“መሊኽካ፣ ጠሊምካን ኣምበርኪኽካን ኣብ ስልጣን ክትፀንሕ ምድላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣይሰርሕን!”
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ሓላፊ ዘፈር ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ህወሓት ተጋዳላይ እያሱ ተስፋይ
ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ኣፈላላይ ከምቲ ገለ ኣካላት ዝብልዎ ናይ ስልጣን ዘይምቅድዳው ወይ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዘሎ ባእሲ ኣይኮነን። ኣብ ኣሰላልፋን ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ዘይምሕላውን ዘሎ ናይ ዕላማ ኣፈላላይ እዩ። እቲ ዝጠለመ ጉጅለን መሻርኽቱን ወለዶታት ትግራይ ዓቂቦምዎ ዝፀንሑ ብሄራዊ ንሒን ሓቦን፣ ህወሓት ዝተኸለቶ ብሄራዊ ክብርታት፣ ዓቅምታት መኸተን ብምብታን ኣብ ትግራይ ውልቀ ምልክነት፣ ብሄራዊ ክሕደትን ብተናን ይፍፅም ኣሎ። ነዚ ድማ ኩሉ ኣባልናን ህዝብናን “እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ንምልክን ብተናን” ኢሉ ብመልክዕ ወፍሪ እምቢታ ንዝተደገሰሉ ጥፍኣት ንምብርዓን ምልኣተ ህዝቢ ብምንቕናቅ ቃልሱ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝተፈላለዩ መድረኻት ወፍሪ እምቢታ የካይድ ኣሎ።
ብመንፅር እዚ እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ንምልክን ብተናን ክንብል እንተለና እንታይ ማለት እዩ? እዞም መድረኻት ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ኣብ ምቅላዕን ኣባልናን ህዝብናን ኣብ ሕውየት ውድብና ግልፅነት ክፈጥር ኣብ ምግባር ብፅሒቶም ከመይ ተፃዊቶም? ውድብ ህወሓት ዝተማለአ ሕውየት ንምርግጋፅ ዝጀመሮ ቃልሲ ተጠናኺሩ ንምቕፃል ዝተትሓዙ ኣንፈታት እንታይ እዮም ኣብ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪትና ምስ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ዘፈር ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ህወሓት ተጋዳላይ እያሱ ተስፋይ ዘካየድናዮ ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዝትኡ ብኸምዚ ዝስዕብ መንገዲ ኣዋዲድና ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ
ወይን፡- “እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ንምልክን ብተናን” ክንብል እንተለና እንታይ ማለት እዩ? እዞም መድረኻት ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ኣብ ምቅላዕን ኣባልናን ህዝብናን ኣብ ሕውየት ውድብና ግልፅነት ክፈጥር ኣብምኽኣልን እንታይ ግደ ተፃዊቶም? እቲ ጉጅለ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ምድንጋር ስልትታት ከ ከመይ ትግምግሞ?
