ውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊ ዘይምፍፃሙ ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ይካየድ ከምዘሎ ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ዶብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።
ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፁ፤ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያን ካልኦት ዓበይቲ ውድባውን ክልላውን ጉዳያትን ኣመልኪቶም ምስምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ብፍሉይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዩ።
ውዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ኩናት ናብ ሰላም ዘሰጋገረ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ስሩዕ ስራሕ መንግስቲ ምጅማሩ ከምእወንታ እቲ ውዕሊ ከምዝረአ ዝሓበረ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ብዘይምውፅኦም ግና ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፤ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሓራ ክወፅእ ከምዘይከኣለ ኣዘኻኺሮም። ፖለቲካዊ ዘተ ዘይምጅማሩን ጀኖሳይድ ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ትግራይ ተሓታትነት ዘይምርግጋፁ ብኣሉታ ዝረአ ተግባር ከምዝኾነን ተኹሲ ጠጠው ምባል ጥራሕ ንመንቀሊ እቲ ፀገም መፍትሒ ክኸውን ከምዘይኽእል ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ፌደራል መንግስቲ ውዕል ፕሪቶርያ ካብዘይምፍፃም ሓሊፉ ነቲ ስምምዕ ዝጥሕሱ ተግባራት ይፍፀምን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝሽርሽሩ ተግባራት ይሰርሕን ከምዘሎ፤ ነዚ መርኣዩ ዝኸውን ድማ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ነዳዲ ብምኽልካል ህዝቢ ትግራይ ካብ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓሳት ብምትእጉጓል፣ ተመዛበልቲ ተኸታተሊ ሓገዝ ከይረኽቡ ብምግባርን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ብረት ዘቅንዑ ዕጡቓት ኣብ ምስልጣን፣ ምውዳብን ምውፋርን ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ውዕሊ ፕሪቶርያ ይፍፀም ከምዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መብርሂኦም ብኣፅንኦት ገሊፆም።
ዶ/ር ደብረፅዮን ብተወሳኺ፤ ሞንጎኛ ዝኾኑ ከምኣፍሪካ ሕብረትን፣ ካልኦት ዲፕሎማት ዝተፈላለዩ ሃገራትን ናይ ምሽምጋል፣ ምክትታል፣ ምግምጋምን ፀቕጢ ናይ ምፍጣርን ስራሕቲ ከሰርሑ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግን ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ዓርሱ ዝኾነ ውሱኑነት ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።
“ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ትካላዊ እዩ ነይሩ፤” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ እቲ ስምምዕ “ስለ” ህወሓትን “ስለ” ፌደራል መንግስትን ብዝብል ዝተፈረመ እምበር ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዝተገበረ ስምምዕ ከምዘይኮነ፣ እቲ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ዝዝረብ ዝተዛበዐ ኣገላልፃ ክእረም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
ፌደራል መንግስቲ ንፈራሚ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝኾነ ህወሓት “ኣይፈልጠካን” ምባሉ ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዘኾነን እዚ ድማ ሰላም ዘምፅእ ተግባር ዘይኮነስ መስርሕ ሰላም ዝጥሕስን ናብ ጥፍኣት መንገዲ ዝወስድን ከም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ተረዲኡ ነዚ ተግባር እዚ ክኹንኖ ከምዝግባእ ዶ/ር ደብረፅዮን ፀዊዖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር እዛ ሃገር ዶ/ር ኣብዩ ኣብ መወደእታ ወርሒ መስክረም 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተፀወዐ ፓርላማ (ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ) ቀሪቡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ዝተገበረ ስምምዕ ዘይኮነስ ምስ ውልቀ ሰባት ዝተገበረ ስምምዕ ከምዝኾነን ብምብራህ፣ ነቲ ኣንፃር ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፈ ጉጅለ መሳርሒ ገይሩ ብምጥቃም ውዕሊ ፕሪቶርያ ብቕሉዕ ናይ ምፍራስ ኣካያይዳ ይኽተል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብዝሃና ርእይቶ ምግንዛብ ክኢልና ኣለና።
Gazeta Woyen
