ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዮ በዓል 11 ለካቲት ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ
ውድብና ህወሓት መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዩቤልዮ በዓል 11 ለካቲት ንመላእ ህዝብና፣ ኣባላትናን ደገፍትናን እንትተብስር ዝለዓለ ክብርን ሓበንን ይስመዓ።
11 ለካቲት ልደት ውድብና ህወሓትን ዝተወደበ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ዝተጀመረላን ሽግ ሓርነትና ዝተወለዐላን ዕለት ብምዃና ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብዝለዓለ ድምቀት እናኽበራን እናዘከራን እዩ መፂኡ። እነሆ ሎሚ መበል 50 ዓመት በዓልና “50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ንሓደ ዓመት ምሉእ ማለት እውን ካብ ለካቲት 2017 ዓ/ም ክሳብ ለካቲት 2018 ዓ/ም ክኽበር ብውድብና ብዝተወሰነ መሰረት ብልዑል ናይ ቃልሲ ወነ ምኽባር ጀሚርና ኣለና።
11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብመሪሕነት ህወሓት ዝተጀመረ ዝተወደበ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ መቐፀልታን ውፅኢትን ናይቲ ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት እናካየዶ ዝመፀ ቃልሲን ዝኸፈሎ መስዋእትን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ዋላ እኳ ብዙሓት ፈተናታት ክሰግር ዝተገደደ እንተኾነ ሳላ ብፅንዓት ዝመከተ ግና ትግራዋይ መንነቱን ኽብሩን ሓልዩ ክዘልቕ ዝበቕዐ ህዝቢ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘበነ ኣክሱማዊ ስልጣን ይኹን ቅድሚኡ መሰታ ወይ እውን ልዕሊ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ስልጣነታት ዓለም በፂሑ ከምዝነበረ ብታሪኽ ዝተረጋገፀ ሓቂ እዩ። ቕድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ቅድመ ኣክሱማዊ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስልጣነ ደኣማታውያን ህዝቢ ትግራይ ጥንኩር ሕጋውን ፖለቲካውን ውዳበ ዝንበሮ ጥንታዊ ሕብረተሰብ ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ቅርስታት ህያው ምስክር እዮም። ኣክሱማዊ ስልጣነ ድማ ካብ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ዝዘለቐት ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድማ ካብተን ሽዑ ዝንበራ ኣርባዕተ ሓያላት መንግስቲ ዓለም /ሮም፣ ፋርስን ቻይናን/ ሓደ ብምንባራ ህዝቢ ትግራይ በፂሕዎ ዝነበረ ጠርዚ ምዕባለ ዘርኢ እዩ። ጥንታውያን ኣክሱማውያን ናይ ባዕሎም መበቆል ፍልስፍና ዝነበሮምን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ዓበይቲ ምዕባለታት ዘመዝገቡን እዮም ነይሮም። ኣብ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ምርባሕ እንስሳ፣ ምህንድስና፣ ስራሕቲ መርከብ፣ ስራሕቲ ሓፂን መፂንን ጥርሙዝን፣ ካብ ክባራት መዓድናት ዝተሰርሑ ሳናቲም፣ ኣብ ምርምር ስነ ኮዋክብቲ፣ ኣብ ሒሳብ፣ ኣብ ስራሕቲ ስነ-ፅሑፍ ቋንቋን ፊደል ቀረፃን፣ ወዘተ- – – ተዋፊሮም ብብርኪ ዓለም መሪሕነቶም ዘረጋግፁ ምንባሮም ፀሓፍቲ ታሪኽ ዘረጋገፅዎ እዩ።
ብወድዓውን ባዕላውን ምኽንያታት ስልጣነ ኣኽሱማውያን ምስተዳኸመ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቐፃልነት ዘለዎ ጉዕዞ ቑልቁለት ኣትዩ ሓሳረ መከርኡ ኽርኢ ተገዲዱ እዩ። ኣብዚ ናይ ፀልማት ዘበን ካብ ውሽጢ ኣብ መንጎ መሳፍንቲ ብዝካየድ ሕድሕድ ኵናትን ካብ ደገ ብዝመፁ ወረርትን ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኩናት ክነብር፣ ኣደዳ ሞትን ሕሱም ድኽነትን ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ምስረታ ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብሄራዊ ዕብለላ ሱር ሰዲዱ ንብሄራዊ መንነቱ ዘጥፍእ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት እንዳበፅሐ ብቑጠባውን ማሕበራውን ምዝመዛታት ሰንሰን ኢሉ ብኵናት፣ ጥምየትን ሕማማትን ዝሳቐ ህዝቢ ክኸውን ተገዲዱ።
ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሕ በደልን መከራን ግን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለሉ ጊዜ የለን። ኣንፃር ናይ ውሽጢ ገዛእትን ናይ ደገ ወረርትን ናይ ምቅላስ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ናይ እምቢ ኣይምብርከኽን፣ እምቢ ኣይግዛእን በሃላይነት ታሪኽ እዩ። እዚ ክብሪ እዚ ካብ ውሉድ ወለዶ ንኣሽሓት ዓመታት እናተሃነፀን እናተሰጋገረን ዝመፀ መግለፂ መንነት ህዝቢ ትግራይ እዩ። ናይዚ ናይ ቀረባ እዋን ሓደ መርኣያ ገይርካ ዝወስድ ብ1935 ዓ/ም ዝተወለዐ “ቐዳማይ ወያነ” ብዝብል ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ዓመፅ እዩ። ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ክመሓደርን ማዕርነት ኽረጋገፀሉን ብምሕታት ንብሄራዊ ጭቆና ተቓዊሙ ወይኑ ነቲ ስርዓት ነቕነቕ ክብል ገይርዎ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ዘውዳዊ ስርዓት ሃፀይ ሃይለስላሴ ነፈርቲ እንግሊዝ ብምምፃእ ኣብ መዓልቲ ዕደጋ ኣብ ከተማ መቐለ ብዘስካሕክሕ መልክዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ምንቅስቓስ ወየንቲ ክዳኸምን ንግዚኡ እቲ ቓልሲ ኽድጎልን ኽኢሉ። ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ርእሱ ኸየቕንዕ እውን ብሄራዊ ጭቆናን መግዛእትን ብዝኸፍአ መልክዑ ተጠናኺሩ ቐፂሉ።
ምሒር ወፅዓ ቃልሲ ክወልድ ግድን እዩ እሞ ቓልሲ ቀዳማይ ወያነ ንሳላሳ ዓመት ተደጉሉ ድሕሪ ምፅናሕ ቕድሚ 50 ዓመት ኣብ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ሽግ ሓርነት ዳግማይ ወያነ ተወሊዑ ልደት ህወሓት ክብሰር ኽኢሉ እዩ። ህወሓት ነቲ ንዘበናት ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ዝነበረ ቓልሲ ብዝተወደበ መልክዕ ክቕፅልን ብቑዕ ኣመራርሓ ኽረክብን እዩ ገይሩ። ዝሓንፀፆም ህዝባዊ ዕላማታት ንምስኻዕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ በቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ዕፅው ስለዝተገበረ መማረፂ ስኢኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክጅምር ተገዲዱ።
ብመሪሕነት ህወሓት ዝተኻየደ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ንፁር ዕላማ፣ ኣገባብ ቃልስን ውዳበን ዝነበሮ፣ ብውሑዳት ጀሚሩ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ናይቲ ህዝባዊ ቓልሲ ዝገበረ፤ ከም ህዝቢ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብ ልዕሊኡ ተፃዒኑ ዝነበረ ኣርዑት ብሄራዊ ዕብለላን ደርባዊ ጭቆናን ቐንጢጡ ብምድርባይ ብሄራዊ መንነቱን ክብሩን ምሕላው ዘኽኣለ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ከርፋሕ ናይ ድኽነት ናብራ ዘላቕቕ መንገዲ ዝጀመረ እዩ። ንኢትዮጵያ እውን ካብ ምብትታንን ጉዕዞ ቑልቁለትን ብምውፃእ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኽትከል፣ ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ክሰፍን፣ ስሉጥ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ተረጋጊፁ ህዝቢ በቢደረጅኡ ፍትሓዊ ተጠቃሚ ክኸውን፣ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዘረጋግፅ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክጅመር፣ ወዘተ- – – ኣብ ምግባር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኮርን መርኣያን ብምዃን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ፈፂሞም እዮም።