ተጋዳላይ እያሱ፡- ቅድሚ ወፍሪ እምቢታ መንፈሱ፣ ትሕዝትኡ እንታይ እዩ” ኢልና ምጅማርና ምስ ክብርታትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ኣተኣሳሲርካ ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ሓደ እዋን ምስተን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ጠርዚ ምዕባለን ስልጣነን ዝነበረን ሃገራት ዓለም ዝስራዕ ህዝቢ እዩ ነይሩ። እዚ ህዝቢ እዚ ዛጊድ ሓድግታት ስልጣንኡ ዝኾኑ ከም ስነ-ህንፃ ጥበብ ኣክሱማውያን ንዓለም ዘደነቑን ገና ምስጢራውነቶም ዘይተፈትሑን ቅርስታት ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮይንካ እውን ምስጢራውነቱ ዘይተፈለጠ ስልጣነ ዝወነነ ህዝቢ በቲ ዝነበሮ ብራኸ ስልጣነ ኣይቐፀለን። ብዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ብራኸ ስልጣንኡ ንድሕሪት እዩ ተመሊሱ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ 11ን ኣብ መፈለምታ 12 ክፍለ ዘመን ዝነበረ መዋእል ስልጣነ ተጋሩ ናብ ወሎ፣ ኣገው፣ ላስታን ጎንደርን ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ።

ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ባዕላውን ግዳማውን ፀገማት ንድሕሪት እንተተመለሰ እውን ነቲ በፂሕዎ ዝነበረ ጠርዚ ስልጣነ ንምምላስ ዝዓረፈሉ ግዜ ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልስን መኸተን ዝነብር ህዝቢ እዩ። ድሕሪ ምውዳቕ ስልጣነ ኣክሱም እውን እንተኾነ እናወደቐ እናተልዓለ ዝመፀ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሒዝዎም ዝመፀ ናይ ባዕሉ ክብርታት ታሪኻት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ እቲ ቀንዲ ዝልለየሉ ናይማቱ ኣይደልን፣ ናይ ባዕሉ እውን ኣሕሊፉ ኣይህብን። ካብዚ ብተወሳኺ ንኻልኦት ህዝብታት ክጎብጥ ኣይደልን፣ ንባዕሉ እውን ክጉበጥ ኣይደልን። ኩሉ ግዜ ንማዕርነት፣ ፍትሒ ርትዕን ዲሞክራሲን ዝቃለስ ህዝቢ እዩ። ኣብ ዓርሰ ምርኮስኡን ፀጋታቱን ተመስሪቱ ክሓልፈሉ ክልወጥ ዝፅዕር ህዝቢ እዩ። ንኻልኦት ህዝብታት እውን ወፅዓ፣ ደርባዊ መግዛእቲ ዘይምነ፣ ሓቂ ሒዙ ክኸይድ ዝደሊ እዩ። እዞም ክብርታት እዚኣቶም ካብ ዓርሱ ሓሊፎም ንኻልኦት ህዝብታት እውን ዝረብሑ እዮም። እዚ ህዝቢ እዚ ታሪኹ፣ እናዓቀበ ብኹሉ ዓይነት ክፀቕጥዎ ንዝመፁ ሓይልታት ድማ እናመከተ ዝመፀ ህዝቢ እዩ።
ነዚ መርኣዩ ዝኾነና ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፣ ይኾኑ ሃፀይ ዮሃንስ ኣንፃር ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ንዝመፁ ወረርቲ “ወፍሪ እምቢታ” የካይዱ ነይሮም። ብተመሳሳሊ ብላታ ሃይለማርያም ዝመርሕዎ ቀዳማይ ወያነ እውን “እምቢ ንወፅዓ፣ እምቢ ንመፅቐጥቲ” ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ወፍሪ እምቢታ እዚ ኣይንፅቐጥን፣ ኣይንግዛእን ንኽብርናን ንመንነትናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን እዩ ነይሩ። እዞም ሕቶታት እዚኦም ናይ መሰል፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ሕቶታት እዮም ነይሮም። