ህልውናና ህዝብናን ውድብና ውሑስ ንምግባርን ጉዕዞ ትንሳኤና ንምግሃድን ኩሉ ከም ሓደ ኮይኑ ክረባረብ ከምዘለዎ ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።
ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ነዚ ዝገለፁ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት ኣብ ህልው ኩነታት ውድብ ህወሓት ሓድነት ህዝብና ንምዝራግ ይካየድ ኣብ ዘለው ምንቅስቓሳት፣ ቐፀልቲ ኣንፈታትን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ኣመልኪትና ብፍሉይ ኣብ ዘካየድናዮ ቃለ መሕተት እዩ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መብርሂኦም፤ “እንርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብ ክሊ እዞም በዳህቲ ፈተናታት ተሓፂርና እግርናን ኢድናን ኣጣሚርና እንሪአሉ ዘይኮነስ መዋፅኢ መንገድታት ኣለሊና፣ ጉዕዞ 50 ዓመት ልደት ቃልሲ ህወሓት ገምጊምና ቃልና እነሐደስሉ፣ መፂእና እንፍትሸሉ ክኸውን ይግባእ፤” ኢሎም።

“እዚ መድረኽ እዚ ህዝቢ ትግራይ ብፅንተታዊ ኩናት ካብ ዝበፅሖ በሰላታትን ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ጭንቅን ፀበባን ወፂኡ፤ ድሕሪ 25 ዓመት ኣበይ ክበፅሕ ከምዘለዎ ሸቶታት ተቐሚጦም ናይ ሓደ ትውልዲ ትልሚ ወይ ፍኖተ ካርታ እንሕንፅፀሉ ክኸውን ኣለዎ።” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ነዚ ድማ መንግስቲ፣ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካን ክፋላት ሕብረተሰብን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ቃል እንኣትየሉ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናት ካብዘብፀሐልና በሰላታት እንሓውየሉን እንመሃረሉን ክኸውን ይግባእ ኢሉዎ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ብዘይካ እዚ፤ ውድብ ህወሓት ብምፍራስ ኣቢልካ ህዝቢ ትግራይ ብከባብያውነት ውሽጣዊ ሓድነቱ ክበታተን ናይህልውና ሓደጋ ክፍጠር ውሽጣውን ደጋውን ሽርሕታት ተተሊሙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ብወፍሪ እምቢታ ኣቢልካ ተግባራት ፅግዕተኛ ሓይሊ እናቃላዕኻ ጥርሖም ክተርፉ፣ አተን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጣ መትከላት ማለት እውን፤ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ክኽበር ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ክህሉ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
“ነዞም ፀገማት እዚኦም ንምፍታሕ ይትረፍ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይንካ ኣብ ስሩዕ መንግስቲ ኮይንካ እውን ኣፀገምቲ እዮም፤” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካል፤ ይኹን እምበር ኣብ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ዝፍትሑ ፀገማት ኣለሊኻ ኣብ ደብረኽረኽ ኣትዩ ዘሎ ፖለቲካ ትግራይ ንምዕራይ ብሄራዊ ረብሕኡን መሰሉን ንምኽባር ድልው ዝኾነ፤ ነዚ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ኣመራርሓ ስኢኑ “ቀልጢፍኩም ተመዓራሪኹም ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ውሑስ ግበሩ” ይብል ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ከምኣገላልፃ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ውድብ ህወሓት ድሕሪ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤኡ መሪሕነቱ መሪፁ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣካይዱ፣ ንዝኸሓደ ኣካል ኣሰናቢቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንገዲ ጥዕና ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣመራርሓ ኣመዓራርዩ ፍኖተ ካርታ ኣዳልዩ ናብ ህዝቢ፣ ኣባል ወሪዱ ይሰርሕ ከምዘሎን ብቐፃሊ እውን ህዝባዊ ውዳበታት ተሰጣጢሙ ክኸይድ፣ ብፍላይ ይፈታተንዎ ንዘለው ከባብያውነት ኣትሪሩ ንምቅላስ “እምቢ ንብሄራዊ ክሕደት፣ ብተናን ምልክን” ዝብል ኣንፈት ነፂሩ ይቃለስ ምህላው ኣገንዚቦም።
“ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ቃልሲ ስለዘለና ዝተፈለየ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ይሓተና ኣሎ፤” ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዓርሱ ሓደ ዓብዩ መቃለሲ ዕድል ስለዝኾነ ነቶም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኣተው ኣካላት ሒዝካ ህዝብና ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ክወፅእ ውድብ ህወሓት ናይ ትማልን ሎሚን ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መፃኢ ውድብ ኮይኑ ንክቕፅል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመሉ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ከይኣክል ሐዚ ድማ ብናይ ባዕሉ ኣካላት ዝተፈላለዩ ፀገማት ይገጥምዎ ከምዘለው ዶ/ር ደብረፅዮን ይገልፁ። እዚ ሓደጋ መቐፀልታ ናይቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ከምዝኾነን እዞም ሓይልታት እዚኦም ካብ ገፅ መሬት ክበርስ ምስዝደልዩ ኣካላት ኮይኖም ሓድነቱ ክብተን፣ ብኢኮኖሚ ክዳቐቕ፣ ነንባዕሉ ክባላዕን ሰላሙ ክዝረግን ምስናይ ደገን ውሽጥን ተሻሪኾም ይሰርሑ ከምዘለው ኣገንዚቦም።
