ህዝባዊ ዘተ ዱሮ 11 ለካቲት ወርቃዊ እዮቤልዩ!
“ፈተናታት ዘስግር ብሕታዊ መንገዲ ህዝባዊ መስመር ህወሓት እዩ፤” ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገ/እግዝኣብሄር
* “ህወሓት ሃገር ዘድሕን ፖሊሲ ሓንፂፁ ዘተግበረ ውድብ እዩ፤” ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ
* “መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮኑ ኣከያይዳታት ʻኣይናትናን’ ንበሎም፤” ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ
ውድብ ህወሓት ብዙሓት ከበድቲ ፈተናታት እናሰገረት፣ ዓበይቲ ለውጢታት እናመዝገበት ዝወፀት፣ 50 ዓመት ብፅንዓትን ፈተናታትን ብምጉዓዝ ኣብዚ ሐዚ ዘላቶ ብርኪ ዝበፅሐት ጠንካራ ውድብ ምዃና ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ህወሓት ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገ/እግዝኣብሄር ገሊፃ።
ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ነዚ ዝገለፀት፤ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዩቤልዮ ልደት ውድብ ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ፓነል ምይይጥ እዩ።

“ውድብ ህወሓት 50 ዓመት ናይ ፅንዓትን ዓወትን ዓመታት ተሳጊራ ኣብዚ ብርኪ በፂሓ ኣላ፤” ዝበለት ተጋዳሊት ፈትለወርቅ፤ ኣብዚ ጉዕዞ 50 ዓመት ብዙሓት ፈተናታት እናሰገረት፣ ዓበይቲ ተኣምራዊ ለውጢታት እናመዝገበት ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጣ ዝተጉዓዘት መርኣያ ፅንዓት ምዃና ኣብሪሃ።
ኣብቲ ፓነል ምይይጥ ካብ 1967 ዓ/ም ክሳብ 1971 ዓ/ም ዝነበሩ ዓመታት ህልውና ውድብ ህወሓት ናይ ምርግጋፅ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ትገልፅ። ኣብቲ እዋን ውድብ ህወሓት ዝተፈላለዩ በዳህቲ ፈተናታት ገጢሞም ብምንባሮም ነቶም ዘጋጠሙ ፈተናታት ብውሕሉል ዲሞክራሲያዊ መንገዲ ኣብ መትከል ፀኒዓ ሰጊራ ነቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ክሰጋገር ዝገበረትሉ ምዕራፍ ከምዝኾነ ኣገንዚባ።
“ኣብዚ ሐዚ እዋን ውድብ ህወሓት ከቢድ ዝኾነ ፈተና ኣጋጢሙዎ ኣሎ፤” ዝበለት ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ይኹን እምበር ድሕንነት ውድብ ዘረጋግዕ መበል 14 ጉባኤ ብምክያድ ውድብና ከጋጥማ ካብ ዝንበረ ሓደጋ ምብትታን ድሒና ኣብዚ ሐዚ ኣብ ዝሓሸ ቁመና ከምእትርከብ ሓቢራ። ሐዚ እውን ካብዚ ሓደጋ እዚ ዘውፅእ ብሕታዊ መማረፂ ህዝባዊ መስመር ህወሓት ከምዝኾነን ነዚ ድማ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን ዝሰርሑ መደባት ተነፂሮም ናብ ተግባር ምእታው ከምዝተጀመረን ዕውትነቶ ድማ ከምዘየጠራጥርን ኣመላኺታ።
ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመት ኣብ ጉዕዞ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ውድብ ህወሓት ዝኸዶ ርሕቐት ኣመልኪቶም መመያየጢ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ህወሓት ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ብወገኖም፤ ወታደራዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ብኵናት ምስተስዓረ ብዙሓት ዕጡቃት ውድባት ኣብ ዝነበረሉ፣ ብዙሕ ተመዛባላይን ዝተበተነ ወታደር ደርግን ኣብ ዝበዝሐሉ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝወደቐሉ፣ ሰላም ንምርግጋፅን ንምፍጣርን ዓበይቲ ሓደጋታት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ 1983 ዓ/ም ኣብዛ ሃገር ምንጋስ ሰላምን ምርግጋእን ቀልጢፉ ንኽምልስ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትዕርራይ ከምዝገበረ ገሊፆም። ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ስልጣን ንበይነይ ከይበለ ሓቋፊ ስግግር መንግስቲ ብምጥያሽ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምክፍፋል ስራሕ ብምስራሕ ንሰላም ምችው ዝኾነ ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ዶ/ር ኣብርሃም ግልፂ ገይሮም።
