ወርሒ ሰነ ብፍሉይ ሰማእታት ትማልን ሎምን እንዝክረሉን ሕድሮም ንምፍፃም ቃልና እነሕድሰሉን ወርሒ እዩ። ካብቶም ምስ ሕድሪ ሰማእታት ዝተሓሓዝ ሓደ ምስምምሕዳር መሬት ዝተሓሓዝ እዩ። እዚ እውን ኣብ ሕሉፍ ስርዓት ዝነበረ ጉልበት ዘለዎ ርስተ ጉልቲ እናወረረ ዝቕልፅመሉ ዓቕሚ ዘይብሉ ዝድቆሰሉ ኩነታት ንምውጋድ ዝተኸፈለ መስዋእቲ እዩ። ሰማእታትና መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣብ ሕድሕድ ዜጋታት ብማዕርነትን ፍትሓውነትን ዝመሓደርሉ ስርዓት ንምፍጣር እዩ። ብምዃኑ መሬት ውልቀ ሰባት ከምድሌቶም ዝገብርዋ ዘይኮነትስ ብስርዓትን ሕግን ክትመሓደር ናይ ህዝብን መንግስትን ከምዝኾነት ኣብ ሕገ መንግስቲ ክልልን ፌደራልን ብምስፋር እናተሰርሑ ፀኒሑ እዩ።
ካብዚ ብረዚን መስዋእቲ ዝተረኸበ ዕድል ዝብገስ፤ መሬት ኩሉ ዜጋ ከከም ዓቕሙ ብፍትሓውነት ዝመሓደረሉ መስርሕ ብምዝርጋሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጠቀምቲ ክኾኑ ፀኒሖም እዮም። ኣብዚ ዓመት (2017 ዓ/ም) ድማ ብፍሉይ መልክዑ ንልዕሊ 15 ዓመት ሕቶ ማሕበረሰብና ኮይኑ ዝፀንሐ ነባር ትሕዝቶ ከተማታት ትግራይ መዕለቢ ዝገብር መምርሒ ወፂኡ ኣሎ። እቲ መምርሒ ገባራትን ደቂ ገባራትን ከመይ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ኣነፂሩ እዩ። እዚ ዓብዪ ክልላዊ መደብ ከምከተማ መቐለ ዘሎ ኣፈፃፅማ እንታይ ከምዝመስል ከምዝስዕብ ክንርኢ ኢና። ምምሕዳር መሬት እቲ መደብ ተቐቢሉ መረዳእታታት እንተፃፍፍ ዝረኸቦም ውራ መሬት፣ ዝተመዝገቡ በዝሒ ገባራትን ደቂ ገባራትን፣ ኣብ ገለ “ይግበአኒ” ዝብሉ ኣካላት ዘለዉ ሸፈጣትን፣ ንስድራ ስውኣት መንበሪ ንምዕዳል ዝተትሓዘ መደብ እንታይ ከምዝመስል ምስሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ተጋዳላይ ዘርኡ ተወልደብርሃን ፃንሒት ገይርና ኣለና። ምሉእ ትሕዝትኡ እኒሆ፡፡
ፈለማ በቲ ን15 ዓመት ሕቶ ማሕበረሰብና ኮይኑ ዝፀንሐ ነባር ትሕዝቶ መዕለቢ ንምሃብ ዝተትሓዘ መደብ ክንጅምር። ምምሕዳር ከተማ መቐለ መዐንደሪ እቲ ዝጠለመ ጉጅለ ኮይና ስለዝፀንሐት፤ እቲ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ ፍሉይ መደብ ነባር ትሕዝቶ ንክልተ ወርሒ ክጓተት ክኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ኣመራርሓ እቲ ከተማ ተወሳኺ ጊዜ ተዋሂብዎ ዳግም ተወዲቡ ብምእታው ፀገም እቶም ነበርቲ ንምፍታሕ ኣብ መወዳእታ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተጋዳላይ ዘርኡ ይገልፅ። እዚ ቁልፊ መደብ ብምውጋኑ ዓብዪ ስቓይ ወገናት እዩ ዘቃልል። ምኽንያቱ እቶም ነበርቲ ናብ ከተማ ኣትዮም ግን ከባብያዊ ዕብየት ፕላን ስለዘይተሰርሐሎም ተጠቀምቲ ግልጋሎት ከተማ ኣይነበሩን። እዚ እውን ሰነድ መንበሪ ኣትሒዞም ልቓሕ ወሲዶም ኣብ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ክዋፈሩ፣ ገዛኦም ናብ ዝደለይዎ ሽም ከዛውሩ፣ ክሸጡ፣ ክሃንፁ መሰረተ ልምዓት ክማልአሎም ኣይከኣሉን። ነዚ ፀገም ንምስትኽኻል ብዝተጀመረ ስራሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ከምዝበፅሐት እቲ ሓላፊ የረድእ።
