ከምዝፍለጥ ትእምት ኣብ 1987 ዓ/ም ብዕሊ እንትጣየሽ ቀንዲ ዕላምኡን ምዝገባኡን ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትኹረት ሂቡ ንምድጋፍ እዩ፡፡ ከምቲ በቢ እዋኑ እናተገለፀ ዝፀንሐ መበገሲ ሃፍቲ ትእምት ዝሓለፈ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብዋናነት ካብ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነበሩ ደገፍቲ እቲ ቃልስን ከምኡ እውን ካብ ፀላኢ ዝተመንዘዐ ንብረትን ገንዘብን ተኣኻኺቡ ዝመፀ መበገሲ ሃፍቲ እዩ፡፡ ድሕሪ 1983 ዓ/ም ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ድማ እቲ ብጥረ ገንዘብን ብንብረትን ተዋህሊሉ ዝፀንሐ ሃፍቲ፣ ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ እግሪ ክተክልን ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ብዘኽእል መንገዲ ንህዝቢ ትግራይ ክውፈ ከምዘለዎ ታሪኻዊ ውሳነ ብምውሳን ትእምት ክጣየሽ ተገይሩ፡፡
ድሕሪ እዚ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 8፣ ንኡስ ዓንቀፅ 2፣ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ብምውካል ቤት ምኽሪ ትእምት ተጣይሹ፡፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዝተውሃቦ ብምዃኑ ቤት ምኽሪ ትእምት ብመሰረት መመሓየሺ መመስረቲ ፅሑፍ ዓንቀፅ 12 (14) ዝተውሃቦ ስልጣን ክጣየሽ ገይሩ፡፡ እዚ ቤት ምኽሪ ካብ ሕድሕድ ወረዳታት፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ማሕበር ሸቃሎ ትእምት ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲታትን ካብ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ዝተወከሉ 83 ዝኾኑ ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ምኽሪ ትእምት ድማ ቦርድ ትእምት ዝበሃል ኣወዳድባ ክህልዎ ተገይሩ፡፡ ካብዚ ቀፂሉ ማእኸል ኢንቨስትመንትን ትካል ምግባረ ሰናይን ዝመርሑ ዓርሶም ዝኸኣሉ ኣብያተ ፅሕፈት ከምዘለውዎ ተፀዋዕነቶም ድማ ናብ ቤት ምኽሪ ትእምት ምዃኑ መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት የመላኽት፡፡
ትእምት ድሕሪ ምጥያሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ፅንተት ክሳብ ዝእወጅ ኣብ ዝነበሩ ናይ ሰላምን ልምዓትን ዓመታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪታት፣ ምትእትታው ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ምቕናስ ድኽነትን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምጉልባት ቁጠባዊ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ግደ እናተፃወተት ፀኒሓ እያ፡፡ ይኹን እምበር ሓይልታት ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ቁጠባኡ ኣድቂቖም ብሕማምን ጥምየትን ከብርስዎ ሃቂኖም ኣብ ልዕሊኡ ብዝፈፀምዎ ኲናት፤ ትካላት ትእምት እውን ኣካል እቲ ፅንተት ኮይነን እየን፡፡ ልፍንታውያን ወረርቲ ኮነ ኢሎም ብትልሚ ብርክት ዝበለ ንብረት ትካላት ትእምት ነቒሎም ወሲዶም ክወስድዎ ዘይከኣሉ ድማ ኣዕንዮምዎ ከይዶም፡፡ ትካላት ትእምት ዋላ እኳ በቲ ዝበፅሐን ጉሕለትን ዕንወትን ኣዝየን ዝተሃሰያ እንተኾና፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተፈጢሩ ብዘሎ ሃዋህው ሰላም ዘለወን ውሽጣዊ ዓቕሚ ወዲበንን ምስካልኦት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተዋዲደንን ኣብ ሕውየት ቁጠባን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ካብአን ዝፅበ ኣበርክቶ ንምፍፃም ኣብ ምርብራብ ከምዝርከባ ኣባል ሓዱሽ ቦርድ ትእምት ኣይተ ኣታኽልቲ ገ/ህይወት የረድኡ፡፡
መተሓዳደሪ ደንቢ ቤት ምኽሪ ትእምት በቢዓመቱ ስሩዕ ጉባኤ ክካየድ ከምዘለዎ ይድንግግ፡፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ህፁፅ ጉባኤ ክፅውዕን ውሳነታት ከሕልፍን ከምዝኽእል የነፅር፡፡ ይኹን እምበር ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣብ 2012 ዓ/ም ምስተኻየደ ድሕሪኡ ብዝተፈፀመ ኲናት ፅንተትን ኣብ መሪሕነት እቲ ነባር ቦርድ ብዝነበረ ቅንዕና ዝጎደሎን ዓንቃፋይን ኣካይዳ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት እቲ ጉባኤ ክካየድ ኣይካለን፡፡
