ንነባሪ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣውዲቑ ዘሎ ሰላምን ፀጥታን ከተማ መቐለ ብዘላቒ ውሑስ ንምግባር ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ተዋዲዱ ክሰርሑ ዘግብር ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ሓዱሽ ሕዱግ ገሊፆም፡፡
ኮማንደር ሓዱሽ ነዚ ዝገለፁ፤ ኣብ ህልው ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ስግኣት ህዝብን ከተማ መቐለ ኣመልኪቶም ብፍላይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንትኾን ፀገም ፀጥታ ከተማ መቐለ ብዘላቒ ውሑስ ዝኸውን ብሓይልታት ፀጥታ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ በዓል ዋና ሓለዋ ሰላምን ፀጥታን ከባቢኡ እንትኸውን ጥራሕ ብምዃኑ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምውዳድ ይግበር ምህላውን ሓቢሮም፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 2016 ዓ/ም 4,736 ሓፈሻዊ ገበናት መቕተልቲ፣ መውቃዕቲ፣ መጭወይቲ፣ ስርቂን ካልኦትን ገበናት ከም ዝተፈፀሙን ካብዚኦም እቶም 4,142 ከበድቲ ገበናት ከምዝኾኑ ኮማንደር ሓድሽ ይገልፁ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ 2017 ዓ/ም 4084 ሓፈሻዊ ገበናት ዝተፈፀሙ እንትኾኑ ካብዚኦም እቶም 3,665 ከበድቲ ገበናት ከምዝኾኑን እዚ ምስ ዘመነ ስራሕ 2016 ዓ/ም እንትነፃፃር ከበድቲ ገበናት ብ477 ወይ ድማ ብ11 ነጥቢ ሓሙሽተ ምኢታዊ ከምዝነከየ ይኹን እምበር ተመሳሰልቲ ገበናት ምፍፃሞም ግና ይቕፅሉ ከምዘለው ሓቢሮም፡፡
ናይዚ መግለፅታት ዘቕረቡ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ 2017 ዓ/ም ጥራሕ 246 ሓፈሻዊ ገበናት ከምዝተፈፀሙን ካብዚኦም እቶም 234 ከበድቲ ገበናት እንትኾኑ ካብ ዕለት ሓደ ክሳብ ዕለት 1 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ጥራሕ ድማ ሰለስተ ቕትለትን መጭወይቲ ሓደ በዓል ሙያ ካሜራን ከምዝተፈፀመን ነዚ ኣፅሪኻ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምውዓል ፖሊስ ጥቡቕ ክትትል ይገብር ምህላው ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ዓ/ም ዝተፈፀሙ ገበናት ቅትለትን መጭወይትን ንህዝቢ ናብ ዓብይ ስግኣት ዘእተው ብምዃኖም ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ ነዚ ዝመርሕ ዝተወደበ ሓይሊ ስለዘሎ እዩ ዝብል ርእይቶታት ህዝቢ ኣለው ኢልና ዘቕረብናሎም ሕቶ እንትምልሱ፤ ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕትን ዳህሳስን ዝተወደበ ሓይሊ ኣሎ ንምባል ዋላእኳ እንተዘይተኽኣለ መጋደድቲ ገበናት ዝኾኑ፣ ቅድም ክብል ብገበን ቕትለት ተጠርጢሮም፣ ዝተኣሰሩን ፍርዲ ዝረኸቡን ኣካላት ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፅንተታዊ ኩናት ወፂኦም ዝነበሩ ካብ ማእኸል ሃገር ከይተረፈ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዘለው ተረጋጊፁ መፅናዕትን ክትትልን ብምግባር ኣብ ቑፅፅር ሕጊ ክውዕሉ ከምዝተገበረ እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም፡፡
ገበን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን እንተተፈፂሙ ድማ ናይ ምፅራይ ቴክኒካል ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ግደ ህዝባዊ ፖሊስ ዝዓዘዘ እኳ እንተኾነ ብቐንዱ ግን እቶም ዝፍፀሙ ገበናት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ስለዝኾኑ ህዝቢ ገበነኛታት ፈልፊልካ ኣብ ምውፃእ፣ ሰላምን ፀጥታን ከባቢኡ ትኩር ኮይኑ ኣብ ምሕላውን ንባዕሉ እውን ዓርሰ ጥንቃቐ ኣብ ምውሳድ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣበርቲዑ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ፀጥታ ክስለፍ ይግባእ ኢሎም፡፡