መቑሕ ባርነት ንምስባር ብዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ እቲ ዋርድያ ድሕረት ዝኾነ ኣሃዳዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን እኳ እንተተወገደ ብተናፀል ይኹን ብውዳበ ነቲ ዝተጋገፀ ናይ ስርዓት ለውጢ ምቅዋም ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን። ነቲ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ግደ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ግልፂ ብምንባሩ እዚ ዘይወሓጠሉ ሓይሊ ምድሕርሓር ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘየቋርፅ ወፍሪ ፀለመን ተግባራት ጥፍኣትን ከካይድ ፀኒሑ። እዚ ሓይሊ በትረ ስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ምጭባጡ ሃፍቲ ሃገርን ኩሉ መንግስታዊ ዓቕሚን ብምጥቃም ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ብህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽፅልኡን ንኽንፀሉን ብፅዑቕ ተረባሪቡ ቐሊል ዘይበሃል ምድንጋር እውን ፈጢሩ እዩ። በዚ ተደናጊሩ ፅልኣት ዘሕደረ ኣካል ድማ ትግራዋይ ክበሳበስ፣ ብግፍዒ ክቕተል፣ ክፈናቐል፣ ንዓመታት ሰሪሑ ዘፍረዮ ሃፍቱ ኽዝረፍ፣ ወዘተ- – – ተገይሩ። ትግራዋይ ካልኣይ ዜጋ ዝኾነላን ኩሉ ዓይነት ግፍዕን ኣድልዎን ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሐላን ሃገር ናብ ምዃን ተቐይራ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ብሄር ተኮር ጥቕዓታት ናብ ዝለዓለ ጭካነ ተሰጋጊሩ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ካብ ምድረ ገፅ ንምጥፋእ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ተኻይዱ ንኽልተ ዓመት ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፍፁም ክባን ዕፅዋን ኣትዩ ካብ ቀልቢ ዓለም ሰዊርካ ትግራዋይ ንምጥፋእ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብልፍንታውያን ሓይልታት ፅንተት ተፈፂሙ።
ይኹን እምበር፤ እዚ ውህሉል ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዘሎዎ ንቑሕ ብመንነቱን ህልውንኡን ፍፁም ዘይደራደር ህዝቢ ትግራይ ዕላማ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ንኽግንዘብ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ዝነብር ህዝቢ ከም ንህቢ ዓሲሉ ከም ኣርቃይ ረቢቡ ሓፂናዊ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ብጀግንነት መኪቱ። ኣብ ሓፂር እዋን ገዚፍ ሰራዊት ሃኒፁ ንዓለም ዘስደመመ ቓልሲ ተኻይዱ ፅንተት ህዝብና ኽዕገት ኽኢሉ። ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ጨፍሊቕካ ምጥፋእ ከምዘይከአል ደጊሙ ኣረጋጊፁ። መሪሕ ውድብና ህወሓት እውን ብተግባር ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ውድብ ንባዕሉን ንህዝቡን ወዲቡ ኣብ መኸተ ክስለፍን ክዋፍርን ገይራ ታኻዊ ግቡእ ፈፂማ እያ። ካብ መስረትቲ ውድብ ነባራት ኣመራርሓ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ መሪሕነታን ኣባላታን ክቡር መስዋእቲ ህይወት ብምኽፋል ህዝባውነቶም ብደሞም ኣመስኪሮም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ኣባላት ህወሓት ቅድመ ግንባር መናእሰይ ትግራይ ብምዃን ናብ ሰራዊት ተፀምቢሮም ግቡኦም ፈፂሞም። በዚ ድማ ህወሓት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን መሪሕ ግዴኣ እትፃወት ውድብ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊፃ።
ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ መስተንክራዊ ቃልስን ዝኽፈሎ መስዋእትን ቕድሚ ኣስታት ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍረም ብምኽኣሉ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣቲና ኣለና። እዚ ናይ ባዕሉ ዕድላትን ፈተናታትን ሒዙ ዝመፀ እዩ። እቲ ዝዓበየ ዕድል ቶኽሲ ጠጠው ኢሉ ኣብ ዝበዝሕ ኸባቢታት ትግራይ ዝነብር ህዝብና ሰላም ምርካቡ እዩ። ብተወሳኺ ዋላ እኳ ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ እንተዘይኮነ ህዝቢ ዝተፈላለየ ግልጋሎታት ኽረክብ ምኽኣሉ እውን ብእወንታ ዝረአ እዩ።
እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ግን ዘለናዮ መድረኽ ዓበይቲ ፈተናታት እውን ዝሓዘ እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ ፅንተት ህዝብና ብሰላሕታ ዝቕፅለሉን ስቓዩ ዝተናወሐሉን ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ብዙሕ ግፍዕን በደልን ይበፅሖ፣ ብሄራዊ መንነቱ ንኽቕየር ይግደድ ኣሎ። ዳግም ግዳይ ብሄራዊ ጭቆና ኮይኑ ይርከብ። ባዕሉ ኽኢሉ ህይወቱ ዝመርሕ ዝነበረ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ብቑርን ሃሩርን እናተሳቐየ ብጥምየት ሓለንጊ እናተገረፈ ኣደዳ ሕማምን መከራን ኾይኑ ትሕቲ ህልዋት ዝኾነ ህይወት ኽነብር ተገዲዱ ኣሎ። ሕዚ እውን ወረርቲ ካብ ሕገ መንግስታዊ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይወፁን። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝበፅሐ ጀኖሳይድ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዘኽእል መስርሕ ገና ኣይተጀመረን። ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ድርድር ኣይተጀመረን። ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብቕጥዑ ኣይተጀመረን። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ፈራሚትን ተደራዳሪትን ዝኾነት ውድብ ህወሓት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ንምምላስ ፖለቲካዊ ድልየት ከምዘየለ ዘረጋግፁ ውሳነታት በብእዋኑ ብምውሳን ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ክወድቕ ዝገብር ተግባር ይፍፀም ኣሎ።
እቲ ካልእ ኣብዚ መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ገጢሙና ዘሎ ዓብይ ፈተና ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘጋጠመ ንውድብና ናብ ቀልቀል ምፍራስ ዘብፀሐ ሓደጋ እዩ። ዋላ እኳ ኣመራርሓን ኣባልን ውድብ ከምኡ እውን መላእ ህዝብና ውድቡ ንምድሓን ብዘካየዶ ዘይሕለል ቓልሲ ንውድብ ካብ ውሽጢ ንምፍራስ ዝነበረ ሽርሒ ክብርዕን እንተኸኣለ እቲ ሓደጋ ግን ከቢድ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ሕልኽላኻት ብምስጋር “ጉባኤ ድሕነት” ብዝብል ዝተሰየመ ታሪኻዊ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ንውድብና ተመዓራርዩ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክበፅሕ ገይርዎ እዩ። ሕዚ እውን ግን ህወሓት መድረኽ ዝጠልቦ ብቕዓትን ጥንካረን ንኽህልዎ ቐፃላይ ቃልስን ርብርብን ምክያድ ግድን እዩ። ብኣንፃር ህልውና ውድብ ምርግጋፅ እውን ዋላኳ ህወሓት ኣብ ልቢ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዝሰፈረትን ብቐሊሉ ዘይትፈርስን ውድብ እንተኾነት ተመሳሳሊ ድልየትን ዕላማን ዘለዎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን፣ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተፃባእቲ ሓይልታት እንተኾይኑሎም ህወሓት ንምፍራስ ወይ ንሀወሓት ዓርሲ ንምግባር ብኹሉ ዓቕሞም ይረባረቡ ስለዘለው ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ግድን እዩ።
ህወሓት ን50 ዓመት ኣብ ቃልሲ ዝዘለቐትን ፈተናታት እናበድሀት ዓወታት እናመዝገበት ዝመፀትን ውድብ እያ። ሕዚ እውን ህዝባዊ ዕላምኣ ኣፅኒዓ ብምሓዝ ነቲ ሕዚ ገጢምዋ ዘሎ ፈተና ኽትሰግሮ እያ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ንብህጋ ትግራይ ኽትጋሃድ ዝገብር ራእይ ሰኒቓ ናይ ቐፀልቲ ወለዶታት ውድብ ኾይና ከምትቕፅል ኣየጠራጠርን።
