ጋዜጣ ወይን ዕላማታት ህወሓት ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥ ኣንፃር ብሄራዊን ደርባውን ወፅዓታት ክነቅሕ፣ ክውድብን ክቃለስን ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዝነበራ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ገሊፆም።
እቶም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ነዚ ዝገለፁ ብምኽንያት መበል 51 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲትን መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዮ ምስረታ ጋዜጣ ወይንን ብፍሉይ ንጋዜጣና ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕተት እዩ።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃድቃን /ገብረ ዓዴት/ ከምዝሓበሮ፤ ጋዜጣ ወይን ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ኣብ ምውዳብን ዕላማታት ውድብ ኣብ ምፍላጥን ዓብይ ግደ ነይሩዋ። ኣስዒቡ፤ ህዝቢ ዕላማታት ውድብ ፈሊጡ ወይኑ ዓጢቑ ክቃለስ ኣብ ምግባር፣ ተጋዳላይ ህወሓት ፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ ክሰፍሕ፣ ወነ ጅግንነቱን ሰዓራይነቱን ብምሕያል ፀላእቱ ክምክት ኣብ ምግባር ዝለዓለ ተራ ከምዝነበራ ሓቢሩ።

“ወይን ንኽትጋደል ዕጥቅን ስንቅን እናኾነት ምእንተ ህዝቢ ክቡር መስዋእቲ ንኽትከፍል ዝገብሩ ፅሑፋት ሒዛ ትወፅእ ነይራ፤” ዝበለ ተጋዳላይ ገብረ ገብረፃድቃን፤ ኣብ ትሕዝቶታት እቶም ፅሑፋት ኣመልኪቱ እንትገልፅ፣ ጋዜጣ ወይን ተራ ፅሑፍ ሒዛ እትወፅእ ዘይኮነትስ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሖ ካብ ዝነበረ ደርባውን ብሄራውን ጭቆናን መግዛእትን ንኽወፅእ ተወዲቡ ተቓሊሱ ንኽፈትሖ እዋናውን ፅፁይን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዝለዓለ ግደ ምፅዋታ ኣገንዚቡ።
ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበሩ ናይ ሰላም ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ዓመታት ብፍላይ ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መስመር ምስተነፀረ፣ ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ወይን ዝለዓለ ብፅሒት ከምዝነበራን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመት ህዝባዊ መኸተ ንምሕንሻሽ ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈለ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንምንቁሻሽ ዝዘመቱ ጠላማት ኣብ ምቅላዕ ወይን ኣብ ጎኒ ህዝብን ሰራዊትን ተሰሊፋ፣ ህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ፣ ኣብ ቅኑዕ ዕላማ ተሰሊፉ ክቃለስ ዝተፃወተቶ ግደ ልዑል ምዃኑ ግልፂ ገይሩ።
ካልእ ዘዘራረብናዮ ነባር ተጋዳላይ ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ) ብወገኑ፤ ጋዜጣ ወይን ንህዝቢ ትግራይ ፅሑፍ ትግርኛ ዘለማመደትን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ዓሸራ ዘንበረን በኳር ልሳን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነት ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ሕሉፍ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንቕሓተ ህሊና ህዝቢ ሓፍ ክብል ኣብ ምግባር፣ ወነ ቃልሲ መናእሰይ፣ ሓረስቶትን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ኣብ ምልዕዓል፣ ህዝቢ ትግራይ ደሃይ ተጋደልቲ ደቁ ክፈልጥ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ዝነበራ ልሳን ከምዝኾነት ግልፂ ገይሩ።

