ኣብ ስትራተጂካዊ ረብሓናን ህልውናናን ንዘነፃፀረ ሓደጋ ሓደ ኮይንና ክንምክቶ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
“ካብ ፅንተት ዘይወፀ ቐጠና ካልእ ፅንተታዊ ኵናት ከየጋጥሞ ፀቕጢ ንፍጠር” ምሁር ታሪኽ ፀጋኣብ ካሳ
ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ትግራይ ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ስትራተጅካዊ ረብሓናን ህልውናናን ዘነፃፀረ፤ ፖለቲካዊ ጥራሕ ዘይኮነስ “ብህይወት ክትነብሩ የብልኹምን መሊእኹም ክትፀንቱ ኣለኩም” ዝብል ውፅኢት ዝፈጥር ከምዝኾነን ነዚ ድማ ሓድነትካ ኣስጢምካ፣ ህዝብኻ ኣንቂሕኻን ወዲብካን ድልው ኮይንካ ምርካብ ከምዝሓትት፤ ምሁር ታሪኽ ፀጋኣብ ካሳ ገሊፆም።
ፀጋኣብ ካሳ ነዚ ዝገለፁ፤ ኣብ ህልው እዋናዊ ኩነታት ትግራይ፣ ኣብ ኣሰላልፋ ጂኦፖለቲካዊ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ መንጎ ሃገራት ኢትዮጵያ ኤርትራን ዝርአ ዘሎ ምትፍናንን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን መፍትሒኡን ኣመልኪቶም ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት እዩ።
ጂኦፖለቲካዊ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ቀደሙ ተባራዓይ፣ ተለዋዋጣይን ዘይተገማታይ ባህሪያት ዘለዎን ቐጠና ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ምሁር ታሪኽ ሐዚ እውን ረብሐኦም ማእኸል ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ጣልቃ ብምእታው ሰላምን ፀጥታን እዚ ቐጠና ዝህውኸሉ፣ ካብዚ ብዝዘለለ ድማ ካልእ ፅንተታዊ ኩናት ክፍፀመሉ ዝኽእል ዞባ ከይኸውን ስግኣት ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ሐዚ ኣብዚ ከባቢ ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ፖለቲካዊ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ክነብር ዘይፈቅድ፣ ነቲ ሰላሕታዊ ፅንተት እውን ዘይዕገስ መሊኡ ክፀንተና ዝኽእል ከምዝኾነ ዘመላኸቱ እቶም ምሁር ታሪኽ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ናብ ተግባር እንተደኣ ተሰጋጊሩ ንትግራይ ዝህልዎ ሓደጋ ናብ ካሊእ ፅንተታዊ ኩናት ዘምርሕ ከይከውን ብሓባር ኮይንካ፣ ዓቕምታትካ ኣተኣኻኺብካ ህዝብኻ ኣንቂሕኻን ወዲብካን ድልው ኮይንካ ምፅናሕ ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።
“ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሓዝዎ ኣጀንዳ ንምትግባር ፀገም ክፈጥረልና እዩ ንዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ ንምውቃዕ ንወደብ (በሪ ባሕሪ) ከምሰበብ ተጠቒምካ ኩናት ንምውላዕ ዝዓለመ ጎስጓሳት ይካየድ ምህላው ሓቂ እዩ” ዝበሉ ኣይተ ፀጋኣብ፤ በዚ እውን ንኣመራርሓ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ ኤርትራን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል “ብዕራይ ወለደ” ዝዓይነቱ ጠቐነን ክስን የካይዱ ከምዘለው ጠቒሶም።
ኣብ መንጎ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ምትፍናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን ክግበር ኣብዘለዎ ጥንቃቐን ኣመልኪቶም ድማ ምትፍናን እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ኩናት እንተምሪሑ ካብ ፅንተት ኩናት ገና ዘይወፀ ቐጠና ዓውደ ውግእ ዝኾነሉን ካልእ ተወሳኺ ፅንተት ዝፍፀመሉን ዕድል ዝሰፍሐ ከምዝገብሮ ግምቶም ኣቐሚጦም።

ትግራይ ማእኸል ኩናት ከይትኸውን ምስ ኤርትራ ይኹን ፋኖ ዝተርኣየ ውግንና ይኹን ደገፍ ከምዘየለ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንማሕበረሰብ ዓለም ምቅላዕ የድሊ፤ ዝበሉ እቶም ምሁር ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውን ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ኩናት ዘይደሊ ህዝቢ ምዃኑ ማ/ሰብ ዓለም ክፈልጥን ፅዕንቶ ከሕድርን ድምፅና ብሓባር ምስማዕ ቀንዲ ዋኒንና ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
ብፍላይ ናይ ሓሶት ጠቐነን ክስን ዝቐርበሉ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ትካላት ሃይማኖት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ስቪክ ማሕበራት ወዘተ እቲ ዝንዛሕ ዘሎ ሓቃውነት ዘይብሉ ምዃኑ ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም፣ ንተዓዘብቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ውሕስና ወሃብቲ ኣካላትን ብምፍላጥ ፀቕጢ ገይሮም ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንክኸውን ድምፆም ከስምዑ ተላብዮም።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ፀጋኣብ፤ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ሕርያ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ሱዳን ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰላም ምንባር ከምዝኾነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ብሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብሓይሊ ዝተጎበጠ መሬትናን ዝተመዛበለ ህዝብናን ኣብ ምምላስ ዝሰርሕ ተገልቢጡ “ምስ ሓይልታት ኤርትራን ፋኖን ትራኸቡ ኣለኹም” ምባሉ ዝተለመደ ሽርሒ እዩ ኢሎም።
ኣይተ ፀጋኣብ ከም መፍትሒ ዝበልዎም ሓሳባት እንትገልፁ፤ ኣብ ስትራተጂክ ረብሓ ህዝብና ታሪኻዊ ጉዕዞናን መፂኢ ኣንፈትናን ንኽቃናዕን ንኽበላሸን ዝውስን ፈተና ይመፅእ ስለዘሎ ኣብዚ ዙርያ እዚ ክንዓስልን ሓደ ዓይነት ቕዋም ክህልወን ይግባእ ድሕሪ ምባሎም፣ ቅድሚ ኩሉ ዓለምለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውን እቲ ስምምዕ ከይፈርስ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ውድብ ህወሓትን ዘለው መደራደርትን ተዓዘብትን ውሕስና ወሃብትን ኣካላት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክፈልጥዎን ፀቕጢ ኽገብሩን ድፍኢት ክግበር ምዒዶም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ሚድያታት ትግራይ ድምፂ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምዃን ንሓደ ኣካል ወጊኖም ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ኣጀንዳታት ካብ ምምሕልላፍ ተቖጢቦም ኣብ ሰላም፣ ኣብ ሓድነት ክሰብኩ፣ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ኣብ ምግባር ክነጥፋ ይግባእ ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሚድያታት ዝመርሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ዝተፈላለዩ፣ ዘርፍታት ሚድያ ዝመርሑ ኣካላትን ውሽጣውን ደጋውን ስራሕቲ ሚድያ ሰላም ዝፈጥር፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ዘተግብር፣ ነቲ ተደጊስሉና ዘሎ ኩናትን ወረ ኩናትን ብዘትርፍ መንገዲ ኩሉ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ዘተኣኻኽብ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጠሩ ናይ ሓሶት ምድንጋራት፣ ጠቐነታት ኣብ ምውጋዝን ምቅላዕን ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።