እንርከበሉ መድረኽ ኣቲናሉ ካብዝነበርና ሓደጋን ጉዕዞ ዕንይንይን እናወፃአና ከምውድብ ናብ ምሕዋይን መቐይሮ ነጥቢ ክኾኑ ናብዝኽእሉ ሓደሽቲ ዝላታት ዝተሰጋገርናሉን ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ ኣብቲ ባይታ ብዘሎ ንቡር ምንቅስቓስ ምግንዛብ ይከኣል።
ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብር ህዝብና፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ወዲቑ ዝሳቐይ ዘሎ ወገንና፣ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኩናት ካብ ምውቕ ገዝኡ ተመዛቢሉ ኣብ ፎቖድኡ ስደት ሓሰራ መከራ ዝበልዕ ዘሎ ህዝብና፣ ኣመራርሓናን ኣባልናን፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ስድራ ስውኣትና፣ ተጋደልትናን ነባር ዓቕምታትናን፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ይብፃሕኩም እሞ፤ ንስኹም ብዘካየድኩምዎ ዘይተሓለለ ቓልስን ዘርአኽምዎ ፅንዓትን ናብዚ ንውድብናን ህዝብናን ናብ ዝተረጋገአ ናይ ቃልሲ ሃዋህው ዝመልስ ምችው ዕድል ክንፈጥር ክኢልና ኣለና። ከምዝፍለጥ እቲ ንቑልፊ ሓላፍነት ግዝያዊ ምምሕዳር ተቖፃፂሩ ድላዩ ክገብር ዝፀንሐ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ክገልስን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብንቡር ክመዓራረን ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ። መላእ ኣባልናን ተቓላሳይ ህዝብናን ቀዳምነት ክወሃቦ ኣብዝግባእ ሕውየት ውድቡ ናይ ምርግጋፅ ኣጀንዳ ዓሲሉ ብዘካየዶ ፈተናታት ዝተመልኦ ቃልሲ ተባራዕቲ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ኩለ መዳይ ዓቕምታትና ኣዋዲድና ክንረባረብ ኣብ ንኽእለሉ ምችው ኩነታት ክንርከብ ኣኽኢሉና ኣሎ።
መሪሕነትና፣ ኣባላትናን ህዝብናን ንውሳነታት መበል 14 ጉባኤ ውድብና ህወሓት ኣማእኺሎም “ወፍሪ እምቢታ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሰነየ ውዑይ ቃልሲ ብምክያዶም ውድብናን ህዝብናን ካብዝኣተውዎ ሓደጋ ዘድሕኑ ዓበይቲ ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት ክተኣኻኸቡን ክጠናኸሩን ክኢሎም እዮም። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደጋን ኣብ ኣፈታትሕኡን ትኽክለኛ ግንዛበ ጨቢጡ ሓድነቱ ብምሕላው ክቃለስ ዕድል ሂቡ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝተጨጨሐ ፅግዕተኛ ጉጅለ ንክብርታት ውድብናን ዘይጠሓሱ መትከላትናን ሃደሽደሽ ኣቢሉ ውድብ ከፍርስ ዝገበሮም ውዲታት ብምፍሻል ክብርታትና ናብ ቦትኦም ክምለሱን ከምኣብያተ ምኽሪ ዝበሉ መግለፂ ሉኣላውነት ህዝብና ከይፈርሱን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ብምግባር “ኣብ ትግራይ ስርዓት ፈሪሱ እዩ፣ ፌደራል መንግስቲ ይእተወና” ክሳብ ምባል ዝበፅሐ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ጥራሕ ዝባኑ ክተርፍን ዓቕምታት ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታናን ኣብ ቁልፊ ተግባራቶም ከተኩሩን ዕድል ኣመቻችዩ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ናይ ድሕረት ኮረቻ ተሳፊሩ ሕልምታቱ ከፈፅም ዘካየዶም መዕነውቲ ተግባራትን ወፍሪ ፀለመታትን ኣብ ምቅላዕን ህዝብና በዚ ጉጅለ ተደናጊሩ ዓቕምታቱ ከይበታተን ኣብ ምግባርን ናይ ህዝባዊ እምቢታ ቓልስና ዘረጋገፆ ዓወትን ዝፈጠሮ ጥጡሕ ባይታን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዕንይንይን ስግኣትን ክወፅእን ብዛዕባ ውራዩ ከሰላስልን ዕድል ዝሃበ ኮይ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፤ ብውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክመርሕ ዝተወከለ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ መደራድርትና መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተሰማዕሚዕሉ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ሕዚ ንደሓር ነቲ ዝባኸነ ግዜ ኣከሓሒስና ኣብ ኢድ ወረርቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፣ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ንምምላስ፣ ሉኣላዊ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምውሓስ፣ ዳግመ ሕውየትን ዘላቒ ህንፀትን ትግራይ ንምዕማም፣ ሕቶታት ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝብና ንምምላስ ብዕቱብ ሰሪሕና ውፅኢት እነምፀኣሉ ዕድል ክንፈጥር ኣለና። ነዞም መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ውድብ ህወሓት ንመላእ ኣመራርሓኡ፣ ኣባላቱን ህዝቡን ኣለዓዒሉን ወዲቡን ክቃለስ ብቑርፀኝነት ተበጊሱ ኣሎ። ውድብ ህወሓት፣ ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕዋት ግቡኡ ክፍፅም ዝከኣሎ ኩሉ ርብርብ ክገብር ብዕላዊ መግለፂ ቃል ካብ ምእታው ሓሊፉ ብተግባር እውን ምስሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐራሪቡ ኣብ ናይ ሓባር ትልሚ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ኣብዘለና ብጣዕሚ ውሱን ግዘ ተረባሪብና ሕሉፍ ድኽመታት ብዘከሓሕስ መልክዕ መደባትና ክንፍፅም ይግባእ። ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይኹን ውድብና ህወሓት ዝሓዝዎ ትልምታት ንምዕዋት ብፍላይ ግዝያዊ ምምሕዳርና ዝተማልአ ቑመና ሃልይዎ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ንክፍፅምን ዕማማቱ ንከዐውትን ዘኽእል ምችው ኩነታት ንምፍጣር ኩለመዳይ ርብርብ ከምዝግበር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣትዩ ይርከብ።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ መፈለምታ ሚያዝያ ዘካየዶ ገምጋም ኣፈፃፅማ ሕሉፍ መደባት ሽዱሽተ ወርሒ 2017 ዓ/ም፤ ነቲ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ካብ ህዝቢ ንምንፃል ብወፍሪ እምቢታ ዝተገበረ ቃልሲ ትኽክል ምንባሩን ምስቲ ጉጅለ ዘለና ኣፈላላይ እውን ናይ ስልጣን እንተይኮነ ናይ ሰልፊ ለውጢ ምዃኑ ምሉእ መደምደምታ ብምሓዝ እቲ ጉጅለ ኣብዚ እዋን ናብ ደምብኡ ናይ ምሕዋሱ ጉዳይ ምስፀላእቲ ኣቐዲሙ ፈጢርዎ ንዝፀንሐ ርክብ መረጋገፂ ምዃኑ ኣስሚርሉ እዩ። በዚ መዳይ እንትርአ እቲ ጠላም ጉጅለ ዝሓዞም መርገፅታትን ዝወሰዶምን ዝወስዶም ዘሎን ስጉምታትን ብዕላማን ብኣተሓሳስባን ካብ መትከላት ህወሓትን ድልየታት ህዝቢ ትግራይን ወፃኢ ዝኸደ ናይ ኣሰላልፋ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተገንዚብካ ዝተጀመረ ቓልሲ ኣንፃር ብሄራዊ ክሕደት ክጐሃሃር ምግባር መማረፂ ዘይብሉ ይኸውን። ብመሰረቱ እቲ ቓልሲ ተጀሚሩ እምበር ኣይተወደአን። ሕዚ እውን ልዕሊ ኩሉ ንውሽጥና ብምርኣይ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ቃልሲ ምንቅስቓስ ዝበለፀ ክነጐሃህር ኣለና። ዝተፈላለዩ ጉድለታት፣ ዘይመትከላዊ ምትእስሳራት፣ ዝተፈላለየ መበገሲ ዘለዎም ምሽርሻራት፣ ናይ ስልጣን ሃረምረማት ከባብያውነትን ካልኦት ኣብዚ ዙርያ ዘለው መሊኦም ዘይተወገዱ ክፍተታት፣ መስመር ንምትሓዝን ብኹለመዳይ ምዕሩይ ሕውየትና ንምርግጋፅን ውድብና ህወሓት ብቀፃልነት ዲሞክራሲያዊ ቓልሱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።
ብሓፈሻ መሪሕነትና፣ ኣባልናን ህዝብናን ሳላ ብፅንዓት ዝተቓለሱ ኣንፃር ብሄራዊ ረብሓታትና ዝተሰለፈ ጠላም ጉጅለ ብህዝቢ ተተፊኡ ናብ ደምብኡ ኣትዩ ኣሎ። ህወሓት እውን ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዎ ቦታ ብምምዕርራይ ቀፃሊ ስራሕቱ ዘሳልጠሉን ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምሉእ ደገፍ ዝህበሉን ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ንዝበለፀ ቓልሲ ተዳልዩ ይርከብ። ናብዚ ተነፃፃሪ መድረኽ ዘብቀዐና ብወፍሪ እምቢታ ዝተዓጀበ ህዝባዊ ቃልስናን ሕብረትናን ብምጥንኻር ቀፃሊ ዕማማትና ንምዕዋትን ሽርሒ እቲ ጠላም ጉጅለ መሊኡ ክብርዕን ንምግባርን ቀላፅምና ጠሚርና ንውፈር።