“ወይን ነቲ ተቓላሳይ ወነ ቃልሲ ኣብ ምልዕዓል ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ሓደ ነገር ኮይኑ ንፀላእቲ ድማ ብስርዒት ከተማ ኣቢልካ ናብ ኢድ ፀላኢ ክትኣቱ ብምግባር ክብህርሩን ክርዕዱን ትገብር ነይራ፤” ዝበለ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክህልው እንከለው ሒዛቶ ትመፅእ ዝነበረት ፅሑፍ ምይይጥ፣ ክትዕ ተገይሩ ናብ ሓደ መደምደምታ ይበፅሕ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ክፍልታት ህወሓት ብሱላት ክተዓት፣ ምይይጣት ክካየዱ ፖለቲካዊ ንቕሓት እቲ ተጋዳላይ ክብርኽ ዕጥቅን ስንቅን እቲ ተጋዳላይ ኾይና እተገልግል ልሳን ከምዝነበረት ተጋዳላይ ብርሃነ ይገልፅ።
ካብዚ ብተወሳኺ፤ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ቃልሲ ክድግፍ፣ ምድጋፍ ጥራሕ እውን ዘይኮነስ ኢዱ ሓዊሱ ክቃለስ፣ ኣብ ምግባር ጠንካራ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ውዳበታት ክህሉ ኣብ ምግባር ግደ ወይን መተካእታ ከምዘይብሉን እቶም ፀኒሖም ዝመፁ ሚድያታት እውን መሰረቶም ጋዜጣ ወይን ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።
ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ እውን ኣብ መፈለምታ ኣብ ዳግመ ሕውየትን እግሪ ምትካል ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ወይን ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዳ ትሰርሕ ከም ዝነበረትን ብፍላይ ቀንዲ ፀላኢና “ድኽነት” ከምዝኾነ ምስተነፀረ ድኽነት ንምቅላስ ዘኽእሉ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ናብ ህዝቢ ክሰርፁ ኣብ ምግባር ወይን ኣበርክቶኣ ዝለዓለ ምዃኑ ተጋዳላይ ብርሃነ ሓቢሩ። ብፍላይ ናይ ሰላምን ልምዓትን ፖሊሲ ተቐሪፁ ናብ ተግባር ምስተሰጋገረ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ገፀርን ከተማን ዝሰርሑ ስራሕቲ ኣፈፃፅመኦም ኣብ ምክትታል፣ ብሉፃት ተሞክሮታት እናቐመረት ብጋዜጣ፣ ብመፅሄት ኣብ ምትሕልላፍ፣ ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ኣብ ምርግጋፅ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ብስለት ዘለዎም ፅሑፋት ሒዛ ትቐርብ ምንባራ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ናይ ቀረባ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ ብፍላይ ጉጅለ ክሕደት ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ እዋን ካብቶም ታሪኽ ዘይርስዖ ወርቃዊ ስራሕቲ ሚድያ ወይን እቲ ሓደ ካልኦት ሚድያታት መሬት ብቐትሩ ጠሊመን ፈረኽረኽ ኣብዝበላሉ ወይን ከምሓንቲ ሓሙስ በይና ጠጠው ኢላ ኣብ ጎኒ ህዝብን ውድብን ተሰሊፋ ምቅላሳ ካብ ሕልና ህዝቢትግራይ ከምዘይጠፍእ ተጋዳላይ ብርሃነ ሓቢሩ።
ነባር ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ (ወዲ መድህን) ብወገኑ ወይን ኣበቲ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ህዝቢ ትግራይ ክነቅሕ፣ ክውድብን ክቃለስን ኣብ ምግባር ብፍላይ ፅሑፋት ወይን ብስርዒት ኣቢልካ ናብ ህዝቢ እናተበተኑ ወነ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምልዕዓል፣ ህዝብን ኣባልን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ መንገዲ ኣብ ምሕባር፣ ኣብ ቃልሲ ዝተረኸቡ ዓወታት ንህዝቢ ኣብ ምብሳር ዝለዓለ ግደ ከም ዝነበራ ይገልፅ።

“ኣብ ብልሒ ጫፍ እቲ ቃልሲ ንዘሎ ተጋዳላይ ረብሓ ህዝቢ ሸኻሉ ገይሩ ክቃለስ፣ መእንተ ወፅዓ ህዝቡ ክቡር መስዋእቲ ክኸፍል ከምዘለዎ ብሕታዊት መንቅሒትን መመያየጢትን ልሳን ነይራ፤” ዝብለ ተጋዳላይ ብርሃነ (ወዲ መድህን)፤ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳባት ናይ ሓሳብ ምትሕውዋስ ወይ ኣፈላላያት እንትፍጠሩ ኣብ ሕድሕድ ተጋዳላይ ንፅረት ሓሳባት ክህሉ ኣብ ምግባር ኣበርክቶኣ ዝለዓለ ምንባሩ ገሊፁ። ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት ነቲ ቃልሲ ዘበርኹ ውሳነታት ከመይ ናብ ታሕቲ ወሪዶም ተግባራዊ ክኾኑ ከምዘለዎን፣ ኩሉ ተጋዳላይ ወይኑ፣ ወያናይ ባህሪ ክላበስ፣ ወያናይ ስብእና ክህልዎን መንፈስ ሰዓራይነቱ ከሐይልን ኣብ ምግባር ወይን ዘይትካእ ግደ ከምዝነበራን ኣብዚ እዋን መኸተ እውን ታሪኽ ዘይርስዖ ንሓቂን ንትክክለኛ ዕላማን ወጊና ዝተቓለሰት ሚድያ ከምዝኾነት ሓቢሩ።
ወይን 50 ዓመት ተቓሊሳ ዘቃለሰት ልሳን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነትን ብቐፃሊ ንእተሕልፎም መልእኽትታት ከከም ኣድላይነቱ ንኹሉ ንኽባፃሕ ብቴክኖሎጂ፣ ኣወዳድባን ሓይሊሰብን ንምዕጣቕ ከምዝስራሕ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት መበል 51 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓትን መበል 51 ዓመት ምስረታ ጋዜጣ ወይንን ኣመልኪቶም ብፍሉይ ምስ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
Gazeta Woyen
