ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ውሱን ምትዕርራይ ኣመራርሓ መንግስቲ ክገብሮ ዝግባእ ውራይ ከምዝኾነ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ 15 ሓምለ 2017 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም፡፡
እቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምትዕራይ ኣብ ዝተወሰኑ ኣካላት ከምዝኾነን ነዚኦም ድማ ናይ ስራሕ ቦታ ከምዝተዳለወሎምን ዝሓበሩ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ዘለው ኣመራርሓ ግና ዝኾነ ዓይነት ለውጢ እንከይተገበረሎም ኣብ ዝነበርዎ ናይ መሪሕነት ቦታ ከምዝፀንሑ ኣፍሊጦም፡፡
ኣብ ኣመራርሓ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ብቀፃሊ ኣብ ኣመራርሓ ንዝፍጠር ሓደጋ ንምቕራፍ ከምዝኾነን እዚ ድማ መንግስታዊ ምትዕርራይ ምዃኑ ብምጥቃስ ንሓደ ፀሪግካ ካሊእ ንምምፃእ ወይ ንምትካል ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ከምዘድሊ እቶም ፕረዚዳንት ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም፡፡
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብ መግለፂኦም ብተወሳኺ፤ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምትዕርራይ ዕላምኡ ብምርዳእ ኣመራርሓ፣ መንእሰይ፣ ምልሻን ኩሎም ምምሕዳራትን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ዝግበር ዘሎ ምትዕርራይ ኣመራርሓ ተሓባበርቲ ክኾኑ ፃውዒት ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ ሕብረተሰብ ካሊእ ምድንጋር ወይ ድማ ምልዕዓል ተገይሩ እቲ ዞባ ከይህወኽ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡
መንግስቲ ነቲ መደብ ብኣግባቡ ንክፍፀም ህዝባዊ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ከምዝለኣኸን ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ልኡኽ ዝተውሃበ ሓይሊ ፀጥታ ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚዳንት እቲ ዝተልኣኸ ህዝባዊ ፖሊስ ድማ ኣሉታዊ ተራ ከይህልዎ ልዑል ጥንቃቐ ክገብርን ናይ ፖሊስ ስርሑ ጥራሕ ክሰርሕን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግር ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ እውን ከምዘሎን እዚ ኣብ ልምዓት ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሎ ኾይኑ ቐልጢፍካ ብምትዕርራይ ዝተረጋገዐ ምምሕዳር ክህሉ ፃዕሪ ከምዝግበር እቶም ፕረዚዳንት ኣመላኺቶም፡፡
ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ትግራይ ፖለቲካውን ኢኮኖምያውን ፀገማት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን መንገዲ ንክፍትሑ ኩሉ በቢኣካሉ ብፅሒቱ ክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
Gazeta Woyen