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ብብርኪ ሃገር ኣብ 1966 ዓ/ም ዝተኻየደ ዓመፅ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ እውን ናብ ህዝቢ እናወረደ፣ ወፍሪ እምቢታ እናኾነ ምስ ከደ ኣብዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚት እዩ ተሰሊፉ። ኣብ ስርዓት ሃ/ስላሴ ይኹን ደርጊ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላማዊ ቃልሲ መፍትሕታት ምስ ተሰኣኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም መማረፂ ዝወስደሉ ወፍሪ እምቢታ ንመርገፅቲ፣ ንመግዛእቲ ንደርባዊ ወፅዓን ኣካይዱ።
ኣብዚ ናይ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ፅንተታዊ ወራር እውን እዚ ህዝቢ እዚ ብሰላማዊ መንገዲ ክውዳእ ተማሕፂኑ፣ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይከበር ኢሉ፣ ብዝተፈላለዩ ሰላማዊ ሰልፍታት ድምፁ ኣስሚዑ። ይኹን እምበር “ከም ዘርኢ ክነጥፈአካ፣ ክንረግፀካን ክንጎብጠካን ኢና” ምስበልዎ ተምበርካኻይነት ዘይናቱ ዘይታሪኹ ስለዝኾነ “እምቢ” ኣይምብርከኽን ኢሉ ንብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ክብል ናብ መኸተ ኣትዩ። እቲ ድሕሪ መበል 14 ውድባ ጉባኤ ዝተኻየደ መድረኽ እምቢታ እውን ብተመሳሳሊ ምስ ክብርታትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ኣተኣሳሲርካ ዝረአ እዩ ዝኸውን። ሐዚ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን።
ድሕሪ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ እንተኾነ እውን ክንጎብጠካ፣ ክነጥፈአካ ዋላ እንተበልዎ ብሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ይቃለሶም ኣሎ። ኣብዚ ሰለማውን ፖለቲካውን ቃልሲ እዚ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓት ካብቶም ዝሓለፉ መድረኻት ቃልሲ ብዓይነቱን ብትሕዝትኡን ዝተፈለየ ሓደ ፅግዕተኛ ጉጅለ ተፈጢሩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብፀላእቲ ዝተፈፀመሉ ፅንተታዊ ወራር ከይኣክል ብከባብያውነት በታቲንካ ውልቀ መላኽነትካ እተረጋግፀሉ ኩነታት እናሰፍሐ መፂኡ። እዚ ሓይሊ እዚ ባህግታትን ጠለባትን ህዝቢ ትግራይ ዘይምልስ ንኹሎም ዲሞክራሲያዊ መንገድታት ዓፅዩ ብሓይሊ ከምበርክኽካ፣ ዝደሊ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ካብቲ ብምንቅስቓስ ሓፋሽ ህዝብናን ኣባልናን ብብዙሕ ቃልሲ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ድሕነት ኣጫህዩ ዝወፀ ሓይሊ እዩ። ንኹሎም ዲሞክራሲያዊ መሰላት ዓፊኑ ብሄራዊ ክሕደት፣ ጥልመት ፈፂሙ። ብሄራዊ ልኡኹ ስለዘይፈፀመ “ኣመዓራሪ” ክበሃል እንተሎ ድማ “ኣነ ዝበልክኹም ስምዑ” ዝብል ምልክነት መፂኡ። በዚ ድማ ክብርታትን ታሪኻትን ህዝቢ ትግራይ ሃደሽደሽ ኣቢሉ ሓደጋ ብሄራዊ ሓድነትና እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ኩሉ ክርደኦ ዘለዎ ጉዳይ ጠሊምካ፣ ኣምበርኪኽካን መሊኽካን ኣብ ስልጣን ክትፀንሕ ምድላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣይሰርሕን።