ኣብዚ ን15 ዓመት ኣብ ፀገም ዝነበረ ማሕበረሰብ ፀገሙ እንትፍታሕ፤ ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ደቁ እውን ተጠቃሚ ዝገብር መምርሒ እዩ ወሪዱ ዘሎ። እዚ እውን 18 ዓመት ዝመልኦም ደቂ ሓረስቶት እተን ናብ ከተማ ዝኣተዋ ከባቢታት ንሕድሕዶም 140 ካሬ ሜትር መንበሪ ገዛ ዝረኽብሉ መስርሕ እዩ ተኣታትዩ ዘሎ። እዚ ውሳነ መንግስቲ ነቶም ኣብ ፀገም ዝነበሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዓብይ ካሕሳ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ምኽሪ ይኹን ካብ ክልል ክሳብ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝነበሩ መድረኻት ክግለፁ ፀኒሖም እዮም።
በቲ ዝወረደ መምርሒ መሰረት ብዘይካ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ንምትእንጋድ ምንቅስቓስ እንትጅመር፤ 83 ሽሕ ወገናት ሕቶ ይግባኣኒ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ነዚ ዝቐረበ ሕቶ ምፅራይ እንትጅመር ብዙሓት ምጭብርባራት ተራእዮም እዮም። ንኣብነት፣ ደቂ ገባር ዘይኮኑ ደቂ ገባር መሲሎም ክቐርቡ ዝፈተኑ ኣለዉ። ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዘይኮኑ እናሃለዉ፤ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ንክመስሉ “ፎርጅድ” (ትኽክል ዘይኮነ) መለለይ መንነት ዘስርሑ ተረኺቦም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ሽም ኣቦኦም እንተይተረፈ ዝቐየሩ ኣካላት ተረኺቦም እዮም። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተተሓሒዙ መለለይ መንነት ዘይብሎም መናእሰይ ካርዲ ሻምናይ ክፍሊ ከምመረዳእታ ከቕርቡ እንትውስን፤ ክልተ ዓይነት ምጭብርባራት ተራእዮም። እቲ ሓደ ፎርጅድ መረዳእታ ትምህርቲ ተዳልዩ ሻምናይ ክፍሊ ዘይበፅሑ እናሃለዉ ሻምናይ ክፍሊ ከምዝተምሃሩ ተገይሩ ዝቐረበ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ወገናት መሬት ንምርካብ ተባሂሉ ዕድመ ወሲኽካ ምፅሓፍ ከምዝነበረ ተጋዳላይ ዘርኡ የረድእ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ቅድሚ ሕዚ መጠሻ መሬት ካብ ዝተዓደሎም መናእሰይ ውሱናት ዳግም መጠሻ መሬት ክወሃቡ “መንበሪ የብልናን” ኢሎም ዝቐረቡ እውን ኣለዉ። እዚ ከምዚ ዝበለ እምነት ትግራዋይነት ዝሽርሽር ተግባር ብምርኣዩ፤ እቲ መደብ ቀልጢፍካ ክውዳእ ዝነበረ ነገራት ንምፅራይ ጊዜ ወሲዱ ኣሎ። ንሕድሕድ ነገር እናፃረኻ ንምሃብ ብዝተገበረ ፃዕሪ ካብቲ ፎርጅድ ዘሐትም ኣካል ጀሚሩ ፋይላት ቢሮ ትምህርቲ ብምግልባጥ ዘይሕጋውያን መረዳእታታት ትምህርቲ ይፍሽሉ ኣለዉ። ፖሊስ ምፅራዩ ምስወድአ ሓደ እዋን ዘቃልዖ ኮይኑ፤ ሕድሕድ መረዳእታ ክሳብ ዝተኽኣለ እናተፈተሸ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ዋላ ብጉርሒ ይኹን ገርሂ ኣምሊጡ መሬት ዝተወሃበ ኣካል እንተጋጢሙ እውን፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዘይግበኦ ምዃኑ እንተተፈሊጡ እቲ መሬት ብምምላስ እቶም መሬት ዝሃቡ ኣካላትን ዝውሰደ ሰብን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ እቲ ሓላፊ የረድእ።
ኣብዚ ነባር ትሕዝቶ እቶም ገባራት ኣፅዲቕካ ንደቂ ገባራት መንበሪ ክዕደል እንተኾይኑ፤ ትሕዝቶ መሬት ምፅናዕ ኣድላይ እዩ። እዚ ድማ መሬት ብፍትሓውነት ክተመሓድር፣ ጉልበት ዘለዎ እናወረረ ጉልበት ዘይብሉ እናተሓሰየ ከይኸድ፣ ገሊኡ ብኣቋራፂ እናሃፍተመ ፍትሓውነት ከይተዛብዐን ሓደጋ ስርዓት ከየጋጥምን እውን ዝዓለመ እዩ። ብምዃኑ እቲ ዝኸሓደ ጉጅለ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መቐለ ንመተሓባበርቲ ሰልፈኛታት እናወሰዱ “ጥራሕ ደግፉኒ እምበር ክንዲ ድላይኩም መሬት ክህበኩም እየ፤ ካብዚ ከባቢ ናብዚ ከባቢ ንእኒ እከለ ካብዚ ናብዚ ዘሎ ድማ እኒ እከለ ተመሓድርዎ” እናበለ ፅርግያን ሓምለዋይ ከባብን እንተይተረፈ ምዕዳል ጀሚሩ ነይሩ። ብምዃኑ እቲ ዝጠለመ ጉጅለ ብፋሉልነት ዝዓደሎ 11 ሄክታር መሬት ሓዊሱ ብድምር 256 ሄክታር መሬት ተወሪሩ ተረኺቡ እዩ። ካብዚ እቲ 187 ሄክታር መሬት ዝተመለሰ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ።
ይኹን እምበር ዝተወረረ መሬት ንከይምለስ ውራ መሬት ንምትሕልላኽ ዝግበር ፃዕሪ ብዙሕ እዩ። እንተኾነ ግን መሬት ብዝኾነ ይኹን ነገር ክትሽፍና፣ ናብ ዝኾነ ወሲድካ ክትሓብኣ ዘይትኽእል ብምዃና ብቐሊሉ ዝተጎንጎነ ሸፈጥ ተኸታቲልካ ምቅልዑ ኣይተርፍን። እዚ እውን ቅድሚ 2012 ዓ/ም ዝተልዓለ ሳትላይት ፎቶ ስለዘሎ እቲ ዝነበረ ክፍቲ ቦታ ገዛ ተሰሪሕዎ ወይ ተሓፂሩ እንትርከብ፤ መስርሕ ዘይተኸተለን ሕጋዊ ፍቓድ እንተዘይሓዘን ዝተሃነፀ ክፈርስ እዩ። እቲ ምንታይ መሬት ብሊዝ፣ ነባር ትሕዝቶ፣ መሸጣ መናእሰይ፣ መንበሪ ተጋደልትን ማሕበራት 70 ካሬን ወዘተ ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ካቢኔ ምስወሰነ ኣጠቓቕማ መሬትን ምሕደራን ብሕጋዊ መንገዲ ምስዓደለካ ከምዝውነን ይፍለጥ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዝኾነ መሬት ምውናን ሕጋዊ ስለዘይኮነ፤ እቲ ዝተወረረ መሬት ንምምላስን ዘይሕጋዊ ህንፀት ንምፍራስን ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ክፅናዕ ፀኒሑ እዩ። እዚ እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ንምውጋን ተሓሲቡ ይስርሓሉ ከምዘሎ ተጋዳላይ ዘርኡ የረድእ።
