ቀዳማይ ክፋል
እዋኑ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም እዩ። እቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መርዚ ፅልኢትን ፀለመን ክነዝሑ ዝፀንሑ ልፍንታውያን ወረርቲ፤ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ብኹሉ ኣንፈት ቅሉዕ ወታሃደራዊ ኲናት ከፊቶም ብዕሊ ኲናት ፅንተት ዝፈፀምሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብወገኑ፤ ነቲ ወራር ፅንተት ንምምካት ብዘይኣፈላላይ ኒሕን ሓቦን ሰኒቑ ኣንፃር ኩሎም ወረርቲ ተልዓለ። ብፍላይ እቶም ብተደጋጋሚ መስተንክራዊ ጅግንነት እናሰርሑ ዝመፁ ጀጋኑ ወየንትን ምልሻታትን ትግራይ ጫፍ ብልሒ ናይቲ ህዝባዊ መኸተ ኮይኖም ተዋጊኦም እዮም። ወየንትን ምልሻታትን ወጀራት ድማ ካብቶም ኣብ 2013 ዓ/ም ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ እናተዋግኡ ተኣምራዊ ጅግንነት ፈፂሞም ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገቡ ጀጋኑ ወየንትን ምልሻታትን ትግራይ ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ንሎሚ ስርሒትን ጅግንነትን እዞም ጀጋኑ ዝምልከት ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ መፅሄት ወይን ፍሉይ ሕታም ቑፅሪ 65 ዝቐረበ ትሕዝቶ ናብ ኣንበብቲ ክነብሎ። ሰናይ ንባብ!
ህዝቢ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ምስ ከምኡ ዝበሉ ወፅዓ ዘይቕበሉ ተጋሩ ብምዃን ኣንፃር ባዕዳውያን ወረርትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጨቆንቲ ነገስታትን መሳፍንትን እናተቓለሰ “እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሉ ንመሰሉን ንናፅነቱን መስዋእቲ እናኸፈለ ዝመፀ ህዝቢ እዩ። ኣብ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ህዝቢ ወጀራት ዕላማን መስመርን ህወሓት ተረዲኡን ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢሉን ኣብ ጎኒ ውድቡ ተሰሊፉ ብጅግንነት ተቓሊሱ ናብ ዓወት ዝበፀሐ ፅኑዕ ህዝቢ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ወረዳ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ተጋዳላይ ረዳኢ ሓጎስ ይገልፅ።
ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ነቲ ብደርግ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዒ ምፅዋር ዝኣበዮም ወየንቲ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ነንባዕሎም ተወዲቦም፣ ሓድነት ፈጢሮም ኣንፃር ደርጋውያን ታሪኽ ዘይርስዖ መስተንክራዊ ጅግንነት ሰሪሖም ይዕወቱ ብምንባሮም ኣብቲ እዋን:- መስተንክር ንዝሰርሑ ወየንቲ ወጀራት፤
“ኣስሮን ከላልን ክንዲ ሓደ ሓይሊ
ካሕሱ ኪሮስ ንበሎም በሃሊ
ገብረማርያም መሓሪ ኣብ ማእኸል ወዓሊ
ባርያ ጋብር ወለኣብዝጊ ምስ ‘ኣምሓራይ’ ሕሪ . . .” ተባሂሉ ተደሪፍሎም።
ወየንትን ምልሻን ወጀራት ዕስራ ዓዲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ምድምሳስ ይኹን ኣብ መኸተ ወራር ሻዕብያ ክሳብ እቲ ሐዚ ዝወረረና ካልኣይ ደርጊ ኣብ ምምካትን ምድምሳስን ንወለዶ ዝሓልፍ መስተንክራዊ ስርሒት ፈፂሞም እዮም። ኣብዚ ኩሉ ቃልሲ ድማ ብኽብሪ ዝተሰውኡን ብሂወት ዘለዉን ሰብ ወርቃዊ ታሪኽ ጀጋኑና ብዙሓት ምዃኖም ተጋዳላይ ረዳኢ ኣዘንትዩልና እዩ።

እወ! ከምቲ ተጋዳላይ ረዳኢ ንድሕሪት ተመሊሱ ናይቶም ብኽብሪ ዝተሰውኡን ብህይወት ዘለዉን ሕሉፍ ታሪኻዊ ጅግንነት ወየንትን ምልሻን ወጀራት ዕስራ ዓዲ ዝገለፆ፣ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዝነበሩ ወየንትን ምልሻታትን እውን ምስ ውድቦም ተሰሊፎም ኣብ ጎኒ ተጋዳላይ ህወሓትን ህዝብን ኮይኖም ተመሳሳሊ መስተንክራዊ ጅግንነት ፈፂሞም ሓሊፎም እዮም። ወዮ ድኣ ናይቶም ምእንተ ህላወ ትግራይ በይዛ ኮይኖም ዝሓለፉ ሰማእታትና ኣስማት ንገሊኦም ገሊፅና እምበር ሕድሪ ሰማእታትና ተቐቢሎም ዕድሚኦም ምሉእ ምስ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ገጢሞም እንተስ ቆሲሎም ወይ ብኣጋጣሚ ብህይወት ተሪፎም ትማልን ሎምን ዓወት እናሓፈሱ ዝነበሩን ዘለዉን ወየንትናን ምልሻታትናን እውን መተካእታ ዘይብሎም መርኣያ ናይቲ ሓዱሽ ወለዶ ዝኾኑ ጀጋኑ ውላድ ማህፀን ትግራይ እዮም።
ህዝቢ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ብሰንኪ እቶም ከውሊሎም ዝመፁ ወረርቲ ሓይሊ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ወርሒ (2013 ዓ.ም) ከም ኩሉ ትግራዋይ ብዙሕ ግፍዕን መከራን በፂሕዎ እዩ። እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ፀላኢ ብድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ገይሩ ሓሙሽተ ሕዳር 2013 ዓ/ም 18 ንፁሃን ነበርቲ እንትቐትል 14 ድማ ቆሲሎም እዮም። ንሓንቲ ነብሰፁር ኣደ ሒዞም ናብ ሕክምና ዝኸዱ ንዝነበሩ ሸሞንተ መናእሰይ እውን ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ብእምኒ ቀጥቂጦም ቀቲሎም እዮም። እዚ ከም ኣብነት እምበር በብመዓልቱ ገሊኡ ብኣየር፣ ብኸቢድ፣ ብቕንፀላን ብኻልኦት ዝተፈላለየ መንገዲ ኣቢሉ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናትና ዝተፈፀመ ግፍዒ፣ ዝጠፍአ ሃፍትን ጥሪትን ብዙሕ እዩ። ደሚርካ እንትረአ ብድሮንን ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ኣፅዋራትን