ዝኸበርካ መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ፤
ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመት ብውድብካ ህወሓት እናተመራሕኻ ተቓሊስካ ተኣምር ሰሪሕኻ ኢኻ። መሰረታዊ ጠለባትካ እውን ክምለሱ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ሰላምካ ሓሊኻ ምሉእ ቀልብኻ ኣብ ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስን ገይርካ እናሃለኻ ኣብ ዝባንካ ዝወረደ መዓት ጀኖሳይዳዊ ኩናት ብሳላ ፅንዓትካ ኽዕገት ገይርካ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ሰጊርኻ ኣለኻ። ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ትነብር ዘለኻ፣ ተሰዲድካን ተመዛበልካን ዘለኻ ህዝብና እውን ኩነታት ክንዲ ዘፍቀደልካ ብፅንዓት ዘካየድካዮ ቃልሲ ሓበን ኩሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኽትግበር እውን ብዝኸኣልካዮ ኹሉ ትቃለስ ኣለኻ። ሕዚ እውን ብስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታትካ ግቡእ ምላሽ ንክረኽቡን ስግር ንሶም ዘለው ፖለቲካዊ ዕላማታት መኸተኻ ኣብ ሸቶኦም ንኽበፅሑን ቓልስኻ ክተሕይል ውድብካ ህወሓት እንትትፅውዕ ሎሚ እውን ከም ወትሩ ካብ ህዝባዊ ዕላማኣ ፈተኽ ከምዘይትብል ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ቃላ ብምሕዳስ እዩ።
ዝኸበርኩም ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ደገፍትን ህወሓት፤
ውድብኩም ህወሓት ህዝባዊ መትከላ ኣፅኒዓ ብምሓዝ 50 ዓመታት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን ዝዘለቐት ውድብ እያ። ኣብ ታሪኽ ቃልሳ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ በቢመድረኹ ኣንፈታት እናነፀረት፣ ካብ ተመኩሮኣ እናተምሃረትን እናተመዓራረየትን ንቅድሚት ናይ እትግስግስ ውድብ ህወሓት ኣባላትን ደገፍትን ብምዃንኩም ኽትሕበኑ ይግባእ። ሕዚ እውን ውድብኩም ንፈተናታት እናሰገረት ከምወርቂ ኣብ ሓዊ እናተፈተነን እናተኾለዐትን ኽትቕፅል እያ። ውድብኩም ንምድሓን ዘካየድኩምዎ ቓልሲ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ብድሙቕ ቀለም ተፃሒፉ ወለዶታት ዝመሃርሉ ክኸውን እዩ። ሕዚ እውን ውድቡኩምን ንምዕራይን ንምጥንኻርን እጃምኩም ኽትፃወቱን ንህዝብኹም ብቕንዕናን ብልዑል ህዝባዊ ወነን ኽተገልግሉን ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ውድብኩም ፃውዒታ እንትተቕርበልኩም ሕድሪ ህዝብኹምን ስውኣት ብፆትኩምን ከምዘይተዕብሩ ብምትእምማን እዩ።
ዝኸበርካ ተምሳሌት ጅግንነት፣ ፀዋርነትን ህዝባውነትን ዝኾንካ ሰራዊት ትግራይ፤
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈሰሰ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ሓሪንካ ንህዝብኻ ካብ ፅንተት ንምድሓን ዝወፈርካ ሰራዊት ትግራይ ሳላ እቲ ንዓለም ዘገረመ መዘና ኣልቦ ፅንዓትካን ጅግንነትካን ምስ ሽሾ ሰራዊት ልፍንታውያን ሓይልታት ፅንተት ገጢምካ መኪትካ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእትኻ ክቕፅል ገይርካ ኢኻ። ሕዚ እውን ዝወፈርካሉ ዕላማ መኸተ ስለዘይተዛዘመ ዘይፅወር ፀይርካ ኣብ መትከልካ ፀኒዕኻ ኣብ ምቅላስ ትርከብ። ህወሓት ንኹሉ እቲ ዝፈፀምካዮ ድሙቕ ታሪኽ ዘለዋ ዝለዓለ ክብሪ እናገለፀት ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከምዘይትዋገን ዕላማት መኸተ ንምዕዋትን ስግር እዚ ዘለውና ባህግታት ንምስኻዕን ከም ውድብ ዝለዓለ ድልውነትን ውፍይነይን ከምዘለዋ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ተረጋግፀልካ።
ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣትን ስድራ ተጋደልትን፣ ጉድኣት ኲናት፣ ተጋደልትን ነባር ዓቕምታት ቃልስናን
ቅድም ክብል ብዝኸፈልኩምዎ ከቢድ መስዋእቲ ሰላምና ተረጋጊፁ መፃኢ ብሩህ ጉዕዞና እናመዓደና ኣብ ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስን እናሃለና ብዝተኣወጀልና ጆኖሳይዳዊ ኲናት እንደገና ክባር ዋጋ ኽትከፍሉ ተገዲድኩም ኢኹም። ግን ድማ ሳላ ብፅንዓት ዝተቓለስኩም ፅንተት ህዝብና ተዓጊቱ እዩ። ጀጋኑ ሰለስተ ምዕራፍ ቃልስናን ናይ ሕዚ ወለዶን ተጎራሪስኩም ኣብ መኸተ ዝፈፀምኩምዎ ድሙቕ ታሪኽ መላእ ህዝቢ ትግራይ “እንኳዕ ናተይ ኮንኩም” ኢሉ ኮሪዑልኩም እዩ። ህወሓት እውን ነዚ ወርቃዊ ታሪኽኩም ዘለዋ ክበሪ እንትትገልፀልኩም ሓበን ይሰምዓ። ዋላ እኳ ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ብጣዕሚ ኽባር እንተኾነ ምእንተ ሃለዋት ዝተኸፈለ ዋጋ ስለዝኾነ ክትሕበነሉ ይግባእ። ሕዚ ድማ ሰላምና ውሑስ ንምግባር፣ ብኲናት ዝዓነወት ትግራይና ንምሕዋይ ዳግመ ህንፀት ንምክያድን ብሓፈሽኡ ዕላማታት መኸተና ኣብ መፈፀምታ ክሳዕ ዝበፅሕ ቃልስኹም ክተሐይሉ ውድብኩም ህወሓት ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ፃውዒታ ተቕርበልኩም ኣላ።
ዝኸበርክን መርኣያ ፅንዓት፣ ብልሓትን ጅግንነትን ዝኾንክን ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፤
ኣብዚ ናይ 50 ዓመት ታሪኽ ህዝባዊ ቓልስና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘይተነገረን ዘይተፅሓፈን እምበር ዘይሰራሕኽንኦ ተኣምር የለን። ውድብክን ህወሓት ካብ ዕሸላ ጀሚርክን ከምውላድክን ሓብሒብክን ኣዕቢኽንኣ ኢኽን። ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ንባዕልኽን ተጋዲልክን ንሕብረተሰብ ኣለዓዒልክን ወዲብክን ኣብ ቃልሲ ክስለፍ ገይርክን ትግራዋይ መንነት ክኹላዕ ገይርክን ኢኽን። ብፀላእቲ ብዝበፅሐክን ግፍዕን ደበልን ከይተሰኮንክን እኳ ደኣስ ዝያዳ እናሓረንክን መርኣያ ትብዓትን ፅንዓትን ኾይንክን ኢኽን። ኣብ ሰላም፣ ኣብ ልምዓት፣ ኣብ ምንጋስ ፍትሕን ዲሞክራስን ሞዴላት ኾይንክን ርኡይ ግደ ተፃዊትክን ኢኽን። ኣብ እዋን መኸተ እውን መርኣያ ሓቦ ፅንዓትን ጅግንነትን ብምዃን መዘና ኣልቦ ታሪኽ ሰሪሕክን ኢኽን። ውድብክን ህወሓት ድማ “እንኳዕ ካባኽን ተፈጠርኩ” እናበለት ኩሉ ጊዜ ብኣኽን ትሕበን።
ሕዚ እውን ሰላም እንትዝረግ ዝለዓለ ተጠቃዕቲ ንስኽን ስለዝኾንክን ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኽትግበር ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድብክን ህወሓት ብምዃን ቃልስኽን ንክተሐይላ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ፃውዒታ እንተቕርበልክን እትፍፅምኦ ምዃንክን ብምትእምማን እዩ።
ዝኸበርኩም ዋልታ ቃልስናን ተስፋ መፃኢናን ዝኾንኩም መናእሰይ ትግራይ፤
ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ 50 ዓመት ውድብና ህወሓት መናእሰይ ትግራይ ዝተፃወትዎ ግደ ኣብ ታሪኽ እናተዘንተወ ዝነብር ‘ዩ። ኣብ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልስና እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ብምኽፋል ናብ ዓወት ዘብፅሕዎ መናእሰይ ትግራይ እዮም። ኣብ እዋን ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን እውን ህዝብና ተጠቃሚ ዝገብር ለውጢታት ክምዝገብ ኣብ ምግባር ወሳኒ ዓቕሚ ብምዃን ግቡኦም ፈፂሞም እዮም። ሕዚ ዝገጠመና ወራር ፅንተት ንምምካት ዘርአኹምዎ ፅንዓትን ጅግንነትን ድማ ንዓለም ዘስደመመን ንወገን ዘሐበነን አዩ። ብመስዋእትኹም ናብ ምዕራፍ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ካብ ንሰግር ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይንዎ ኣሎ። ዝተረኸበ ሰላም ውሑስ ኾይኑ ክቕፅል ኣብ ምግባር ግደ መናእሰይ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ሕዚ እውን ብሽም መጨበጢ ዘይብሉ ለውጢ ንመናእሰይ ብምድንጋር መሳርሒኦም ገይሮም ናብ ዓመፅን ህውከትን ንምእታው ሓዊ ንዘሳውሩ ኣካላት ኣደብ ግበሩ ኢልካ ተስፋ ኽተቑርፆም ይግባእ። ውድብካ ህወሓት ሰላምና ውሑስ ንምግባር ናይ ትግራይና ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ንኽረጋገፅን ባህጊ መፃኢት ትግራይና ጋህዲ ንምግባርን መንእሰይ ትግራይ ሓለፍነትካ ንክትዋፃእ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት 11 ለካቲት ፃውዒት ተቕርበልካ ኣላ።
