ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ንጊዜኡ ጠጠው ኣቢልካ ስርዓት ንምትሓዝ ዝተጀመሩ ስራሕ ብምጥንኻር ሕጋዊ ተግባራት ከምዝዕመሙ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣይተ ወልደኣብርሃ ገ/ፃድቕ ገሊፆም።
ኣይተ ወልደኣብርሃ ነዚ ዝገለፁ፤ ኣብ ተፈጥራዊ ሃፍትታትን ፀጋታትን እቲ ዞባ፣ ብዶዞራትን ኬሚካላትን ተጠቒምካ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ኣብ ሰብን እንስሳን ዘብፀሖ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ሓደጋን ነዚ ደው ንምባል ዝተወሰደ ስጉምትን ብዝምልከት ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየድዎም ቃለ መሕትት እዩ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወርቂ፣ ብሩር ኮፐርን ካልኦት ተፈጥራዊ ፀጋታት መዓድናት ከምዘለውን ብፍላይ መዓድን ወርቂ ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ እቲ ከባቢ ብባህላዊ መንገዲ እናውፀኡ ተረባሕቲ እናኾኑ ከምዝፀንሑ ዘረድኡ ኣይተ ወልደኣብርሃ፤ ኣብ ትግራይ ፅንተታዊ ወራር ድሕሪ ምፍፃሙ ግን ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ብመሽነሪታትን ኬሚካላትን ዝተደገፈ ቕጥዑ ዝጠፍኦ ዕደና ወርቂ ይካየድ ብምህላው ሰብ፣ እንስሳትን ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝለዓለ ጉድኣት ይበፅሕ ምህላው ኣረዲኡ።
ነቲ ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወትን ብኽለት ኣየርን ጠጠው ንምባል ብብርኪ ክልል ምክትል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ፣ ሸውዓተ ኣባላት ዝርከቡዎም ዓበዪ ኮሚቴ ተጣይሹ ምስ ኣካላት ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳን ኣካላት ፀጥታን ብሓባር ብምዃን ነቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ስርዓት ንምትሓዝ ይስራሕ ምህላውን ውሱን ውፅኢት ክረአ ምጅማሩ እቶም ኣመሓዳሪ ኣገንዚቦም።
ኣይተ ወልደኣብርሃ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን ዝተዋፈራ ዶዘራት፣ ስካቫተራት፣ ጠሓንትን ሓፀብትን ወርቂ መሽነሪታት ሕጋውነተን ክሳብ ዝረጋገፅን ስርዓት ዘትሕዝ ኣሰራርሓ ክሳብ ዝትግበርን ኣብ መማእኸልቲ ጣብያታት ክእከባ ከምዝተገበረን ንሰራሕተኛታት እቲ ዘይሕጋዊ ዕደና ዝውዕሉ ብቆርቆሮ ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ዘይእዱብ ኣባይቲ እውን ንምልዓል መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓት ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን ጠጠው ከብል ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ ወሲኑ፣ ኣብ መግለፂኡ ከምዘውፀኦን በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ ካድረ ህወሓት እውን ተመያይጡ ጠጠው ክብል ቅዋም ዝሓዘሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ወልደኣብርሃ፤ ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን ወርቂ ኣብ ሰብን እንስሳን የብፀሖ ካብዘሎ ዕንወት ብዝዘለለ ዓብዩ ኣጀንዳ ፀላእቲ ኮይኑ ንኣመራርሓ ውድብን ሰራዊትን መውቅዒ ይኸውን ከምዘሎ፤ ቅድም ክብል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረን ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሒዱ ዝወፀን ሓይሊ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ክቆፃፀሮ እናተገበኦ ንጎሓሉ በሪ ከፊቱ እግሩን ኢዱን ኣጣሚሩ እናረኣየ ፀኒሑ ሐዚ ተገልቢጡ ንኣመራርሓ ህወሓትን ሰራዊትን ትግራይ የፀልም ምህላው ኣግባብነት ከምዘይብሉ ግልፂ ገይሮም። እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ብተወሳኺ ከምዝበልዎ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምብሓዱሽ ተመዓራርዩ ስሩዕ ስርሑ ምስጀመረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሚኢቲ መዓልቲ ክሰርሖም ካብ ዝሓዞም መደባት ዘይሕጋዊ ዕደና ጠጠው ምባል ከም ዝኾነን ነዚ ድማ ሓደ ዕማሙ ገይሩ ይሰርሕ ምህላውን ውፅኢት ክርኢ እውን ምጅማሩ ገሊፆም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፤ ዘይሕጋዊ ዕደና ጠጠው ንምባልን ስርዓት ንምሓዝን ዓብዩ ኮሚቴ ኣመራርሓ ብብርኪ ዞባ፣ ወረዳ ሓባር ኮሚቴ፣ ፀጥታ ሓለፍቲ ምልሻ ኣዘዝቲ ፖሊስ፣ ሓለፍቲ መሬትን መዓድንን ኣርሚ ኮማንድ፣ አርሚ ኣዘዝቲ ግንባር ኮማንድ ብድምር 250 ዝኸውን ሓይሊ ወዲቡ እናሰርሐ ከምዘሎ ዘመላኸቱ ኣይተ ወልደኣብርሃ፤ ስራሕቲ ምፅራይ ዘይሕጋዊ ዕደና ምስ ተዛዘመ ናብ ተሓታትነት ከምዝሰግር ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ኣብ ኣጠቓቕማ መዓድናት ዝረአ ዘይሕጋዊ ኣካያይዳታት ብፍላይ ናይ ደገ ሓይልታት መሓውራቶም ዘርጊሖም ዝጉሕጉሕዎ ዘለው ሃፍቲ ትግራይ ንምድሓን ብህፁፅ ክስራሕ ከምዘለዎ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም።
ፕረዚዳንት ታደሰ ነዚ ዘፍለጡ፤ ሰለስተ ነሓሰ 2017 ዓ/ም ሓይሊ ዕማም ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ንምቁፅፃር ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣካላት ፀጥታን ፍትሕን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ እዩ።
“ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ዘይሕጋዊ ዕደና ደው ንምባል ዝኸዶ ርሕቐት ዝነኣድ ኮይኑ ድሕሪ ሐዚ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንምእታው ዘጓንፍዎ ፈተናታት ብቖራፅነት ክሰግሮም ይግባእ፤” ዝብሉ ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ካብ ኣወሃህባ ፍቓድ ጀሚሩ ዝረኣዩ ጉድለታት ብምእራም መዓድናት ትግራይ ብጥረኦም ዘይኮነስ ግብኣታትን /እሴታትን/ ተወሲኽዎም ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ መንገዲ ንምፍጣር ክስራሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ምክትል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣካቢ ሓይሊ ዕማም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘይሕጋዊ ዕደናን ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ብወገኖም፣ ስኣን ምዕሩይ ምሕደራ መዓድናት ትግራይ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ፅንተታዊ ኩናት ውልቀ ሰባት ዝህፍትምሉ፣ ሰብ፣ እንስሳትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዳይ ኬሚካላዊ ብኽለት፣ ሃፍቲ ትግራይ ኣደዳ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ዝኾነሉን ኩነታት ከምዘሎን እዚ ስርዓት ክሕዝ ከይተገበረ ምፅንሑን ገሊፆም።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ጥራሕ ዛጊድ 440 መሽነርታት ካብ ዕደና ናቑጣታት ወፃእን ናብ ሓደ ማእኸል ክእከብ ተገይሩ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓይሊ ዕማም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና መዓድን ጠጠው ክብልን ስርዓት ክሕዝን ንምግባር ዝሓሸ ኣወዳድባ ስለዘለዎ ተጀሚሩ ዝግደፍ እንተይኮነስ ብዝሓሸ መንገዲ ተጠናኺርካ ዝአቶ ዘሎ ስራሕ ብምዃኑ ተፈጥራዊ ሃፍቲ ትግራይ ናብ ስርዓት ብምእታው ብኣግባብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዝግበር ኣይተ ኣማኤል ኣረጋጊፆም።
ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዕደናን ዝውውርን መዓድናት አብ ልዕሊ ሰብ፣ እንስሳን ሃፍቲ ተፈጥሮን ይበፅሕ ካብ ዘሎ ዕንወትን ብኽለትን ብተወሳኺ ኣብ 2017 ዓ/ም ትግራይ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ካብ ዝገባእ ልዕሊ 7 ቢልዮን ብር ሮያሊቲ ዛጊድ ካብ መዓድን ወርቂ 24 ሚልዮን ብር ጥራሕ ከምዝረኸበት ምግላፁ ይዝከር።
Gazeta Woyen
