“ግብረገብነት” ዝተብሃለ መፅሓፍ፤ ደቂ ሰባት ዓርሶም ብዓርሶም ዘፀግሙ ፍጡራት ከምዝኾኑ ዝስዕቡ ኣብነታት ብምዝርዛር የቕርብ። ንሳቶም እውን “ዓይንና ፅቡቕ ነገር ክርእን ኣፍንጫና ፅቡቕ ከሽትትን እናደለና፤ ግን ኣብ ከባቢና ብእንመልኦ ጎሓፍ ፅቡቕ ምርኣይን ምሽታትን ይሓርመና ኣሎ። ፅቡቕ ድምፂ ክንሰምዕ ንደሊ፤ ይኹን እምበር ኣብ ከባቢና ሰላምን ደስታን ዘይህብ ነገር ነተኣታቱ። ንሓለዋ ጥዕናና ምችው ዝኾነ ከባቢ ክህልወና ንደሊ፤ እንተኾነ ግን ጐሓፋት እናኾመርና ጠንቂ ጥዕና ዝኾኑ ነገራት ነራብሕ። ብተፈጥሮ ሃፍቱ ዝማዕረገን ዝፀበቐን ከባቢ ክህልወና ንደሊ፤ ኮይኑ ግና እቲ ዘሎ ኣግራብ ብምልባድ ናብ ምድረባዳ ክልወጥ ንገብር። ብመንፅር እዚ እንትረአ ንሕና ደቂ ሰባት ዓርስና ብዓርስና እንቃረን ዓርስና ብዓርስና እነጥፍእ ፍጡራት ኮይንና ኣለና” ክብል ገሊፁ ኣሎ (ዶ/ር ጠና 2009፡ 187)።
እወ፤ ከባቢና እናበከልና ገዛና ክፀሪ፣ ክፅብቕ፣ ምቾት ክህልዎ ፃዕሪ ንገብር፤ ገዛ ክብሪ፣ ሓጎስን ፍቕርን ዝተመልኦ ክኾነልና ንፅዕር። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ገዛናን ከባቢናን ዘሎ መስተጋብራዊ ርክብ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ እዩ። ኣብ ገዛና ዘለዉ ሃፍትታት (ኣየር፣ ማይ ወዘተ ሓዊሱ) ኩሎም ካብ ከባቢና ዝተረኸቡ እዮም። ይኹን እምበር ንገዛና እንገብሮ ክንክን ንከባቢና ኣይንሓስቦን። ብምኽንያት እዚ ከባቢና ብምዝብዑ ንዝፍጠር ቅልውላው “ቁጠዐ ኣምላክ” እናበልና ንፈጣሪ ነማርር። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እዚ ጉዳይ መርገም ወይ ቁጠዐ ፈጣሪ ዘይኮነስ ፅሬት ከባቢ ብዘይምሕላውናን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምብራስናን እንቕበሎ መቕፃዕቲ እዩ። እቲ ምንታይ ሃፍቲ ተፈጥሮና ከምዝጉዳእን ከምዝውዳእን ስለዘይንሓስብ ካብ ውልቀ ሰባት፣ ትካላት፣ ፋብሪካታትን ካልኦትን ዝወፁ ጐሓፋት በብከባቢኡ ንኹምር። ብከምዚ መልክዑ ከባቢና ክፃወሮ ናብ ዘይኽእል ብርኪ ይሰጋገር ኣሎ። እዚ ድማ ፀገም ኣረኣእያ ዝወለዶ እዩ። ምንጪ እቲ ፀገም እውን ኣብ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያን ነበርትን ኮይኑ ከመይ ከምዝረአ ብቅደም ሰዓብ ብዝርዝር ክነስዕብ ኢና።
ኣብዚ በብብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ “ጐሓፍ ብኣግባቡ እንተንጥቀሞ ነይርና ሃፍቲ እዩ፤ እንተዘይተጠቒምናዮ ግን መርዚ እዩ” ኢሉ ብውነ ዝርዳእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዓመት 2508 ቶን በብመዓልቱ ድማ ከባቢ ሸውዓተ ቶን ጐሓፍ ይውገድ እዩ። ካብዚ ጐሓፍ እቲ ካብ 79 ክሳብ 83 ሚኢታዊ ዝብስብስን ንኮምፖስ ዝውዕልን ሃፍቲ እዩ። እዚ በብዓመቱ 2508 ቶን ዝእለ ጐሓፍ፤ ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሉ ሃፍቲ ምዃኑ ብዝግባእ ዝርዳእ መሪሕነት ግን የለን። ስለዝኾነ እዚ ገዚፍ ሃፍቲ ኣብ ክንዲ ተመሊሱ ኣብ ረብሓ (ኮምፖስ) ክውዕል ዝግበር፤ ካብ ከተማ ጥራሕ ይእለ ኣሎ። እቲ ምእላይ እውን ትኹረት ስለዘይወሃቦ ካብ ልዕሊ 167 ሚልዮን ዝተሓተተ በጀት እቲ 51 ሚልዮን ብር ጥራሕ ከምዝፀደቐ መተሓባበሪት ጉጅለ ቁፅፅርን ምሕደራን ጐሓፍ ከተማ መቐለ መንእሰይ ሜላት ኣብርሃ ትገልፅ።