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተኸሲሰን ዝነበራ ትካላት ትእምት ክሰን ክቋረፅ ዝተገበረ እንትኸውን ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት እውን ተፈቲሖም እዮም፡፡ ነዚ ማእኸል ብምግባር ኣብ 2015 ዓ/ም ጉባኤ ምክያድ ይከኣል ነይሩ፡፡ ጉባኤ ንምክያድ ዘገድዱ ነገራት እውን ነይሮም እዮም፡፡ ብዋናነት ትእምት ከም ትካል ኣብ ዝለዓለ ፀገም እዩ ነይሩ፡፡ ትካላት ትእምት ብፀላእቲ ዝገጠመን ዕንወትን ካልኦት ጉዳያትን ብጉባኤ ኣቢልካ ኢኻ መፍትሒ እናቐመጥካሎም ትኸይድ፡፡ ሓደ ኣድላይነት ጉባኤ እዚ እዩ፡፡ ስለዚ ይትረፍ ዶ ዕድል ረኺብካ ዋላ ኣብ ብጣዕሚ ፀቢብ ግዜ ኮይንኻ እውን ቤት ምኽርኻን ቦርድኻን ሒዝካ ኢኻ ትመርሕን ኣንፈት ተቐምጥን፡፡ ብኣንፃሩ ድማ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወይ ካብ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እናሃደምካን ጉባኤ ከይካየድ እናዐንቀፍካን ክመፅእ ዝኽእል መፍትሒ የለን፡፡ ይኹን እምበር ነባር መሪሕነት እቲ ቤት ምኽርን ቦርድን ግና ጉባኤ ከይካየድ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ኣይተ ኣታኽልቲ ይገልፁ፡፡
ብዘይካ እዚ፣ ኣብ 2016 ዓ/ም እውን ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ሰፊሕ ዕድል እናሃለወ ብሰንኪ ዓንቃፋይ ቅዋም ነባራት መሪሕነት ቦርድ ክትግበር ኣይከኣለን፡፡ ብፍላይ ኣብ 2016 ዓ/ም ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት ዝተፈላለዩ ሕቶታት እናተልዓሉ መፂኦም እዮም፡፡ ይኹን እምበር እቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ግቡእ መልሲ ክህብን ጉባኤ ከካይድን ድልየት ኣይነበሮን፡፡ ምክያድ ጥራሕ እንተይኮነስ ብመንፅር መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተፀወዐ ጉባኤ እውን ውሱናት ነበር ኣባላት ቦርድ ብሚድያ፣ ብደብዳቤን ብምፍርራሕን ትእምት ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲ ከይምራሕ ዝለዓለ ዕንቅፋት ፈጢሮም፡፡
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ነበር ኣመራርሓ እቲ ቦርድን ፈፃሚትን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ምስቲ ምዃኖም ሃፍቲ ትእምት ይጉሕሉ፣ ንውልቀ ረብሓን ክብርን ይጥቀምሉ ብምንባሮም ካብ ስልጣን ክወርዱ ዘይምድላይን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥን እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ኣቦ ወንበር ቦርድን ኣካቢ ቤት ምኽርን ክልቲኡ ስልጣን ደሪቡ ዝሓዘ መሪሕነት እንተሪኢና ልዕሊ 15 ዓመት ኣብታ ስልጣን እዩ ፀኒሑ፡፡ ስለዚ ንነዊሕ እዋን ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ንዘይምልቃቕ ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን፡፡ ካልኣይ ክንዲዚ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ስልጣን ክትፀንሕ እንተለኻ ትእምት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ተሪፉ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት እናኾነ ከይዱ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ብተግባር እውን ከምኡ እዩ ተራእዩ፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ሕመቕ ካብ ስራሕቲ ምርግጋፅ ህዝባዊ ረብሓ ወፂኡ ህዝቢ ትግራይን ትካላቱን ምስ ዘጥፍኡ ሓይልታት ዝሓብረሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ኣብዚ ድማ ነባራት መሪሕነት ቦርድን ፈፃሚትን ልዑል ግደ ተፃዊቶም እዮም፡፡
ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት ጉባኤ ዝፅዋዕ ብሰለስተ መንገዲ እዩ፡፡ ሓደ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ትእምት ጉባኤ ክፅውዕ ይኽእል እዩ፡፡ ካልኣይ ካብ ኣባላት ቦርድ ክልተ ሲሶ ድምፂ ሂቦም ጉባኤ ክፅውዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ (ሲሶ) ካብ ጠቕላላ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተፈራሪሞም ጉባኤ ክፅውዑ ከምዝኽእሉ ተቐሚጡ እዩ፡፡ እቶም ኣባላት እዚ ቅድሚ ምግባሮም ጉባኤ ንክፅዋዕ ተደጋጋሚ ብቃልን ብደብዳቤን እናሓተቱ ፀኒሖም እዮም፡፡ መልሲ እንተይረኸበ ክልተ ዓመት ስለዝሓለፎ ድማ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት ዓንቀፅ ሓደ ልዕሊ ስሶ ኣባላት ጉባኤ “ክነካይ ኣለና” ኢሎም ወሲኖም እዮም፡፡ ነዚ ስዒቡ ዝተፀወዐ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ድማ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ትሽዓት ለካቲት 2017 ዓ/ም ከምዝተኻየደ ይዝከር፡፡
ኣብዚ ከይዲ እዚ እውን እቲ ጉባኤ ከይካየድ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢሞምዎ እዮም፡፡ ነቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተፀውዐ ጉባኤ ብሚድያ ኣቢልካ ከይትኣትዉ ምባል፤ ደብዳቤ ምፅሓፍን ኣባላት ቤት ምኽሪ ናብ ቤት ፅሕፈት እናሰሓብካ ምፍርራሕን ተራእዩ፡፡ ከምኡ እውን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ጉባኤ ከይካየድ ደብዳቤ እናፀሓፈ ክኽልክል ፈቲኑ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ነዚ ኹሉ በደል፣ ምፍርራሕ፣ መልእኽትን መግለፅታትን ጥሒሱ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ኣጣይሹ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ጉባኤ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ካብ 83 ኣባላት ቤት ምኽሪ 57 ኣባላት ልዕሊ 68 ነጥቢ ሽዱሽተ ሚኢታዊ ብምርካቡ ምልኣተ ጉባኤ ከምዝተማልአ ተራጋጊፁ እዩ፡፡ ብኻልእ መዳይ ካብ ማሕበር ሸቃሎ ትእምት ተወከልቲ ዝኾኑ ኣባላት መሃያኦም ከምዝቑረፅን ካብ ስራሕ ከምዝሰናበቱን ምፍርራሕ ተገይርሎም ኣርባዕተ ኣባላት ዝተረፍሉ ኩነታት ነይሩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሰለስተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት እውን ኣብቲ ወራር ፅንተት ተሰዊኦም እዮም፡፡ ብሓፈሻ ግና እቲ ቤት ምኽሪ ሕጋውን ብመሰረት ሕገ ደንቢ ትእምት ኩሉ ኣማሊኡ ዝተኻየደን ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል፡፡
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፣ እቲ ጉባኤ እንትካየድ እቶም ነባራት ኣመራርሓ ቦርድ ኣብቲ ጉባኤ ቀሪቦም ኣፈፃፅማ ስራሕን ቀፃሊ ትልምን ከቕርቡ ይግብኦም ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግና ብፋሉለነት ናብ ዘይምልከቶም ኣካላት (ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ዝብልዎ ዘይሕጋዊ ኣካል) ሪፖርት ከቕርቡ እዮም ተራእዮም፡፡ እዚ ክንደየናይ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ ዝመረፆም ኣባል ቤት ምኽርን ንዕቐት ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ፡፡
ነዞም ኩሎም ዕንቅፋታት ሰጊሩ ዝተኻየደ እቲ ጉባኤ ብመሰረት ስራሕን ሓላፍነትን ቤት ምኽሪ ትእምት ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ቦርድ መሪፁን ምትዕርራይ ገይሩን ኣሎ፡፡ ንኣብነት፣ ንነዊሕ እዋን ኣቦ ወንበር ቦርድን ኣካቢ ቤት ምኽርን ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ዝነበረ ኣብቲ ጉባኤ ክስተኻኸል ተገይሩ፡፡ ካልኣይ ኣባል ቦርድ ኮይኑ ስራሕ መካየዲ ትእምት እውን ኮይኑ ዝፀንሐ ኣካል ብተመሳሳሊ መንገዲ ተስተኻኺሉ እዩ፡፡ ዝኾነ ኣባል ቦርድ ኮይኑ ፈፃሚ ስራሕ ከምዘይኸውን ወሲኑ ኣሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ሓደሽቲ ኣቦ ወንበር ቦርድን ኣካቢ ቤት ምኽርን ዝተመረፁ እንትኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢንቨስትመንት ትእምት ድማ ብበዓል ሞያ ክምራሕን ቁፃር ስራሕ ክካየድን ክግበር ተወሲኑ እዩ፡፡ ነዚ ሒዝካ ናብ ተግባር ንምእታው ድማ ብቤት ምኽሪ ዝተወሰነ ውሳነታትን ቃለ ጉባኤን ብቢሮ ፍትሒ ክፀድቕ ስለዝነበሮ ናብ ቢሮ ፍትሒ ቀሪቡ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ገለ ኣመራርሓ እቲ ቢሮ እውን ኣካል እቲ ጉጅለ ክሕደት ብምንባሮም ዝቐረበ ሰነድ ኣፃሪኻ መልሲ ንምሃብ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዕንይንይ ኣባኺኖምዎ እዮም፡፡ እዚ ብመሰረት መጣየሺ ኣዋጅ ትእምት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ግብረ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ ግን ድማ ኣይተተግበረን፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ዋላ እኳ ድሕሪ ምትዕርራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ሰነድ ክፀድቕን እቲ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ክኣትን እንተተገበረ ሐዚ እውን ጉጅለ ክሕደት ምስ ውሱናት ኣመራርሓ ቢሮ ፍትሒ ምስቶም ጉባኤ ከይካየድ ዘዐንቅፉን ዘፈራርሑን ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብምዃን እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ናብ ስራሕ ከይኣቱ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ዘሎ መሪሕነት ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ምስ ዝሰርሑ ኣካላት ተዋዲዶም ትካላት ትእምት ግዳይ ክኾና እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ እቲ ህልው ኩነታት እዚ ኮይኑ እቲ ጉባኤ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ምክያዱ ስለዝተረጋገፀ እቲ ሓዱሽ ዝተመረፀ ኣመራርሓ ቦርድ ዋላ ዓንቀፍቀፋት እንተጋጠምዎን ፖለቲካዊ እግድ እንተተገበረሉን ዛጊድ ስርሑ ካብ ምስራሕ ኣየብኮረን፡፡ ነቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ቢሮ ፍትሒ ገይርዎ ዘሎ እግድ ፖለቲካዊ ምዃኑ ድማ ይኣምን፡፡ ስለዚ እቲ ሓዱሽ ብቤት ምኽሪ ዝተመረፀ ኣመራርሓ ቦርድ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ፣ ትካላት ትእምት ኣብ ኢድ ፀላእቲ ከይወድቃን ትካላት ህዝቢ ኮይነን ክቕፅላን ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ኣይተ ኣታኽልቲ የረድኡ፡፡ ኣጠቓሊልካ እንትርአ ትእምት ትካል ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ትካል ውልቀ ሰባት ኣይኮናን፡፡ ሐዚ እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር እናተገለፀ ዝፀንሐ ትእምት ኣብ ሰለስተን ኣርባዕተን ሰባት ዝተንጠልጠለ መሪሕነት ክህልዎ ኣይኽእልን፡፡ ጉጅለ ክሕደት ትካላት ትእምት ዓቕሚ ትግራይ ከይኾና፣ ቁጠባ ትግራይ ከየነቓቓሕን ክዳኸማን ኮነ ኢሎም ምስ ሓይልታት ፅንተት ወጊኖም ንምፍራሰን ሕርዲግ ይብሉ ኣለዉ፡፡ እዘን ትካላት ክዝረፋ፣ ክጭወያ፣ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ክወድቃን ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዚ መነወሪ ተግባሮም ተረዲኡ ትካላት ትእምት መጋበርያ ፀላእቲ ከይኾናን ክድሕናን ዘኽእል ስራሕቲ ንኽስራሕ ደገፍ ክገብር ኣለዎ፡፡ ብፍላይ በቲ ሕጋዊ መንገዲ ዝተመረፀ ኣመራርሓ መሪሕነትን ክቕፅል ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ይግባእ፡፡ ሰራሕተኛ እተን ትካላት እውን ነዚ ተረዲኡ ክንቀሳቐስ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ትእምት ድማ ነዚ መሰረት ገይሩ ክሰርሕን ክቃለስን ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ዘለካ መንግስታዊ ሓላፍነት ተጠቒምካ ትካላት ትእምት ክመኽናን ትካላዊ ኣወዳድበአን ክፈርስን ምግባር ግን ካብ ተሓታትነት ኣየናግፍን፡፡
Gazeta Woyen