ብመሰረት እዚ እቲ ናይ ሐዚ ወፍሪ እምቢታ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ንምልክን ብተናን ኣይንቕበልን እዩ መልእኽቱ። ህዝቢ ትግራይ መሊኽካ፣ ኣምበርኪኽካ በቲንካ ዝግዛእ ህዝቢ ኣይኮነን። ስለዚ እምቢታ ዝብሎ ዘሎ ንብሄራዊ ኽሕደት ንምልኪን ንብተናን እዩ። ከም ህዝቢ ኣይትቕፅልን ንዝብልዎ ኣካላት ግን ትማሊ ኣይተቐበሎ፣ ሎሚ ኣይቕበሎ ፅባሕ እውን ኣይቕበሎን። እምቢትኡ ከም ህዝቢ ይኹን ከም ውድብ ክቕፅል እዩ። ከም ህዝቢ “ኣብ ልዕሊኻ ወፂእና ንጉሳውያን ኮይንና ገበርቲ ሓደግቲ ኮይና ክንቅፅል ኢና” ንዝብሉ ከምዘይኾነሎም እዩ ድምፂ እምቢታ ዘስምዕ ዘሎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ብሓደ ገፅ ንብሄራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዝጠለመ፣ ህዝቢ ትግራይ ክብትን ዝተዳለወ ፅግዕተኛ ጉጅለ ኣሎ። ብካሊእ ገፅ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ሓድነትን ክብርታትን ህዝቢ ክቕፅል ዝደሊ፣ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ኣፈላላይ እዚ ሱቕ ኢሉ ዝመፀ ዘይኮነ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብፍላይ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ምስተኻየደ እቲ ጥልመት ብከባብያውነት ብዔሌት እናስፍሐ ዝመፀ እዩ።
ስለዚ እዚ ወፍሪ እምቢታ ብትሕዝትኡ ዋላ እኳ ሓዱሽ ነገር እንተዘይኮነ ሓፈሻዊ ብናይ ህዝቢ ዓርሞሸሻዊ ምንቅስቓስ ብወፍሪ እምቢታ እዚ ፅግዕተኛ ጉጅለ ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ማዕበላዊ ምንቕናቕ ካብ ዝሓዞ ስልጣን ክወርድ ክኽእል ኣለዎ። “ክወርድ ኣለዎ” ክበሃል እንከሎ በቢ መድረኹ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት እቲ ህዝቢ ኣቐዲሙ ነቲ ፅግዕተኛ ጉጅለ ኣለልዩ ክሕደት ይፍፅም ከምዘሎ ተገንዚቡ ህወሓት ክገብሮ ኣብ ዘለዎ እናመዓደ መፂኡ እዩ። ህዝቢ ካብ ዘቖጥዑ ምኽንያታት እቲ ሓደ እዚ ፅግዕተኛ ዝበስበሰ ሓይሊ እዚ ብብዙሕ መስዋእቲ ዝተማረኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ፅንተት ዝፈፀሙ ወታደራት ምስ መረዳእቶኦም ብነፃ ብምልቃቑ እዩ። ካልኣይ ዝተመዛበሉ ወገናትና ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ብዘለዎ መንገዲ ናብ መረበቶም ይመለሱ ክበሃል እንከሎ ድማ ንህወሓት “ኩናት ትደልዩ ኣለኹም” እዩ ተባሂሉ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ጥልመት ይፍፅም ከምዘሎ እናሓበረ፣ ቑጠዕኡ በቢመድረኹ እናገለፀ መፂኡ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ወፍሪ እምቢታ ውሳነ ሓሳብ ህዝብን ኣባልን መሰረት ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ እዩ።
ወይን፡- ውድብ ህወሓት ዝተማለአ ሕውየት ንምርግጋፅ ዝጀመሮ ቃልሲ ተጠናኺሩ ንምቕፃል ዝተትሓዙ ቀፀልቲ ኣንፈታት እንታይ እዮም? ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣይትዎ ዘሎ መንቀራቕሮ ንምውፃእ ከም ውድብ እንታይ ይስራሕ ኣሎ? ውፅኢቱ ኸ?
