“ሓሙሽቲአን ውሳነታት ማይ ኣባይ ናብ ቦትአን ክምለሳ ኣለወን፤”
ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ
ውድብ ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ህዝቢ ኣንቂሑን ወዲቡን ፈታኒ ዝበሃል ቃልሲ 17 ዓመታት መሪሑ ናብ ዓወት ኣብፂሑ እዩ። ድሕሪ 1983 ዓ/ም እውን እንተኾነ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን እታ ሃገር ብሰላም ክነብሩ፤ ካብ ልምዓት ሃገሮም ተጠቀምቲ ክኾኑን ካብኡ ሓሊፉ ኣብታ ሃገር ዴምክራሲ ክሰፍሕን ብኡ ልክዕ ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲን ዓብይ ግደ ዘበርከተ ውድብ እዩ። ድሕሪ ምፍራስ ኢህወደግ እውን እንተኾነ ነቲ ዝነበረ ሃገራዊ ኩነታት ተረዲኡ ህዝቡ ወዲቡን ኣለዓዒሉን ካብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክሳብ ኣንፃር ነቲ ዝተኸፈተ ወፍሪ ፅንተት ህዝቢ ክምክት ዝገበረ ውድብ ምዃኑ ምስክሩ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ድሕሪ መኸተ ኣንፃር ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ብውድብ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ዝተፈረመ ዉዕሊ ስምምዕ ሰላም ምስ ፀገማቱ መቃለሲ ንግበሮ ኢሉ፤ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ብዝጠቅም መልክዑ ከይተሸራረፈ ክፍፀም ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣጋጢሞም ዘለው ሕልኽላኻት ብዓይነቶም ዝተፈለዩ እንተኾኑ እውን በቲ ልሙድ ናይ ቃልሲ ተመኩርኡን ህዝባዊ ባህሪኡን ንምፍተሖም ምስ ህዝቢ ይሰርሕ ኣሎ።
ብድምቀት ዝኽበር ዘሎ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ ለካቲት 11 ምኽንያት ብምግባር ምስ ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ቃለመሕትት ኣካይድና ኣለና። ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ካብቶም መስረትቲ ውድብ ህወሓት ሓደ ኾይኑ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ኮይኑ ዝተቓለሰ እዩ። ‘ኣቦይ’ እናተብሃለ ብቕፅል ሽሙ ዝፅዋዕ ተጋዳላይ ስብሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ይነብር። ኣብዚ ዓምዲ ተጋዳላይ ስብሓት ውድብ ህወሓት ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ በብእዋኑ ዘጋጠምዎ ዓወታትን ፈተናታትን እንታይ ይመስሉ ነይሮም? ኣበይን መዓዝን እዮም እቶም ፈተናታት ኣጋጢሞም? እቶም ዘይስገሩ ዝመስሉ ፈተናታት ብኸመይ ተሰጊሮም? ክብርታትን እምነታትን ውድብ ህወሓት እንታይ እዮም? ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቱ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ሰናይ ንባብ።
ወይን:- ተጋዳላይ ስብሓት ብቐዳምነት ነዚ ቃለመሕትት ክትህበና ፍቃደኛ ብምዃንካ ነመስግን። ብሽም ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ድማ እንኳዕ ንምስረታ ውድብ ህወሓት መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዩ ክብረ በዓል ብሰላም ኣብፀሐካ።
ተጋዳላይ ስብሓት፡- ኣነ እውን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣባላትን እንዃዕ ንመበል 50 ዓመት ምስረታ ዉድብና ኣብፀሐኩም ክብል ይፈቱ።
ወይን:- ህዝቢ ትግራይ ኩነታት ጥዕናኻ ክፈልጥ ይደሊ ኣሎ፣ ኩነታት ጥዕናኻ እንታይ ይመስል?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ናይ ጥዕናይ ኩነታት ዝምልከት ፀገም ኩላሊት ኣለኒ። ኮይኑ ግን ናብ ስግኣት ዝወስድ ኣይኮነን። ቐፃልነት ዘለዎ ሕክምና ይወስድ ስለዘለኹ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣለኹ። ሳላ ፃዕሪ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣብ ዝሐሸ ኩነታት ጥዕና ኣለኹ።
ወይን:- ኣጀማምራ ቃልሲ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንታይ ይመስል? ምኽንያቱን ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ጉዕዞኡን እንተትገልፀልና? ምስ ውድባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከ ከመይ ክትገልፀልና ትኽእል?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ኣነ ቁሩብ ታሪኽ ይፈልጥን የንብብን እየ። ʻwhy nations failʼ ኣብ ዝብል መፅሓፍ ‘ኢትዮጵያ ሓደ ሽሕ ዓመት ንዓለም ረሲዓ፤ ዓለም እዉን ንኢትዮጵያ ረሲዕዋ።ʼ ይብል ፀሓፋይ ጊበን። ኢትዮጵያ ዳርጋ ኣብ ዓለም ኣይነበረትን ምባል ይከኣል። እቶም ናይ ትግራይ መሳፍንቲ ይኹኑ ናይ ኢትዮዽያ ግን ኣብ ዓለም ከምዘለናን ዝሓሽና ከምዝኾናን ገይሮም እዮም ዝዛረቡ ነይሮም። እቲ ናይ ኢትዮጵያን ዓለምን ኹነታት ዘይምርዳእ ድማ ነይርዎም። ጫማ ምስራሕ ዘይትኽእል ዓዲ እናሃለወት “ኣለና” ትብል ነይራ። ጃፓን ሽዑ መርከብ እንተሪእዮም ኣበይ ተሰሪሓ? ከመይ ተሰሪሓ ኢሎም ኽልተ ሚኢቲ ሰብ ናብ ሩስያን ኣሜሪካን ንኽመሃሩ ይልእኹ ነይሮም። ንሕና ድማ ብረት እናቐጥቀጠና ካበይ እያ ተሰሪሓ ኣይንብልን። ፀሓፊ ጊበን እዉን “ብፀላኢ ተኸቢቦም እናሃለዉ ኣለና እዮም ዝብሉ” ኢልዋ እዩ ኣብታ መፅሓፉ። መሳፍንቲ ዋላ ብፀላኢ ተኸቢቦም እናሃለው “ኣለና መን ከማና” እዮም ዝብሉ ነይሮም። ስለዚ ማገብት (ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ነዚ ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ዘእተወ ቃልሲ እዩ ኣነፂሩ።
