ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ቁሸት ፈለግ ዳዕሮ ዝርከቡ ነበርቲ፤ ካብ ወረዳ እንደርታ ናብ ከተማ መቐለ ካብ ዝኣትዉ 22 ዓመት ኣቑፂሮም እዮም። ይኹን እምበር እዞም ወገናት ክሳብ ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣይከተማ ኣይገጠር ሓዲግ ኮይኖም ብምፅንሖም ፀገሞም ንክፍተሐሎም ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም። ንሱ እውን “ኣይ ኣብ ገጠር ኮይንና መንግስቲ ንሓረስታይ ዝህቦ ድጋፍ ክንረክብ ክኢልና፤ ኣይ ኣብ ከተማ ኮይንና ድማ ከተመታይ ዝረኽቦ ዕድል ረኺብና፤ ካብ ኩሉ ወፃኢ ብምዃን ኣብ ዕንይንይ ንነብር ኣለና፤ ፀገምና ፍትሑልና” ክብሉ ንዓመታት ፀኒሖም እዮም። እዞም ነበርቲ ናብ ከተማ ብምእታዎም ዝሰኣንዎ ዓብይን መሰረታውን ነገር ዝርዝር ኣቢልካ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ።
ብቁጠባዊ ተጠቃምነት ክንጅምር። ነበርቲ ቁሸት ፈለግ ዳዕሮ፤ ዋንነት ትሕዝቶ መሬቶም ዝገልፅ ሰነድ ብዘይምህለዎም ፕላን ገዝኦም ኣትሒዞም እናተለቅሑ ኣብ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እዛ ክልል ክሳተፉ ኣይከኣሉን። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እውን ገዝኦም ናብ ሳልሳይ ወገን ከሕልፉ ከምኡ እውን ክሸጡን ክልውጡን ኣይከኣሉን። እዚ ብዘይምግባሮም ከምኦም ኣብዛ ከተማ ዝነብር ወገን ዘለውዎ ዕድላት እናተጠቐመ መነባብሮኡ እንተመሓይሽ፤ እቶም ነበርቲ ግን ምስሃፍተ ገነቶም እናሃለዉ ሰኣን ምስራሕ ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ኢዶም እግሮም ተኣሲሮም ካብ ልምዓት ተነፂሎም ፀኒሖም እዮም።
በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ዝነበሮም ፀገም እዩ። ነበርቲ ቁሸት ፈለግ ዳዕሮ፤ ከምኩሉ ነባሪ ከተማ መቐለ ተጠቀምቲ መብራህቲ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ኮይኖም እቲ ከተማ ዝቋደሶ ልምዓት ክበፅሖም ኣይከኣለን። እዞም መሰረተ ልምዓታት ክማልእሎም ብዘይምኽኣሎም ድማ ክበፅሕዎ ዝግባእ ቁጠባውን ማሕበራውን መነባብሮ ክበፅሑ ኣይከኣሉን። ሕዚ ግን ን22 ዓመት ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ዝፀንሐ ኣብ 22 ዓመቱ ተፈቲሑ ኣሎ።
ንምዃኑ እዞም ወገናት ንልዕሊ 22 ዓመት ኣብ ስቓይ ዝነበርሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ንዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ሙሉጌታ ገብሩ ኣቕሪብናሎም ነይርና። እቲ ዝሃብዎ ምላሽ “ፕላን ከባብያዊ ልምዓት (LDF) ስለዘይተሰርሐሎም እዩ” ዝብል ሓፂር መልሲ ነይሩ። ኣስዒብና ንምንታይ ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ዘይተሰርሐሎም? እንትንብል እውን ካብ ገፀር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተዋ ቁሸታት ምስበዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን እንተረክብ፤ ንፈለግ ዳዕሮ ብሰነድ ከምዘየረከበ እዩ ተገሊፁልና። ሕዚ እውን እሞ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ እንተዘየረከበ ንከረክብ ብተደጋጋሚ ዘይትሓቱ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኣስዒብና ነይርና። እቲ ምምሕዳር ተደጋጋሚ ስለዘይተሓተተ ዘይኮነስ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝቐርቡ ተደጋገምቲ ሕቶታት ቀልጢፍካ ኣብ ምምላስን ብስሩዕ ኣብ ምርካብን ክፍተት ብምንባሩ ዝተፈጠረ ፀገም ከምዝኾነ እዮም እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ዝገልፁ።
