ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ ልዕሊ 2,339 ሄክታር መሬት ከምዝለምዐ ተገሊፁ፡፡
እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ፣ መሓውራቱን መዳርግቲ ኣካላቱን ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ብሉፅ ተሞክሮ ስራሕቲ መስኖ ንምግፋሕ ዕላማ ዝገበረ ዑደት ኣብ ዘሳለጠሉ እዋን እዩ፡፡

ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣብ ኣቓቕማ መስኖ ማይ ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ፣ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ፣ ኣብ ኣወዳድባን ዓርሰ ምምህሃርን ሓረስቶት (ቤት ትምህርቲ ግራት ሓረስቶት) ከምኡ እውን ኣወዳድባን ስራሕቲ ክላስተር መፍረያይነትን ሓረስቶት ዝተሰርሑ ብሉፃት ተሞክሮታት ብተግባር ተራእዮም እዮም፡፡ ከምኡ እውን መማረፂ ማይ ኣብ ምውናን ብውልቀን ብውዳብን ብምዃን ልዕዒ 35 ዒላታት ብምኹዓት ናብ ጥቕሚ ኣውዒሎም እዮም፡፡
እቲ ወረዳ ብፍላይ ኣብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ እንትርአ ልዕሊ 2,501 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን ካብዚ እቲ 2,339.77 ሄክታር መሬት (93.5 ሚኢታዊ) ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራሕቲ፣ ኣሕምልትን ፍራምረን ክለምዕ ተገይሩ እዩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቀዳማይ ዙር ምህርቲ ብምእካብ ናብ ካልኣይ ዙል ልዕማት መስኖ ኣብ ምስግጋር ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ኣሎ፡፡ ኣብ ኣወዳድባ ቤት ትምህርቲ ግራት ሓረስቶትን ክሳስተር ዝራሕቲ ሓረስታይን እውን ኩታ ገጠም ዝኾኑ ገባራት ኣብ ሓደ እናወደብካ ዓርሰ ምምህሃር ክገብሩ፣ ጠለብ ዕዳጋ ዘማእኸለ ተመሳሳሊ ዓይነት ዝራእቲ ክዘርኡን ናብ ዕደጋ ከቕርቡን ኣብ ምግባር ዝሐሸ ተሞክሮ ከምዘሎ መተሓባበሪ ዝራእትን ሆልቲ ካልቸርን ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣይተ ልኡል ኣባይ ኣረዲኦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምብዛሕ ምሩፅ ዘርኢ ሽጉርቲ ውልቀ ሓረስቶት ዝወነነዎን ዝተመረፀ ዓልየት ዝርሕቲ ሽጉርቲ ብምምፃእ ብምብዛሕን ኣብ ከባቢኦም ንዘዉ ሓረስቶት ዘቕርብሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ተሞክሮ እዚ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ምክንኻንን ምጥቃምን ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ እውን ዝሐሸ ተግባር ከምዘሎን ካልኦት ብሉፃት ተሞክሮታትን ከምዝተሰርሑ ኣብቲ ዑደት ብተግባር ተራእዩ እዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ዝተዓዘቡ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኣብያተ ፅሕፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ወረዳታት ትግራይ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝርአይዎ ዝተዋደደ ብሉፅ ተሞክሮ ስራሕቲ መስኖ ናብ ወረድኦም ወሲዶም ብምሉእነት ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም እዮም፡፡