ካብቶም ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ውድባት ከም ማገብት(ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ዝኣመሰለ ኣዐርዩ መሬት ዝረገፀ ውድብ ኣይነበረን። ነዚ ኲነታት እዚ መንቀሊኡን መፍትሒኡን እንታይ እዩ እንተይልና ኢህኣፓን መኢሶንን ፈቲኖምዎ ዘይፈልጡ ኣካይዳ ስለዝተፈተነ እዩ። በቲ እዋን እቲ ዋና ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ እቲ ፊውዳል ስርዓት እዩ።
ማገብት ቃልሲ እንትጅምር ኣብቲ መበገሲ ዕላማ ቃልሲ ኩነታት ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩነታት ኢትዮጵያን ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራትን ሪኡ እዩ ቃልሲ ጀሚሩ። “ኣብ 1962 ዓ⁄ም መግዛእትን ወራርን ኣፍሪካዉያን ክዕፆ ከሎ ʻኣፈሪካዉያን ንኣፍሪካዉያን ʼ ኢሎም ዘቐመጥዎ ፍኖተ ሓሳብ መሰረት ገይርና ዓዲ ክንምስርት ኢና” ኢሎም እዮም ናብ ቃልሲ ወፊሮም። ኣብ ኢትዮዽያ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እዉን ኣብ ግምት ዘእተወ ቃልሲ እዩ፣ ካብ ፈለማ ብማገብት (ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ተወሊዑ።
ኣብ ምስረታ እቲ ቃልሲ “ሻዕብያ ፣ ጀብሃን ኢህፓን ብሓባር ኮይኖም ትግራዋይ ዝበሃል ናብ ኤርትራ ክኣትው የብሉን ጃሱስ” እዩ ይብሉ ነይሮም። ኢህኣፓ እዉን “ትግራዋይ ናብ ዝኾነ ቦታ ክኸይድ የብሉን” ዝብል እምነት ዝነበሮም እዮም። ቅድሚ 1971 ዓም ጀብሃን ኢህኣፓን ኣሎ ዝበሃል ሓይሎም ተጠቒሞም ወጊኦምና። ኢድዩ ምስ ጀብሃን ኢህኣፓን ተሓባቢሮም ወጊኦምና። ንትግራዋይን ንህወሓትን ዘናእስ ሓሳባት የልዕሉ ነይሮም። “ንስኹምስ ጠምዩና ኢልኩም ትኾቡልና እንተበልኩም እምበር፤ መንግስቲ ክንተክል ኢና፤ ዴሞክራሲ ክነምፅእ ኢና ምባል ኣየጥዕመልኩምን። ብዛዕባ ፓለቲካ ክተዋግዑ ኣይትሓፍሩን ዲኹም?” ይብሉና ነይሮም። ስለዚ ከም ህዝቢ ይኹን ከም ውድብ ቆላሕታ ዝወሃቦ ኣይነበረን። ምግላል ብሰፊሑ ነይሩ። ናይ ደገ ሓይልታት ግና ንደርግ ካብ ኢትዮጵያ ከጥፈኦ ዝኽእል ብሕታዊ ውድብ ህወሓት እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም። ኢድዩ ንደርግ ንምዉዳቕ ሰለስተ ሻዕ ፈቲኑ ኣይኮነሉን። ካልኦት እውን ፈቲኖም ኣይክኣሉን። ህወሓት ግና ናይ ህዝቢ መሰረት ስለዝነበሮ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተቐባልነቱ እናዓበየ ስለዝኸደ ናይ ደገ ሓይልታት እውን “ንስኹም ኢኹም ንደርግ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትምሕዉዎ” ዝብል እምነት ስለዝነበሮም ከምቲ ዝበልዎ ብሓይሊ ህዝቢ ህወሓት ዓወት ኣምፂኡ።
ካብኡ ሓሊፉ ምስ ካልኦት ውድባት ዝነበረ ዝምድና እንተኾነ እውን ህወሓት ምስ ዓፋር ነፃነት ግምባር ቀልጢፋ እያ ናብ ስምምዕ በፂሓ። ምስ መራሒ ዓፋር ዓሊሚራሕ ዝነበረና ፀገም ክንእርሞ ንኽእል ኢና ብዝብል ተሰማሚዕና። ኦሮሞ ድማ ኣብ ኣሶሳ ውድብ ክንምስርት ኢና ኢሎም። ዉድብ ህወሓት ድማ ዝሕግዝዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰዲዳትሎም። ካብ ባዶ ሽዱሽተ፣ ባዶ ሸውዓተ፣ ካብ ባዶ ሓሙሽተ ዝሕግዝዎም ሰባት ተላኢኾም። ካብኣቶም ሓደ ክንፈ ገብረመድህን ዝመርሖ ጉጅለ ልኢኽና ብዙሕ እዉን ፅዒርና፤ ኣይቀንዐናን። ክንፈ ገብረመድህን “ኣይቀንዐንን” ምስበለ እዉን ኮለኔል ታደለ ገብረስላሰ ልኢኽናሎም። ንኦሮሞ ነፃነት ግምባር ክነጠናኽሮም ብሓባር ክንሰርሕ ብዙሕ ፅዒርና ኣይኮነልናን። ንሳልሳይ ግዘ ኣባ እስቲፋኖስ ተስፋይ ምስ ላኣኽና ነቶም ቅድሚኡ ዝተልኣኹ ንክንፈ ገብረመድህንን ንኮለኔል ታደለ ገብረስላሰን ናታትኩም ድኽመት እዩ ኢልና ነቒፍናዮም። ሽዑ ሻዕብያ ምስ ፀጥታ ሱዳን ኮይኖም ይሰርሑ ስለዝነበሩ እንተደሊኹም ንደቡብ ሱዳን ኬድኩም ተዋግኡ እምበር ጉዳይ ኦሮሞ ኣይምልከተኩምን ኢሎምና። ኦነግ(ግምባር ነፃነት ኦሮሞ)፣ ሻዕብያን ፀጥታ ሱዳንን ዉፅኡ ካብ ኣሶሳ ኢሎም ተቓዊሞምና። ንሕና ግና ብዘይ ኦሮሞ ናብ ናይ ደገ ዝርርብ ኣይንኸይድን ዝብል ዉሳነ እዩ ነይሩና። ኣብቲ እዋን ንሳቶም ንኣሶሳ ንሕና ድማ ንኣዲሰ ኣበባ ንፅጋዕ ነይርና። ድሕሪ ብዙሕ ፃዕርን ድኻምን ግና ንኦነግ(ግምባር ነፃነት ኦሮሞ) ሒዝና ምስ ናይ ደገ ሓልታት ንምዝርራብ ናብ ለንደን ኬድና። ኣብታ ናይ ስግግር ግዘ ግና ኦነግ(ግምባር ነፃነት ኦሮሞ)ን ሻዕብያን ወጊኦምና። ዘይተፈተነ ተንኮል ጥፍኣት ኣይነበረን ኣብ ልዕለይና። ንዓና ከም ሰብ ገይሩ ዝሪአና ዝነበረ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጥራሕ ነይሩ። በዚ ድማ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ኹሉ ፈተናታት በዲሁ ሃገር መስሪቱ።
