ምእንተ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝሃቡና ሕድሪ ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ኩሉ በብኣካሉ ንስድራ ሰማእታት፣ ጉድኣት ኣካልን ተመለስቲ ሰራዊትን ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ከምዝግባእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር ኣፍሊጡ፡፡
ተጋዳላይ ናስር መምሑር ነዚ ዘፍለጠ ንመበል 37 ግዜ ዝዝከር መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ምኽንያት ብምግባር ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ዛጊድ ኣብ ዝዓመሞም ስራሕቲ፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ተመለስቲ ሰራዊት (ዲዲኣርን) ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ብፍሉይ ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ፡፡
እቲ ኮሚሽን ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣብ ሰለስቲኦም ምዕራፋት ቃልሲ ዝተሳተፈ ተጋዳላይ ረብሓታቱ ንምርግጋፅን ታሪኽ ንምስናድን ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2012 ዓ/ም ከምዝተጣየሸ ዝገለፀ ተጋዳላይ ተስፋይ፤ ክሳብ ዓቕሚ ረኺቡ ምሉእ መሓውር ዝጣየሸ ግን ግዜ ዘይህቡን ተዃሳሕቲ ጉዳያት ብምንባሮም ኣብ መወዳእታ 2015 ዓ/ም ብፍሉይ ጥቡቅ ክትትልን ደገፍን ንዘድልዮም ጀጋኑ ጉድኣት ኣካል ንምሕብሓብ ዘኽእል ሓደ ማእኸል ተሃኒፁ ናብ ስሩዕ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣገንዚቡ፡፡
ኣብዚ ሐዚ ጭቡጥ ኩነታት ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ቀዳማይ ኣጀንዳ ሒዙ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉድኣት ኩናት ትግራይ ግልጋሎት ሕክምና ረኺቦም ኣካላዊ ሕውየት ከረጋግፁ፣ ስነ-ልቦነኦም ኣመሓይሾም እግሪ ንምትካል ድልዋት ክኾኑ ንምግባር እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ናስር፤ ዛጊድ ድማ ንልዕሊ 2500 ካብ ማእኸላይ ክሳብ ዝዓበየን ዝተሓላለኸን መጉዳእቲ ኣካል ዝበፅሖም ጀጋኑና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡
ብዘይካ እዚ፤ ኣስታት 70 ዝኾኑ ኣብ መንጋጋን ገፅን ከቢድ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ጀጋኑና ብመስርሕ ሪፈር ሓሊፎም ኣብ ሃገራት ህንዲ፣ ኣሜሪካ፣ እስራኤል፣ ቱርኪ፣ ታይላንድን ካልኦት ዝሓሸ ግልጋሎት ሕክምና ክህባ ኣብ ዝኽእላ ሃገራት ክሕከሙ ከምዝተገበረ ብዘይካ እዚ ድማ ልዕሊ 400 ጉድኣት ኣካል ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ዝሓሸ ግልጋሎት ሕክምና ምርካቦም ተጋዳላይ ናስር ሓቢሩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ፤ ኣብ ጎሎን ብርክን መጋጣጣሚ ኣካሎም ዝሞለቖም ጀጋኑ ጉድኣት ኩናት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲን ዲያስፖራ ተጋሩን ብዝተረኸበ ልዕሊ 220 ሚልዮን ብር ሓገዝ ብኣርቴፍሻል /ሰብ ሰራሕ/ ኣካል ከምዘተቐየረሎምን ብሳላ እዚ ድማ ብእግሮም ወይ ድማ ብሓደ ክራንች ተጠቒሞም ዓርሶም ኽኢሎም ዝንቀሳቐስሉ መንገዲ ከምዝተፈጠረ፤ ከምኡ እውን ን192 ኣብ ዓይኖም መጉዳአቲ ዝበፅሖም ተጋደልቲ ምስ ሆስፒታላት ውዕሊ ብምእሳር ተኸታታሊ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ከምዝኽኣሉ ወሲኹ ገሊፁ፡፡
“ቀዳማይ ሕርያ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ምእንተ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፣ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ኣካሉ ዝኸፈለ ጀግና ተጋዳላይና ካብ ዘላቒ ዝኾነ ኣካላዊ ስንክልና ብምድሓን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ክረክብ ምግባር እዩ፤” ዝበለ ተጋዳላይ ናስር፤ ስነ ልቦናዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተጋደልቲ ዝተማለአ ግልጋሎት ሕክምና ብምሃብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘረጋግፅሉ መንገዲ ንምፍጣር እናተሰርሐሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ተጋዳላይ ናስር ብቐፃልነት ክዕመሙ ኣብ ዝግበኦም ስራሕቲ ኣመልኪቱ ከምዝበሎ፤ ብቐዋምነት መጉዳእቲ ኣካል ንዝበፅሖ ተጋዳላይ መሰረታዊ ግልጋሎት ሕክምና ክረክብ ብምግባር ዓርሱ ኽኢሉ ክንቀሳቐስ፣ ክሰምዕ፣ ክርኢ፣ ድጋፍ ዊልቸር፣ ክራንች፣ መዳመፂ፣ ሓጋዚ መነፀር ዓይኒ፣ መራሒ መንገዲ በትሪ /ኬን/ ዝኣመሰላን ካልኦት ቴክኖሎጂ ዘፍረዮም መሳርሕታት ምምላእ ከምዘድሊ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ዝተፈላለየ ሞያዊ ስልጠናን ብምሃብ እቲ ጉዱእ ኣካል ዓርሱ ኽኢሉ እግሩ ዝተኽለሉ መንገዲ ክፍጠር ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡ ዓርሶም ኽኢሎም ክኸዱ ዘይኽእሉ ዝለዓለ ጉድኣት ንዝበፅሖም ተጋደልቲ ድማ ክሳብ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ሕውየት ዝረኽቡ እናሓከምካ እናሓብሐብካ ከምዝፀንሑ ኣፍሊጡ፡፡
“ተጠቃምነት ስድራ ስውኣትን ብኽብሪ ዝተሰናበቱ ተጋደልትን ኣብ ምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ” ንዝብል ሕቶ ተጋዳላይ ናስር እንትምልስ ድማ ብተናፀል ብከባብያዊ ምምሕዳር፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዝግበሩ ሓገዛት እንተሃለዉእኳ ከም ኮሚሽን ግን ዛጊድ እዚ ዝበሃል ስራሕ ከምዘይተሰርሐን ተሰሪሑ ዝብሃል ነገር እንተሃልዩ እውን እቲ ሓደ ክብሪ ብዘለዎ መንገዲ ስርዓት መርድእ ኣብ ምክያድ፣ ካልእ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ንዝርከቡ ልዕሊ 600 ስድራ ስውኣት መጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ይገልፅ፡፡
ብዕድመ፣ ብመጉዳእቲ፣ ብሕማም ብኽብሪ ንዝተሰናበቱ ተጋደልቲ እቲ ዝምለሰሉ ዘለው ስድራ ብሰንኪ እቲ ፅንተታዊ ኩናት ቁጠባዊ ዓቕሙ ኣዝዩ ዝደኸመ፣ ትብላዕ ትለሓስ ዘይብሉ፣ ተረፍ ፅንተት፣ ዝትበተነ ስድራ ምዃኑ ዘመላኸተ ተጋዳላይ ናስር፤ ንዚ ንምፍታሕ ከተማታት ዘለወን ሃፍተ ገነት ኣብ ግምት ብምእታው ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ኣብ ዝኽእሉ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ /ኮብልስቶን/፣ ኣብ ስራሕቲ ደኣንትን ካልኦትን ክዋፈሩ ይግበር ምህላው ኣፍሊጡ፡፡
ዋላ እኳ በቢከባቢኡ ንተመለስቲ ሰራዊት ንምሕጋዝ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እንተሃለው ቁፅሪ ብኽብሪ ዝተሰናበተ ተጋዳላይ ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ ግን ከም ኮሚሽን በቲ ዝድለ መንገዲ ይሕግዝ ኣሎ ምባል ከምዘይከኣል፤ እቲ ተጋዳላይ ብዲዲኣር ሒዝወን ዝወፅእ ውሑዳት ገንዘብ ተጠቒሙ ወዲብካ ናብ ስራሕ ክኣትው ኣብ ምግባር፣ ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዘሎ ሃፍተ ገነት ተጠቒሙ ናብርኡ ዝልውጠሉ መንገዲ ኣብ ምፍጣር ሕፅረታት ከምዘሎ ኣመላኺቱ፡፡
ብተናፀል ሓገዝ ምግባር ዘይፅላእ እኳ እንተኾነ ፍትሓውነትን ተጠቃምነት ንምርግጋፅ እቲ ኮሚሽን ቅደም ሰዓብ ኣነፂሩ ዘቐመጦም ጠለባት ጉድኣት ኩናት ስለዘሎ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲያስፖራ ተጋሩን ካልኦትን ዝገበርዎ ደገፍ ብፍንው መንገዲ ካብ ዝኸውን ብኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ተማእኺሉ ክኸይድ ከምዘለዎ ተጋዳላይ ናስር ኣተሓሳሲቡ፡፡ ኣብ መወዳእታ፤ “ሕድሪ ሰማእታትና ንምውሓስ ለኣላውነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 37 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰማእታት ሐዚ እውን ሉኣላዊ መሬትና ኣብ ዘይተረጋገፀሉ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ኣብዘይተመለሰሉ ተሓታትነት፣ ፍትሒ ኣብዘይተረጋገፀሉ እዋን ኮይንካ ዝበዓል ዘሎ ከምዝኾነን ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ብውነ ተረዲኡ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕን ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ኩሉ በቢኣካሉ ክረባረብ ከምዘለዎ ተጋዳላይ ናስር ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ፡፡
Gazeta Woyen