ዝኸበርኩም ምሁራንን ሰብ ሃፍትን ትግራይ፤
ቅድሚ 50 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ እንትጅመር ትግራይ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ምሁራትን ሰብ ሃፍትን እዮም ነይሮምዋ። ሎሚ ግን ውፅኢት ዕላማታት ለካቲት ዝኾኑ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ምሁራትን ሰብ ሃፍትን ፈርዮም እዮም። ይኹን እምበር ብምኽንያት እቲ ፀላእትና ዝወልዕዎ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዓዲ ክቕይር ዝኽእል ብዙሕ ምሁርን በዓል ሃፍትን ተሳቕዩ፣ ተበታቲኑን ጠፊኡን ኣብ ፍልጠትን ሃፍትን ዓዲ ከቢድ ዕንወት በፂሑ። በዚ ኸይተሰኮንኩም መኸተና ንምዕዋት ህይወትኩም፣ ፍልጠትኩምን ሃፍትኹምን መስዋእቲ ብምዃን ዘካየድኩምዎ ቓልሲ ታሪኻዊ እዩ። ሕዚ ድማ ተጀሚሩ ዘሎ ተስፋ ሰላም ክሰፍሕ፣ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ከምኡ’ውን ኣብ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ትግራይ ብፍልጠትኩምን ሃፍትኹምን ክትነጥፉን ክትረባረቡን ህወሓት ፃውዒታ ተቕርበልኩም ኣላ።
ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ እንትነብሩ ኣምባሳደራት ህዝቢ ትግራይ ዝኾንኩም ደቂ ትግራይ፤
ኣብ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብምዃን ብኹሉ ዓቕሙ እናተቓለሰ እዩ መፂኡ። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዓለም ብምፍላጥ፣ ንቓልሲ ዘድሊ ፋይናንሳውን ማተርያላውን ደገፍ ብምግባር፣ ናብ ዕጥቂ ቃልሲ ተፀምቢርካ መስዋእቲ ብምኽፋል፣ ወዘተ . . ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ስፍራ ዝሕዝ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ኣብ እዋን ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ‘ውን በቲ ዝተፈጠረ ምችው ኩነታት ተስፋ ሰኒቕኩም ብዙሓት ናብ ዓድኹም ተመሊስኩም ብፍልጠትኩምን ብገንዘብኩምን ናብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስራሕ ምውፋር ጀሚርኩም ነይርኩም።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ምስተጀመረ ድማ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተዓፈነሉ እዋን ካብ ሰገናት ደቅኹም ጀሚሩ ድምፂ ህዝብኹም ብምዃን ዘካየድኩምዎ ቃልሲ፣ ካብ ቑፅርኩም ንላዕሊ ፅዕንቶ ብምዕራፍ እዞም ህዝቢ እዚኦም መን እዮም? ኢሉ ዓለም ክሳዕ ዝግረም ገይርኩም ዘመዝገብኩምዎ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት፤ ብሓፈሻ ብሞራልን ብገንዘብን ነቲ ብኽባን ዕፅዋን ተዓፊኑ ዝነበረ ህዝቢ ንምድጋፍ ዝገበርኩምዎ ቓልሲ ኣብ ህሊና ህዝቢ ትግራይ ተፃሒፉ ዝነብር ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ብዘካየድኩምዎን ተካይድዎ ብዘለኹምን ቃልሲ ድማ ህወሓት ዝለዓለ ሓበን ከምዝሰምዖ ክገልፀልኩም ይፈቱ።
ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ምዕራፍ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እውን ዝተረኸበ ሰላም ውሑስ ንምግባር፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክቀላጠፍ ንምግባር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ብዓለም ለኸ ሕጊ ተሓታቲ ክኾኑ ንምግባር ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንምግባር ሓድነትኩም ኣደላዲልኩም ኣምባሳደራት ህዝብኹም ኾይንኩም ቃልስኹም ኣጠናኺርኩም ንክትቕፅሉ ህወሓት ኣብዚ ታሪኻዊት ዕለት 11 ለካቲት ፃውዒት ተቕርበልኩም።
ዝኸበርኩም ተነሓናሕቲ ፖለቲካ ውድባት ትግራይ፤