ከም ወረዳ 15 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 96 ንፁሃት ሰባት ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዝተቐተሉ እንትኾኑ፤ 14 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 67 ወገናት ድማ ቆሲሎም እዮም። ሸሞንተ ዝኸውን ገዛ ወየንትን ምልሻን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ገዛውቲ ብኸቢድን ነዳዲ ረብሪቦም ብሓዊ ዘቃፀልዎን እንትኾኑ፣ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ዝኾና ሃፍቲ እንስሳ እውን ገሊአን ብኸቢድ እንትባርዓ ገሊአን በቶም ወረርቲ ተበሊዐን እየን።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ንፁሃን ወገናትና ዝተርኣየ ግፍዒ ድማ ኩሉ ወያናይን ምልሻን ወጀራት ብሕራነ ተላዒሉ ተወዲቡ። ብረት ዓጢቑ ኣንፃር ፀላእቱ ተሰሊፉ። ዝተረፈ ህዝቢ ድማ ንፀላእቱ ሕንዚ ብምዃን በብዓቕሙ ከቲቱ። ኣወዳድባ ናይቲ ዕጡቕ ብዕድመ ትሕት ኢሎም ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ክኳሽሑ ዝኽእሉ ንበይኖም፤ ዕድሚኦም ድፍእ ዘበሉ ድማ ኣብ ጣብይኦም ኮይኖም ከባቢኦም ክሕልዉ ብዝኽእልሉ መንገዲ እዮም ተወዲቦም። ካብዚ ቐፂሉ 140 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1190 መናእሰይ ብሰንኪ እቲ ግፍዒ ናብ በረኻ ብምውፃእ ሓፂር ስልጠና ወሲዱ ክጋደል ክኢሉ እዩ። ፀላኢ 28 ሕዳር ናብ ጣብያ ገንቲ “መምዐት” ዝተብሃለ ከባቢ እንትኣቱ ጅግና ነባር ወያናይ ኣስሮ ተስፋይ ዝተወሰነ ሓይሊ ሰብ ብምሓዝ ንመጀመርታ ጊዜ ተዋጊኦምዎ እዮም። ወያናይ ኣስሮን ካልኦት ውሱናት ወየንትን ኣብቲ እዋን ዝቖሰሉ እንትኾኑ ወያናይ ኣስሮ ግና ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ 30 ሕዳር 2013 ዓ/ም ብኽብሪ ተሰዊኡ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ድሕሪ ትሽዓተ ለካቲት 2013 ዓ/ም ካብ ሸሞንተ ጣብያ እታ ወረዳ እተን ሓሙሽተ ካብ ፀላኢ ሓራ ወፂአን እየን። ኣብዚ ዕለት እዚ ወየንትን ምልሻን ወጀራት ዕስራ ዓዲ ምስ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣብ ዳዕሮይታ ከቢድ ውግእ ዘካየዱ እንትኾኑ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ተጎልቢቡ ሃዲሙ እዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ወየንትን ምልሻን ወጀራት ምስ ሰራዊት ትግራይ ብምውዳድ ፀላኢ ካብ 23 ክሳብ 25 መጋቢት 2013 ዓ/ም ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲ ብመድፍዕ፣ ታንኪ፣ ናይ ውግእ ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ተሓጊዙ “ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ ክትሕዝ እየ” ኢሉ ኣብ ዘካየዶ ከቢድ ውግእ ፈተኽ እንተይበሉ ተዋጊኦም ብምስዓር መራሕትና ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ፀላኢ ብቐፃልነት ናይ ምውጋእ ዓቕሙ ክለምስን ፈረኽረኽ ኢሉ ክሃድምን ዘግብር መስተንክራዊ ታሪኽ ሰሪሖም እዮም።