ተጋዳላይ እያሱ፡- በቢከባቢኡ፣ ውዳብኡ ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ኣብ ወፍሪ እምቢታ ግልፅነት ተፈጢሩ ኣሎ። ሐዚ እቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ይሰጋገር ኣሎ። እዚ ክብርታትን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ክበታትን፣ ክመልኽ ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ ብናይ ሓፋሽ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን መንገዲ ካብ ዝሓዞ ምልካዊ ስልጣን ክእለ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ዝተውሃቦ ብሄራዊ ልኡኽ ዘይፍፅም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተሰግሲጉ ዘሎ ሓይሊ ብሰላማዊ መንገዲ ክለዓል ኣለዎ። ምኽንያቱ ካብቶም ዝተውሃቡዎ ልኡኻት ዝተማዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ በተን ካብ ፅንተት ዝተረፋ ዓቕምታትና ኣኪብና ዳግመ ሕውየት ህንፀት ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ፣ መስርሕ ተሓታትነት ክህሉ፣ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ክህሉ ብቐዳምነት ክስራሕ እዩ። ነዚአንን ካልኦት ኣብቲ ስምምዕነት ዝተቐመጣ ነጥብታትን ክሳብ ዘየተግበረ ካብ ዝሓዞ ስልጣን ክእለ እዩ ዘለዎ። ብኣንፃሩ ኣብቲ ቦታ ነዚአን ዘፈፅም መሓውር ምምሕዳር ክቕመጥ ኣለዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ውድብ ሰፊሕ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ንምስራሕ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ነዚ ድማ ኣብ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ፣ መዳያት መፃኢት ትግራይ ክትኮኖ መሰረት ኣብ ዝገበሩ ጉዳያት ሰፋሕቲ መፅናዕታት ይካየድ እዩ ዘሎ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ መሰረታዊ ኣንፈታት ተቐሚጦም እዮም። ሐዚ ዘድሊ ቁመና ናይቲ ውድብ ምትዕርራይ፣ ብሄራዊ ህልውናን ድሕንነትን ህዝብና ምርግጋፅ፣ ልኣላውነትና ክኽበር፣ ዝተማዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ምግባር እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ዓቕምታትና ውዲብና ብምንቅስቓስ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ምርግጋፅ እዩ። እዚኦም ኩሎም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝፍፀሙ ዘይኮኑስ ኣብ ሓፂርን ብነዊሕ እዋን መፅናዕትታት ብምክያድ ዝፈትሑን እዮም ዝኾኑ። ብሓፈሻ ድሕሪ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤን መድረኻት ወፍሪ እምቢታን ኣብ ኣባልና፣ ህዝብና ተፈጢሮም ዝነበሩ ምድንጋራት እናተቐረፉ እዮም። ሕልሚ እዚ ፅግዕተኛ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ክብተን፣ ሓይሊ ፌደራል ናብ ትግራይ ክኣትው እዩ ዝፅውዕ ዘሎ።
ነዚ ድማ ህዝቢ ካብ ደንገርገር ወፂኡ ብድሕረትን ከባቢያውነትን መን ከም ዝተሸመመ፣ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ መን ኣሕሊፉ ይህብ ከምዘሎ እናተገንዘቦ መፂኡ ኣሎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብያተ ምኽሪ ዝለዓለ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለወን ትካላት ከምዝኾናን በሃበ ተረኽበ ክፈርሳ ከምዘይኽእላን ኣብ ኣረኣእያ ዝተመስረተ ግልፅነት ተፈጢሩ ይቃለስ እዩ ዘሎ። ሐዚ ጠለብ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ መሓውር ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ቀልጢፉ ተመዓራርዩ ናብ ስራሕ ክኣትው፣ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ። እዚ ማለት ግን ቐፃሊ ፃዕርን ምንቅስቓስን ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ብቐፃሊ እውን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ቀልጢፉ ክምለስ፣ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ውሑስ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ዝኾነ ቃልሲ ዝሓትት እዩ። ብሓፈሻ ግን እቶም ዝተኻየዱ መድረኻት ወፍሪ እምቢታ ከም ህዝቢ፣ ከም ኣባላት ውድብ ከመይ ሓደ ኮይንካ ከም ትቃለስ ኣንፈት ዘትሓዙ እዮም ነይሮም ምባል ዘኽእለና እዩ።
ኣብዚ ከም መርኣዩ ክውሰድ ዝኽእል ሰበብ ስምምዕ ፕሪቶርያ እቲ ክልላዊ ቤት ምኽሪ መን ከምዘፍረሶ ከይተፈለጠ ክፈርስ ተገይሩ እዩ። ንኡ ስዒቡ ኣብ ወረዳታት፣ ከተማታትን ጣብያታትን ዘለዋ ኣብያተ ምኽሪ ናይ ፍራስ ዕማም ተታሒዙ ምንቅስቓ ተጀሚሩ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ኣብያተ ምኽሪ ሕገ-መንግስታዊ መሰለን ይጠሓስ ከምዘሎ፣ ተገንዚቡ ቃልሲ ይገብር ኣሎ። “ህዝቢ እዩ ስልጣን ዝህብ ኣብያተ ምኽሪ ክፈርሳ የብለንን” ክብል እንከሎ ድማ ብማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ “መንእሰይ ትልዓል፣ ህውከት ዕግርግር ፍጠር” እናተብሃለ ፃውዒት ይቐርበሉ ነይሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኩሎም እቶም ናይ መኸተ ዓቅምታት ይውደቡ ኣለው። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብሄራዊ ህልውንኡን ድሕንነቱን ንምርግጋፅ ፃዕሪ የርኢ ኣሎ። ናይ መኸተ ዓቕሚ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ እውን ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ የርኢ ኣሎ። እዚኦም ናብ ሓደ ኣረኣእያ ይመፁ ምህላዎም ዘርእየና እዩ።
ወይን፡- ኣብዚ መድረኽ ቃልሲ እምቢታን መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲትን ኣመልኪትካ ንኣባላት ውድብ ህወሓት፣ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ደገፍቲ ህወሓትን እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሊኡ?
