ውድብ ህወሓት ሕዚ ንዘለው ፈተናታት ንምስጋር ጥራሕ እንተይኮነ መፃኢ ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ስጡም ሓድነትን ሓፂናዊ ጥንካረን ክህልዎን ነዚ እውን ጠንኪሩ ክቃለስ ከምዝግባእ መስራቲ ቃልሲን ነባር ኣመራርሓን ውድብ ህወሓት ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ገሊፁ።
ተጋዳላይ ስብሓት ነዚ ዝገለፀ፤ ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ/ም ኣብ እዋናውን ኣገዳስን ክልላዊ፣ ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ። ተጋዳላይ ስብሓት ከምዝገለፆ፤ ነዚ ሐዚ ህወሓት ገጢምዎ ዘሎ ፈተና ንምስጋር ኣብ ትግራይ ዘለው ሰለስተ (ሓይልታት ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሰራዊትን ትግራይ) ሓበራዊ ኣመራርሓ ሃልይዎም ተዋዲዶም ክሰርሑ ኣለዎም። ህወሓት ንህዝቡን ኣባሉን ተኣዛዚ ክኸውን፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ፣ ሰራዊት ትግራይ ድማ ነቲ ኮር ኮማንድ ኣመራርሕኡ ተኣዛዚ ክኾኑን ኣብ መንጎኦም ድማ ስጡም ሓድነትን ውሽጢ ዲሞክራሲን ክህሊ ይግባእ ክብል ሓቢሩ።
“ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት ብኹሉ መዳይ ልዕልና ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ሎሚ እውን ጠለባት ህዝቢ ምምላእ ኣዝዩ ደፋኢ ክኸውን ከምዘለዎን እቲ መሪሕነት እውን ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ብትኹረት ምስትውዓልን ተዓፃፃፋይ ምዃንን ይሓትቶ፤” ዝብለ ተጋዳላይ ስብሓት፤ ቁፅሪ ሓደ ቃልሲ ፈታዊ ናይ ምብዛሕ ኣንፈት ብምኽታል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ “ሳብ ሳሃራ” ኮታስ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዕቁር ፈታዊ ክህልዎ ምስ እዚኦም ርክባቱ ከጠናኸር ከምዘለዎ ኣመላኺቱ። እቲ ሐዚ ፀላእቲ በዝን በቲን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበርዎ ምምንጣል ነፂልካ ንምውቃዕ ዝገብርዎ ሽርሒ ከምዝኾነ ተረዲእኻ ምንቃሕ፣ ምፍላጥን ፈሊጥካ እውን መፍትሕታት ምቕማጥን ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቡ።
ተጋዳላይ ስብሓት፤ አብዚ ሐዚ እዋን “ቁመና ህወሓት ዝርከበሉ ኩነታት ትሓቲቱ እንትምልስ ከምቲ ኻልኦት ዝብልዎ ህወሓት ሞይቱ ጠፊኡ ዘይኮነስ ሐዚ እውን ኣብ ቃልሲ ዘሎ ውድብ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ሐዚ እውን እቲ ውድብ ህዝቡ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ከንቅሕ፣ ክውድብን ካብቲ ሐዚ ገጢሙ ዘሎ ፈተና ንምውፃእ ንሰከንድ እውን ትኽስ ከይበለ ጠለባት ህዝቡ ክፈትሕ ብውነ ክሰርሕን ከምዘለዎ፤ ነዚ ድማ ህዝባውነቱ ብዝለዓለ መንገዲ ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።
ፀጋታት ዘየስፍሕ፣ ድኽመታት ዘይቐትል ዝተሸኸለ ኣመራርሓ እንተልዩ ግን ከይወዓለ ከይሓደረ ብቕልጡፍ ክእለ ከምዘለዎ ዘተሓሳሰበ ተጋዳላይ ስብሓት እቲ መድረኽ ህልውና ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ስለዝኾነ ዝኸኣለ ዝጎይየሉ፣ ዘይከኣለ ዝሳለየሉ፣ ዝተሸኸለ ድማ ዝእለየሉ መስርሕ ውድብ ክትግበር ተላብዩ። ካብቲ ዝኣተናዮ ውድቀት ንምውፃእ ዝተኸፈለ ዋጋ ረዚን ስለዝኾነ ካብዚ ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዋላ ሓደ ሰብ ትኽስ ክብል ከምዘይብሉን ትግራይ በቲ ሐዚ ዘላትሉ ቁመና እንትዕቀን ግን እቲ ዝተኸፈለ ዋጋን እቲ ዘለናዮ ቦታን ኣፈላላዩ ሰማይን መሬትን ስለዝኾነ ቀልጢፍካ ምትዕፅፃፍ ከምዘድሊ ምዒዱ።
ተጋዳላይ ስብሓት ኣብ መብርሂኡ፤ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣብ ከምዚ ዝበለ ፀገም ንኽወድቕ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንተሃልውዎ እውን ገለ ኣብ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውድብ ህወሓትን ዝነበሩ ከም በዓል ጌታቸው ረዳን ፃድቃን ገብረትንሳኤን ዝመስሉ ክራይ ኣከብቲ ውድብ ህወሓት ናብ ብልፅግና ንምቕያር፣ ብህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ “ኣማኻሪ ካውንስል” ብዝብል ብምትካእ፣ ህወሓት ብምፍራስ ምስለነ መንግስቲ ንምጥያሽ ዕማም ተዋሂቡዎም እናሰርሑ ከምዝፀንሑን እዚ ሽርሒ ድማ ብቓልሲ ኣባልን ህዝብን ምብርዓኑ ትፅቢት ዝግበር ምዃኑ ሓቢሩ።
“ኣከብቲ ክራይ ኩሉ ግዜ ድኽመታት ውድቦም፣ መንግስቶም ይጥቀሙ፤ ጥፍኣት ሓለቐኦም ድማ ከም ፀጋ ይሪእዎ” ዝብለ ተጋዳላይ ስብሓት፤ ነዚ ድማ “ዝዓነወ ገዛ ጎይታኻ ሰንከልከል እንተድኣ ኢሉ ተጠቐመሉ” ዝብል “ዲስፖቲዝም” ዝብሃል ፍልስፍና ተጠቒሞም ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ኣብ ሓደጋ ንምእታው ምስ ፀላእቲ ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለው እዚ ድማ “ባህርያዊ እዩ” ብምባል ኣረዲኡ። ኣስዒቡ እውን እዞም ሰባት እዚኦም ንንእሽተይን ግዝያዊ ረብሓን ክብሉ ዝተዓሰቡ ህልም ዝበሉ ክራይ ኣከብቲ ከምዝኾኑን ንዓርሶም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ውድብ ኮነ መንግስቲ ዘይተበተኸ ገመድ ክህልዎም ስለዝኽእል ቀልጢፍካ ገመዶም ብቓልሲ ክብተኽ ምግባርን ነዚ ዝሕግዝ ውሽጣዊ ፅሬት ምክያድን ኣድላይ እዩ ኢሉ።
ካብ መስረትቲ ውድብ ህወሓት ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ ካብቶም ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝመርሑ፣ ሐዚ እውን ብሙሉእ ዕድመ ኣባልነት፤ ወዲ 90 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ኮይኑ ዕድመን ጥዕናዊ ፀገማትን ዘይገደቦ ቓልሲ ብምክያድ ልኡኽ ህዝቡን ውድቡን ኣብ ምፍፃም ዝርከብ በሊሕን ካብ መትከሉ ሸተት ዘይብል ገዲም ተጋዳላይ እዩ።
Gazeta Woyen