ነቲ በብዓመቱ ዝእለ ጐሓፍ ብውነ ዝርዳእ መሪሕነት እንተዝህሉ ግን፤ ኩሉ ተመሊሱ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእል ሃፍቲ ከምዝኾነ በዓል ሞያ ስነ ከባቢ ጉጅለ ቁፅፅርን ምሕደራን ጐሓፍ ኣይተ ገብረፃዲቕ ገብረየሱስ የረድእ። እዚ እውን እቲ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዝበስበሰ ጐሓፍ ንኮምፖስ እቶም ዘይብስብሱ ከምፌስታልን ሃይላንድን ዝበሉ ንጎማታት መሕፀቢ ክዳውንቲ፤ እቶም ከምሓፂን ዝበሉ በላሕቲ ነገራት ድማ ናብ እንዳ ሓፂን ክውዕሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኩሎም በብመልክዖም ኣብ ረብሓ ንምውዓል ድማ እኹል በጀት መዲብካ ብዝተወደበ መልክዑ ምስራሕ ይሓትት። እቲ ግንዛበ ብዝግባእ ስለዘየለ ግን ከምከተማ መቐለ ጐሓፍ ንምልዓል እምበር ተመሊሱ ኣብ ረብሓ ንክውዕል ተሓሲቡ ኣይስራሕን ዘሎ።
ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ካብቲ ዝጐሓፍ 2508 ቶን እቲ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ኮምፓስ ዝኾን እንተኾይኑ፤ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምኡ እውን ሕርሻ ከተማ መዳበርያ ካብ ወፃኢ ንክኣቱ ካብ ዝገብሩ በብከተማኡ ዘሎ ጐሓፍ ናብ ኮምፖስ ንምቕያር በጀት እዮም ክምድቡ ነይሩዎም። ኣብዚ ንኮምፖስ ፍሉይ ትኹረት የድሊ ንብለሉ፤ ብብዙሕ መንገዲ ካብ መዳበርያ ስለዝበልፅ እዩ። ንሱ እውን ሓደ ብኮምፖስ ዝፈሪ ምህርቲ ሕርሻ “ኦርጋኒክ” ስለዝኾነ ፀገም ጥዕና ኣየስዕብን። ካልኣይ ረብሓ ኮምፖስ ምህርቲ ምስሳን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መሬት ንከይኣርግን ዝኣረገ ንክሕደስን ዝገብር እዩ። ስለዝኾነ ኮምፖስ ጠሊ ተሓዚ እውን ስለዝኾነ ሰኣን ማይን መዳበርያን ዝባኽን ምሕርቲ ሕርሻ ብዝሐሸ መልክዑ ክፈሪ ዝገብር እዩ። ካብዚ ርትዒ ብምብጋስ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብፍሉይ ክሰርሐሉ ዝግባእ ሃፍቲ እዩ እናተጕሓፈ ዝውዕልን ኣብቲ ዝጐሓፈሉ ከባቢ ፀገም ጥዕና ዝፈጥርን ዘሎ።
