መሊእና ዘይሰገርናዮ ሕሉፍ ጉዕዞ 50 ዓመት ሓያልነትን ተፃዋርነትን ህዝቢ ትግራይ ብምሓዝ፣ ክብርታት ውድብና ብሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ተዓቂቡ ብምቕፃል ትንሳኤ ትግራይና ክነግህድ ክንረባረብ ኣለና፤ ክብሉ ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፁ፤ ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዩቤልዮ 11 ለካቲት 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ስታድዮም ትግራይ ብፍሉይ ድምቀት አብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ።
ወፅዓን መፅቀጥትን ህዝቦም ምሒር ተሰሚዕዎም ሓሙሽተ ብረት ሒዞም ንበረኻ ወፂኦም ቃልሲ ዝጀመሩ 11 ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፃዒኑ ዝነበረ ኩለ መዳይ ጥፍኣትን ዕንወትን ንምቕራፍ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ እዞም ሓቀኛ ዕላማ ዝተሓንገጡ ውሑዳት ደቂ ህዝቢ መሬት ንሓረስታይ ንምክፍፋል መሰል ዓርሰ ውሳነ ንምኽባር ሰብኣዊን ዴሞክራሲያውን መሰላት ንምርግጋፅ ዓሊሞም ታሪኽ ኣብ ዝዓደላ በረኻ ደደቢት ሽግ ሓርነት ብምውላዕ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምብትታንን ጠቕሊሉ ካብ ምጥፋእን ዘድሓነ ህዝባዊ ቓልሲ ብምጅማር ህልውንኡ ምርግጋፁ ሓቢሮም።
ህወሓት ኣብ መስመሩን ፅንዓቱን ሓያል ውድብ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ህዝቢ ትግራይ ዝተወደበ ህዝቢ ተዓዋታይ እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ከምዝተዓወተ ወሲኾም ሓቢሮም። ህወሓት ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ንፈለማ ግዜ ወዲቡ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ኣረጋፁ ኣብ ዓወት ዘብፀሐ ህዝባዊ ታሪኻዊ ውድብ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኡ።
ህዝቢ ትግራይ ብውድብና ህወሓት እናተመርሐ ልዕሊ 60 ሽሕ መስዋአቲ ህይወት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣካላዊ መጉዳእቲ ብምኽፋል ዋርድያ ብሄራዊ ዕብለላ፣ ጭቆናን ምዝመዛን ሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ድንቁርናን ዝነበረ ስርዓት ደርግ ስዒሩ ዝወፀ ህዝቢ ከምዝኾነ ዘመላኸቱ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ዘመናዊ ብረት ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝተዓጠቐ፣ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ተባሂሉ ዝቕመጥ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ወታደር ዝነበሮ ፋሽስታዊ ወታደራዊ ስርዓት ደርግ ቅድሚ 34 ዓመታት 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም ሓመድ ድበ ክኣቱ ዝገበረ ጅግና ህዝቢ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መብርሂኦም፤ መሊኦም ዘይተሰገሩ ጉዕዞ ሕሉፍ መንፈቕ ክፍለዘመን ከምወትሩ ተፃዋራይነትን ሓያልነትን ህዝቢ ትግራይ ሒዝና እወንታዊ ለጋሲታትን ክብርታትን ወርቃዊ ጉዕዞ 50 ዓመት 11 ለካቲት ኣስጢምና ብሓዱሽ ወለዶ ተዓቂቡ ክቕፅል ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም።
