ትካላት ትእምት ድሕሪ ፅንተታዊ ወራር ካብ ጉሕለትን ሓደጋ ምፍራስን ንምድሓን ዝተገበረ ቃልሲ ውፅኢታዊ ምዃኑ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይን ግዝያዊ ፈፃሚ ስራሕ ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምትን ኣይተ ጥላሁን ታረቀ ገሊፆም።
ኣይተ ጥላሁን ንወይን ኣብዝሃብዎ መብርሂ፤ ነባር ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ንሕውየት ትካላት ትእምት ኣብ ክንዲ ምስራሕ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ እናሃደመ፣ ጉባኤ ከካይድ እናዓንቀፈ ከምዝመፅአን ብፍላይ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ዝፀንሐ ቦርድ ምትዕርራይ እንተተኻይዱ ካብ ዝብሓትዎ ስልጣን ንዘይምልዓል ክብሉ መድረኻት ከይፍጠሩ፣ ቤት ምኽሪ ስሩዕ ጉባኤ ከየካይድ የዐንቅፉ ምንባሮም ሓቢሮም።
ኣባል ቤት ምኽሪ ትእምት ነቲ ነባር ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት እምነት ብምስኣኑን ኣከያይድኡ ሓደጋ ከም ዘለዎ ብምርኣይን ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት ልዕሊ ሓደ ሲሶ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ፊርማ ብምትእኽኻብ ጉባኤ እንተፀወዐ እውን እቲ ነባር ቦርድ ትእምት መልሲ ክህብን ጉባኤ ክካየድን ከምዘይከኣለን የግዳስ ብሚድያ፣ ብደብዳቤን ብኣካልን ብምፍርራሕ ዕንቅፋት ይፈጥር ምንባሩ እቶም ግዝያዊ ፈፃሚ ስራሕ ግልፂ ገይሮም።
“ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት ብዝገበርዎ ቐፃሊ ቃልሲ መተሓዳደሪ ደንቢ ትእምት ክመሓየሽ፣ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ቦርድ ክምረፁ፣ ቐፃሊ ኣንፈት ሕውየት ትካላት ትእምት ክፀድቕ ተገይሩ ኣሎ፤” ዝበሉ ኣይተ ጥላሁን፤ ኣብቶም ዝተውሃቡ ውሳነታት ኣመልኪቶም እንትገልፁ፤ ንነዊሕ እዋን ኣቦ ወንበርን ቦርድ ኣካቢ ቤት ምኽርን ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ዝንበረ ብዝተፈላለዩ ሰባት ክኸውን፣ ኣባል ቦርድን ስራሕ መካየድን ብሓደ ኣጣሚሩ ዝፀንሐ ኣካል ድማ ኣባል ቦርድ ዝኾነ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ክኸውን ከምዘይኽእል ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ እቶም ዝተመሓላለፉ ውሳነታት ኣቦ ወንበርን ቤት ምኽርን ዝተመረፁ እንትኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢንቨስትመንት ትእምት ድማ ብበዓል ሞያ ክምራሕን ቁፃር ስራሕ ክካየድን ከምዝወሰነ ኣይተ ጥላሁን ይገልፁ። እቲ ውሳነ ናብ ቢሮ ፍትሒ ክቐርብ እንተተገበረ እውን ኣብቲ እዋን ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ሕዚ ተገይሩ ዘይፈልጥን ካብ ሕጊ ወፃእን ብዝኾነ መንገዲ ትእምት ዝለኣኾ ሰነድ ክፀድቕ ከምዘይብሉ ናብ ቢሮ ፍትሒ ከምዝለኣኸ በዚ ምኽንያት እውን እቲ ትካል መሳርሒ ጉጅላዊ ረብሓ ንምግባር ተሃቂኑ ክሰርሐሉ ምፅንሑ ኣይተ ጥላሁን ኣዘኻኺሮም።