ንኮማንደር ሓድሽ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍፃም ከበድቲ ገበናት፣ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ስግኣትን ጥርጣረን እቲ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ሓይልታት ፀጥታ እዛ ከተማ ወፃኢ እዩ ምባል ይካኣል ዶ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሎም እንትምልሱ ድማ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ቅድም ክብል ይፍፀሙ ካብ ዝነበሩ ገበናት ብዓይነቶምን ብትሕዝትኦምን ፍልይ ዝበሉ ከም ሰብ ጨዊኻ ገንዘብ ምሕታት፣ ምኹብላል ሰብን ካልኦትን ሓደሽቲ ገበናት ይፍጠሩ ብምህላዎምን ኣብ ሓይሊ ፀጥታ እውን ኣብ ምክልኻል ገበናት ዘሎ ናይ ሓለዋ ብልሓት ምጉዳልን ዝወለዶ እንተዘይኮይኑ ካብ ቁፅፅር ሓይልታት ፀጥታ ከተማና ክኸውን ኣይኽእልን ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ 33 ጣብያ፣ 178 ቀጠና፣ 847 ብሎክ ከምዘሎን ኣብዚአን ውዳበታት ፈጢርካ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሰላምን ፀጥታን ብምክያድ፤ ምስ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ዝተጀመሩ መድረኻት እውን ኣጠናኺርካ ብምቕፃል፣ ዝረአ ዘሎ ፀገም ፀጥታን ስግኣት ድሕንነትን ብምፍታሕ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ንኽህሉ ይስራሕ ምህላው ኮማንደር ሓዱሽ ሓቢሮም፡፡
እቶም ዝፍፀሙ ዘለው ገበናት ተሽከርከርቲ ባጃጅ፣ መኪናን ዝሳተፍሉ መሳርሒ ገበን ዝኾኑ ሽጉጥ፣ ገጀራን ካራን ተጠቒሞም ዝፍፀሙ ዘለው ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ብዝተገበረ ክትትልን ፈተሻን ዛጊድ ሓሙሽተ ተሽከርከርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓላ ኮማንደር ሓዱሽ ኣፍሊጦም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ስምሪትን ታርጋ ቑፅርን ዘይብለን ተሽከርከርቲ ከይንቀሳቐሳን፤ ብቐፃሊ ድማ ሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ ባጃጅ ፃዕቒ ምንቅስቓስ ትራፊክ ብስፍሓት ኣብ ዝረኣየሉ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ወፂአን ኣብ ወሰና ወሰን መስመር እቲ ከተማ ክሰርሓ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣገንዚቦም፡፡ ፀገም ፀጥታ እንተሃለወ እውን ኣብ ሕብረተሰብ ራዕዲ ስግኣትን ጥርጣረን ንምፍጣር ኮነ ኢልካ ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ወረታት ከምዘለው ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ዛጊድ ፖሊስ ብዝገበሮ ምፅራይ ኣብ ፌደራል ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ተጨውዩ ዝተብሃለ ሓደ ዶክተር ኣዲስ ኣበባ ምስ ስድርኡ ከምዘሎ፤ ካብ ኵሓ ድማ ወዲ 16 ዓመት ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት “ካብ ገዛ ወፂኡ ጠፊኡ” ዝተብሃለ ቆልዓ እውን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማይ ፀብሪ ተረኺቡ ናብ ስድርኡ ከምዝተመለሰን ካልእ ሳልሳይ ሰብ እውን ብተመሳሳሊ ብሰላም ከምዘለው ፖሊስ ብዝገበሮ ምፅራይ ከምዘረጋገፀ ግልፂ ገይሮም፡፡
Gazeta Woyen