ኣባል ኮሚቴ ፀጥታ ወረዳ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ተጋዳላይ ገዛኢ ወለገርግስ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ኩነታት ምስክርነቱ የቐምጥ። ወረርቲ ሓይልታት ኣብዚ ወረዳ ብዙሕ ግፍዒ ፈፂሞም እዮም። ፀላኢ መጀመርታ ብራያ ገይሩ እንትመፅእ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ገረብ ኣገወል ፀኒሑ ብዝግባእ ዘቢጡ ብዙሕ ክሳራ ምስ ኣብፀሐሉ ዓንፃ ዓንፆ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ንፁሃት ሰባት በብግዚኡ ይቐትልን ንብረት የዕንዉን ነይሩ። ኣብዚ ኩነታት ከምወረዳ ዝነበረ በዝሒ ምልሻ 797 ኮይኑ፣ ካብ ውሽጢ እዚ እቲ 596 ዝኸውን ብኽፍሊ ሓደ (ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ክዋጋእ ተባሂሉ ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ ብኣርባዕተ ሓይሊ ተወዲቡ ዝምራሕ ዝነበረ ኣሃዱ እዩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ/ም ፀላኢ ብዓዲ ቀይሕ ይመፅእ ኣሎ እንትበሃል ኣብቲ ወረዳ በብሓይሉ ተወዲቦም ዝነበሩ ወየንትን ምልሻን ከካብዝነበርዎ ተላዒሎም ናብ ገምዓሳ ዝተብሃለ ቁሸት ንምክልኻል ተጓይዮም ሓሊፎም። ሽዑ ፀላኢ ኩነታት ኣፅኒዑ ንድሕሪት ተመሊሱ። ብድሕሪ እዚ ፀላኢ ሓይሉ ኣጠናኺሩ 28 ሕዳር 2013 ዓ.ም ናብ ጣብያ ገንቲ ተንቀሳቒሱ። ኩነታት ፀላኢ እናፅንዑ ዝፀንሑ በዓል ሃርበኛ ወያናይ ኣስሮ ተስፋይ፣ ሓው ከላሊ ሮብሶን ካልኦት ጀጋኑ ወየንትን ምልሻን ወጀራት ብኣግባቡ ተወዲቦም “ንሕና ብሂወት እናሃለና እዚ ወራሪ ሓይሊ መሬትና ኣይረግፃን” ኢሎም ክሳድ ሒዞም ውግእ ጀሚሮም። ሽዑ ኣብ ገምዓሳን ሰንዓለን ዝነበራ ሓይሊ ሓደን ሓይሊ ክልተን ብኽልተ ኣንፈት ኣትየን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነበሩ ወየንትን ምልሻን ብምዃን ኣብቲ ውግእ ተሳቲፈን።
ኣብዚ ውግእ እዚ ዝነበረ ድኻም፣ ጥምየትን ፃምእን ብምፅዋር ኣብቲ ከም ከብዲ ኢዶም ዝፈልጥዎ ጎቦታት መሬት ዓዶም ዕርዶም ኣፅኒዖም ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ብዙሕ ክሳራ ኣብፂሖም። ኣብቲ ንመጀመርታ ጊዜ ብዓወት ተፀምቢሉ ዝተኻየደ ውግእ ድማ ኣብ ወገን እዚ ዝበሃል ክሳራ ዋላ እኳ እንተዘይበፀሐ ኣስሮ ተስፋይ ዝርከቦም ኣብ ውሱናት ጀጋኑ ወየንቲ መውጋእቲ ኣጋጢሙ እዩ። ብድሕሪ እዚ ፀላኢ ተፀፊዑ ናብ ዝመፆ ምስተመለሰ፣ 29 ሕዳር 2013 ዓ/ም ናብ መምዐት ዝተብሃለ ቁሸት ብምምፅኡ እቲ ውግእ ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብዚ እውን ፀላኢ ምውትን ቁስልን ኮይኑ ተመሊሱ እዩ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ መስዋእቲ ወያናይ ኣስሮ ተስፋይ ምስ ተሰምዐ ኩሎም ወየንትን ምልሻን ወጀራት ከይተሰኮኑ በብመዓልቱ ሓቦን ኒሕን ሰኒቖም ከመይ ከምዝከላኸሉን ከምዘጥቅዑን ዓቕሞም እናገምገሙ፣ ናብ መሬቶም ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ መውፅኢ ስኢኑ ክተርፍ ተንቀሳቒሶም እዮም።
ሸሞንተ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ካልኣይ ቀብሪ ኣስሮ ተስፋይ ክካየድ ዝተትሓዘ መደብ ንምትእጉጓል ፀላኢ ካብቶም ንኸብዶም ዝሓድሩ ባንዳታት ጥቆማ በፂሕዎ ናብ ጣብያ ሰንዓለ ብምምፅኡ ወየንቲ ወጀራት ሽዑ ከቢድ ውግእ ኣካይዶም። ኣብቲ ዘካየድዎ ውግእ ድማ ብዘይካ ዘምለጠ ውሱን ሓይሊ ንኽልተ ወታደራት ማሪኾም እቲ ዝተረፈ ምውትን ቁስልን ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ደምሲሰምዎ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ድሽካ ጀሚሩ ክሳብ ብሬን፣ ስናይፐርን ብርክት ዝበለ ከላሽን ማሪኾም ነቲ ሒዘምዎ ዝነበሩ ብረት ሲሞነፍ ዝቕይርሉ ኩነታት ፈጢሮም። ብሓፈሻ ኣብቶም ብተሳትፎ ሓይሊ ሓደን ካልኦት ሓይልታትን ኣቢሉ ብወየንትን ምልሻን ወጀራት ዒስራ ዓዲ ዝተኻየዱ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ብምብፃሕ ዓበይቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ኣብነት ሓይሊ ሓደ በይና ኮይና ካብ ዝሰርሐቶም ብዙሓት መስተንክራዊ ስርሒታት ኣብ ሓደ ውግእ ክልተ መድፍዕ፣ ሓሙሽተ መኪና ዘቃፀለትሉ ጊዜ ኣሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ሓይሊ ሓደ ካብ ዝነበሩ 148 ሓይሊ ሰብ 21 ጀጋኑ መስዋእቲ እንትኸፍሉ ከም እኒ በርሀ ተስፋይ (በርሀ ጉማ)ን ካልኦትን ዝበሉ 17 ጀጋኑ ወየንትን ምልሻን ድማ ቆሲሎም እዮም።
ፀላኢ፣ ዋላ ናይ ሰብ በዝሕን ዘመናዊ ኣፅዋርን ልዕልነት ይንበሮ ኣብ ኩሎም ዝተኻየዱ ውግኣት ብመስተንክራዊ ስርሒትን ጅግንነትን ወየንቲ ወጀራት በብግዚኡ ከቢድ ክሳራ እናተጎልበበ ይሃድም ምንባሩ ምርዳእ ይከኣል። እቲ ካልእ ጉዳይ፣ ጀግና ወያናይ ኣስሮ ካብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብፈታውን ፀላእን ዝፍለጥ ታሪኽን ጅግንነትን እናፈፀመ ፀኒሑ ሐዚ ብምስውኡ ኢና ደጋጊምና ኣልዒልናዮ እምበር ጅግንነት ወየንትን ምልሻን ወጀራት ናይቲ ሓደ ገሊፅካ ናይቲ ካልእ ዘይግደፍ ከምውዱብ ሓይሊ ናይ ኩሉ ወያናይ ጅግንነት ዝተርኣየሉ ምዃኑ ተጋዳላይ ገዛኢ የረድእ።