ወይን:- ከምዝፍለጥ ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ካብቶም ፈለምቲ ቃልሲ ዝነበሩ ውሑዳት ተጋደልቲ ሓደ ኢኻ። ከም በዓል ታሪኽን ንፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ቃልሲ ወያነ ትግራይ ምፅናሕኻ እንታይ ይስመዐካ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ኣብዚ 50 ዓመታት ቃልሲ ወያነ ትግራይ ዝረኸብክዎ ፍልጠት ናይ ህዝቢ ትግራይ ፍልጠት እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ ፍልጠት መበገሲ ገይረ ንውድብ ህወሓት ምምረሐይ ይኹን ምቅላሰይ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ንፍርቂ ክፍለ ዘመን ካብ ናይ ህዝቢ ትግራይ እምነት ከይገለስኩ ምፅነሐይ እውን ድሕነት ገይረ እየ ዝወስዶ። ኣብ ናይ ነዊሕ ዕድመ ቃልሰይ ናብ ሰንፈላልን ክሕደትን እንተይኣተኹ ካብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እናተምሃርኩ ፀኒሐ እየ። ካብ እምነት ህዝቢ ወፂአ ብሓሳብ ከይተንሳፈፍኩ ምፅነሐይ ፍሉይ ታሕጎስ ይስመዐኒ። ህወሓት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዘናስሕ ስራሕ ዘይሰርሐ የግዳስ ዘኹርዕ ውድብ እዩ። ኣብ ፃንሒት ቃልሰይ ኣብ ማገብት፣ ተሓህት ድሓር ድማ ህወሓት ኣብ ዝፀናኹሉ እዋን ወርቃዊ ግዘ ኣሕሊፈ ኣለኹ። ዘናስሕ ነገር ኣይብለይን። ናይዚ ውድብ እዙይ ታሪኽ ተኻፋላይ ምዃነይ ኩል ግዘ የሐጉሰኒ፣ እኾርዐሉ እውን።
ወይን:- ኣብ መስራቲ ጉባኤ ውድብ ህወሓት መን ኣቦ ወንበር ኮይኑ ተመሪፁ? ንስኻ ኸ መዓዝ ኢኻ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ኮይንካ? ብድሕሪኡ ኸ ንመን ስልጣን ኣቦወንበርነት ኣረኪብካ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ማገብት(ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) መጀመርያ ቃልሲ ክጅመር እንከሎ ኣብ ከተማ ትሸዓተ ማእኸላይ ኮሚቴ መሪፆም። ድሕሪ እዚ ገሊኦም ኤርትራ ኸይዶም ክዕለሙ መደብ ሒዞም። ገሊኦም ድማ ናብ ቆላ ኣድያቦ ክወርዱ ተሰማሚዖም። ከምኒ ስሑል፣በሪሁ፣፣ ግደይን ኣባይ ፀሃየን ናብ ኣድያቦ ከይዶም ነይሮም። ንኤርትራ ዝኸዱ ድማ ስዩም መስፍን፣ ኣግኣዚ፣ ስየ ነይሮም። ኣነ(ስብሓት) ድማ ሓደ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ተባሂለ። ኣልኣሚን ከዓ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ተመዲቡ። ንዓይ ድማ ነተን 17 ውድባት ከፅንዕ መደብ ተዋሂቡኒ። ነቶም ሓደ ሓደ ድማ ኣብ ትግራይ ቃልሲ ይጅምር ከምዘሎ ክነግሮምን ኣብኡ እናሃለኹ እውን ኣብ ደርግ ኣባላት ንዝነበሩ ወገናት ስርዒት ክሰርዕን ስራሕ ተዋሂበ። ይኹን እምበር ሓደ ዓመት ዝኸውን ኣይሰራሕኹን። ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ሰራሕኹ እቲ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ከይቃላዕ ስግኣት ስለዝሓደረኒ ናብ ሜዳ ወሪደ። እንተኾነ እኒ ስዩም ኣነ ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ በረኻ ምምፀአይ ኣይፈተዎን። ኣባላት ማግብት እውን ኣይተሓጎሱን። ብድሕሪኡ “በልሞ እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ኣብ ማይጨው ኮይንካ ስርሓዮ” ኢሎምኒ። ኣመፃፅኣይ ግና ናብ ደደቢት ንምኻድ እዩ ነይሩ። ስዩም ኣቋሪፅዎ ዝነበረ ቃልሲ ክቕፅል ናብ ኤርትራ ምስ ኸደ ኣነ(ስብሓት) ንማይጨው ምኻድ ገዲፈ ናብ ደደቢት ከይደ። ናብ ደደቢት ምስከድኩ በሪሁ ኣረጋዊ “ስብሓት” ዝብል ሽም ሂቡኒ። ስብሓት ማለት ወዲ ደጃዝማት ዉነህ እዩ። ትዉልዶም እንትጮ እንትኾን ንጥላሁን ይግዛው ከድሕን እንትንቀሳቐስ ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝተቐተለ እዩ። በዚ ቅፅል ሽም እዚ ናብ ናይ ሜዳ ቃልሲ ምስ ኣተኹ ኣልኣሚን እውን ናብ ደደቢት ስዒቡኒ መፂኡ። ናብ ደደቢት ምስ ከድኩ ማገብት ዝመረፆም ትሸዓተ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣቦ ወንበሮም ድማ በሪሁ ኣረጋዊ እዩ ነይሩ። ቀፂሉ ብድሕሪ እቲ ኣብ ደደቢት ዝተጀመረ ቃልሲ ብ 1968 ዓ⁄ም ኣብ ዲማ ማርዋ መስራቲ ጉባኤ ተኻይዱ። ኣብኡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይነ ተመሪፀ። ኣብ 1975 ዓ⁄ም ድማ ናይ ህልዉና ጉባኤ እንትነካይድ ኣቦ መንበር ተመሪፀ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 1977 ዓ⁄ም ጉባኤ ውድብ እንትካየድ ክወርድ ደልየ እንተነበርኩኳ ክትቃለስ ኣለካ ዝብል ናይ ኣባላት ድፍኢት ስለዝነበረ ቀፂለ። ኣብ ኣቬራ ድማ ንካልኣይ ግዘ ኣቦመንበር ውድብ ገይሮም መሪፆምኒ።

ናብ መዋፈሪ ማእኸል ሃገረሰላም ምስቀየርና ንመለስ ዜናዊ ኣቦመንበር ክኸዉን ክምረፅ ከምዝኽእል ኣባላት ይዘራረቡሉ ከምዝነበሩ ይዝክር። መለስ ግና ኣቦ ወንበር ክኸውን ድልየት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር ኣነ ካብ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት እንትወርድ መለስ ዜናዊ ኣቦ ወንበር ዉድብ ህወሓት ኮይኑ ብማእኸላይ ኮሚቴ ስለተመረፀ ናይ ዉድብ ኣቦ ወንበርነት ተረኪቡኒ።ኣብ ጎኒ ዉድብካ ኮይንካ ክትሕግዝን ክትቃለስን ኣለካ ስለዝተብሃልኩ ድማ ኣብ ጎኒ መለስን ካልኦት ብፆተይን ኮይነ ንዉድበይ ከገልግል ክኢለ እየ።
ወይን:- ውድብ ህወሓት ኣብ ሕሉፍ 50 ናይ ቃልሲ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ኣብ ውሽጡ ከምዘጋጠምዎ ይዝከር እዩ። እንተኾነ እቶም ፈተናታት በብግዚኡ ይለዓሉን ይስገሩን ነይሮም። እቶም ፈተናታት መዓዝ? ኣበይን ንምንታይን እዮም ኣጋጢሞም ንምንታይ ከ ይደጋገሙ ነይሮም?