እቲ መሪሕነት ይትረፍ ጐሓፍ ብመንፅር ምቕናስ ሸርፊ ወፃእን ምሕዳስ መሬት ሕርሻን ሓሲቡ ክንቀሳቐስ፤ ኣብ ምእላይ ጐሓፍ ንዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት ዘድልዮም መከላኸሊ ኣብ ምምላእ እውን ክፍተት ኣሎ። ንሱ እውን ጐሓፍ በላሕቲ ነገራት ስለዝርከብዎ ነዚኦም እትከላኸለሉን ካብ ጐሓፍ ዝወፅእ ሕማቕ ሽታ እትከላኸለሉን ዕጥቂ ኣብ ምምላእ ፀገም ከምዘሎ እዮም እቶም ሰብ ሞያ ዘረድኡ። ሰኣን ግቡእ መከላኸሊ ጐሓፍ ምጥቃም ብሕማማት ኣስምን ሳምባ ምችን ፀገም ጥዕና ኣጋጢምዎም ዝወፁ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ብኣብነት ኣደጊፎም የረድኡ። ስለዝኾነ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ጐሓፍ ዝውዕሉ ስለዝኾኑ እኹል ዕጥቅን መተባብዒ ጥቕማ ጥቕምን ክምደበሎም ይግባእ ነይሩ። ይኹን እምበር ክትግበር ኣይከኣለን።
ካሊእ ፀገም መሪሕነት ዘርኢ እቲ ቤት ዕዮ ደንቢ ተሓላሊፎም ጐሓፍ ብምድፋእ ፀገም ጥዕና ነባሪ ዘምፅኡ ወገናት ዝቐፅዐሉ እኹል ስልጣን ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ከምቲ ኣብ ልምዓት እቶት ኣብ ስወራ ግብሪ ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ ናብ ተሓታትነት ዘስግር በዓል ሞያ ሕጊ ብግልፂ ተቐሚጡ ዘሎ፤ ኣብ ከይዲ ስራሕ ሓምለዋይ ልምዓት ፅቡቕ ከተማን ምኽባር ሕግን እውን ደንቢ ንዝተሓላለፉ ናብ ተሓታትነት ዘስግር በዓል ሞያ እዩ ክምደብ ነይሩዎ። እዚ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ድማ ነቲ መደብ ተቐቢሉ ብሓላፍነት ዝትግብር ቤት ዕዮ ክንፀር ነይርዎ። ዓርሱ ዝኸኣለ በዓል ሞያ ሕጊ ስለዘይብሉ ወይ እውን ነቲ ዘጋጥም ምትሕልላፍ ደንቢ ብመደብ ተቐቢሉ ናብ ተሓታትነት ዘስግር ኣሰራርሓ ስለዘየለ፤ ከባቢ ንዝርከበሉ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ክፍተት ከምዘሎ መንእሰይ ሜላት ተረድእ።
እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ክፍተት ብውስኑ ነዚ ዝተገልፀ ኮይኑ፤ እቲ ካሊእ ፀገም ድማ ኣብቲ በዓል ሞያ ዘድሃበ እዩ። በዓል ሞያ ከይዲ ስራሕ ሓምለዋይ ልምዓትን ፅባቐ ከተማን ምኽባር ደንብን ጐሓፍ ዝቕንሰሉን መሊኡ ደው ዝብለሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክፍተት ኣለዎ። ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ጐሓፍ ናብ ኮምፖስ እንተዝውዕል ነቲ ብሸርፊ ወፃኢ ዝመፅእ ዘሎ መዳበርያ (ዘመናዊ ድኹዒ) ክንደይ ዝኾን ከምዝትክእን ክንደይ ሃፍቲ ካብ ብኽነት ከምዘድሕንን ዝተገበረ መፅናዕቲ የለን። ኣብዚ ብመንፅር ንመዳበርያ ዝሽፍን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ካብቲ ዝብስብስ እቲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ሰትን ሳዕርን ስለዝኾነ ክንደይ ዝኾን ንቀለብ ከፍቲ ክውዕል ዝኽእል በብመዓልቱ ከምዝባኽን ኣይተፀንዐን። እዚ ዝባኽን ሳዕሪ ኣብ ቀለብ ከፍቲ እንተዝውዕል ንክንደይ ቀለብ እንስሳ ምሸፈነ? ክንደይ ስጋን ፀባን ምኾነ? ክንደይ ዝኾን ንመኖ እንስሳ ዝወፅእ ገንዘብ መድሓነ? ዝብል ብዝግባእ ኣይፈልጦን። እዚ ድማ ካሊእ ፀገም እቲ በዓል ሞያ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሰብ ሞያ እቲ ንገይፂ ተባሂሉ በብመዓልቱ ዝባኽን ዘሎ ሰቲ፤ ሕብረተሰብና ክሳብ ክንደይ ዝኾን ገንዘብ ይጐሓፍ ከምዘሎ ብመፅናዕቲ ኣደጊፎም እንተዘረድኡ ቀወምቲ ብዝኾኑ መጋየፅታት ምተቐየረ ነይሩ። ንሱ እውን ካብ ላስቲክን ሃይላንድን መጋየፅታት ብምስራሕ ኣብ እንዳ ቡን ዝነጥፋ ኣሕዋትና ንሰቲ እናተብሃለ መዓልታዊ ካብ ዝባኽን ገንዘብ መድሓነን። ብካሊእ መልክዑ ኣብዚ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ጐሓፍ ተቐኒሱ ማለት ኣብ ዓመት ዝውገድ ልዕሊ 2508 ቶን ጐሓፍ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ቀኒሱ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ እንትቕነስ ድማ ነዚ ጐሓፍ ንምእላይ ዝምደብ በጀት ክቕንስ ዝገብር እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰሙን ን35 መካይን ዝምደብ ዘሎ (ንሕድሕደን 120 ሊትሮ) ነዳዲ ኣብ ልምዓት መስኖን ጀነሬተራት ሕክምናን ክውዕል ከምዝገብር ተንቲኑ ዘረድአ መፅናዕቲ ብሰብ ሞያ ዝቐረበ የለን። እዚ ድማ ተገዳስነት ዘይብሉ ጉዕዞ ዝወለዶ በዓል ሞያ እዩ።
እቲ መበል ሳልሳይ ነጥቢ እንሪኦ ሃፍቲ ዝደፍን ኣከያይዳ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ፀገም እዩ። ሕብረተሰብ ጐሓፍ ዝጓዳእ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እዩ ካብ ገዝኡ ኣውፂኡ ኣብ ጎደና ዘቐምጦ። ኣብዚ ሳዕቤን ጐሓፍ ብውነ ስለዘይርዳእ ግን ኣብ ጎደናን ሩባታትን እንትድፋእ ብጫማን ንፋስን ተመሊሱ ናብቲ ገዛ ብምእታው ንፀገም ጥዕና ይቃላዕ ኣሎ። ኣክሱማውያን ወለድና “ዕድመ ደቂ ሰባት ዘሕፅሩ ሕማቕ ምግብን ሕማቕ ሽታን እዮም፤ ዕድመ ደቂ ሰባት ዘንውሑ ድማ ፅቡቕ ምግብን ፅቡቕ ሽታን እዮም” ይብሉ ነይሮም። እዚ ብሳይንስ እውን ዝተረጋገፀ እዩ። ይትርፍ ብቀጥታ ሕማም ዝፈጥር ጐሓፍ፤ ሓደ ሰብ ቅሱን እንተዘይኮይኑን ጭንቂ እንተሃልይዎን ዕድመኡ ከምዝሓፅር ይፍለጥ እዩ። ስለዚ እቲ ማሕበረሰብ ሳዕቤናት ጐሓፍ ብውነ ስለዘይርዳእ ካብ ገዛ ኣውፂኡ ኣብ ጎደና ከምዝድርቢ መንእሰይ ሜላት ተረድእ።
ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ፀገም ኣተኣላልያ ጐሓፍ ኣብቲ ዘይተምሃረ ዝበሃል ክፋል ሕብረተሰብ ማሕበረሰብ ዘይኮነስ፤ ኣብቲ “ፊደል ዝቖፀረ” እዩ። ብመሰረት ደንቢ ፅሬት ከባቢ ንመንበሪ እንተኾይኑ 20 ሜትር ሬድያስ፣ ትካል እንተኾይኑ ድማ 50 ሜትር ሬድያስ ዝርከብ ጐሓፍ ሓላፍነት ዝውሰድ እቲ ኣብታ ቦታ ዘሎ ሰብን ትካልን እዩ። ስለዝኾነ ደንቢ ተሓላሊፉ ብምጉሓፍን ከባቢኡ ብዘይምፅራዩን እንትቐፅዖ፤ ፀገም ዝፈጥር እቲ “ተማሂረ እየ” ዝብል ሰብ እዩ። እቲ ብዙሕ ትምህርቲ ዘይደፍአ ወገንና እማ ንሕጊ ዘለዎ ክብሪ ልዑል ብምዃኑ ጥፍኣቱ ኣሚኑ ቅፅዓቱ ብፀጋ እዩ ዝቕበል። እቲ “ይፈልጥ እየ” ዝብል ግን ነቲ ሕጊ ዘኽብር በዓል ሞያ ዝነክእ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ክቕፃዕ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ነባሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይተ ሓዱሽ ፀጋይ ይገልፁ።
