ውክልና ህዝቢ ብዝሓዘ ቤት ምኽሪ ዝተመረፀ ኣመራርሓ ብህፁፅ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ተቐቢሉ ንህዝቢ አገልግሎት ክህብ ይግባእ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ዓድግራት።
ካብ ኩለን ጣብያታት ከተማ ዓድግራት ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ቤትምኽሪ፣ነባራት ዓቕሚ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ፣ ሰራዊት ትግራይን ህወሓትን ብህፁፅ ክትግበር ሓቲቶም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ዋላ እኳ ቤትምኽሪ እታ ከተማ ሽመት ኣመራርሓ እንተፅደቐ ብውልቀሰባት ተሸይምና ኢና ብዝብሉ ምስሌነታት ዝፈጥርዎ ዘለው ዕንቅፋት ህዝቢ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዘይከኣለ መረረቶም ገሊፆም።
ህዝቢ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ስዒቡ ዝተፈጠረ ኩለመዳያዊ ፀገማት ከይኣኽሎ ልዕልና ስልጣኑ ኣሕዲጎም ምስሌኔታት ብምምዳብ ንተወሳኺ ፀገም ክቃላዕ ይገብሩ ኣለው ኢሎም።

ምስሌነታት እቲ ጉጅለ ድሕረት ከምቀንዲ ሜላ መቐነዪ ሽመቶም ወሲዶም ሓድነት ህዝብና ክልሕልሕ ይሰርሑ ከምዘለው ብምግላፅ ሓላፍነት ህዝቢ ዝሓዘን ተሓታትነት ዝረጋገፀሉን ብቤት ምኽሪ ዝተሾመ መሪሕነት ሙሉእ ምምሕዳራዊ ስርሓቱ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ህዝብና በቢደረጅኡ ኣብ ዘካየዶም መድረኻትን ብሓባር ኣብ ዘካየዶ ብሄራዊ ኮንፈረንስን ውሳንኡ ኣፍሊጡ እዩ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ዝኸፈለሉ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ክንፈግ ኣይግባእን ክብሉ ኣገንዚቦም።
ሰራዊት ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ እውን ህዝቢ ዝፅበዮ ዝነበረን ትኽክለኛን እኳ እንተኾነ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ መልክዑ ዛጊድ ክትግበር ከምዘይከኣለ ብምግላፅ ብህፁፅ ክትግበር ሓቲቶም።

ብሓፈሻ “ውሳነታት ብሄራዊ ኮንፈረንስ ሰራዊት ትግራይን ተተግቢሩ ህወሓት ዘሕለፎ ውሳነ ምምዕርራይ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ክትግበር ይግባእ” ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ከንቲባ ከተማ ዓዲግራትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ብፃይ ረዳኢ ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ዝሸሞ ኣመራርሓ ብሰንኪ ጉጅለ ክሕደትን ንሱ ዝሸሞም ምስሌኔታትን ዝፈጥርዎ ዘለው ዕንቅፋት ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከይረክብ፣ ናይ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ስርሓቲ ከይስርሑ ብሓፈሻ ብኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ከይሓውን ናብ ልምዓት ከይኣቱን ዓብይ መሰናኽል ኮይኖም ከምዘለው ሓቢሩ።

ውሳነ ህዝቢ ዝወከሎ ቤት ምኽሪ ብዘይውዓል ሕደር ክትግበር ይግባእ ዝበለ ብፃይ ረዳኢ ብፍላይ ሎሚ ፅባሕ ሕጋዊ መሪሕነት ክፈትሐልና ኢሎም ዝፅበዩ ዘለው ክሳብ ሚያዝያ 2017 ዓ/ም መዕለቢ ክግበረሉ ዝወፀ ካብ ገፀር ናብ ከተማ ናይ ዝኣተወ መሬት መጠሻን ብኮሚሽን ሓርበኛታት ዝወፀ ናይ ተጠቃምነት መሰል ሕቶ መንበሪ ስድራ ስውኣት፣ ተመለስቲ ሓርበኛታትን ተጋደልትን ሕዚ ብጣዕሚ ተባራዒ ሕቶ ኮይኑ ልዕሊ ዓቅሚ ፀገም ከይፈጥር ብእዋኑ ክፍታሕ ስለዝግባእ ውሳነ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ፣ ሰራዊት ትግራይን ውድብና ህወሓትን ክትግበር ፀዊዑ።