ውድብና ህወሓት ዝውረስ እምበር ዝብተን ከምዘይኮነን ነዚ ተረዲእና ዘይንሰግሮ ፀገም ከምዘይህሉ ብእምነት ጨቢጥና ድሕሪ 25 ዓመት እነኽብሮ መበል 75 ዓመት “ኣልማዝ እዮቤልዮ” በዓል 11 ለካቲት ኣብ ሸትኡ ብምብፃሕ፣ ህልውናና ብምውሓስ፣ ትንሳኤ ትግራይ ብምርግጋፅ፣ ህዝቢ ትግራይ መለኡ ንኽድበስ ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣባል ስራሕ ፈፃሚት ውድብ ህወሓትን ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገ/እግዝኣብሄር ብወገና፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት በደልን ኣድልዎን ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘይፈልጥ፤ ናይ ኣይግዛእን በሃላይነት ክብሩ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተወራረሰ መንነቱን ክብሩን ሓልዩ፣ ሃለዋቱ ንምርግጋፅ ዘየቋርፅ ታሪኽ ቃልሲ ዝወነነ ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ብተወሳኺ ኣብ 1967 ዓ/ም ዝተጀመረ ቃልሲ ካብቲ ቅድሚኡ ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ዝነበረ ቃልሲ ዝፍለየሉ መሰረታዊ ጉዳይ ነቲ ናይ ህዝብና ናይ ቃልሲ ታሪኽ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ሓፍ ክብል ዝገበረን ብዝተወደበ መንገዲ መሪሑን ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡን ቅኑዕ ውድብ ህወሓት ዝፈጠረሉ ዕለት ብምዃኑን እዩ ኢላ።
ህወሓት ንብዙሓት ዓመታት ሓደራ ህዝቢ ንፃት እውን ከይሰሓተ ዝገጥምዎ ፈተናታት ብውሑሉል ቃልሲ እናኣለየ ብዓወት ናብዚ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዮ ክበፅሕ ከምዝኸኣለ ዝሓበረት ተጋዳሊት ፈለወርቅ፤ ህወሓት ካብ ህዝቢ ዝተፈጠረን ህዝቢ ዘዕሰለን ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ዝቃለስ ህዝባዊ ውድብ ከምዝኾነ እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ዝመፀሉ ጉዕዞ ዓርሱ ዝኸኣለ ምስክር ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብዛ ታሪኻዊት ዕለት 11 ለካቲት ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ንግዚኡ ረኺበዎም ብዘለው ጉልበት ተጠቒሞም ንህወሓት ዘይኮነ ምስሊ ክጥቅንዎ እንተፈተኑ እውን ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት ውድቡ እናተመርሐ ኣብ ረኺብዎ ዝነበረ ኩለመዳይ ለውጢ ማንም ነጋሪ ከምዘየድልዮ ኣዘኻኺራ።
ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ብዘይካ እዚ፤ ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ኩነታት ውድብ ህወሓት ንምፍራስ ዝተፈላለዩ ዝተሓላለኹ ውዲታት ይፍፀሙ ከምዘለው ብምሕባር እዚ ድማ ህወሓት ኣብ ክልተ ክምቀልን ሕጋዊ ሰብነት ከይረክብን ብሓፈሻ ውድብን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓደጋ ንምእታው ከቢድ ርብርብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ከምዝኾነ ነዚ ድማ ብርቱዕ ቃልሲ ዘድሊ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂባትሉ። ዝገጠመና ፈተና ከምዘሎ ኮይኑ 11 ለካቲት ብድምቀት ከይኽበር እንተተኸቢሩ ድማ እቲ በዓል ክድብዝዝ ንምግባር ብዙሕ ሽርሒ ከምዝተፈፀመ ዝገለፀት እንትኾን ህወሓት 11 ለካቲት ንምኽባር መሰል ከምዘይብላ ብዕሊ ብመግለፂ ከምዝተኣወጀ እዚ ድማ መግለፂ ናይቲ ህወሓት ንምብታን ዝግበር ሽርሒ ምዃኑ ወሲኻ ሓቢራ።
ኣብ መወዳእታ 11 ለካቲት ተሞክሮ 50 ዓመት ፆሚቅካ ዝውሰደሉን፣ ታሪኽናን ክብርታትናን ብግቡእ እንስንደሉን እንዕቅበሉን፣ ሓድነት ህዝብና ክጥንክርን ክብርታት ህዝብናን ውድብናን ጎሊሆም ክወፁን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ኣፍሊጣ።