ተጋዳላይ ስብሓት፡- ካብ 1969 ክሳብ 1971 ዓ/ም ዝነበሩ ዓመታት ንውድብና ናይ ፀልማት ግዘ እዩ ነይሩ። ካብ 1969 ዓም ክሳብ 1971 ዓ/ም ኩሎም ዉድባት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅልኣት ዘሕደሩሉ ፤ኣውራጃውነት ብሰፊሑ ዝተልዓለሉ፤ ኢድዩ ኣዐርዩ ዝጠንከረሉ፤ “ውድብ ክትህልው ድያ ኣይትህልውን” ዝብል ስግኣት ዝተፈጠረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኩሎም ውድባት ዘሎን ዘየሎን ዓቕሞም ጠርኒፎም ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ንተሓህት( ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ)ንምጥፋእ ተረባሪቦም። ‘እምበርከ እታ ዉድብ ክትቅፅል ድያ?’ ዝተብሃለሉ ግዘ እዩ። ናይ ህዝቢ ድጋፍ ግና ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ሓያል እዩ። “ እዚ ግበሩ እዚ ኣይትግበሩ” ይብለና ነይሩ። ኣብ ሓፂር ግዘ እቲ ቃልሲ ክዕወት ኣታዓጣጥቓና እውን እዩ ዝከታተል ዝነበረ። ህዝቢ ትግራይ ባይቶ ምትካል ኣብ ዝጀመረሉ ጐና ጐኒ መሬት ምምቃል እዉን ይካየድ ነይሩ። ሽዑ ውድብ ኣብ ባዶ ሰለስተ ግልጋሎት ሕክምና ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ባዶ ዓሰርተ ሓደ ውን ትምህርቲ ቀቁሩብ ተጀሚሩ። እቲ ህዝቢ እውን ኩሉ ኩነታት ተረዲእዎ ናብ ቃልሲ እናኣተወ ʻድፈሩ! ቀልጥፉ!ʼ ዝብል ሓቦ የስንቐና ነይሩ። ቅቡልነት ህዝቢ እናዓዘዘ ኣብ ዝመፅኣሉ ግዘ ኣብ ማይ ኣባይ ናይ ህልዉና ጉባኤ ተኻይዱ። ኮይኑ ግና ኣብቲ እዋን ከቢድ ጭንቂ እዩ ተሓሊፉ።
እቲ ዋና ፈተና ኣብ ውድብ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኣዉራጃውነት እዩ። ኣብ ገለ ገለ ሰባት ዝነበረ ሓደገኛ ኣረኣእያ ነቲ ውድብ ብኣውራጃውነት ከፋፊልካ ውድብ ኣፍሪስኻ ነናብ ገዛካ ምኻድ እያ ነይራ እታ ድልየት። ምስዚ ተኣሳሲሩ ድማ ኩሎም ዝበሃሉ ፀገማት ኢኮኖሚ ፣ ርክብ ምስ ፓለቲካዊ ውድባት ፣ ምብልሻው ኣባላት ካብ 1969 ዓ/ም ክሳብ 1971 ዓ/ም ንውድብና ሓደጋ ኮይኖምዎ። ዝነበሮም ኣማራፂ እንተኾይኑሎም ንውድብ ብኣውራጃውነት ከፋፊልካን ኣፍሪስካን እምበር ህዝቢ ከምዘይቕበሎም ይፍለጥ እዩ። እቶም ሰባት ውን ውድብ ኣፍሪሶም እምበር ውድብ እናሃለወት ከይዶም ናብ ከባቢኦም ብሰላም ከምዘይነብሩ ይርድኡ እዮም ነይሮም። ህዝቢ ስለ ዝኣመንናን ህዝቢ ስለዘይተቐበሎምን ግና ተሰጊሩ።
እቲ ካልእ ንውድብ ዘጋጠማ ፈተና ብ1977 ዓ⁄ም ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እዩ። በሪሁ ኣረጋውን ግደይ ዘርኣፅዮንን ኣብ ፖለቲካውን ወታሃደራውን ስራሕቲ ንዝነበሩ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ፣ ሳሞራ የኑስ፣ ስየ ኣብርሃን ካልኦትን “ይሕንፍሹና ኣለው፤ ኣይእዘዙናን” ዝብል ስምዒት ነይርዎም። ብፍላይ በሪሁ ወይ ኣረጋዊ ውልቃውነት ነይርዎ። ነቶም ዝጠቆምኩዎም ሰባት ንእሰሮም ኢሉ ረቢሹኒ ኣነ ግን ኣይኾንን ኢለ ኣብየዮ። ምክትለይ ዝነበረ ግደይ ዘርኣፅዮን እውን ምስ በሪሁ ወጊኑ ስለዝነበረ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። ግደይ “ሃፍታም ሓረስታይ ስትራተጂክ ፀላኢና እዩ” ይብል ነይሩ። ደሓር በዚ ምስተፈላለና በሪሁ ንሱዳን ከይዱ። ግደይ እውን ‘ካልእ ውድብ ክምስርት እየ’ ኢሉ ካብቲ ውድብ ተሰናቢቱ። ድሕሪ እዚ ቅርሺ፣ ዓጀብትን መኪናን ተዋሂቡ ናብ ሸራሮ ከይዱ ውድብ ክምስርት ፈቲኑ። ዕዳጋ ዓርብን ሳምረን እውን ከይዱ። ይኹን እምበር ህዝቢ ካብ ውድብ ወፃኢ ንኻልእ ከምዘይቕበል ምስ ፈለጠ ግደይ እውን ናብ ደገ ኸይዱ።
እቲ ኻልእ ንህወሓት ዘጋጠሞ ፈተና ናይ 1993 ዓ⁄ም እዩ። እኒ ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ፣ ኣለምሰገድ ገ/ኣምላኽ ፣ ገብሩ ኣስራት ፣ ቢተው በላይ፣ ሓሰን ሹፋን ካልኦትን ዓሰርተ ሸዉዓተ ኮይኖም ከይዶም። እቲ ጠንቂ ናይ ኤርትራ ኲናት ምስ ሰዓርና ዝመፀ ፈተና እንትኾን እቲ ምኽንያት “ተምበርኻኽነት” ዝብል እዩ። ተምበርኻኽነት ማለት ንኤርትራ ዘይተቖፃፀርናያ ስለዝበሉ እዩ። እዚኦም ቅድሚ እቲ ኵናት ክራይ ኣካብነት እውን ነይርዎም እዩ። ድሕሪ እታ ኲናት ድማ እታ ስልጣን ደልዮምዋ። ተፀበይቲ ስልጣን ኮይኖም። ብምኽንያት እዚኦም ዝፈጠርዎ ፀገም ንወርሒ መመላእታ ምይይጥ ተኻይዱ። ካብቲ ዝነበረ ሰላሳ ማእኸላይ ኮሚቴ ዓሰርተ ሓሙሽተ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ተመቓቒሉ። ውድብ ፈሪሳ ተባሂሉ። ደሓር ናብ መቐለ ተመፂኡ ካድረ ተኣኪቡ። ጉባኤ ዝበለ ይበለና ክንቕበላ ኢና ክንኣትው ኢና ተባሂሉ። ህወሓት “ኣብ መቐለ ተኣኪቡ ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ ይወሰን” ኢሉ። ኢህወደግ ውን ነቶም ሓደ ወገን ኣይቕበሎምን ኢሉ። ድሕሪ እዚ ህወሓት ብመተሓዳደሪ ደምበይ ነዚ እየ ወሲነ ክብል ቅዋሙ ኣፍሊጡ። እቶም ካብ ህወሓት ዝወፁ ከም ኣጋጣሚ ሰለስተ ሻዕ ኣኼባ ረጊፆም ዝወፁ እዮም። ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ እቶም ክልተ ስለዘይነበሩ ዓሰርተ ሓሙሽተ ብዓሰርተ ሰለስተ ስለዝስዓርናዮም ኣኼባ ረጊፆም ወፂኦም። ኣብ መቐለ ኣኼባ ናይ ካድረ እውን ረጊፆም ወፂኦም። ኣብ ናይ ኢህወደግ ኣኼባ እውን ተቐበሉና ኢልና ምስኸድና ኣብኡ ውን ንሳልሳይ ግዘ ረጊፆም ከይዶም። ድሓር በቲ ሓሳብና ዝተስማዕምዑ ተጋዳላይ ሓሰን ሹፋ፣ ሙሉጌታ ገብረሂወት (ጫልቱ)ን ፣ ቢተው በላይን መፂኦም። ቀፂሉ ድማ ኣባይ ፀሃየ መፂኡ።በዚ ድማ እቲ ክፈርስ እዩ ዝተብሃለ ውድብ ተኣኻኺብና ኣድሒናዮ። ስለዚ ውድብ ህወሓት በቢምዕራፉ ከበድቲ ዝበሃሉ ግና ዝስገሩ ፈተናታት ኣጋጢሙዎ እዩ።
ወይን:- ሓደ ተደጋጊሙ ዝስማዕ ነገር ኣሎ። ብ1977 ዓ/ም ከባቢ ኣረጋዊ በርሀ ንተጋዳላይ መለስ ዜናውን ካልኦት ተጋደልትን ኣይእዘዙንን ብዝብል ምኽንያት ክቕተሉ ኣለዎም ዝብል ደብዳበ ፂሒፉልካ ምንባሩን ነቲ ዝተፃሕፈ ደብዳበ ዓቂብካ ብውሕሉል መንገዲ ነቲ ፀገም ከምዝኣለኻዮን ይስማዕ። እዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ብ1977 ዓ/ም ኣረጋዊ በርሀ “ኣይእዘዙንን” ንዝበሎም ወታሃደራዊ መራሕቲ ከም እኒ ተጋዳላይ ሓየሎም ኣርኣያ፣ ሳሞራ የኑስ፣ መንጅር (ተካ ፍትዊ)ን ካልኦትን ካብ ፖለቲካዊ መራሕቲ ድማ ከም ተጋዳላይመለስ ዜናዊ፣ ኣለምሰገድ ገብረኣምላኽ፣ ጃማይካን ካልኦትን ስጉምቲ ንክውሰደሎም ይዛረበኒ። እቲ ዋና ምኽንያቱ ድማ እኒ መለስ ዜናዊ ማገብት ዝነበሩን ዘይነበሩን ንኣረጋዊ በርሀ ብፖለቲካዊ ፍልጠት እናበለፅዎ ምስ ከዱ ዝፈጠረሉ ስግኣት ምዃኑ ኣነ ተረዲኡኒ እዩ። ድሓር እዞም ስሞም ዝተፀርሑ ተጋደልቲ “ንዓኻ፣ ንኣባይ ፀሃየ፣ ንግደይ ዘርኣፅዮንን ንዓይን ኣይእዘዙናን ዘለው። ስለዚ ክንቀፅዖም ኣለና። ክቕተሉ ኣለዎም።” ይብለኒ ኣረጋዊ በርሀ። በብግዚኡ ድማ “መምርሒ ይጥሕሱ ስለዘለው ስጉምቲ ንውሰደሎም” ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ይዛረበኒ። ምክትለይ ዝነበረ ግደይ ዘርኣፅዮን እውን “ንምንታይ ዘይትቕበሎ ንበሪሁ? ቅድም ኢልካ ንቑሕ ነይርካ ሐዚ ግን ክትነቅሕ ኣይከኣልካን” ዝብሉ ዘረባታት እናተዛረቡ እቲ ስጉምቲ ንኽውሰድ ሓያል ድፍኢት ይገብሩ ነይሮም። ምሸት፣ ምሸት ኣብ ጥቓና ናብ ዝርከብ ጎቦ እናደየብና ምስ በሪሁ ንማኸር ነይርና። ሓደ ሻዕ ምስ በሪሁ እናዋጋዕና “ስማዕንዶ በሪሁ ንብፆትና ንምንታይ ንቐትል? እስኪ ዘክሮም ብሓባር ዘሕለፍናዮም ዓወታት እቲ ውድብ? ኣብ ዓድና እናሃለና ኸ ናብዚ ክንበፅሕ ኢልና ሓሲብና ንፈልጥ ዶ? ኩሉ ንዘክር እስኪ” ኢለ ይመኽሮ።
ድሓር ኣረጋዊ “ሓቅኻ ኢካ ኣሚነካ እየ። ይቕሬታ ግበረለይ “ ኢሉኒ በዚ ሓሳብ ተፈላሊና። ንፅባሒትኡ ንጉሆ እንታይ ሓሲቡ ከምዝሓደረ ኣይፈለጥኩን ሓዱሽ ሓበሬታ እንተሃልዩ ኣብ ዝሓተትኩሉ እዋን “ኣነ ድሕሪ ሐዚ ኣይከታተሎምን። ሓንቲ ናይ ሬድዮ መልእኽቲ ክሰምዕ ኣይደልን። ኩሎም ክቕተሉ እዩ ዘለዎም “ይብለኒ። ድሕሪ እዚ “ቅዋምካ እዚ እንተኾይኑ ሓሳብካ ፅሒፍካ ሃበኒ” ኢለዮ። ኣረጋዊ ድማ ንተጋዳላይ መለስ ሓዊሱ ክቕተሉ ኣለዎም ዝበሎም ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ፅሒፋ ሂቡኒ። እዚ እንትኾን እታ ኣረጋዊ በርሀ ዝሃበኒ ፅሕፍቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል እንተየጥፋእኹዋ ኣብ ጁባይ ሒዘያ ፀኒሐ ኣለኹ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ምስረታ ማሌሊት ተኣሳሲሩ ኣኼባ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ባዕሉ ኣረጋዊ ጥፍኣት ንዘለዎም መራሕቲ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን ኢሉ ክሲ ኣቕሪቡለይ። ኣነ ድማ ነቲ ተኣካባይ “በሉ ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣፅዮንን ወታሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ንኽቕተሉ ኣዚዞም ነይሮም እዮም። ኣነ ግና ንብፆትና ክንእርም እምበር ክንቐትል ትኽኽል ኣይኮነን “ ኢለ ሓሳብ ኣቕሪበ። ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ድማ እታ ኣረጋዊ በርሀ “ይቀተሉ “ ኢሉ ዝፀሓፋ ደብዳበ ማእኸላይ ኮሚቴ ምስ ተኣከብና ተነቢባ። ናሃቱ ኢድ ፅሕፍቲ ምዃና ምስ ተረጋገፀ ድማ ክልቲኦም ካብ ኣመራርሓ ክወርዱን ካብ ውድብ ውን ክባረሩን ተወሲኑ። እታ “ይቀተሉ” ኢሉ ዝፀሓፋ ደብዳበ ዝጠፈአትኒ ስለዝመሰሎ ኣረጋዊ በርሀ ብጣዕሚ ደንጊፁ። ንስየ ኣብርሃ ግን ብዘይ ፍቓድ ክቐትሎ ደልዩ ነይሩ። እቶም ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይተፀበይዎ ስለዝነበረ ካብ ውድብ ይባረር ተባሂሉ ተወሲኑሉ። ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ግና “ምሳይ መድብዎ እሞ አነ ክሃንፆ እየ” ኢሉና ነይሩ። ንሕና ድማ ሓደጋ ከይህልዎ ስለዝሰጋእና ምስ ብፃይ መለስ ዜናዊ ከይምደብ ተኸራኺርና። ኣብ መወዳእታ ግና ኩነታት ስለዘይጠዓሞ ኣረጋዊ በርሀ ንሱዳን ሓፍቱ ክርኢ ኢሉ ምስኸደ ብኡ ኣቢሉ ካብ ውድብ ገሊሱ።
ወይን:- ኣብ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናይ ቃልስን ዓወትን እዋናት ውድብ ህወሓት ዘይስገሩ ዝመስሉ ፈተናታት እናበድሀ፤ እቶም ፀገማት ድማ ምስ ኣባላቱን ህዝብን ብምምኽካር መፍትሕታት እናቐመጠን ፈተናታት እናሰገረን መፂኡ እዩ። ብውሽጥን ብደገን ፈተናታት ብዘይምቁራፅ ዘጋጥሙዎ ዘለው ውድብ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ትብል? ፈተናታት ናይ ምስጋር ተኽእልኡ ኸ ምሽጥሩ እንታይ እዩ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ውድብ ህወሓት ንሓምሳ ናይ ቃልሲ ዓመታት ፈተና ዝበዝሐሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣብ ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ዕግበት ብምንባሩ እዩ። ህወሓት ድሕሪ ዕጥቃዊ ቓልሲ ድሕሪ ደጊም ቃልሲ ተወዲኡ እዩ ዝመፅእ ነገር ኣይህሉን ዝብል ዕግበት እናርኣየ ምምፅኡ ንፈተናታት ክሳጣሕ ገይርዎ እዩ። እንተዓጊብካ ድማ ንቐፃሊ ዝመፅእ ፈተና ኣይረኣየካን። ኣብ ውሽጥና ብንሰርሖ ነገር ብቐሊሉ ምዕጋብ ብናይ ደገ ፀላእቲ ድማ ዝተሰሓሓተ ርድኢት ምህላውን ንውድብ ህወሓት ፈተናታት ኮይኑ እዩ። ብቐንዱ ሽግር እቲ ናይ ውሽጥና ኮይኑ እቶም ናይ ደገ መጋደድቲ እዮም ነይሮም። ካብኡ ሓሊፉ ምስ ዕግበት ተዛሚዱ ክርአ ዝኽእል ብፍላይ ምዕራባውያን “ኮሚኒስት እዮም። ፀጋም እዮም።” ይብሉና ነይሮም። ነዚ ድማ ንሕና “ከምቲ ትብሉና ኣይኮናን ፤ኢልና ክነረድኦምን “ምሳኹም ሓበራዊ ድልየት ኣለና” ክንብሎምን ኣይከኣልናን። ስለዚ እቲ መንቀልን እቲ መጋደድን ሸለል እናተብሃለ ስለዝመፀ ፈተናታት ክደራርቡና ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እዚ ግና ድኽመት እምበር ክሕደት ኣይኮነን። ኣብ ውድብ ህወሓት ድኽመት እምበር ካብ መስመር ፈተኽ ምባል የለን። ድኽመት ግና ውሽጣዊ ፀገማት ቐልጢፍካ ዘይምርዳእ ናይ ደገ ፀገማት እውን ዘይምርኣይ እዮም ህወሓት በብግዚኡ ፈተናታት ክገጥምዎ ዝኸኣሉ። በለፀኛ ሓይሊ ድማ ነዚአን እናረኣየ እዩ ዝኸይድ።
ኮይኑ ግና ኣብ ውድብ ህወሓት ፈተናታት እንተጋጥም ምድንጋፅ፣ ምፍራሕን ምንብርካኽን ዝበሃል የለን። ንምንታይ እዩ ምፍራሕን ምንብርካኽን ዘየለ እንተይልና ውድብ ህወሓት ካብ ህዝቢ ኣይርሕቕን። ህዝቢ ዋላ ኸፊእዎ እንተነበረ መፃኢት ትግራይ እዩ ዘማዕዱ ነይሩ። ምምሕዳሩ ባዕሉ የመሓድር። ውድብ እውን ፈተናታት እንተጋጥሞ ናብቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝብን ኣባሉን ወሪዱ እዩ ዝማኽርን ዝላዘብን። ኣብ ውሽጡ እውን ብዘይቶም ዝኸድዑ እቶም ካልኦት ሰጢሞም ይዓስሉ፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኣይፍለዮን። ንቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ኣንቂሖም ይኸዱ። በዚ ምኽንያት ፀላኢ እቲ ዝሓሰቦ ኣዐዊቱ ኣይፈልጥን። ካብ ምሕሳብን ምፍታንን ግና ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ፀላኢ ዝሓሰቦ ኣየዐውትን ማለት ግና ኣየኽስርን፤ ግዘ ኣየጥፍእን ማለት ኣይኮነን። ክተፍርዮ ዝነበርካ ይዓግተካ እዩ። ክሳራ የምፅእ እዩ። ውግንና ህዝቢ እንተዘይሃልዩ ግና የኽስር እምበር ዓወት ኣየምፅእን። ህዝቢ ሒዝካ ግን ዘይውፃእ መዓት የለን። ስለዚ ውድብ ፈተናታት እንተጋጥማ ሳላ ፅኑዕ ቃልሲ ህዝቢ እያ በዲሃቶም እትወፅእ።
ወይን:- ውድብ ህወሓት ብመንፅር ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት ንፍርቂ ክፍለዘመን ክብርታቱን እምነታቱን ዓቂቡ ዝፀንሐ ውድብ እዩ። ብመንፅር እዚ ኣብቶም 50 ናይ ቃልሲ ዓመታት ዝተጠረዩ ክብርታት ከመይ ተዓቂቦም?
ተጋዳላይ ስብሓት :- ካብቶም ክብርታት ህወሓት ሓደ ህዝባውነት እዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ነገራትን ተምሃራይ ውድብ እዩ። ህወሓት ፀገማት እንተጋጥሙ ዝፈትሐሉ መንገዲ እውን ፍሉጥ እዩ። ፀገም ኣብ ውሽጡ እንተጋጥሞ ‘ዝኸኣለ ይጉየ፣ ዘይከኣለ ይሳለ፣ ዝተሸኸለ ይተኣለ’ ዝብል ኣካይዳ ይጥቀም ነይሩ። ዘይከኣለ እንተጋጢሙ ወይ እንተተሸኺሉ ዝሓዞ ንብረት ኣቐሚጡ ካብቲ ውድብ ምውፃእ እዩ ዝፅበዮ። እቲ ዘሎ እውን “እንተተጋገኹ ይእረም” ዝብል ፅኑዕ እምነት እዩ ዝወስድ። ኣብ ገዛ ህወሓት ዴሞክራሲ ኩሉ ግዘ ኣሎ። ህወሓት ብተምሃራይነቱ፣ ብህዝባውነቱ፣ ብዴሞክራሲያውነቱ እዩ ዝፍለጥ።
ኢህኣፓ ክልተ ዓመቱ እንተይመልአ እዩ ብሓሳብ ንዝተፈለዮ ስጉምቲ ዝወስድ ዝነበረ። ካልኦት ውድባት እውን ከምኡ። ኣብ ህወሓት ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣይነበረን። ዝኾነ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎ ኣካል እውን ነታ ሓሳቡ ኢኻ ትቃወማ እምበር ስጉምቲ ኣይውሰድን። ኣብ ህወሓት ዝተለመደ ነገር እንተሃለወ ምስ ዝተብኣስካዮ ሰብ ሰላምታ ኣይግደፍን። ሰላምታ ምስ ኩሎም ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ኣይቋረፅን። ኣብ ካልኦት ውድባት ከምዚ ዝበለ ባህሊ የለን። ህወሓት ስልጡንን ከኣላይን ውድብ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ህወሓት ዝሕሽከር ውድብ ኣይኮነን። ናይ 1977 ዓ⁄ም ይኹን ናይ 1993 ዓ⁄ም ኣፈላላያት እንተርኢኻ ተዓሲቦም ዝፈጠርዎ ኣይኮነን። በቲ ሽዑ ዝነበረ ኣፈላላያት ናይ ውልቆም ስልጣን ድልየት ንምምላእ እምበር ተገዚኦም ኣይኮኑን። ህወሓት ድማ ነዚ ብውነን ኣዐርዩን ይርደኦ።
ወይን:- ሓደ እዋን “ውድብ ህወሓት ዘጋጠምዎ ኩሎም ዓይነት ፀገማት እናሰገረን እናፈትሐን መፂኡ እዩ። ኾይኑ ግና ፈተናታት ካብ ምፍታሕ ብዝዘለለ ተገማሚዑ ኣይፈልጥን” ኢልካ ኔርካሞ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ቅድም ኢሎም ኣብቲ ውድብ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ምስቲ ሐዚ ኣብ ውሽጥና ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ እንትነፃፀሩ ብመንፅር ክብደቶም ከመይ ክግለፁ ይኽእሉ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- እቲ ሐዚ ኣብ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተናን እቶም ቅድሚ ሐዚ ዘጋጠሙን ብባህሪኦም ይፈላለዩ እዮም። ዝተፈፀሙ ነገራት እንተርኢና በዝሖምን ክብደቶምን ተኣምር እዩ። ክግበር ዘይግበኦ ይገብር እንተይኮነስ ክግበር ዝግበኦ እውን ይገድፍ ነይሩ። እቲ ናይ ሐዚ ክግበር ዘይግበኦ ዝገብር ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚኢቲ ገበነኛታት ከምልጡ ዝገበረ እዩ። ከምቶም ዝሓለፋ ተራ ወንበር ዝደሊ ጥራሕ ኣይኮነን። ብሕገ መንግስቲ መሰረት ክፍፀም ዝግበኦ እናሃለወ “ካውንስል” ይብል። ኣብያተ ምኽሪ ጣብያን ወረዳን እናፍረስካ እዩ ካውንስል ክጣየሽ ዝድለ ዘሎ። ካብዚ ንላዕሊ ንህዝቢ ክሕደት የለን። ብጋህዲ፣ ብኣዋጅ ኣብይ እውን ሕገ መንግስቲ ጥሒሰ ኣይበለን። ብተግባር እዩ ዝፍፅሞ።
ሐዚ እቲ ዝድለ ዘሎ ህወሓት ናብ ውድብ ብልፅግና ንምቕያር ጥራሕ ኣይኮነን ዝስራሕ ዘሎ። ብሄረ ትግራይ ከይህሉ ዝድምስስ ሓይሊ እዩ ዘሎ። እቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ገማማዒ ጥራሕ እንተይኮነስ ታሪኽ፣ እምነትን ባህልን ተጋሩ ዝድምስስ እዩ። ካብ ፀላኢ ንላዕሊ ፀላኢ እዩ ገጢሙና ዘሎ። ንምንታይ እዮም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ እንተይልና እቲ ዝቕበሉዎ ቅርሺ እዩ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ። እቲ ቅርሺ በዚሑ እንተይኮነስ ስለዝሃርፍዎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከምዚእም ዝኣመሰሉ ከዳዓትን ገማማዕትን ሪኡ ኣይፈልጥን። ደምሰስቲ ብሄረ ትግራይ እዮም ክበሃሉ ዘለዎም። ህዝቢ ምብትታን ጥራሕ ኣይኮነን ዕላምኦም። ህዝቢ ንምድምሳስ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን። እዚ ንህዝቢ ትግራይ መደንገፂ እዩ። ፃድቃን ንህወሓት ከጥፍእ ብ1993 ዓ/ም እዩ ኣባል “ሲኣኤ” ኮይኑ። ኣነ እቲ ሰነድ ረኺበዮ እየ። ኣምባሳደር “ቲቦርናዢ” ምክትሉ ዝነበረ እቲ ሰነድ ሂቡኒ እዩ። ደሓር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ንፃድቃን ኣዘራሪበዮ። ኣባልነት ሲኣይኤ ኣይገድፎን ኢሉኒ። ካልኦቶም ውን ከምኡ እዮም። ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብ ህወሓት ጥራሕ ኣይኮነን ነታ ሃገር እውን ገጢምዋ ኣይፈልጥን።