እቶም ወገን፤ ጐሓፍ ብውነ ዝርዳእ ሕብረተሰብ ውሑድ ስለዝኾነ እዩ ደቁን ጎረባብቱን ኣብ ዝውዕልዎን ንዓርሱ ተመሊሱ ኣብ ዝጎድኦን ከባቢ ጐሓፍ እናደፍአ ዝውዕል ዘሎ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ኣዋጊዖሙና። ብውነ እንተዝርዳእ ግን ይትረፍ ተመሊሱ ንዓርሱ ኣብ ዝጐድኦ ከባቢ ክጉሕፍ፤ ጐሓፍ ብቕልጡፍ ንክእለ ናይ ግልጋሎት ባዕሉ ዝኸፍለሉ ኩነታት እዩ ክፈጥር ነይሩዎ። መበገሲ እዚ ፀገም ንግብረገብነት ዝተብሃለ መፅሓፍ ገፅ 186/7 ተወኪስና ምርኣይ ኣድላዪ እዩ። ከባቢና ልዕሊ ኣጉዶና እዩ ዝጠቕመና። ኣጉዶና እውን ዝርከብ ኣብ ከባቢና እዩ። ከባቢና ሓበራዊ ሃፍትና እንትኾን ኣጉዶና ግን ናይ ብሕትና እዩ። ከባቢና ነዚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝቕፅሉ ወለዶታት እውን ዝኸውን ሃፍቲ እዩ። እዚ ወለዶ ዝተረከቦ ከባቢ ካብ ዝሓለፉ ወለዶታት ከምምዃኑ መጠን፤ ብዝግባእ ሓልዩ ንዝቕፅሉ ወለዶታት እውን ከረክብ እዩ ዘለዎ። ብዕምቆት እንተፈቲሽና ካብ ኣጉዶና እንረኽቦም ነገራት ካብ ከባቢና ዝነኣሱ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብ ከባቢና እንረኽቦም ነገራት ደቂ ሰባት ንክነብሩ፣ ክሰርሑን ክዓብዩን መሰረታውን እዮም። ስለዝኾነ እቶም ንምንባር፣ ንምስራሕን ንምዕባይን ወሰንቲ ዝኾኑ ከባብያዊ ፀጋታት ቀፃላይ ትውልዲ እውን ስለዘድልይዎ ብክንክን ሒዝና ክነረክብ ይግባእ።
ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ፤ ሓንቲ ዓዲ ደረጃ ብደረጃ ብደቃ እትህነፅ እምበር ተሃኒፃ ዝተወደአት ኣይኮነትን። ክብራን ዕብየታን፣ ጥንካረኣን ልምዓታን ዝውሰን ብረሃፅን ወዝን፣ ፍቕርን ኣኽብሮትን፣ ፅንዓትን ተጋድሎን፣ ምትሕስሳብን ምትሕዝዛንን፣ ምክብባርን ምፍቕቓርን፣ ጥንካረን ድስፕሊንን ህዝባ እዩ። እታ ዓዲ እንተዘይኣፅርዮምዋ ኣይትፀርን፣ እንተዘይኣዕብዮምዋ ኣይትዓብን፣ እንዘይኣኽቢሮምዋ ኣይትኸብርን። ሓደ ወገን መንነቱ ካብ ዓዱ ከምዝረክብ ብጊዴኡ ብጉልበቱን ብንብረቱን፣ ብፍልጠቱን ጥበቡን፣ ብግብረገብነቱን እምነቱን ምስሊ ዓዱ ክሃንፅ ይግባእ። ንዓርሱ ዝረብሕዎ ካብ ዓዱ ክረክብ ዝኽእል ሰናይ ነገራት ንዓዱ እንተበርክት እዩ። ውላድ ካብ ኣዲኡ ከምዘይንፀል ዜጋ እውን ካብ ዓዱ ኣይንፀልን። ኣብ ጉዳይ ዓዱ ርሑቕ ተዓዛቢ ዘይኮነስ ንቑሕ ተሳታፊ እዩ ክኾን ዘለዎ። ህንፀት ዓዲ ንዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ሂብካ ዝግደፍ ዘይኮነስ ንኩሉ ዜጋ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ፅሬታ ዝሓለወትን ንምንባር ምሽውትን ከተማ ንክትህልወና ንሓደ ኣካል ብምግዳፍ ዘይኮነስ መሪሕነት፣ እቲ በዓል ሞያን ነባርን ብውነ ተረዲኡ ክሰርሕ ይግባእ።