ቅድሚ ምንቅስቓስ ፀላኢ ምልሻን ወያናይን ወጀራት 20 ዓዲ ኣብቲ ወረዳ ዝነበረ ዕጥቂ ብረት ይኹን ጥይት ዘድልዮ መሳርሒ ክሕዝ ተገይሩ እዩ። ካብቲ ክዕጠቕ ዝግበኦ ሓይሊ ሰብ ንላዕሊ ኮይኑ ዝተረፈ ዕጥቂ ከዓ “ፀላኢ ብኣጋጣሚ ኣትዩ ከይረኽቦ” ብዝብል ናብ ዕቑብ ዝኾነ ከባቢ ተወሲዱ እዩ። ድሕሪ እዚ ፀላኢ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ/ም ናብ ወጀራት ዕስራ ዓዲ ክኣቱ እንተሎ ኩሉ ወያናይን ምልሻን ብፅንዓት ተኸላኺሉ መኪትዎ እዩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ፀላኢ መብዛሕቲኡ ናይቲ ወረዳ ከባቢ ምስ ተቖፃፀሮ ድማ ባንዳታት ስርሖም ጀሚሮም። ባንዳታት፣ “ደጊም ወያነ ጠፊኣ እያ፤ ስቕ ኢልኩም ተመለሱ” እንትብሉ ናይ ኩሉ ወያናይን ምልሻን ዝነበረ መልሲ ግና “ወያነ ማለት እኮ ንሕና ኢና” ብምባል ፈተኽ እንተይበለ ፀላእቱ እናተኸላኸለ፣ እናጥቀዐን እናደምሰሰን ከምዝፀነሐ ወያኒት ኣሰፉ መሸሻ ገሊፃትልና እያ።
ከምቲ ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ዝበፅሐ መከራ ኣብ ህዝቢ ወጀራት ዕስራ ዓዲ እውን ፀላኢ ኣብቲ ዝሓለፈ ሸሞንተ ናይ ቃልስን ፅንዓትን ወርሒ (2013 ዓ.ም) ዝተፈላለየ ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ኣብነት፣ ኣብ ጣብያ ዓዲ ቀይሕ ሓደ ቀሽን ሓደ ዛቑናይን ዝርከብዎም 11 ንፁሃን ሰባት ቀቲሉ። ንሓንቲ ወላዲት እውን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ውላዳ ሓዚላ እናሃለወት ምስ ውላዳ ቀቲልዋ እዩ። ካልእ ብበትሪ ገይርካ ንመናእሰይ ብጭካነ ምውቃዕን ምስቓይን መቑፀሪ የብሉን። ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ሓደ መንእሰይ ካብ ሓደ ወታደር ብረት ስለዝመንጠሎ ተባሂሉ 110 ዝኾኑ ብበትሪ ተቐጥቂጦም፤ ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ብኸቢድ ተጎዲኦም ናብ ሕክምና ከይዶም እዮም።
ካብዚ ብምብጋስ ኩሉ ምልሻን ወያናይን ወጀራት “ንፀላኢ ኢድካ ኣጣሚርካ ምፅባይ ኣይናይናይ” ኢሉ ዋላ እናጠመየን እናፀምአን ስኑ ነኺሱ ብሓቦ እናተቓለሰ ነዞም ወረርቲ መኪቱ በብግዚኡ ከም ቆፅሊ ኣርጊፍዎም እዩ። ከም “ሓይሊ ክልተ” ዝነበራ በዝሒ ሓይሊ ሰብ 148 ኮይኑ ፀላኢ 28 ሕዳር 2013 ዓ/ም ናብ ጣብያ ገንቲ እንትኣቱ ናብ ከባቢ 40 ዝኾኑ ምልሻ ነቲ ዝነበረ ጥምየትን ፃምእን ተፃዊሮም ብምኻድ ኣብኡ ምስዝፀንሑ ወየንትን ምልሻን ብሓባር ኮይኖም ብምውጋእ ዓብዪ መስተንክር ፈፂሞም እዮም። ሸሞንተ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጣብያ ገንቲ ከቢድ ውግእ ከምዘካየዱ ኣብቲ ኩነታት ካብ ጣብያታት ዓዲ ቀይሕ፣ ዓዲ መስኖ፣ ገንቲ ተውፃእፂኦም ከም ሓይሊ ንዝተወደቡ ወየንትን ምልሻን ዘተሓባብር ዝነበረ መራሒ ሓይሊ ክልተ ሐዚ ድማ ኣመሓዳሪ ጣብያ ዓዲ ቀይሕ ዝኾነ ወያናይ ሓየሎም በርሀ ገሊፁልና እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሽም ወፍሪ ስዩም መስፍንን ወፍሪ ኣሉላን ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገበሎም ውግኣት ተኻይዶም እዮም። ብፍላይ 12 ሰነ 2013 ዓ/ም ወየንትን ምልሻን ሓይሊ ሓደን ሓይሊ ክልተን ምስተን ካልኦት ሓይልታት ናይቲ ወረዳ ብምዃን ብሽም ወፍሪ ኣሉላ “ፀሓፍቲ ሕለ” ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ውግእ ፍልይ ዝበለ ድሙቕ ዓወት እዩ ተመዝጊቡ። ፀላኢ ካብ ቆቦ ተበጊሱ ኣብ ዓዲ ተኽላይ ኣዕሪፉ ምስ ፀነሐ ኣብ ሸውዓተ ሕጉም ይድሰቕ ንዝነበረ ሓይሊ ክሕግዝ ኢሉ እዩ ተንቀሳቒሱ። ነዚ እናፅንዑ ዝፀንሑ ወየንትን ምልሻን ወጀራት ዒስራ ዓዲ ድማ ኣድብዮም ብምፅናሕ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመፀ ወራሪ ሓይሊ ብዝሓዝዎ ብረት ሲሞነፍ፣ ክላሽን ቅድሚኡ ዝማረኽዎ ብሬንን ስናይፐርን ገይሮም ክልተ “ዙ-23”፣ ሰለስተ መድፍዕ ካልኦት ፎኮስትን ማእኸለዎትን ኣፅዋር ንዝተዓጠቐ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት መኪቶም ጭርኡ ደጒሉ ክሃድም ገይረምዎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብዚ ውግእ ልዕሊ 80 ወታሃደራት ፀላኢ ምውታት፣ 36 ቑሱላት፣ 18 ምሩኻት ኮይኖም እዮም። ሸሞንተ ብሬን፣ ሰለስተ ስናይፐር፣ ልዕሊ 34 ከላሽን፣ ሽዱሽተ ርክብ ሬድዮ ብምምራኽ እቲ ሽዑ ዝመፀ ሓይሊ ፀላኢ ምስ መራሕቱ ተደምሲሱ እዩ። እዚ ዓወት ኣብ ምምፃእ ብጣዕሚ ጀጋኑ ዝበሃሉ ከም እኒ ካሕሱ ተስፋይን ግርማይ ንጉስን ዝበሉ ወየንትን ምልሻን ተሰዊኦም እዮም።
ብሓፈሻ ፀላኢ ዋላ እኳ በዝሒ ሓይሊ ሰብን በዝሒ ኣፅዋርን ይሃልዎ ዕላማ ኣልቦ ስለዝኾነ ናይ ምውጋእ ዓቕሙ ዝሞተ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ኩሎም ውግኣት ብውሑድ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዓብዪ ዕንወት በፂሑ እዩ። ቀደሙ እውን ፀላኢ ካብ ጉራን ፈኸራን ሓሊፉ ብተግባር እንትርአ ኣዝዩ ፈራሕ ድሁልን እዩ። እዚ ዝበሃል ዓቕምን ሞራልን ዘይብሉ እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሎም ውግኣት ብቶም ጀጋኑ ወየንቲ ይውቀጥ ነይሩ። ኣብዞም ውግኣት ጎሊሁ ዝተርኣየ ጅግንነት ብርግፅ ኣብ ኩሉ ወያናይን ምልሻን ተመሳሳሊ እዩ። ይኹን እምበር ጅግና ምልሻ ካሕሱ ተስፋይ ምስኒ ኣስሮ ኮይኑ እናተዋገአ እናሃለወ ብረቱ ምስተወቐዐት ካብ ካልእ ሰብ ብረት ተቐቢሉ እዩ ብሕራነ ተዋጊኡ። ኣብ መወዳእታ 12 ሰነ 2013 ዓ/ም ናብ ማእኸል ኣትዩ ምስ ፀላኢ ተሓናኒቑ ብጅግንነት ተሰዊኡ እዩ። ብድምር ኣብ ሓይሊ ክልተ ኣብ ኩሎም ውግኣት ሓሙሽተ ነባራት ጀጋኑ ወየንቲ ተሰዊኦም እዮም። 17 ድማ ዝቖሰሉ ከምዘለዉ ወያናይ ሓየሎም ይገልፅ። ክቕፅል እዩ።