ወይን:- ብዋናነት እቲ ሐዚ ውድብ ህወሓት ገጢሙዎ ዘሎ ፈተና ምኽንያቱን ሳዕቤኑን እንታይ እዩ? ውድብ ህወሓት ነቲ ሐዚ ገጢሙዎ ዘሎ ሕልኽላኽ ፈተና ኸመይ ክፈትሖ ኣለዎ ትብል? እቲ መዋፅኦ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- ኣብ ውሽጢ ፈተናታት እንተጋጥሙ ከመይ ይፍታሕ ዝብል ማገብት(ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ተሓህት (ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ)ን ህወሓትን ይፈልጥዎ ነይሮም። እታ ዋና መፍትሒት ፀገም ካብ ህዝብኻ ዘይምፍላይ እያ። ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ትፅቢት መፃኢት ትግራይ እውን ምስትውዓል የድሊ። ሐዚ እውን ናይ 1971 ዓም ናይ ማይ ኣባይ ውሳነታት ምውሳን ከድሊ እዩ። ማለት እውን ሓሙሽተ ‘ም’ ተቐሚጠን ነይረን። ህዝቢ ምንቃሕ፣ ምውዳብ፣ ምዕጣቕ፣ ምውፋርን ምግምጋምን እየን። ናይ ማይ ኣባይ ሓሙሽቲእን ዉሳነታት ሐዚ ክምለሳ ኣለወን። ምስቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ተዛሚዱ ሰገንን ብርኪ ሰገንን እንከይተረፈ ክነቅሕ ኣለዎ።
ካብኡ ሓሊፉ ህወሓት በይኑ እዩ ነቲ ፊውዳል ስርዓት ኣውዲቑዎ። ክኸውን ዝነበሮ ኣብ ዓለም ንመስፍን ዝድርብይ ብርዥዋ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ግን ፋሉይ እዩ። እቲ ሰራሕተኛ እዩ ኣውዲቕዎ። ፖለቲካ ብዘይ መደብ ክኸውን ኣይኽእልን። ስለዚ ጥንኩርን ዝተወደበን ውዳበ ክህሉ ኣለዎ። ውድብ ናይ ስርዓት ዓምዲ እዩ። እቲ ምሁር ወይ ናብቲ ተወዲቡ ዘሎ ህወሓት ክኣትው ነይርዎ፤ ወይ ድማ ነቲ ጎዲሉ ዘሎ ክውድብ እዩ ዝግባእ። ሐዚ ዘለው ውድባት ናይ ወረዳ ኣስመላሽ ኮሚቴ ዝነበሩ እዮም፤ ወይ ድማ ብሽም ብሄር ዝተወደቡ እዮም። ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣይኮኑን። መደብ መሰረት ዘይገበሩ ውድባት እዮም። በዓል ሃፍቲ ተበግሶ ወሲዱ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሕን ክውደብን ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ ዴሞክራቲክን ሪፐብሊካንን ኣለው። ዴሞክራቲክ ናይ ታሕተዎት እዩ። ሪፐብሊካን ናይ ሃፋትም እዩ። እንግሊዝ እንተርኢናዮ ሌበርን ኮንሰርቫቲቭን ዝበሃሉ ኣለው። ጀርመን እንተርኢና ሶሻል ዲሞክራቲክን ክርስቲያን ዲሞክራቲክን ዝበሃሉ ኣለው። ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ድማ ብዙሓት ውድባት ኣለዋ። ልክዕ ከምዚአን ኣብ ትግራይ እዉን ካልኣይ ውድብ ክፍጠር ኣለዎ። እቲ ዘሎ ውድብ እውን ክጠናኸር ኣለዎ። ድኽመት ሓደ ውድብ እናጋነንካ መፍትሒ ምምፃእ ኣይከኣልን። ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክስለፍ ኣለዎ። ከይተሰለፍካ ዝመፅእ ለውጢ የለን። ክንውደብ ኣለና። ውድብ እውን ብቑልጡፍ ፀርያ ክትከይድ ኣለዋ።
እቲ ካልእ መዋፅኦ ዝብሎ እንተሃለወ ስርዓት ፌደራሊዝም ንዓለም ዘደነቐ ስርዓት እዩ። ናይ ክንደይ ዓመት ቃልሲ ውፅኢት እውን እዩ። እታ ዝነበረት ኢትዮጵያ ንፈልጣ ኢና። “ኩሉኹም ኣምሓርኛ ተዛረቡ” እያ ትብል ነይራ። ኢትዮጵያ ማለት ኣምሓራ ማለት እያ ነይራ። እቲ ቃልሲ ዘምፀኦ ሕገ መንግስቲ ከ እንታይ ይብል? ‘ንሕና ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ’ ይብል። ንብሄራት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ ማለተይ እየ። ንሕና ብቋንቋ ትግርኛ ምምሃር ኣየርከብናሉን። ሐዚ ግን ብዕሊ ትግርኛ ቋንቋ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ሕገ መንግስቲ ይመለስ። እታ ብደም ኢትዮጵያውያን ዝተሃነፀት ሓዳሽ ኢትዮጵያ ትመለስ። ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም እቲ ዘደንቕ ሕገ መንግስቲ ብምዃኑ ክኽበርን ክምለስን ክንፅዕር ኣለና።
ብተዛማዲ ክንርደኦ ዘለና ህዝቢ ፀላኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ተጨቁይኖም ዝነበሩ እዮም። ንሶም ዘቖምዎ መንግስቲ ኣይነበረን። ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ስለዚ ምስ ፀላኢ ዘይምስላፍ የድሊ። ህዝቢ ኦሮሞ ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ ግና ፀላኢና ኣይኮነን። ምስ ህዝብታት ምስላፍ ማለት ምስ ፀላኢ ምስላፍ ማለት ኣይኮነን። እቶም ካልኦት ህዝብታት እዉን ሓግዙና እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ስለዚ ኩሉ ህዝቢ ፀላኢ ስለዘይኮነ ምስ ካልኦት ህዝብታት ተኣሳሲርካ ምቅላስ የድሊ።
ወይን:- በዚ ኣጋጣሚ ንመሪሕነት ውድብ፣ ንመላእ ኣባላት ህወሓት ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?
ተጋዳላይ ስብሓት:- “ኩልሻዕ ካብ ህዝብና ከይንፍለ። ምስ ህዝብና ንሕበር ምስ ህዝብና ንምከር። ህዝብና ዝሓለፎ ስቓይ ኣይነቐፅል።” እየ ዝብል። ድኽመት ናይ ሓደ ውድብ ኣይነግዝፍ። ከይንበታተን ልዑል ጥንቃቐ ንግበር። ዝና ከይትሓልፈና ኢልና ከይንብተን ምውዳብ ከድሊ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዕድል ብደምና ዘረጋገፅናዮ ስለዝኾነ ከየምልጠና ንጠንቀቕ። እዚ ንምግባር ህወሓት ወሳናይ ተራ ክፃወት ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዙሓት እናሃለው ይውደቡ ኣለው። ንሕና እውን ብውሑድና ከይንብተን ንተኣከብ። ኣብዚኣ ህወሓት ተበግሶ ይውሰድ። ህዝቢ እውን ንህወሓት ይስመዓዮ። ህወሓት እውን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ትግራይ የዳምፅ።
ወይን፦ ንዘለካ ፀገም ጥዕና ተፃዊርካን ክቡር ግዘኻ ሰዊእኻን መብርሂ ስለዝሃብካና ብስም መንበብትን ዋና ምስንዳእ ጋዜጣ ወይንን የቐንየልና፣ ዕድመን ጥዕናን ድማ ንምነየልካ!
ተጋዳላይ ስብሓት :- ኣነ እውን የቐንየለይ።