ኣብዚ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ እንትዝንግዕ ንምንታይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሓደ ፍታሕ ዘይገብር? ዝብል ሕቶ እውን ኣስዒብና ነይርና። ከምኡ ከይግበር ድማ ምስቲ ኣብ ዙርያ ከተማ መቐለ ዘሎ ውራ መሬት ተታሒዙ ነበርቲ ዘይኮኑ ኣካላት፤ መሬት እናገዝኡ ነበርቲ መሲሎም ከይኣትዉን ንዘይሕጋዊ ተግባራት ንዘይምብርታዕን ከምዝኾነ ኣይተ ሙሉጌታ የረድኡ። እዚ ጉዳይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ኣብ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ብኣብነታት እናተደገፈ ቀሪቡ እዩ። ንኣብነት ኣብ ጣብያ ደብሪ ኣብ እዋን ርኽክብ 3500 ነበርቲ ከምዝነበርዋ ብሰነድ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መረዳእታ እንትፀፍፍ ግን 16 ሽሕን 43 ሰባት “ሽምና ተዘሊሉ” ዝብል ጥርዓን እዩ ቀሪቡ። ንምንታይ ሓሙሽተ ፅዕፊ ነባሪ ሽሙ ይዝለል? እንተተብሃለ፤ እቶም ኣመሓደርቲ ቁሸት ምስናይ ጣብያ ኣመሓደርቲ እናተረዳድኡ መለለይ መንነት ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናዓደሉ እቲ ነባሪ ድማ መሬት እናሸጠ ስለዝመፀ እዩ።
እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ነቲ ዝተገለፀ ዝመስል ብምዃኑ እዚ ጉዳይ ሓደጋ ዘለዎ ስራሕ ስለዝነበረ፤ ከምክልል እምበር ከምከተማ ጥራሕ ወሲንካ ስለዘይእቶ እዩ ከምክልል ክሳብ ሓደ ነገር ዝውሰን ፀኒሑ። እዚ መደብ ከምክልል ቅድም ኢሉ ዝተሓሰበ እንተነበረ በቲ ዘጋጠመ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ እቲ ጉዳይ ዝበኣሰ እናተጓተተ መፂኡ እዩ። እዚ እናተተጓተተ ዝፀንሐ መደብ ኣብ 2017 ዓ/ም ብብርኪ ክልል ገባራትን ደቂ ገባራትን ብፍሉይ ተጠቀምቲ ዝገብር ፍሉይ ደምቢ ተዳልዩ እዩ ተኣትዩ። እቲ ደምቢ ክሳብ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም እዩ ክትግበር መደብ ተትሒዝሉ ነይሩ። እንተኾነ ግን ምስቲ ምምሕዳር ከተማ መቐለ በቲ ዝኸሓደ ጉጅለ እናተሓመሰ ስለዝፀንሐ ክሰልጥ ኣይከኣለን። ብፍላይ ድማ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ብምዕፃው እቲ ክልል ዝሓዞ ትልሚ ዝመርሖ ኣይረኸበን። ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ግምት ኣትዩ ንከተማ መቐለ ክናወሐሉ ተፈቒዱሉ እዩ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ ሕድሕድ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ከባብታት ዝርከቡ ሓረስቶት ብብርኪ ዞባ ይኹን ክፍለ ከተማ እናኣከበ እዩ ምርድዳእ ኣካይዱ። እቲ ነባሪ ነቲ ዝመፀ መምርሒ ቅቡል ስለዝገበሮ ካብ ሕድሕድ ቁሸት ኮሚቴታት መፅናዕቲ ተጣይሸን ንሕድሕድ በዓል ትሕዝቶ መረዳእትኡ ብምፍታሽ እቲ ቅቡል ዝኾነ ኣካል ህዝቢ ክሪኦም ኣብ ዝኽእል ቦታ ሽም ዝርዝሮም እናተለጠፈ እዩ ምፅራይ ቀፂሉ። ኣብዚ ቅርታ ዘለዎም ወገናት መመልከቲ ቅጥዒ እናተዳለወ ኣብ ጣብያ፣ ቀፂሉ ኣብ ክፍለ ከተማ፣ ካብዚ እንተሓሊፉ ናብ ፕሮጀክት ኦፊስ እናቐረበ ተፃርዩ መልሲ እናተውሃበ እዩ ተሰሪሑ። ከምዚ ፀፊፉ ብምኻዱ እቲ ሕብረተሰብ ብእወንታ ከምዝተቐበሎ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ የረድኡ።