ብፍላይ እቲ ዝበስበሰ ፅግዕተኛ ጉጅለ ዝለዓለ ስልጣንን ሓላፍነትን ንዘለዎን ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሻን ኣብያተ ምኽሪ ትግራይ ክፈርሳ፣ ናይ መኸተ ሓይሊ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ብምኽንያት “ዲዲኣር” ክብተን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። እዚ ተግባር እዚ ድማ ነቶም ብኹናት መሊኦም ዘየፅነቱና ሓይልታት መቐፀልታ ፅንተታዊ ኩናትን እከይ ተግባርን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ድሕሪ ጉባኤ ዝተኻየዱ መድረኻትን ውፅኢቶምን ኣመልኪቶም ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ህወሓት እቶም ፀገማት እናተሓላለኸ ሓደጋ ህልውና እናኾኑ ምስመፁ ናብ በዓል ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ፣ ኣባልን ካድረን ወሪዱ ኣብ እንታይነትን መንነትን እቲ ዝኸሓደ ፅግዕተኛ ጉጅለ፣ ኣብ መፍትሒ ሓሳባት፣ ኣብ ህልው ኩነታት ውድብ ህወሓት ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ንምሓዝን ተናቢብካ ሰሚርካን ንምኻድን ዘኽእሉ ናይ ምርድዳእ መድረኻት ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።
ብዘይካ ናይ ህዝብን ውድብን መድረኻት ምስ ሰራዊት ትግራይ ምዝርራብ እናተገበረ ምምፅኡ ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ እዚ ዝኸሓደ ጉጅለ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ከይህልወና ኮነ ኢሉ ይሰርሕ ከምዘሎን ጠቕሊሉ ናብ ውልቀ መላኽነት ምስግጋሩን ተነፂሩ ብሰላማዊን ፖለቲካውን መድረኽ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ግልፂ ገይሮም።
ዶ/ር ደብረፅዮን፤ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቶም ድማ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት እናኽበረ ዝርከብ ውድብ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ካብ ሰለስተ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ መዝጊብካ ኣለኹ ምባል መንነትናን ታሪኽናን ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘህስስ ስለዝኾነ ብዝኾነ መዐቀኒ ተቐባልነት ከምዝይብሉን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ምሓዝን ዘይምሓዝን፣ ጉባኤ ምድጋምን ዘይምድጋምን ዘይኮነ ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ሕቶ ዘእቱን መኸተ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሕንሽሽን እዩ ኢሎም። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ፅግዕተኛ ጉጅለ ተናቢቡን ተኣሳሲሩን ዝሰርሖ ዘሎ ሽርሒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ርክብ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝትግበር እንተኾነ እኳ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ኣብዘይተኸበረሉ፣ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመለሰሉን ሐዚ እውን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣብዘለወሉን ኩነታት፣ ነዚ ዕልባት ከይገበርካ “ኣነ እየ ዘመሓድረኩም፣ ኣነ እየ ኣፍልጦ ዝህበኩም” ምባል ትኽክል ከምዘይኮነን ኮነ ኢልካ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንምድኻም ዝፈሓሰ ዘሎ ሽርሒ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት እንትኽበር ዘለናሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብ ክሊ እዞም ፈተነታት ተሓፂርና ክንነብር ዘይኮነስ ጉዕዞና ንቕድሚት ንምስጓም ዘኽእለና ስራሕቲ ብምስራሕ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስን ህልውናና ውሑስ ንምግባርን ኩለመዳይ ቃልሲ ክካየድ ምዃኑ፤ በዚ ኣቢልካ ድማ ጉዕዞ ትንሳኤ ትግራይ ንምርግጋፅን ሓፋሽ ህዝብና፣ ኣባላት ውድብናን ደገፍትናን ኣብ ፅላል ውድብ ህወሓት ዓሲሎም ሎሚ እውን ከምቀደም ክረባረቡ ይግባእ ክብሉ ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።