ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ፈታኒ ቃልሲ ህልውና እዩ ፀኒሑ። ከምህዝቢ ኣብ ታሪኽና በፂሑና ዘይፈልጥ ብርሰት ኣጋጢሙና። ዝገጠመና ልፍንታዊ ወታደራዊ ወራር ጥራሕ እንተይኮነ ሞት፣ ስደትን ምምዝባልን፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ውራን ዕንወትን ንብረት፣ ምቅፃልን ምብራስን ዓዲ፣ ምብራስ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሕማምን ጥምየትን ኮታስ ቆፂርካ ዘይውድኡ ምፅኣታት ኢና ኣተኣናጊድና። ከምህዝቢ ሕዚ እውን እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ሰላም ዝመስል ሃዋህው መከራን ፀገምን ህዝብና ይቕፅል ኣሎ። ተመዛባላይ ህዝብና ኩሉ ነገር ስኢኑ ናይ ደገ ሓገዝ ተመፅዋታይ ኮይኑ። ነተን ቁንጣር ሓገዝ እኳ ዝስእነሉ ከቢድ ኩነታት ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ መላእ ህዝቢ ትግራይ ስራሕ ዝነበሮ ይኹን ዘይነበሮ፣ ምሁር፣ ሓረስታይ፣ ሙያተኛ ወዘተ እቲ ብኵናትን ዕፅዋን ክባን ዝተፈጠረ ቅልውላው ብቀጥታ እናሃሰዮ ይርከብ።
ኢኮኖሚ ትግራይ ቅድሚ ኵናት በፂሕዎ ካብዝነበረ ብዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ። መንግስታዊ ስራሕቲ ጠቕሊሉ ተቛሪፁ ካብዝነበረሉ ዝሓሸ እንትኾነ እውን ኣገልግሎታት በቲ ዝድለ ኣይወሃብን ዘሎ። ናይ ብዙሕ ኣዋርሕ መሃያ ዘይተኸፈሎ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብርኡ ተዛቢዑ ይርከብ። ንብዙሕ ዜጋ ዘንቀሳቕሱ ማሕበረ ቁጠባዊ ንጥፈታት ተዘሓሒሎም ስለዘለው ዕድል ስራሕ ምፍጣር ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ብርሰትን ህልቀትን ንምድሓን ዘካየዶ ምኽንያታዊ ቓልሲን ዝኸፈሎ መስዋእትነትን ብስምምዕ ፕሪቶሪያ መዕለቢ ክረክብ ትፅቢት እንተተገበረ እኳ ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ሰላማዊ ዝመስል ሃዋህው መልክዑ ዝቐየረ ሰላሕታዊ ፅንተትን ፈተናታትን እናቐፀለ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ብዙሕ ግፍዕን በደልን ይበፅሖ ኣሎ። ብሄራዊ መንነቱ ክቕይር ክሳብ ምግዳድ ዝበፅሕ ስቓይ ተሸኪሙ ተሰኵኑ ክነብር ወይ ዓዱ ለቒቑ ክወፅእ ይግበር ኣሎ። ባዕሉ ክኢሉ ህይወቱ ዝመርሕ ዝነበረ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብቑርን ሃሩርን እናተሳቐየ ብሓለንጊ ጥምየትን ሕማምን እናተገረፈ ይበርስ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ኣውራ ምኽንያት ወረርቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ሉኣላዊ ግዝኣትና ክወፁ ብዘይምኽኣሎም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ህዝብና ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዘኽእል መስርሕ ኣይተጀመረን። ፖለቲካዊ ድርድር ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን የለን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኣንፈት እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ወፃኢ ንህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ክስእን ንምግባር እዩ ፃዕሪ ዝግበር ዘሎ። ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ዝምልከት ተበግሶታት ዋላ እንተተርኣዩ ብቕጥዑ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ብመስዋእትነትና ዝተፈራረምናዮ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ባይታ ዝጭበጥ ትግበራ ስለዘይተረጋገዐ ናብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣይቀየርናዮን። እኳ ድኣስ ክልተ ዓመት መመላእታ ህዝብና መልክዑ ኣብዝቐየረ ሰላሕታዊ ፅንተት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።
