ትእምት ካብቶም መዋእለ ንዋይ ፈሰስ ብምግባር እተስፋሕፍሖም ኢንዱስትሪታትን እተተኣታትዎም ቴክኖሎጂታትን እትረኽቦ እቶት ኣብ ትሕቲ ፅላላ ብዝተጣየሸ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ኣቢላ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናገበረት ፀኒሓ ኣላ፣ ሕዚ እውን እናቐፀለትን እያ። ብዋናነት ኣብ ምሕጋዝ ስድራ ስውኣት፣ ጉዱኣት ኲናት፣ ደቂ ስውኣት፣ ከምኡ እውን ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ፀገማት ኣብ ምቅላል እናሰርሐት መፂኣ እያ። ብመሰረት እዚ ማሕበር ጉዱኣት ኲናትን ማሕበር ተጋደልትን ትግራይ ብቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ዝተገበረሎም ሓገዝን ዘሎ ህልው ምንቅስቓስን ኣመልኪትና ካብ ኣንደበቶም ዝሰማዕናዮ ሓሳብ ከምዚ ዝስዕብ ኣዋዲድና ኣቕሪብናዮ ኣለና።
ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ
ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ፣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት መጉዳእቲ ኣካል ዝበፅሖም፣ ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርግ ካብ ሰራዊት ዝተቐነሱን ካልኦትን ብዝተወደበ መልክዑ ሓደ ፅላል ክህልዎም ዕላማ ብምግባር ኣብ 1988 ዓ/ም ብዕሊ ዝተመስረተ ጠንካራ ማሕበር እዩ። እዚ ማሕበር እንትምስረት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ብዝተወደበ መንገዲ ንምፍታሕ፣ መስዋእትን መጉዳእትን ዝኸፈልሉ ስርዓትን ዓድን ለውጢ ንክመፅእ ብዘለዎ ዓቕሚ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ተጋደልቲ በታ ዝተረፈት ኣካሎም ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ፣ ምርግጋፅ ሰላምን ልምዓትን ብዝተወደበ መንገዲ ንምሕጋዝ ዕላማ ዝገበረ እዩ። ብዋናነት ድማ ናይቲ ጉዱእ፣ ስድራ ስዉእ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ ፀገማት ብዝተወደበ መንገዲ ንምፍታሕ ተሓሳቢ ብምግባር ከምዝተመስረተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ተጋዳላይ ጨርቆስ ወልደማርያም የረድእ።
ብመሰረት እዚ ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመት ኣብ ምቅላል ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ፣ ስድራ ተጋደልትን ደቂ ስውኣትን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ከምኡ እውን ኣብ መኸተ ወራር ሻዕብያ መጉዳእቲ ዝበፅሖምን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣባላት እቲ ማሕበር ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ኣብ ምግባር ዝሐሸን ውፅኢታውን ስራሕ እናሰርሐ መፂኡ እዩ። “እቲ ማሕበር እንተዘይህሉ እቲ ጉዱእ ኲናት ተጋዳላይ ሕዚ ብህይወት ምሃለወ ዶ? ኢልካ ክትሓስብ እንተለኻ ዝለዓለ ሓደጋ ህልውና ከጋጥሞ ዝኽእል ኩነታት ምንባሩ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ምንታይ’ሲ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዕፅዋን ክባን እኳ እንተሪኢና እቲ ማሕበር ኣብ ፀገም ስለዝነበረ ኣብቶም ጉዱኣት ኣካል ኣባላት እታ ማሕበር ዝበፅሐ ፀገም ንፈልጦ ኢና። ንኣብነት፣ እታ ግልጋሎት ሕክምና ጥራሕ እኳ እንተወሲድና ቅድሚ እቲ ኲናት ግልጋሎት ሕክምና ብምሃብ ብህይወት ክፀንሑ ዝተገበሩ ኣባላት ኣብተን ክልተ ሰለስተ ናይ ዕፅዋን ክባን ዓመታት ግልጋሎት መድሓኒት ብዘይምርካቦም ክንደይ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ንፈልጦ ኢና” ይብሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ማሕበር ናብ ንቡር ስርሑ ምስተመለሰ ኣብ 2016 ዓ/ም ብህይወት ዝሓለፈ ኣባል ምስቲ ሕሉፍ እንትነፃፀር ዓብዪ ኣፈላላይ ከምዘለዎ እውን ብመርዳእታ ኣሰንዮም ይገልፁ።
ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ካብቶም ሓገዝ ዝረኽበሎም ትካላት ሓደ ትካል ምግባረ ሰናይ ትእምት እዩ። ትእምት ነባር ተጋዳላይ ይኹን ኣጠቓላሊ ህዝቢ ትግራይ እግሪ ንምትካልን ቁጠባዊ ዓቕሙ ንምዕባይን እትተግህ ትካል ምዃና ይፍለጥ። ካብቶም ቐዳምነት ሂቡ ማሕበራውን ቁጠባውን ደገፋት ዝገብረሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ድማ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ትግራይ ተጠቀስቲ እዮም። ካብዚ ዕላማ እዚ ተበጊሱ ትእምት ዋላ እውን ድሒራ እንተኾነ ንስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኲናት ትግራይን ብዘለዋ ዓቕሚ ደገፍ እናገበረት መፂኣ። ብፍላይ ኣብ 2011ን 2012ን ዓ/ም ቅድሚ እቲ ወራር ፅንተት ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ፣ ኣቦን ኣዶን ዘይብሎም ደቂ ስውኣትን ዓቕሚ ዘይብሎም ህፃናትን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣብ ምግባር፣ ከምኡ እውን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ካልኦትን ትኹረት ገይራ ትድግፍ ነይራ።
ንኣብነት፣ ኣብ 2012 ዓ/ም ንግልጋሎት ሕክምና ዝውዕል ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ነቲ ማሕበር ድጋፍ ብምግባር ናብ ተግባር ክውዕል ገይራ እያ። ኣብ መዳይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እውን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ማእኸል ብምግባር ኣብ ምርባሕን ምህጣርን እንስሳ፣ ሸቐጣ ሸቐጥን መጥሓንን ካልኦትን ብምውዳብ 300 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ክኣትዋ ደገፋት ገይራ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉዱእ ኲናት ተጋዳላይ ካብ ደደቢት ልቓሕ ንክወስድን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክሰርሕን ውሕስና ኣብ ምዃን እውን እናሰርሐት ፀኒሓ እያ። ከምዚኦምን ካልኦትን ፕሮጀክትታት ብምሕንፃፅ ኣባላት እቲ ማሕበር ናብ ስራሕ ክኣትዉን እግሪ ንክተኽሉን ዝተገበሩ ምንቅስቓሳት ኣብቲ ጉዱእ ኣካል ዓብዪ ለውጢ ተመዝጊቡ ምንባሩ እቶም ኣካያዲ ስራሕ የረድኡ።
ይኹን እምበር ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ወራር ፅንተት ከምቲ ካልእ ንብረት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ትግራይ ኣጥርየምዎ ዝነበሩ ውሱን ሃፍቲ እውን ብፀላእቲ ዓንዩን ተወሪሩን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ገሊኦም ብግፍዒ ተጨፍጪፎም ገሊኦም ኣካል እቲ መኸተ ኮይኖም መስዋእትን ተወሳኺ ኣካል መጉዳእትን ከፊሎም እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ብምኽንያት እቲ ኲናት ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ክሳብ 2015 ዓ/ም ካብ ትእምት ዝግበር ዝነበረ ደገፍ ተቛሪፁ ዝፀንሐሉ ኩነታት ነይሩ።
ንውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ትእምት ዋላ እኳ ከምቲ ቀደም ዓቕሚ እንተዘይሃለዋ ኣብ 2016 ዓ/ም ንግልጋሎት ሕክምና ጉዱኣት ኲናት ዝውዕል ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ደጊፋ እያ። ኣብዘን ትእምት ደገፍ ዝገበረትለን እቲ ማሕበር እውን ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ብምውሳኽ ብድምር ሸሞንተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ድማ ኣባላት እታ ማሕበር ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተገይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ወራር ፅንተት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ኣብ ዝተፈላለያ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ኣባላት ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝገብሮ ደገፍ እውን ኣሎ። ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ መብዛሕትኦም ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝኾኑ ካብ ዞባ ምብራቕ፣ ማእኸል፣ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ብድምር 2,650 ኣባላት ኣብተን ማእኸላት መዕቖቢ ኣለዉ። ካብዚኦም ኣብ መጀመርያ 2016 ዓ/ም 2,290 ኣባላት ብምፅራይ ምግባረ ሰናይ ትእምት ክሕግዞም ዝተገበረ እንትኸውን ልዕሊ 15 ሚልዮን ብር በጀት ብምምዳብ ንሓደ ኣባል 1,190 ብር ወርሓዊ እናተውሃቦ ፀኒሑ እዩ። ሐዚ እውን እዞም ኣካላት መብዛሕትኦም ናብ ቦትኦም ስለዘይተመለሱን ኣብ ዝለዓለ ፀገም ስለዘለዉን ኣብ 2017 ዓ/ም እውን ትእምት ደገፋ ኣጠናኺራ ክትቕፅል ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።
ተጋዳላይ ጨርቆስ፣ ትእምት ተልእኹኣን ዕላምኣን ህዝቢ ምግልጋልን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ምፍታሕን ብምዃኑ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትካላት ትእምት ንምፍራስን ንምጥፋእን ዓሊሞም ዝግበሩ ዘለዉ ወፍሪ ፀለመታትን ምንእኣስን ብግልፂ ምቅላስ ከምዘድሊ ይሕብር። እቲ ተደናጊሩ ምስ መፀለምቲ፣ ትካላት ትእምት ንምጥፋእ ምስ ዝሰርሑ ኣካልት ዝሰለፍ ወገን ድማ ትካላት ትእምት ዝገብርኦ ዘለዋ ማሕብረሰባዊ ደገፋት ብዝግባእ ክግንዘብን ኣብ ጉድኒ እተን ትካላት ክስለፍን ምስራሕ ከምዘድሊ ይገልፁ።
ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ
ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ኣብ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ተጋዳላይ ተበታቲኑን ወዲቑን ከይተርፍ፣ ባዕሉ ንባዕሉ ክተሓጋገዝ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማቱ ክፈትሕ ከምኡ እውን ተወዲቡ ጉዕዞ ልምዓትን ሰላምን ሕብረተሰብ ንምስላጥ ዕላማ ገይሩ ኣብ 1996 ዓ/ም ከምዝተጣየሸ ይፍለጥ። እዚ ማሕበር ትእምት ደገፍ ካብ ዝገበረለን ትካላት ሓደ እንትኸውን ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ብሱሩዕ በጀት እናመደበ ነቲ ማሕበርን ንፅጉማት ኣባላት ማሕበርን ምሕጋዝ ጀሚሩ እዩ። ንኣብነት፣ ፅጉማት ተጋደልቲ ንምጥያሽ ዝዓለመ ብጤለ በጊዕ፣ ምርባሕ ደርሁ፣ ፀባ ላሕሚ፣ ሸቐጣ ሸቐጥ፣ ጥሕኖ ወዘተ. እናሃበ እግሪ ንክተኽሉ እናገበረ ፀኒሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንፅጉማት ኣባላት እቲ ማሕበር ንሕክምና ዘውፅእዎ ወፃኢ ንምሽፋን ብትእምት ዝግበረሎም ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝነበረ ተተካኢ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ኣይተ ገ/ሄር ዘርኣይ ይገልፁ።

