ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ህወሓት ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገ/ሄር ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዮ ልደት ውድብና ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓወልቲ ስዉኣት ኣብ ዝተኻየደ ፓነል ምይይጥ ዝተዛረበቶ፤

ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ኣብቲ ፓነል ምይይጥ ካብ ዘልዓለቶም ዓበይቲ ነጥብታት፤
ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ናብዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ንክንበፅሕ መሰረት ዘንፀፈ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዓበይቲ ትንታነታት ዝህብሉን ውሳነታት ዘቐምጥሉን ግዘ እዩ ነይሩ፡፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝገምገምሉ ኩነታት ነይሩ፡፡
ማገብት፣ “ስርዓት ደርጊ ፍፁም ፀረ ህዝቢ፣ ፀረ ዴሞክራስን ጨቋንን ስርዓት እዩ፤ ስለዚ እቲ ክግበር ዝግብኦ ዝተናውሐ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ፤ ብህዝባዊ ቃልሲ ኣቢልኻ እዩ እቲ ህዝቢ ሕቶታቱ ዝምለሰሉ” ዝብል መደምደምታ በፂሖም፡፡ ካብዚ ተበጊስኻ ክርአ እንተሎ፤ ኣብቲ እዋን ዝነበራ ካልኦት ውድባት እንትጠፍኣ ማገብት ግና ናብቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ክንበፅሕ ሰረት ኣንቢሩልና እዩ።
ከምቲ ዝፍለጥ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ዝተወልደት ውድብና ህወሓት፤ 50 ዓመት ተጓዒዛ እያ፤ ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሓ ዘላ፡፡ ኣብዚ ጉዕዞ 50 ዓመት ብዙሓት ፈተናታት እናሰገረት፣ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰርሐትን ተኣምራዊ ለውጥታት እናመዝገበትን፣ ካብ ሓደ ዓወት ናብ ካልእ ዓወት እናመረሸት 50 ዓመት ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጣ ዝተጉዓዘት ውድብ እያ፡፡

ካብ 1967 ዓ.ም ክሳብ 1971 ዓ.ም ዘሎ ጉዕዞ ውድብና ዝተፈላለዩ ከበድቲ ፈተናታት ኣጋጢሞምዋ፤ ነቶም ፈተናታት ሰጊራ ህልውንኣ ብምርግጋፅ ነቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር ዝገበረትሉ ምዕራፍ እዩ፡፡
ኣብ 1968 ዓ.ም ህወሓት ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ናይ መጀመርያ መስራቲ ጉባኤ ኣካይዳ ኩሉ ተጋዳላይ ብሓደ ኾይኑ ዘካየዶ ጉባኤ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ መስራቲ ጉባኤ መሪሕነት ውድብና ክምረፅን ሕገ ደንቢ ክፀድቕን ተገይሩ፡፡ ውድብና ናብ ዝሐሸ ጥንካረ ዝተሰጋገረሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ክፍልታት ውድብና እውን ኣብቲ ሽዑ እዋን እየን ተጣይሸን፡፡ ከምኡ እውን ግምባራት ተመስሪቶም፡፡
ውድብና ኣብ 1967 ዓ.ም፣ ኣብ 1969 ዓ.ም ዘጋጠሙ ሕንፍሽፍሻትን ካልኦት በብእዋኑ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፈተናታት ውሕሉል ብዝኾነ መሪሕነትን ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ መንገድን እናኣለየት እያ ሰጊራቶም፡፡ ክሳብ 1971 ዓ.ም ውድብና ብውሽጥን ብደገን ከበድቲ ፈተናታት እናጋጠምዋ ነዚኦም እናሰገረት ህልውናኣ ዘረጋገፀትሉ እዩ፡፡ ብፍላይ ካብ 1971 ዓ.ም ክሳብ 1975 ዓ.ም ድማ እቲ ቃልሲ ናብ ዝሐሸ ብራኸ ዝተሰጋገረሉ ነይሩ፡፡
ይኹን እምበር ድሕሪ 1975 ዓ.ም ደውታን ምንቁልቋልን ዝተርኣየሉ ግዘ ኣጋጢሙ ነይሩ፡፡ ኣብ 1977 ዓ.ም ገምጋም ጉዕዞ 10 ዓመት ተኻይዱ፡፡ “ንቅድሚት ምኻድ ኸሊእኒ ዘሎ እንታይ እዩ?” ኢላ ገምጊማ፡፡ ብመሰረት እዚ ፅርየት ውድብ ብስፍሓት ተኻይዱ፡፡ ናብ ዝሐሸ ደረጃ ድማ ተሰጋጊርና፡፡ ውድብና ተመዓራርያ፡፡ ዓበይቲ ለውጥታት ክመፁ ከምዝኽእሉ ድማ ብተግባር ተራእዩ፡፡
ካብ 1975 ክሳብ 1981 ዓ.ም ካብ ደውታ ናብ ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ዝተሰጋገርናሉ ግዘ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ 1981 ዓ.ም ዝነበረ ኩነታት፤ ብፍላይ ናይ 604 ኮር ምድምሳስ ተኸቲሉ ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ሓራ ዝወፀሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡

ካብ 1981 ዓ.ም ክሳብ 1983 ዓ.ም ድማ ብጣዕሚ ቅልጡፍ ለውጢ ዝተርኣየሉ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ፀላኢ ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ መላእ ሃገር ንምድምሳስ ዘኽእል ዓቕሚ ዝተፈጠረሉ እዩ፡፡ ምንቅስቓሳትና እውን ካብ ትግራይ ወፅዮም ኣብ ማእኸል ሃገር ዓበይቲ ስርሒታት ዝስርሑሎም እዮም ነይሮም፡፡ ደርጊ ከምዝወድቕ እናተረጋገፀ ዝኸደሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ውሳነ ድማ ደርጊ ብ1983 ዓ.ም ተደምሲሱ፡፡
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ጉዕዞ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን ዘካየድናሉ እዩ፡፡ ንፁራት ፖሊሲታትን ስትራቴጅታትን ተነፂሮም ቅልጡፍ ዕብየትን ለውጥን ክምዝገብ ክኢሉ፡፡ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመርና ብተግባር ዓበይቲ ለውጥታት ዘመዝገበሉ ጉዕዞ እዩ ነይሩ፡፡
ይኹን እምበር ነቲ ዝምዝገብ ዝነበረ ለውጥን ምዕባለን ኾሊፉ ናብ ስልጣን ዝመፀ ሓይሊ ንልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ስዒርዎ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ብምድኻሙ ዝተፈጠረ ውድቀት እዩ፡፡
ውድብና ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ፈተና ኣጋጢምዋ ኣሎ፡፡ “ክንብል በለ እምበር ኣይፈሰሰን” ከምዝበሃል መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ኣካይድና ውድብና ክገጥማ ካብ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ምብትታን ድሒና ሕዚ ኣብ ዝሐሸ ኩነታትን ቁመናን ትርከብ፡፡
ሕዚ እውን ካብዚ ሓደጋ ዘውፅአና እቲ ህዝባዊ መስመርና እዩ፡፡ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ፤ ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን እንሰርሖም ስራሕቲ ነፂርናን ወሲንናን ኢና፡፡ ስለዚ ሕዚ እውን እንተኾነ ከምቲ ልሙድ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ሰጊርና ዓወትና ናይ ግድን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