃሮ ልዕሊ ዓቐን ዘኽፍላ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘለዋ ዛጊድ ኣብ ትግራይ “ኢንተርናሽናል ዝበሃል” ውልቀ ቤት ትምህርቲ ከምዘየለን እንተሃልዩ እውን ካብ መምርሕን ኣሰራርሓን ቢሮ ትምህርቲ ወፃኢ ክኸውን ከምዘይኽእል ወሲኾም ገሊፆም፡፡
ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ መተሓባበሪ ኣፍልጦን ሕድሳትን ትካላት ትምህርቲ ዝኾኑ መምህር ፀጋይ ነጋ ብወገኖም፤ እቲ ኤጀንሲ ተምሃሮ ንደረጅኦም ዝምጥን ክእለትን ፍልጠትን ጨቢጦም ክኸዱ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸል ፍልጠት ኮይነን ወለዶ ክሃንፃ ኣድላይ ዝብሃል ደገፍ እናተገበረ ከምዝመፀ ሓቢሮም፡፡ ይኹን እምበር ኣብዝበዝሓ ወልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ መምርሒ ኣኽቢርካ ኣብ ክንዲ ምኻድ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ጥራሕ ተፀሚደን ንምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ንተምሃሮ እኹል ፍልጠትን ክእለትን ክጭብጡን አብ ምግባር ፀገማት ይፈጥራ ምህላወን ግልፂ ገይሮም፡፡
ነዚ ፀገም እዚ ንምቕራፍ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከባ ብዘይኣፍልጦ ዘምህራ ኣፀደ ህፃናትን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ብመርሃ ግብሪ ስርዓተ ትምህርቲ /ቀለንተን/ ንኽምርሓ ምስ ሰብ ዋና እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ክልተ መድረኻት ከምዝተፈጠሩ ዝሓበሩ እቶም መተሓባበሪ፤ ብመሰረት እዚ ናብቲ ደረጃ ብቕዓት /ስታንዳርድ/ ዝኣተዋ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ፍቓድ ክወሃበን ብኣንፃሩ ከማልአኦ ካብ ዝግበአን ልዕሊ 55 ምኢታዊ እታዎታት ትምህርቲ ዘየማልኣ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ክዕፀዋ ከምዝግበር ሓቢሮም፡፡ ነዚ ግንዛበ ብምትሓዝ በብደረጅኡ ዘሎ ኣካል ነዚ ከተግብርን ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ነዚ መስርሕ እዚ ተኸቲለን ክኸዳ ከምዘለወንን መምህር ፀጋይ ግልፂ ገይሮም፡፡
ቕድም ክብል ብሰንኪ ፅንተታዊ ወራር ተመዛባላይ ኣብ ዝበዝሐንን በዝሒ ጠለብ ተምሃሮ ኣብዝነበረንን ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ እንዳስላሴ ሽረ፤ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘይኣፍልጦ ከምህራ ተፈቒዱለን ከምዝነበረን ካብ ዝቅፅል ሓዱሽ ዓመት ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ግን ብስሩዕ ሕቶ ኣቕሪበን ብመሰረት ስታንዳርድ ተመዚነን ንኽቕፅላ ወይ ጠጠው ንኽብላ ከምዝውሰነለን ኣፍሊጦም፡፡
ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ማእኸላይ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ መቐለን ምብራቕን፣ ኣብ ዝርከባ 11 ወረዳ ኣብ ዘለዋ 33 ኣፀደ ህፃናትን ሸውዓተ ቀዳማይ ብርኪን ብድምር 40 ኣብያተ ትምህርቲ ብዘይኣፍልጦ ቢሮ ትምህርቲ ተምሃሮ ተቐቢለን እናምሃራ ከምዝሓገያ መ/ር ፀጋይ ሓቢሮም፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ሕጋውነት ኣፍልጦ ክረኽባ እንተዘይኪኢለን ብዘይኣፍልጦ ተምሃሮ ተቐቢለን ከምህራ ከምዘይኽእላን ክዕፀዋ ከምዝግበርን ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡
ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቢሮ ትምህርቲ ኣፍልጦ ዝሃበንን ሐዚ ብጭቡጥ ኣብ ስራሕ ዝርከባን 1843 መንግስታዊ፣ 110 ናይ ውልቀ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከምኡ እውን 228 መንግስታዊ፣ 17 ናይ ውልቀ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘለዋ ዝፍለጥ እዩ፡፡
Gazeta Woyen
