“ዘለናሉ ኩነታት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ፈታኒን እዋን ከምዝኾነን ነዚ ንምስጋር ድማ ርግዓት፣ ምድምማፅን ስጡም ሓድነትን ይሓትት፤” ክብል ተንታኒ ፖለተካ ተጋዳላይ ተስፋይ ታደሰ ሓቢሩ።
ተጋዳላይ ተስፋይ ነዚ ዝሓበረ፤ ጉዕዞ ፖለቲካ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እንታይ ይመስል? ሐዚ ዘለናሉ ጭቡጥ ኩነታትን ቐፃሊ ዕፃ ህዝቢ ትግራይን መወፃፅኢ መንገድታቱን ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ብዙሓት መስገደላት እናሰገረ ዝመፀ ህዝቢ ከምዝኾነን ሳላ ሓድነቱን ፅንዓቱን ድማ በቢመዋእሉ እናተዓወተ ዝመፀ ህዝቢ ከምዝኾነን ዝሓበረ ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ኣብ መበል 21 ክ/ዘመን እውን እንተኾነ ትግራዋይ ክንብርከኽ፣ካብ ገፅ መሬት ክጠፍእ፣ ካብ ታሪኽ ክሕከኽ ናይ ኩሉ ግዜ ሕልምን ተግባርን ፀላእቲ ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ ይገልፅ።
“ናይዚ መቐፀልታ” ይብል ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ብዙሕ መስዋእቲ ህይወትን መጉዳእቲ ኣካልን ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ብናዚ ካብ ዝተፈፀመ ምፅናት ዘርኢ ቐፂሉ ብዓይነቱን ብትሕዝትኡን ዝተፈላለየ ብናይ ዓርሱ ዋጋ ዝኸፈለሉ ስርዓት ኣብ ልዕሊኡ ጀኖሳይድ ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ምዃኑ ጠቒሱ።
ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ መሪሕነቱ ክጠፍእ፣ ካብ ታሪኽ ክሕከኽ፣ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ንድሕሪት ክምለስ ሕልምን ተግባርን ደመኛታት ፀላእቱ ከምዝኾነን ይኹን እምበር ሳላ ሓድነቱ ኣስጢሙ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኸቲቱ ረዚን ዋጋ ኸፊሉ ዝተቓለሰ ግን ካብ ዝተማልአ ፅንተት ክድሕን ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደገን ውሽጢ ዓድን ዘሎ ህዝቢ ሓቢሩን ሰሚሩን ሳላ ዝተቓለሰ ንዕስለ ወረርቲ መኪቱ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዓለም 15 ግዜ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ክእከብ፣ ውግእ ጠጠው ኢሉ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክፍረም ዝገበረ ሓያል ህዝብን መሪሕነትን ከምዝኾነ እዚ ድማ ንትግራይ ዓብይ ዕድልን ዓቕምን ዝፈጥር ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።
ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም እንተተፈረመ እውን ዛጊድ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ከምዘይተኸበረ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ዝተመዛበለን ዝተሰደተን ህዝብና ናብ መረበቱ ከምዘይተመለሰን ተሓታትነት ፍትሕን ርትዕን ብዘይምርግጋፁ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ጥሜት፣ ሕማም፣ ስእነት መድሓኒት ይሳቐ ከምዘሎን ዘዘኻኸረ ተጋዳላይ ተስፋይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀትን ፀበባን እናሃለወ፣ ካብ ሰላሕታዊ ፅንተት መሊኡ ዘይተናገፈሉ እዋን ብከባቢያውነትን ህርፋን ስልጣንን ህዝቢ ክብትኑ፣ ሰላም ክዘርጉ ላሕ ዝብሉ፤ ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ንጐኒ ገዲፎም ኣብ ውልቀ ረብሐኦም ዝጓየዩ መሪሕነት ምርኣይ ኣዝዩ መነወርን ፅያፍ ተግባርን ከምዝኾነ ግልፂ ገይሩ።