ኣይተ ጥላሁን ብተወሳኺ እንትገልፁ፤ ንኽልተ ኣዋርሕ ግቡእ ፍታሕ ከይተውሃበ ድሕሪ ምፅናሕ አብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትዕርራይ ምስተገበረ እቲ ውሳነ ክፀድቕ እንተተገበረ እውን ቕንዕና ብዝጎደሎ መንገዲ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ብውልቀ ስልጣኖም ነቲ ዝፀደቐ ውሳነ ክእግድን ነባራት ኣባላት ቦርድ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎን ክእግድዎን ኣንፈት ብምሃብ ትካላት ትእምት ቐልጢፈን ከይሓውያን ካብ በዓል ዋንአን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ብምምንጣል ኣብ ረብሓ ውልቀ ሰባት ክውዕላን ከምዝተገበረ ነዚ እውን ዓብይ ቓልሲ ከምዝተገበረሉ ኣብሪሆም።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ቤት ምኽሪ ትእምት ሻብዓይ ህፁፅ ጉባኤ ብምፅዋዕ መረፃ ብምግባር እቲ እግድ ክለዓል፣ እቲ ዝተመረፀ ሓዱሽ ቦርድ ሕጋውነት ተላቢሱ ናብ ስሩዕ ስርሑ ክኣቱ ተገይሩ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ካብ ሓላፍነቱ ዝተልዓለ ነባር ኣመራርሓ ዝኸፈቶ ክሲ ዛጊድ ጠጠው ስለዘይበለ ቐፃሊ ቃልሲ ከምዝሓትት ኣይተ ጥላሁን ኣተሓሳሲቦም።
“ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓዱሽ ኣመራርሓ ትእምት ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ እዩ።” ዝበሉ ኣይተ ጥላሁን እዚ ሓዱሽ ኣመራርሓ ምሉእ ግነዛበ ንኽህልዎ ድማ ቅድም ክብል ዝተዳለወ ስትራተጂክ ትልሚ ከምመበገሲ ብምጥቃም ኣብ ዳግመ ሕውየት ትካላት ትእምትን ቐፃሊ ጉዕዞአንን ብምሁራት ዝተፀንዑን ዝተሓበሩ ምኽሪ ሓሳባትን ብዝርዝር ብምርኣይ፣ ኣብ ሕድሕድ ትካላት ትእምት ዝበፅሐ ዕንወትን ብምፍታሽ፣ ፀብፃብ 2017 ዓ/ም ብምግምጋም ትልምን በጀትን 2018 ዓ/ም ንምፅዳቕ ዘኽእሉ መበገሲ ረቂቕ ሰነድ ብምርኣይ ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ ምሕዋይ ትካላት ትእምት ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ትእምት፣ ኣብያተ ምኽሪ ትእምት ወረዳታት ንፁር ቅዋም ብምሓዝ፣ መግለፅታት ብምውፃእ ዝገበርዎ ቃልሲ ኣዝዩ ዝምስገንን ዝድነቕን ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ጥላሁን፤ ብኣንፃሩ ውልቀ ረብሐኦም ጥራሕ ዝሪኡ ሕድሪ ሰማእታት ረጊፆም ዝመፁ ነባራት ተጋደልትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝነበሩ ኣካላትን ግን ኣብ ጥፍኣት ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾና ትካላት ትእምት እንትዓሰሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ሐዚ እውን እቲ ዝፅንሐ ነባር ኣመራርሓ ትእምት ዝኸፈቶ ክሲ ጠጠው ስለዘየበለ ቤት ምኽሪ ትእምት፣ ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ብዋናነት ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ሃፍተ ገነት ህዝቢ ትግራይ ዝኾና ትካላት ትእምት ካብ ጉሕለትን ክድዓትን ንምድሓን ቃልሱ ከሐይል ከምዝግባእ ኣይተ ጥላሁን ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም።
ትካላት ትእምት ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ፅንተት ኲናት ኣብ ዝነበሩ ናይ ሰላምን ልምዓትን ዓመታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢንዳስትሪታት፣ ምትእትታውን ምስግጋርን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት፣ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ኣበ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ክልላውን ሃገራውን እቶት ምድንፋዕ፣ ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ብሓፈሻ ኣብ ምጉልባት ማሕበረ ቁጠባ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ግደ እናተፃወታ ከምዝመፃ ዝዝከር እዩ።
Gazeta Woyen