ተጋዳላይ እያሱ፡- ውድብ ህወሓት ብዙሓት ፈተንቲ ምዕራፋት እናበደሀ ናብ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት በፂሑ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ መንነቱ ንምጥፋእ በቢምዕራፉ እናተባረዩ ይገጥምዎ እዮም። ይኹን እምበር እዚ ህዝቢ እዚ ምስታ ካብ ኣብራኹ ዝፈጠራ ውድብ ህወሓት ኮይኑ ንኹሎም ፈተናታት ብፅንዓትን ተወፋይነትን እናሰገረ ድሮ መበል 50 ዓመት ምዕራፋት ቃልስን ፅንዓትን ከኽብር ይቀራረብ ኣሎ። ብቑፅሩ ውሑድ ህዝቢ ኮይኑ እውን ኣብ ብሄራዊ ሓድነቱ መንነቱ ዘይደራደር ህዝቢ እዩ። ዝሓለፉ 50 ዓመታት ናይ ፈተናታት፣ ፅንዓትን ዓወትን ዓመታት እዮም ነይሮም። ሐዚ እውን ውድብ ህወሓት መበል 50 ዓመት በዓል ለካቲት እንትኽበር ኣብ ዝተመቻቸወ ኩነታት ኮይኑ ኣይኮነን። ከቢድ ፈተና ገጢምዎ ዋላ እኳ እንተሃለወ ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ህዝቡ፣ ኣባሉ ሒዙ “እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ምልክን ብተናን ኢሉ ተቓሊሱ ከም ዝሰግሮ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ንውድቡ ህወሓት መንገፍ ዓይና እናወፀአ፣ ዝጎደለ እናኣረመ፣ ዝድገፍ እናገደፈ ዝመፀ፣ ደጋፊ ዘይኮነስ በዓል ዋና እታ ውድብ ዝኾነ ህዝቢ እዩ። ሐዚ እውን ውድብ ህወሓት ናይ ህልውና ፈተና ገጢሙዎ ኣሎ። ከምቲ ልሙድ ናብ በዓል ዋናኣ ዝኾነ ህዝቢ፣ ኣባልን ካድረን ወሪዳ ሰፋሕቲ መድረኻት ጉባኤ ኣካይዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንገዲ ሕውየትን ህልውናን ሒዛ ኣላ። መሊኣ ካብቲ ዝኣተወቶ ፈተና ክትወፅእ ድማ ሓፋሽ ህዝብና ኣባልናን ደጋፊናን ሎሚ እውን ከም ቀደምካ ኣብ ሓቀኛ መስመር ውድብካ ህወሓት ዕሰል ክብል ይደሊ።
ሎሚ እውን ከም ቀደምና ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት ኮይንና ሕድሪ ናይ ትማልን ሎምን ሰማእታት ከይጥለም ኣብ ጎኒ ህዝብናን ውድብናን ኮይንና ንዝመፀና ዝኾነ ዓይነት ፈተና ንምብዳህ ቃልና ክነሐድስ ይግባእ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት ጥልመታት ይረኣዩ ኣለው። ነዚ ጥልመት፣ ክሕደትን ብተናን እምቢ ኢልና ኣብቲ ዝተሰለፍናሉ ቅኑዕ ዕላማ ኮይንና ክንቃለስ ይግባእ።
እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ እቲ ብጭቡጥ ዝረአ ዘሎ ንጉሱ ህዝቢ ትግራይ ዝገበረ፣ ንህልውና ንድሕነትን ህዝቡ ዝቃለስ ሓይልን ንጉሱ ዝቐየረ ጠላም ፅግዕተኛ ጉጅለን ዝፍለየሉ መድረኽ እዩ ዘሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ህዝቢ ትግራይ ጠላም ኣይፈትውን፣ በላዒ ክልተ ስጋ ምሒር እዩ ዝፀልእ። ብመሰረት እዚ ኣብ ሓደ ቆፎ ንህቢ ክልተ ንጉስ ንህቢ ክህሉ ስለዘይኽእል ነዚ ንጉሱ ዝቐየረ ፅግዕተኛ ሓይሊ ናብ ንጉሱ ክኸይድ ክፍለ እዩ ዘለዎ። ብመንፅር እዚ ኩሉ መሪሕነት፣ ኣባል ነዚ መላኺ፣ ጠላምን በታንን ሓይሊ ብሓደ ገፅ እናተቓለሰ ብኻልእ ገፅ ድማ በቢ ዝተዋፈረሎም ዓውደ ስራሕቲ ብቕንዕናን ተወፋይነትን ከገልግል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ ብላዕሊ ኩነታት ዝርድኦ ህዝቢ እዩ። እትኽእሎ ብሓቅን ቅንዕናን ክትሰርሐሉ ዝደሊ እምበር ልዕሊ ዓቕምኻ ዝሓትት ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ዝፀልእ ጥልመትን ሸፈጥን እዩ። ነታ እትኽእላ ግን በታ ህዝቢ ዝደልያ ብሓቅን ቅንዕናን ንምግልጋል ቅድመ ግንባር ኮይኑ ክመርሕን ክሰርሕን ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ጉዕዞ 50 ዓመት ኣብ በዳህቲ ፈተናታት፣ ፅንዓትን ቃልስን ኣብ ዝሓትት መድረኽ ኣለና። ኣብዚ ቃልሲ እዚ ድማ ፈተናታት ጥራሕ ዘይኮኑ ዓወታት ዝተመዝገብሉ እዩ። ጀሚርናዮ ዘለና ቃልሲ ወፍሪ እምቢታ ናብ ዝለዓለ ምልኣተ ህዝቢ ዘነቓንቕን ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግርን ስለዝኾነ በዓል ዋና እቲ ውድብ ዝኾነ ህዝብና ተጋደላይናን ኣባልናን ሕድሪ ስውኣቱ ተሓንጊጡ ናይቲ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ዕላማታት 11 ለካቲት ንምዕዋት ክረባረብ፣ ንጠላማት እናኣለየ፣ ጉርድን ፅሩይ ምህርትን እናፈለየ ክኸይድ ፃውዒተይ የቕርብ።
ወይን፡- ንዝሃብካና መብርሂ ብሽም ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ክነመስግን ንፎቱ የቐንየልና።
ተጋዳላይ እያሱ፡- ኣብ ዕላማታት 11 ለካቲት ዝተፈጠረት ጋዜጣ ወይን ልሳን ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኮይና ትቕፅል ብምህላዋን ኣብ ፅንኩር ኩነታት ኮይና እውን ንእትገብሮ ዘላቃልሲ ይንእድ። ካብቲ ዘላቶ ዓብያን ዓንቢባን ክሪኣ ድማ ሰናይ ትምኒተይ እዩ። የቐንየለይ!