ህወሓት ኣብ ሕብረተሰብና ዝተፈላለዩ ድልየታትን ካብዚ ዝፍልፍሉ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን ስለዘሎ ነዚ ዝውክሉ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ምህላዎም ግድን ‘ዩ ኢላ እያ ትኣምን። ካብቶም ዝተቓለስናሎም ዕላማታት ሓደ ‘ውን ህዝብና ብዝመሰሎ ክውደብ ምኽኣል እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለያ ፖለቲካ ፓርትታት ምህላወን ህወሓት ከምፀጋ እያ ትሪኦ። ምኽንያቱ ፍርያት 11 ለካቲት እየን በዓል ለካቲት እውን በዓለን እዩ ኢላ እያ ትኣምን። ፖለቲካ ፓርትታት ዕላመአን ናብ ህዝቢ ኣቕሪበን ህዝቢ ክድግፈን ዝሰርሓ እምበር እታ ሓንቲ ነታ ካልእ ክተጥፍእ ትንቀሳቐስ ክትኸውን የብላን። ንህወሓት ይኹን ንካልእ ፓርቲ ክጠፍእ ኣለዎ ኢልካ ምብጋስን ምልዕዓልን ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን፣ ዘይስልጡን ኣካይዳን ፀረ- ዲሞክራስን ‘ዩ።
ህወሓት ኣብ መኸተ ህዝቢ ትግራይ እጃመን ንዝተፃወታ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዓብይ ክብሪ ኣለዋ። ከም ናይ መኸተ ሓይሊ ብሓባር ተቓሊስና ኢና። ሕዚ እውን ከምተጋሩ ሓደ ዝገብሩና ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ ኢልና ንኣምን። ስለዚ ፖለቲካዊ ኣፈላላያትና ብስልጡን ኣገባብ እናኣለና ኣብቶም ዘቀራርቡና ናይ ሓባር ጉዳያት ንክንሰርሕ ህወሓት ፃውዒታ ተቕርብ።
ዝኸበርኩም ህዝብታት ኢትዮጵያ፤
ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብምድምሳስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል፣ ህዝቢ ኢትዮጱያ ካብ ከርፋሕ ናይ ድኽነት ናብራ ዘውፅእ ስሉጥ፣ ተኸታታልን ፍትሓውን ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕብየት ክረጋገፅ፣ ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ክሰፍን ንምግባር ዝተፃወትዎ ግደን ዝኸፈልዎ ሕልፊ መስዋእትን ኣይትክሕድዎን ኢኹም። ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ነዚ ክብሪ ምሃብ ኣብ ልዕሌና ጄኖሳይዳዊ ኲናት ተኻይዱ ዘርዚርካ ዘይውዳእ በደል በፂሑና እዩ። በቲ ኲናት ድኻ ኢትዮጱያዊ እውን ከምቆፅሊ ረጊፉ እዩ። ሃፍቲ ሃገር በቲ ኲናት ተበሊዑ እዩ። ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ብሰላም እዩ ክነብር ዝደሊ። ሰላምና ተዘሪጉ ኩልና ናብ ዝለዓለ ጥፍኣት እንደገና ከይንኣቱ ንኩሉ ደላይ ሰላም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ንሰላም ክስለፍ ህወሓት ፃውዒታ ተቕርብ።
ፃውዒት ንመነግስቲ ኢትዮጱያ፤
ሕቶታትን መሰላትን ህዝቢ ብሓይሊ ምዕፋን ከምዘይከኣል፣ ኲናት ኣብ ህይወትን ሃፍትን ዓዲ ከቢድ ኪሳራን ዕንወትን ካብ ምብፃሕ ሓሊፉ ትርፊ ከምዘይብሉ ግቡእ ትምህርቲ ተወሲዱሉ እዩ ኢልና ንኣምን። ሕዚ ‘ውን ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኩሎም ህዝብታት ብዝረብሕን ዘላቒ ሰላምን ምትእምማንን ብዝፈጥርን መንገዲ ንምፍፃም ህወሓት ዘለዋ ድልውነት ደጊማ እናረጋገፀት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጱያ እውን ተመሳሳሊ ድልውነት ንክህሉ ፃውዒትና ነቕርብ።
ዝኸበርኩም ማሕበረሰብ ዓለምን ደገፍቲ ህዝቢ ትግራይን፤
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ኣብ ምቅላዕን ምኹናንን ከምኡ እውን እቲ ኲናት ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ንምግባርን ማሕበረሰብን ሚድያታትን ዓለም ንዝወስደኩም ተበግሶን ዘካየድኩምዎ ፃዕርን ዘለና ምስጋና ንገልፅ። ሕዚ ‘ውን ዝተጀመረ ፃዕሪ ሰላም ኣብ መወዳእትኡ ንክበፅሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል ሕዚ ‘ውን ምንቅስቓሱ ንምእጋድን ንምስራዝን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘይግባእ ምንቅስቓስ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ብምእታው ዝለዓለ ጉድኣት ዘብፅሕ ብምዃኑ መአረምታ ንኽግበረሉ እጃምኩም ክትፃወቱ ውድብ ህወሓት ትፅውዕ።
50 ዓመት ኣብ ቃልሲ ፅንዓትን ዓወትን
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 11 ለካቲት 2017 ዓ/ም መቐለ