እቲ ካሊእ ዝተትሓዘ ዓብዪ መደብ ንሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን መጠሻ መሬት ምዕዳል ዝምልከት እዩ። እዚ እውን ፈለማ ስድራ ስውኣት ቀፂሉ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተጋደልቲ ቀፂሎም መጉዳእቲ ዘይበፅሖም ተጋደልቲ መጠሻ ንክዕደሉ ብዝወፀ መምርሒ መሰረት፤ ኣብዚ ዓመት ንስድራ ስውኣት ቀዳምነት ተዋሂቡ መሬት ክዕደል እዩ። ንስድራ ስውኣት ዝኸውን 80 ሄክታር መሬት ኣብ ሰለስተ ከባቢ ዝተዳለወ ኮይኑ ዝርዝር ሽም እቶም ስድራ ስውኣት ካብ ዝምልከቶ ኣካል ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ምስመፀ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ/ም ከምዝዕደሉ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ ኣሎ። መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተጋደልትን እቶም ብሰላም ዝተመለሱ ተጋደልትን ድማ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብቅደም ሰዓብ ንምትእንጋድ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። ኣብዚ ንጀጋኑን ስድራ ስውኣትን መሬት እንትዕደል ብቐፃሊ ናይ ሰፈር ተጋደልቲ መሲሉ ብዝኾነ ኣካል ከይርቋሕ ምስቲ ሕብረተሰብ ዝሓዋውስ ኣገባብ ከምዝኽተል ተጋዳላይ ዘርኡ ገሊፁ ኣሎ።
ብኣጠቓላሊ ዛጊድ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብ ጉዳይ መሬት ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ ቁፅሩ ዘይነዓቕ ክፋል ሕብረተሰብ መትከላትን እምነታትን ትግራዋይነት እናተሸርሸሩ ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ። እዚ እውን ንጊዜያዊ ረብሓ ኢልካ ማሕበረሰባዊ መስተጋብር ሃደሽደሽ ይብል ኣሎ። ተጋሩ ንሓቂ፣ ርትዕን ፍትሕን መስዋእቲ ክንከፍል ዝፀናሕና፤ “ኣነ ዋላ ኣይሃሉ ሓቅን ርትዕን ትንገስ” ንብል ዝነበርና ኢና። እቲ ሕዚ ኣብ መሬት ዝረአ ዘሎ ምልክት ግን ነቲ ሓቀኛ መለለይ መንነት ተጋሩ ዝሽርሽር እዩ። እዚ ተግባር ብናይ ውልቀ ሰባት ሌብነት ጥራሕ ክረአ የብሉን። ናብ ማሕበረሰብ ይልሑኽ ስለዘሎ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ብኣግኡ እዩ ክቃለሶ ዘለዎ።
ተጋሩ ንሕጊ ሃይማኖት ይኹን ሕገ-መንግስቲ ተገዛእቲ ኢና። እቲ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ግን ንልዕልነት ሕግን ተፈፃምነት ሕግን ዝሽርሽር እዩ። ኣብ ሕገ ሃይማኖት ይኹን ሕገ መንግስቲ ምድፋእ እንተመፂኡ መረዳድኢ ክህሉ ኣይኽእልን። ተጋሩ ኣብ ልዕልነት ሕጊ እንተዘይተጠርኒፍና እንረዳደአሉ ነጥቢ ኣይህሉን፡፡ መወዳእታኡ ድማ ከምጋሻ ውሑጅ ኢና ክንፈስስ። ስለዚ እቶም ካልኦት ዝቐንእሎም መግለፂ ትግራዋይነት ዝኾኑ መትከላት ክንዕቅቦም ይግባእ። ታሪኽና ከይመራሳሕን ምስልናን ስብእናናን ብዝበለፀ ንምህናፅ ኢልና ክንቃለሶም ይግባእ። ስለዚ “ሕጊ ተጣሒሱ፣ ሌብነት ተራእዩ” ኢልካ ጥራሕ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ምስምብካል ክብርታትን ምስልታትን ተጋሩ እናተርኣየ ኩሉ ክቃለስ ይግባእ።
Gazeta Woyen