ተጋዳላይ ተስፋይ ብተወሳኺ፤ ትማሊ ህዝቢ ትግራይ ካብዝኣተዎ ፈተና ንምውፃእ ሓቢርካ እናተቓለስካን እናቃለስካን ፀኒሕኻ ሳላ መስዋእትነት ጀጋኑ ቑሩብ ንፋስ ሰላም ምስተረኸበ ፀገም ህዝብኻ ዘንጊዕኻ ናብ ውልቀ ረብሓኻን ስልጣንካን ምጉያይ ብከባብያውነት ተሸሚምካ ህፃናት መናእሰይ ናብ ብፆቶም ክትኩሱ “ናብ ሓራ መሬት ውፁ” እናበልካ ምጉስጓስ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ምስትውዓል ዝጎደሎ ተግባር ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፁ።
“ሳዕቤንን ሓደጋን ኵናት ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ኣፀቢቑ ዝርደኦ የለን” ዝበለ ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ተመዛባላይ ህዝብና ብቑሪ፣ ፀሓይን ንፋስን ኣብ ኬንዳ ኣፅሊሉ ብሕማምን ጥምየትን ይመውት ኣብዘለሉ፣ ጀጋኑ ሰማእታትና ኣስከሬኖም ብኽብሪ ኣብ ዘይዓረፈሉ፣ ስድራ ተጋደልትና ኣብ ፀገምን መከራን ኣብዘለውሉ እዋን ኮይንካ ትማሊ “ሰላም ኢና ንደሊ እናበልካ መፂእኻ ኣብዚ ሐዚ መንእሰይ ናብ ኵናት እተው፣ እናበልካ ጎስጓስ ህውከትን ኩናትን ምክያድን ኣጀንዳ ፀላእቲ ተቐቢልካ ምስራሕን ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕ እዩ ኢሉ።
ኩሉ ግዜ ካብ ማእኸል ዓዲ ንትግራይ ዝወሃብ ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ብታሪኽ እውን ጠቒሙ ኣይፈልጥን ዝበለ ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ኣብ መሬት ትግራይ፣ ብህዝቢ ትግራይ ብዝቦቅል ሓሳብ ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፁ። ኣብዚ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ እንተተፈጠረ እውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘየቐድም፣ ክብርን ጀግንነትን ትግራዋይ ዘነኣስ ተግባር ክፍፀም የብሉን ብምባል እዚ ዝፍፅም ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ካብ ተሓታትነት ታሪኽ ከምዘየምልጥ ኣፍሊጡ።
ቐፃሊ ዕፃ ህዝቢ ትግራይን ካብ ዝኣተናዮ ፈተና ንምውፃእ ክግበር ኣብ ዘለዎ ዛዕባን ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኹሉን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓድነቱ፣ ኣብ ውዳበታቱ ክዓስልን ንሕመቓት ኣጥቢቑ ክቃለስን ከምዘለዎ ኣመላኺቱ፡፡ ይኹን እምበር እዛ ሃገር ኣይደልየካን እንተይላቶ ድማ ብሕጋውን ሕገ-መንግስታውን መንገዲ ህዘቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ መዋፅኦ መፍትሒ ሒዙ ክቃለስ ከምዘለዎ፤ ናብ መሪሕነት ዝመፅእ ኣካል እውን ቀንዲ ሽኻሉ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ፣ ንጉሱ ህዝብን ህዝብን ጥራሕ ምዃኑ ኣሚኑ ዝሰርሕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ኣብ መወዳእታ፤ መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ሎሚ ንሕና ንኽንነብር ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ እናሓሰብና ክኸውን ከምዘለዎን ንጅግና እተኽብር ትግራይ ክትህልው፣ ትማሊ መእንተ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ሕድሮም ብምፍፃም ኣብ ሕድሕድ ስራሕትና ሰማእታትና እናዘከርና ትግራይ ንቕድሚት እትስጉመሉ ባይታ ክመዓራረ፣ ኩሉ ትግራዋይ ኣብዝሃለወ ይሃሉ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎ ተጋዳላይ ተስፋይ ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ፡፡
Gazeta Woyen