ድሕሪ ኲናት እውን ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡን ንሕክምና ዝገብሮ ወፃኢ ንምሽፋንን ስሩዕ በጀት መዲባ ኣብ ምድጋፍ ትርከብ። ንኣብነት፣ ኣብ 2016 ዓ/ም ሓደ ሚልዮን ብር ዝደገፈት እንትትከውን ኣብ 2017 ዓ/ም እውን ሓደ ሚልዮን ብር ብምምደብ ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ኣሎ። ከምዝፍለጥ ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ኣካል ዝበፅሖም፣ ኣብ ኣካሎም ጥይት ዘለዎም፣ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተጠቕዑን ብቁጠባዊ ዓቕሚ እውን ኣዐርዮም ዝተጎሳቖሉን እዮም። ነዚ ፀገም ንምቅላል ብምዕላም ኣብ 2016 ዓ/ም ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ብጣዕሚ ዝተፀገሙን ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮምን ኣባላት ብቅደም ሰዓብ ብምቕማጥ ብድምር 15,770 ተጋደልቲ ተፈልዮም እዮም። ነዞም ኣባላት ምስ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ብዝተገበረ ምርድዳእ፣ ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣብቲ ማሕበር ስለዘለዉን በቲ ማሕበር እውን ሓገዝ ስለዝግበርን ምድግጋም ከየጋጥም መፅናዕቲ ብምግባር ሓገዝ ዝረኽብሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ማሕበር ካብዚ ንላዕሊ ብዙሓት ፅጉማት ኣባላት ስለዘለዉ ካብኡ ንላዕሊ ንክሕገዙ ጠለብ ኣሎ። እቲ ማሕበርን ምግባረ ሰናይ ትእምትን ብዘጣየሽዎ ናይ ሓባር ኮሚቴ እውን በብእዋኑ ይግምገም እዩ። ስለዚ ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምምስጋን ቀፃልነት ዘለዎን ካብ ተጠዋርነት ዘውፅእ ደገፍ ክግበረሎምን እዮም ሕቶ ዘቕርቡ። ካልኦት ትካላት፣ ውልቀ ሰብ ሃፍትን ካልኦትን እውን ኣሰር ሰናይ ተግባር ምግባረ ሰናይ ትእምት ብምስዓብ ኣብ ፀገም ዘሎ ኣባል ተጋዳላይ ትግራይ ክሕግዛ ይፅውዑ።
ብድምር ትእምት ንማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ይኹን ንካልኦት ሕብረተሰባዊ ክፋል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ስለዝፍለጥ ትእምት ትካል ህዝቢ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት። ትእምት እቲ ዝገብሮ ዘሎ ካብ ዘለዎ ህዝባዊ ሓላፍነትን ህዝባዊ ውግንና ዝብገስ እዩ። ስለዚ ትካላት ትእምት ናብ ንቡር ክምለሳ ደገፍ መላእ ህዝቢ ትግራይ የድልየን። ብኣተሓሳስባን ተግባርን “ትካላትና እየን” ኢሉ ኣሚኑ ክድግፈንን ከጠናኽረንን ይግባእ። ካልኣይ ትካላት ትእምት ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝበፅሐን ዕንወት ከቢድ እዩ። ስለዚ መላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ ብሓሳብ፣ ብኽእለት ኮነ ብሞራል ክድግፍወን ይግባእ። እዘን ትካላት እንተተጠናኺረን ብሰንኪ ኲናት ንዝበፅሐ ቁጠባዊ ዕንወት፣ ጕዱኣት ኲናት፣ ስድራ ስውኣት፣ በቲ ኲናት ዝተመዛበለን ዝተጎሳቖለን ተጋዳላይ ከምኡ እውን ኩሉ ፅጉም ሕብረተሰባዊ ክፋል ትግራይ ክሕግዛ፤ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ተረአን ክፃወታ ይኽእላ እየን። ናብዚ ንምብቃዕ ድማ ኩሉ ትግራዋይ ክድግፈን ይግባእ።