ብከምዚ መልክዕ መደባት እናፀፈፉ እንትኸዱ፤ ፕሮጀክት ኦፊስ ከተማ መቐለ ናብ ሕድሕድ በዓል ትሕዝቶ ገዛ ብኣካል እናኸደ በቲ ዝፀደቐ ፕላን መሰረት “ሳይት” እዩ ሰሪሑ። ድሕሪ ሳይት ፕላን ምስራሕ ድማ ኣብቲ ዝቕፅል ነባር ትሕዝቶ መሬት ዘለዎ ኣካል ሽኻል ናብ ምሽካል ኣትዩ። እቶም ኣብ ትሕዝቶ መሬቶም ዘይቕፅሉን ብመሰረት መሰረተ ልምዓት ዝለዓሉን ድማ፤ ፕሮጀክት ኦፊስ ፈልዩ ብምርካብ ተለዋጢ ቦታ ይዳለወሎም ኣሎ። ብምኽንያት እዚ ን1,188 ሕጋውያን ሰብ ትሕዝቶ መሬት ካብ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ቢጫ ካርታ ምዕዳል ጀሚሩ ኣሎ። መረዳእታአን መሊአን ዘየፅፈፋ ከባብታት እቲ ክፍለ ከተማ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ንከፅፍፋ መምርሒ ከምዝወረደለን ኣይተ ሙሉጌታ ይገልፁ።
ኣብቲ ምዕዳል ዋንነት መሬት ዝተረኸቡ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓትን ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለን ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ዝስዕብ ሓሳብ ገሊፆም እዮም። “ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ስራሕ እንትጅምር ሓደራ ዝበለኒ፤ ኣብ ዓብዪ ፀገም ዝርከቡ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ወገናት ምፍታሕ እዩ። እዞም ወገናት በቲ ዘይተፈትሐ ፀገም ምኽንያት መሬት እናሃለዎም መሬት ከምዘይብሎም ዝሓስቡ፣ ዓዲ እናሃለዎም ዓዲ ከምዘይብሎም ዝሓስቡ፣ ተጠቀምቲ ልምዓት ዘይኮኑ፣ ማይን መብራህትን ዘይብሎም ከባቢታት ኣለዉ እሞ ቅድሜኻ ዝነበሩ ከንቲባታት ዝጀመርዎ መደብ ንስኻ ቀልጢፍካ ዛዝሞ ኢሎምኒ። በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ታሕሚስ ብዙሕ ዓንቀፍቀፍ ዋላ እንተጋጠመ ድሕሪ ብዙሕ ፃዕሪ ግን ኣብዚ ተበፂሑ ዋንነትኹም ንምርካብ በቒዕኹም ኣለኹም፤ እንቋዕ ኣሐጐሰኩም” ክብሉ እዮም ገሊፆም። ኣብዚ እቲ ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ዝተሰርሖ ማይ፣ መብራህቲ፣ መንገዲ ክኣተዎ ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ይኹን እምበር ምስቲ ዘሎ ሕፅረት በጀት ኩሉ ብመንግስቲ ክሽፈን ስለዘይኽእል ተወለድትን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ደገፍ ንክገብሩ ድማ ዶ/ር ረዳኢ ፀዊዖም ኣለዉ።
ኣብቲ ምዕዳል ዋንነት ብጫ ካርታ ብምርካብ ንህዝቢ ወኪሎም ኣብ መድረኽ ወፂኦም ሓሳቦም ዝገለፁ ወገናት ነይሮም። ካብኦም ሓደ መምህር ይባቢ ገብሩ እዮም። መምህር ይባቤ፣ ንልዕሊ 22 ዓመት ሕቶ ነበርቲ ዝነበረ ብቕልጡፍን ብኣግባቡን ብዘይምምላሱ፤ ህፃናት ዝነበሩ ሕቶኦም ብወለዶም ክምለስ ዝነበረ ሕዚ ንዓርሶም ወለዲ ኮይኖም ንመንግስቲ ተወሳኺ ሕቶ ከምዝኾኖ ይዛረቡ። ካሊእ ኣብቲ መድረኽ ሓሳቦም ዝገለፁ ተወካሊ ህዝቢ ኣይተ ለማ ካሕሳይ እዮም። ኣይተ ለማ ብወገኖም “ን22 ዓመት ጨና መብራህትን ማይን ስኢንና እንሳቐዮ ዝነበርና ከብቅዕ፤ እዞም ዝተጠቐሱ መሰረተ ልምዓታት ቀልጢፎም ክተኣታተዉን እቶም ዘይፀፈፉ ከባብታት እውን ቀልጢፎም ክፀፉን ብሽም ነበርቲ ንፅውዕ” ይብሉ። እዞም ተወከልቲ ህዝቢ ሕቶ 22 ዓመት ነበርቲ ፈለግ ዳዕሮ ሕዚ ከምዚ ሕብረተሰብ ብዝኣምነሉ ምውጋኑ ሕጉሳት ከምዝኾኑ ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም እዮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ፈለግ ዳዕሮ ሳይት ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ብምስርሑ ዝተጀመረ ሓደ ዓብዪ ስራሕ ኣሎ። ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ፤ ኣብቲ ከባቢ ሰኣን ሳይት ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ምስርሑ ቅድሚ 30 ዓመት ዝተሰርሐ ቤት ትምህርቲ ህንፀት ተወሰኽቲ ክፍልታት ክካየደሉ ይኹን ሓፁር ክስረሐሉ ኣይከኣለን ነይሩ። ሕዚ ግን ኣብቲ ቁሸት ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ስለዝተሰርሐ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብልዕሊ 27 ሚልዮን ብር ኣብ ሕድሕድ ደብሪ ሽዱሽተ ክፍልታት ዘለዎ በዓል ሰለስተ ደብሪ (G+3) ቤት ትምህርቲ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ሓደ ክፍሊ እናተፀቓቐጡ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ደረጅኡ ኣብ ዝሓለወ መምሃሪ ክፍሊ ክመሃሩን በዚ ኣቢሉ ፅሬት ትምህርቲ ንክረጋገፅን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዘለዎ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ሙሉጌታ ይገልፁ።
ፕላን ከባብያዊ ልምዓት ብዘይምስርሑ ክሳብ ክንደየናይ ንሕድሕድ ስራሕቲ መንግስትን ህዝብን ሓኒቑ ሒዙ ከምዝነበረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለግ ዳዕሮ ዝስራሕ ዘሎ ሓደ መርኣዪ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ጉዳይ ንመርኣዪ ኣብ ፈለግ ዳዕሮ ኣልዒልና እምበር ኣብ ሕድሕድ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ከባብታት መቐለ ዘሎ እዩ። ስለዝኾነ ሕድሕድ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ነባሪ እቲ ዝተጀመረ ምፅፋፍ መረዳእታን ምውጋን ፕላን ከባብያዊ ልምዓትን ቀልጢፉ ብምኽንባት ናብ ልምዓት ንክእቶ ብዕቱብ ክስረሐሉ ይግባእ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ሕድሕድ ቢጫ ካርታ ዝርከብ ዘሎ ወገን ልቢ ክብሎ ዝግባእ ብዶ/ር ረዳኢ ዝተመሓላለፈ ኣዝዩ ወሳኒ መተሓሳሰቢ ነይሩ።
እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንልዕሊ 22 ዓመት ዝተጓተተ ፕላን ከባብያዊ ልምዓት፤ ሕዚ ምውድኡ ሓደ ፅቡቕ ኮይኑ፤ እቲ ነባሪ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ ሓደ ዓብዪ ነገር ኣሎ። ንሱ እውን “ሕዚ ሓረስታይና ካብ ገፀር ናብ ከተማ ኣቲኻ ኢልካ ሰነድ እንትወሃብ ኣብ ኢዱ ዓብይ ሃፍቲ ዝኣቱ ምህላው ምግንዛብ የድሊ። እዚ ሃፍቲ ክሸጦ፣ ክልውጦን ክልቀሐሉን ዘኽእል ገዚፍ ሃፍቲ ኮይኑ፤ ህዝብና እቲ ኣብ ኢድ ተጠቃሚ ዝኣተወ ገዚፍ ሃፍቲ ብኣግባቡ ክጥቀመሉ ኣለዎ። ፅባሕ ንዝውለዱ ስድራ እንተይሓሰበ ሕዚ ንዘጋጥምዎ ጊዜያዊ ፀገማት ክፈትሕ ኢሉ እንተሸይጥዎ፤ ፅባሕ ነስሕኡ ኣይወፀሉን። ስለዝኾነ ሕድሕድ ዝምልከቶ ዋንነት ዝተረጋገፀሉ ኣካል እዚ ሃፍቲ ብኣግባቡ ንክጥቀም ሓደራ እብል” ክብሉ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ገይርና ትሕዝቶና ክንክምብት።
Gazeta Woyen