ዶ/ር ኣብርሃም ብተወሳኺ፤ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቻርተር መሰጋገሪ መንግስቲ ኣፍልጦ ክረክብ ድሕሪ ምግባር ኣብ ሕገ-መንግስቲ እዛ ሃገር ብዘይምሽርራፍ ክሰፍር ከምዝተገበረ ሓቢሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ፣ መንግስታዊ ግልጋሎት ብዝነበረ ዓቕሚ ክምለስ፣ ተበቲኑ ዝነበረ ሰራዊት ደርግን ካልኦትን እውን ተሃድሶ ወሲዶም ክጣየሹን ናብ ሕብረተሰብ ክሕወሱን ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ኣብርሃም ህወሓት ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ናይ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኣተኣታትዩ እቲ ዝነበረ ምእኹል ኮሚኒስታዊ ስርዓት ኣፍሪሱ ብዕዳጋ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ክኸውን፣ ሓረስታይ ብፍርያቱ ተጠቃሚ ዝኾነሉ፣ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብዘይገደብ ክዋፈሩ፣ ብሓፈሻ ተዛቢዑ ዝነበረ ማይክሮ ኢኮኖሚ ጉዳያት እውን ክረጋጋእ ናይ ምግባር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣፍሊጦም።
“ክብርታት ህወሓትን ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ትሕዝቶ መመያየጢ ፅሑፍ ዘቕረቡ ካልእ መዳለዊ ፅሑፍ አባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ እዮም። ንሶም ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ብዙሓት ክብርታት እንትኾን ራእይ ዘለዎ ህዝብን ወናኒ ሓቀኛ ዕላማ ዘለዎ መሪሕ ውድብን ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዘለዎም ክፍላት ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ጠሚሩ ክቃለስ ዝኽእል፣ ናበይ ክበፅሕ ከምዘድሊ ዝፈልጥ ከምዝኾነ ሓቢሮም። “ህዝቢ ትግራይ ኣርሒቅካ ናይ ምግማት (ስትራተጂያዊ ኣረኣእያ) ኣብ ምህላው ኣብ ነዊሕ ከይዲ ኣበይ ክበፅሕ እዩ? ነዚኦም ድማ ብሓፂር መንገዲ (ብልሓት) ከመይ ይበፅሖም? ኢሉ ዝእምት ህዝብን ውድብን እዩ፤” ኢሎም ዶ/ር ኣዲስ ኣለም።

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም እዚ በዓል ነዊሕ ራእይ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ፈለማ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ቐፂሉ ድማ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ተኸቲልዎ ዝመፀ ከይዲ ከምዝኾነን እዚ ናይ ነዊሕ ራእይ ሓይልታት ንምትእኽኻብን ንምልዕዓልን ሓጋዚ ከምዝነበረ ሓቢሮም። በዚ መንገዲ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ን11 ዓመታት ድርብ ኣሃዝ ዕብየት ቁጠባ ዘመዝገበትሉ ኩነታት ከምዝነበረን በዚ ድማ “ናይ ኣፍሪካ ነብሪ” ዝብል መፀውዒ ሽም ክትውንን ዝገበረ ስትራተጂካዊ መሪሕነት ዝወነነ ውድብ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ መወዳእታ “መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ካብ ሓቅን ሞራልን ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ዝኾኑ ኣከያይዳታት ኣይናትናን ኣይመግለፂናን ክንብሎም ይግባእ፤” ዝበሉ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ምሕሳውን ምጭብርባርን ተኣማንነትካ ዘጉድል ስለዝኾነ ብኣግኡ ክእረም ይግባእ ኢሎም።
ብኣንፃሩ ሒዝናዮም ዝመፃእና ክብርታት ሓቂ፣ ተኣማንነት፣ ሓልዮት፣ ምትሕግጋዝ፣ ተዓፃፃፋይነት፣ ብፃዕርኻ ሃፍቲ ምፍራይ መግለፂታት ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ከምዝኾኑን እዚኦም ተዓቂቦም ክቕፅሉ ከምዘለዎምን ኣፍሊጦም። ኣብዚ ሐዚ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዋላ እኳ እንተሃለወ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ክንከውን፤ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክሸይጥ ዝፈተነ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ድማ ኣይናትናን ኢልና ክንቃለሶ ኣለና፤ ክብሉ ኣገንዚቦም።