እዚ ንምንታይ ኮይኑ? … ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ክኸውን ይግባእ። ናይቲ ፈራሚ ኣካል መንግስቲ ፌደራል ዕንቅፋታት ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ዓብይ ፈተና ግና ውሽጣዊ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘጋጠመ ሓደጋ እቲ ዝዓበየ ፈተና ገይርካ ይቕመጥ። ሽሕ እኳ ኣብዝሓ ኣመራርሓን ኣባልን ውድብና ብዓብይኡ ድማ ህዝብና ውድቦም ንምድሓን ብዘካየድዎ ብርቱዕ ቓልሲ ንህወሓት ካብ ውሽጢ ንምፍራስ ዝነበረ ሽርሒ ክብርዕን እንተኻኣለ እቲ ሓደጋ ከቢድ ብምንባሩ ውድብና መድረኽ ዝጠልቦ ብቕዓትን ጥንካረን ክህልዎ ቀፃሊ ርብርብ ምክያድ ግድን ይኸውን። ብኣንፃር ምርግጋፅ ህልውና ውድብና እንትርአ ዋላ እኳ ህወሓት ዕላማኣን መስመራን ኣብ ልቢ ነፍሰ ወከፍ ትግራዋይ ስለዝሰረፀ ብቐሊሉ ዘይትፈርስ ውድብ እንተኾነት ነቲ ዘጋጠማ ሓደጋ ዝምጥን ቃልሲ ናይ ምክያድን ከበድቲ ፈተናታት ናይ ምስጋርን ዋኒን ተጀሚሩ እምበር ኣይተወደአን። ብፍላይ እዚ ቃልሲ መኸተና ብምሕንሻሽ ዝከሓደ ጉጅለ ኣብ ብሄራዊ ህልውናና ዝፈጠሮ ሓደጋን ደጋዊ ሓይልታት ዝፈጥርዎ ፀቕጥታትን ተደማሚሩ ሕዚ ይኹን ንቐፃሊ ንህልውና ውድብናን ህላወ ህዝብናን ከቢድ ፈተና ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ።
እዚ እንተኾነ፤ እዚ ሓደጋ ዝኽበሰሉ ዕድልን ዓቕምን ሕዚ እውን ኣብ ኢድናን ኣብ ኢድ እቲ ፅኑዕ ህዝብናን እዩ ዘሎ። ብዋናነት ስትራተጂካዊ ዓቕምታት ትግራይና ዝኾኑ ህዝቢ ትግራይ፣ ውድብና ህወሓትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ነቲ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ ዝምጥን ውሳነታቶም ብምውዳድ ሓድነቶም ኣስጢሞም ብመንፈስ ግዘ የለን እንተተረባሪቦም ኣንፀላልዩ ዘሎ ናይ ውሽጥን ደገን ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝኽበስን ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ኩነታት ከምዝምለስን ኣየጠራጥርን። በዚ መዳይ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ዝናኣዱ ውፅኢታት ዘምፀአ እንተኾነ እውን ነቲ ውሳነ ብምሉእነት ክትግበር ናይ ምግባር ጉዳይ ልዑል ቁርፀኝነት ዝሓትት እዩ።
እቲ ኣብ ውድብናን ህዝብናን ከቢድ ናይ ስግኣት ደመና ዝፈጠረ ጠላም ጉጅለ ብሽም ለውጢ ናይ መኸተ ዓቕምና ኸፋፊሉ ኣብ ሞንጐ ህዝብና፣ ሰራዊትናን ካልኦት ስትራተጂካዊ ዓቕምታትናን ሰፋሕቲ ምድንጋራት እናፈጠረ ነንባዕልና ክንናቖርን ፀላእትና ሳላ ፅንዓትናን ሓድነትናን ክምልእዎ ንዘይከኣሉ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ኣጀንዳ ኣንዳዕዲዖም ክምልእዎ ንምግባር ኩሉ ዓይነት ዕድላት ኣመቻችዩ ብፅዑቕ እናሰርሐ ይርከብ። ውድብን መንግስትን ካብ ኩሉ ቀንዲ ዋኒኖም ወፂኦም ኣብ ሃንቺ መንቺ ክፅመዱን ህዝብና ብስግኣት ክወሓጥን ብምግባር ፀላእቲ ርሑቕን ቀረባን ብኮራርምቶም ክስሕቑ ዝዓደመን እዚ ክግሃድ ኩሉ ዘሎ ዓቕሙ ፀንቂቑ ዝሰርሕን በታኒ ሓይሊ ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር፤ ውድብናን ህዝብናን በዚ ተግባር ከይተሰኮኑ እኳድኣስ እዚ ብድሆ ከምቲ ልሙድ ብቓልስን ሓድነታዊ ፅንዓትን ከምዝፍታሕ ኣሚኖም ስትራተጂካዊ ዓቕምታት ትግራይ ብምእካብን ብምጥንኻርን ኣንፃር ጉጅላዊ ድሕረት ዝካየድ ምርብራብ የጠናኽሩ ኣለው። ነቲ ዝተጀመረ ማዕበላዊ ቓልሲ “ወፍሪ እምቢታ” ናብ ነገራዊ ሓይሊ ብምቕያር ምሉእ ድሕነትና ክነረጋግፅን መኸተና ብምዝዛም ከምህዝቢ ናብ ልዑል ብራኸ ክንሰጋገርን ብዝተወደበ መንገዲ ዝተመርሐ ምንቕናቕ ብስፍሓት ይካየድ ኣሎ። ነዚ ምንቕናቕ ብምጉህሃር ናብ ዝለዓለ ውፅኢት ምስግጋር ዝከኣል ድማ ኣንፃር እቶም ውሑዳት ጉጅለ ክሕደት ዝግበር ቓልሲ ብምጥንኻር ይኸውን። ብመሰረት እዚ፤ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ በዓል ዋናን ፈታውን ህዝባዊ ቓልስና ስምረቱን ሓድነታዊ ቓልሱን ዝያዳ ከጠናኽር ኣለዎ። ኣብቲ ዝተፈጠረን ብቐፃልነት ዝፍጠርን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ንደምበ ፅግዕተኛታትን ድሕረትን ረመፅ ዝኾነት ትግራይ ንምፍጣር ብፍሉይ ትኹረትን ወነ ቓልስን ክንጋደል ኣለና። እዚ እንትኸውን ብውሽጥን ብደገን 50 ዓመት ዘቑፀረ ህዝባዊ ቓልስናን መኸተናን ንምሕንሻሽን ህዝቢ ትግራይ ተበቲኑ ክተርፍን ዝሓልሙ ዘለው ፀላእትን ባንዳታትን ንባዕሎም ተበቲኖም ክተርፉ እዮም። ኣብዚ እንተተረባሪብና ካብቲ ክፈጥርዎ ዝተለምዎ ሓደጋ ብምንጋፍ ህዝብና ሰላም፣ ፍትሒ፣ ቕሳነትን ምዕባለን ዝዓሰለላ ትግራይ ክፈጥርን ንቐፃሊ ወለዶ ክሰጋግርን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።