መበል 50 ዓመት ፅምብል ወርቃዊ ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ነበርቲ ከተማ ውቕሮን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ውቕሮ ብዝደመቐ ኩነታት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ብክልተ ምምሕዳራት ተዋዲዱ ዝተብዓለ ድሙቕ በዓል ለካቲት 11 ዝተረኸቡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓትን ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይን ተጋዳላይ ፍስሃ ሃይላይ “ለካቲት 11 ህዝቢ ትግራይ በብመዋእሉ ኣንፃር ገዛእቲ ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ዝተኸምበተሉ እዩ” ኢሉ፡፡

“ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደመኛታት ፀላእቱ ብዝተወደበ መንገዲ ስለዝተቓለሰ ከምቶም ሕሉፋት ቃልሱ እንተይፈሸለ ዓወት ሓፊሱ እዩ” ዝበለ ተጋዳላይ ፍሰሃ “ይኹን እምበር ብመሪር ብረታዊ ቃልሲ ዝተስዓሩ ሓይሊታት መልክዕ ኩናቶም ቀይሮም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክዘምቱ ፀኒሖም እዮም” ክብል ገሊፁ፡፡

ህዝብና ካብቲ ዝተገለፀ ሕሱም ባርነት ተላቒቑ ልምዓትን ዴሞክራስን ምቁዳስ ጀሚሩ ከምዝነበረ ዘረድአ እቲ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ፤ “ደመኛታት ፀላእትና ዳግም ከፅኑቱና ብዝወልዕዎ ደማዊ ኲናት ግን ኩሉ ምዕባለና ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ” ክብል ኣረዲኡ።
ተጋዳላይ ፍሰሃ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጥና ዝተፈጠረ ፈተና ጋሊህና ውዕልታት ፕሪቶርያ ፀንቂቕና ብምጥቃም ባህጊ ህዝብና ክንፍፅም ኢና” ድሕሪ ምባሉ እዚ ንምግሃድ ሓድነትና ክነስጥም ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ሕሉፍ ቃልስናን ቃልሲ ኣንፃር መኸተን ዕውት ዝነበረ ሓድነት ብምስጣም ከምዝኾነን ውድብ ህወሓት ረብሓታት ህዝቢ ኣብ ዘረጋግፁ ዛዕባታት ምስዝኾነ ይኹን ኣካል ሓቢሩ ንምስራሕ ድልዊ ከምዝኾነን እውን ኣረጋጊፁ።